ጸሎተ ሓፁረ መስቀል፥ መስቀል ልዕሊ ኵሉ ነገር ጽኑዕ ቀጽሪ፣ መስቀል ጽንዓት ቤተ ክርስቲያን፣ መስቀል ኣሰናፊ ጸላኢ፣ መስቀል ስብከት ነቢያት፣ መስቀል ሓበን ሓዋርያት፣ መስቀል ኣክሊል ሰማዕታት፣ መስቀል መያጤ ኣረማዊ፣ መስቀል ኅብስቲ ጥሙያን፣ መስቀል ፈልፋሊ ማይ ጽሙኣን፣ መስቀል ልብሲ ዕሩቃን፣ መስቀል ዕብየት ነገሥታት፣ መስቀል ንጽሕና ኣበስቲ፣ መስቀል ልዕልና ሀብተ ክርስቲያን፣ መስቀል ንሰይጣን ዝቐጥቀጦ በትሪ፣ መስቀል ኣቦ ዘኽታማት፣ መስቀል ሓላዊ መበለት፣ መስቀል ንሰንከልከል ዝበለ ደጋፊ፣ በዚ ትእምርተ መስቀል ገጽናን መላእ ሰብነትናን ኣማዕቲብናን ጸይርናን ኣብ ጊዜ ፈተና ጽኑዕ ሓፁርን ኃያል ዋልታን ኾነና፡ ንዘለዓለም አሜን!