ነገረ ድኅነት (1ይ ክፋል)

Nov 11, 2015

ነገረ ድኅነት (1ይ ክፋል)

ነገረ ድኅነት ፥ ኣቦና ኣዳም ካብ ዝወደቖ ኃጢኣት ብኸመይ ከም ዝደኃነን ንሕና ደቁ ብኸመይ ከምእንድኅንን መንግሥተ እግዚአብሔር ከምንወርስን ዝምህር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። መበገሲ ትምህርቲ ነገረ ድኅነት፡ ውድቀት ኣዳም እዩ። ምኽንያቱ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ኃጢኣት ዝሠርሐ፡ ቃል ኪዳን ድኅነት ውን ዝተኣትወሉን ቀዳማይ ሰብ ንሱ እዩ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዓለም ብሥነ-ፍጥረት እናኣማዕረገ ድኅሪ ምድላዉ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኽቡር ጋሻ ፍጥረት ዝኾነ ሰብ ፈጠሮ። ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እዚ ኸረድኡ ኸለዉ ከምቲ ሓደ ለዋህ ሰብ ንዝዓደሞ ጋሻ ዝኸውን መብልዕን መስተን ኣቐዲሙ ዘዳሉ፣

እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ኣቐዲሙ ዘስተንፍሶ ኣየር፡ ዝሰትዮ ማይ፡ ዝበልዖ መግቢ፡ ዝነብረሉ ገነት ከምኡ ውን ካልኦት ንኣንክሮን ተዘክሮን ዝኾንዎ ዘበሉ ዅሎም ምስ ኣዳለወ ንኣዳም ፈጠሮ።

ናይ ዓለም ገዛእን ኣዛዝን ኮይኑ ንኺነብር ብኣርኣያን መልክዕን እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ፍጡር ንሱ ጥራይ እዩ። ‘. . . ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሣ ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳን ብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን፡ ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ።’ (ዘፍ. ፩፥፳፮/1፥26) እግዚአብሔር ኣብ ኣዳም ዘለዎ ፍቕሪ ብሥነ-ፍጥረቱ ኣኽቢሩ ብኣርኣያኡን መልክዑን ፈጢሩ ኣብ ትሕቲኡ ብዝሃቦ ናይ ገዛእነት ሥልጣን ተረጋጊጹ እዩ። ኣዳም ግና ነቲ ‘ካብዛ ዕፀ በለስ ኣይትብላዕ፡ ምስ ትበልዕ ክትመውት ኢኻ’ ዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣፍሪሱ ነቲ ዝተዋህቦ ክብሪ ሰኣኖ።

ሓደ ሓደ ሰባት ‘ዕፀ በለስ እንተዘይትፍጠር፡ ኣዳም ኣይምስሓተን ነይሩ።’ ብምባል ዚዛረቡ ኣለዉ።

ግና ዕፀ በለስ ስለምንታይ ተፈጢራ፧

1. ኣዳም ኣብ እግዚአብሔር ዘለዎ ፍቕሪ ንኺግለጽ፡-
እግዚአብሔር ነቲ ኣብ ኣዳም ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ምፍጣር ክሳዕ መወዳእታ ገሊጹሉ እዩ። ፍቕሪ ኣዳም ኣብ እግዚአብሔር ‘ከ ብኸመይ’ዩ ዝፍለጥ፧ ፍቕሪ ኣዳም ዝፍለጥ ከኣ ሕግን ትእዛዝን እግዚአብሔር ብናጻ ድሌቱ ምስ ዘኽብር እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘እቲ ንትእዛዛተይ ተቐቢሉ፡ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ’ (ዮሓ. ፲፬፥፳፩/14፥21) እናበለ ከምዝመሃረና ‘ፈታዊ እግዚአብሔር፡ ንእግዚአብሔር የፍቅር እየ’ ንኽብል ክልተ ነገራት የድልዮ፡-
* ትእዛዝ እግዚአብሔር ምቕባል።
* ትእዛዝ እግዚአብሔር ምሕላው።
እግዚአብሔር ፍቕሪ ኣዳም ንኺፈልጥ ትእዛዝ ክህቦ እሞ፡ ኣዳም ድማ ክሕሉ ነይርዎ። ስለዝኾነ ኸኣ ዕፀ በለስ ትእዛዝ ተሰኪማ ናይ ሕጊ ኦም ኮይና ተዋህበቶ። ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደለኻ ብላዕ። ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ።’ (ዘፍ. ፪፥፲፮/2፥16)በሎ። ኣዳም፡ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኣኽቢሩ፡ ክብርን ጸጋን ከይተነከዮ ንሾብዓተ ዓመታት ምንባሩ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሊቃውንትን ይምህሩና። ‘እቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝሕሉ ድማ እግዚአብሔር ኣብኡ ይነብር። ንሱ እውን ኣብ እግዚአብሔር ይነብር. . .።’ (1ይ ዮሓ. ፫፥፳፬/3፥24) ከም ዝተባህለ ኣዳም ኣብ እግዚአብሔር፡ እግዚአብሔር ከኣ ኣብ ልቢ ኣዳም ነበረ።

2. ፍጡር ምዃኑ ንኺፍለጥ፡-
ኣቐዲሙ ዲያብሎስ ፍጡር ምዃኑ ረሲዑ ፈጣሪ ኣነ እየ፡ ብምባሉ ወደቐ። ስለዚ ኸኣ እግዚአብሔር ንኣዳም ፍጡር ምዃኑን ፈጣሪ ከም ዘለዎን እተፍልጥ ምልክት (ዕፀ በለስ) ሃቦ። ወሃቢ ትእዛዝ ከም ዘሎ ተቐባሊ ትእዛዝ እውን ከምዘሎ ተፈልጠ። ኣዳም ንዅሉ ግዛእ ክበሃል ከሎ ንዅሉ ክገዝእ ካብቲ እግዚአብሔር ዝፈቐደሉ ንታሕቲ ምዃኑ ዘፍልጥ ‘ግበር ኣይትግበር’ ዝብል ናይ ምርጫ ሕጊ ተዋህቦ።

3. ናጻ ፍቓድ ንኺግለጽ፡-
ናይ ሓደ ሰብ ናጻ ፍቓድ ክፍለጥ ዝኽእል ናይ ምርጫ መሰል ምስ ዝህልዎ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ግና ምግዳድ እምበር ናጻ ፍቓድ ክብሃል ኣይኽእልን። እግዚአብሔር ንኣዳም ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደለኻ ብላዕ። ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ።’ በሎ። (ዘፍ. ፪፥፲፯/2፡17)

በዚ ኸኣ ኣዳም ክልተ ምርጫ ተዋህቦ፡- ዝበልዖም ኣእዋም ገነትን፤ ክበልዓ ዘይተፈቕደትሉ ዕፀ በለስን። ነቶም ካልኦት ኣእዋም እንተበሊዑ ብሕይወት ኪነብር። ዕፀ በለስ እንተበሊዑ ግና ኪመውት። እግዚአብሔር ሓውን ማይን ኣብ ቅድሚኡ ቐረበሉ፡፡ ናይ ኣዳም ተራ ኸኣ ኢዱ ናብ ዝመረጾ ክዝርግሕ ነበረ። ‘ርአ! ሎሚ ሕይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ። ብሕይወት ምእንቲ ክትነብርን ክትበዝኅን ኣብታ ንኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ሃገር እግዚአብሔር ኣምላኽካ ምእንቲ ክባርኸካ ድማ ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመንገዱ ኸኣ ኽትከይድ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ፍርድታቱን ድማ ኽትሕሉ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ። ግና'ኸ ልብኻ ንድኅሪት እንተተመልሰ እሞ እንተዘይሰማዕካ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ክትሰግድ ከኣ እንተተሰሓብካን እንተኣምለኽካዮምን ብርግጽ ከም እትጠፍእ ብርግጽ ኣነ ሎሚ እምስክረልካ ኣሎኹ። . . . ።’ (ዘዳ. ፴፥፲፭-፲፰/30፥15-18)፤. . . ሕይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ከም ዘሎኹ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዐ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብሕይወት ምእንቲ ክትነብር ሕይወት ኅረ፡ ንሱ ሕይወትካን ምናኅ ዕድመኻን እዩ እሞ ኣብታ እግዚአብሔር ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሐቅን ያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ክትነብርሲ ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ። ቃሉ ድማ ስዓብ ናብኡ እውን ልገብ፡፡’ (ዘዳ. ፴፥፳፪/30፡22)

እምበኣር ዕፀ በለስ ዝተፈጥረት በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሠለስተ ምኽንያታትን ካልኦትን እምበር ንኣዳም ንምግጋይ ኣይኮነትን። ዋላ እኳ ኣዳም እንተተጋገየ እግዚአብሔር ግና መኸሮን መሃሮን ደኣ እምበር ኣኅሊፉ ኣይሃቦን። ናይ ዕፀ በለስ መፍጠሪኣ ቀንዲ ምኽንያት እንተዘይንገሮ ነይሩ ኣዳም ሰኣን ኣፍልጦ ተጋግዩ ምበልና ነይርና።
ኣዳም ፈትዩን ፈቒዱን ንእግዚአብሔር ከገልግልን ንትእዛዛቱ ኪግዛእን፡ ኣምላኽ ናጻ ፍቓድ ሃቦ እምበር ዕፀ በለስ እንተዘይትፍጠር ኣዳም፡ ብፍቓዱን ምርጭኡን ንእግዚአብሔር ምእዛዙን ዘይምእዛዙን ኣይምተፈልጠን ነይሩ።

ንኣብነት፡- ሓደ ደቁ ድልዱላት ኮይኖም ክርእዮም ዝበሃገ፡ ሥጋ ጥራይ ክበልዕሉ ዝደሊ ኣቦ ኣሎ ንበል። ካብ ክልቲኦም ደቁ ሓዲኦም ሕማም ከብዲ ስለዘለዎን ብዘይካ ሥጋ ካልእ ስለዘይሰማምዖን ሥጋ ጥራይ ይምገብ ነበረ። እቲ ኻልኣይ ውላዱ ግና ናይ ኣትክልቲ፡ ኣሕምልቲ መግቢ ኣዝዩ ይፈቱ ነበረ። ሥጋ ምስ ዚበልዕ ኣቦኡ ከም ዝሕጐስ ስለ ዝተረድአ ግና ሥጋ ክበልዕ ጀመረ። ካብ ክልቲኦም እቲ ንኣቦኡ ዘሐጐሰ መኖም እዩ⋮

እቲ ቐዳማይ ውላዱ ሥጋ ዝበልዐ ካልእ ኣማራጺ ስለዝሰኣነ እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ግና ካብ ድሌት ገዛእ ርእሱ ፍቓድ ኣቦኡ ኣቐዲሙ ሥጋ በልዐ። ኣዳም እውን ከምኡ እዩ። ዕፀ በለስ እንተዘይትነብር ነይራ ብገዛእ ፍቓዱ ንፍቓድ እግዚአብሔር ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ኣይምተፈልጠን ነይሩ።

ንስሕተት ኣዳም ተሓታቲ መን እዩ⋮

1. ዕፀ በለስ ድያ⋮

ዕፀ በለስ ብገዛእ ርእሳ ዝኾነ ክትገብር ትኽእል ፍጥረት ኣይኮነትን። ናብ ኣዳም ተጓዒዛ ብልዓኒ ኣይበለትን። ዕፀ-በለስ ኣብ ልዕሊ ኣዳም ሞት ዘምጽአት ውን መርዛም ብምዃና ኣይኮነትን። ኣቐዲምና ከም ዝርኣናዮ ዕፀ-በለስ ። ምእዛዝን ዘይምእዛዝን ትገልጽ ምልክት እያ። ደኃር ከኣ ‘ዕፀ በለስ እንተበሊዕካ ሞት ክትመውት ኢኻ፤ እንተዘይበሊዕካ ግና ብሕይወት ክትነብር ኢኻ’ ተባሂሉ እዩ። ካብ ሕይወትን ሞትን ንኺመርጽ ናጻ ምርጫ ተዋሂብዎ እዩ። ኣዳም ከኣ ዕፀ በለስ ብምብላዕ ሞት መረጸ። ‘ንሞት’ ዝወሰነ ባዕሉ’ዩ እምበር ካልእ ኣይወሰነሉን። ስለዝኾነ ኸኣ ዕፀ በለስ ተሓታቲት ኣይኮነትን።!

2. ዲያብሎስ ድዩ⋮

‘ኣየ ኣንታ ብሩህ ኮኾብ ወዲ ወጋሕታ ከመይ ኢልካ ካብ ሰማይ ወደቕካ ንስኻ ንኣሕዛብ ዘውደቕካስ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ! ንስኻስ ብልብኻ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ከዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማኅበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክድይብ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ በልካ።’ (ኢሳ. ፲፬፥፲፪-፲፬/14፥12-14)
‘ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኮነ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ከኣ ተዋግኡዎም። እንተኾነ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተሳዕሩ። ድኅር'ዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዘስሕታ ዘሎ ዲያብሎስን ሰይጣንን ዝበሃል ዓቢይ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ።’ (ራእ. ፲፪፥፯-፲/12፥7-10)

ሰይጣን ንገዛእ ርእሱ ካብ ክብሪ ኣዋሪዱ፡ ናብ ውርደትን ሰይጣንነትን ኣቃልዐ። ከምቲ ዕንጨይቲ ምስ ዕንጨይቲ ተፈሓፊሑ ሓዊ ዚፈጥር፡ ሰይጣን ውን ትዕቢትን ሓሶትን ካብ ርእሱ ኣመንጭዩ ንርእሱ ኣጥፈአ። ከምቲ ንሱ ብገዛእ ፍቓዱ ነቲ ክብሩ ዘጥፍኦ ንሕና ውን ክንስእኖ ደለየ። ስለዝኾነ ኸኣ ናብ ሔዋን መጽአ። ክፉእ ምኽሪ መኸራ። ሔዋን ከኣ ካብታ ዕፀ በለስ ቀንጢባ በልዐት።
እሞ ኸ ቀንዲ ተሓታቲ ዲያብሎስ ድዩ∶: ኣይፋሉ! ዲያብሎስ ካብዛ ዕፀ በለስ እንተ በሊዕኹም ኣምላኽ ክትኾኑ ኢኹም ብምባል ክፉእ ምኽሪ መኺርዋ። ንሔዋን እዚ ንዕፀ በለስ ዝምልከት ድኂሩ ዝሰዓበ ካልኣይ ትምህርቲ እዩ። እቲ ቐዳማይ ዝተነግሮም ትምህርቲ፡- ዕፀ በለስ እንተበሊዕኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝብል ትምህርቲ እግዚአብሔር!

እቲ ኻልኣይ ከኣ ዕፀ በለስ እንተበላዕኩም ኣምላኽ ክትኾኑ ኢኹም ዝብል ትምህርቲ ሰይጣን።

እግዚአብሔር እሙን ኣምላኽ ምዃኑ ባዕሉ ኣዳም ፈቲኑ ክፈልጥ ክኢሉ እዩ። ከመይ! ንሾብዓተ ዓመታት ሞት ከይረኣየ ይነብር ነይሩ’ዩ። እንተኾነ ኣዳምን ሔዋንን ብፍቓዶም ንሕጊ እግዚአብሔር ጥሒሶም ብምኽሪ ዲያብሎስ ተመርሑ። ዲያብሎስ ክፉእ ምኽሪ ጥራይ ደኣ እዩ ዝመኸረ እምበር ብኢዶም ኂዙ ኣየቝረጾምን ቈሪጹ ውን ኣየኾለሶምን። ኣመዛዚንካ ምውሳን ግደ ኣዳምን ሔዋንን እዩ ዝነበረ። ዲያብሎስ ምኽንያት ስሕተት ደኣ ይኸውን እምበር ንኽንስሕት ናይ ምግዳድ መሰል የብሉን። ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ‘እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንዲያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ ንሱ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱ ውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ኃጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ ውን ልብኹም ኣንጽሑ።’ (ያዕ. ፬፥፯-፰/4፥7-8) ከም ዝብለና ኣዳምን ሔዋንን ንዲያብሎስ ናይ ምቅዋም መሰልን ሥልጣንን ነይርዎም እዩ። ንሳቶም ግና ንሥልጣኖምን ንመሰሎም ኣኅሊፎም ሃብዎ ። ስለዚ ኸኣ ንስሕተት ኣዳምን ሔዋንን ዲያብሎስ ተሓታቲ ኣይኮነን! ቀንዲ ተሓታቲ ባዕሉ ወዲ ሰብ እዩ። በዚ እዩ ኸኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ ሔዋን ብተመን እዩ ብምባል ዘቕረበቶ ምኽንያት ዘይተቐበሎ።

ውድቀት ኣዳም እንታይ ማለትና እዩ⋮

ኣዳም ወዲቑ ክንብል ከሎና ጸጋኡ ተገፊፉ፡ ካብ ክብሩ ተዋረደ ማለትና እዩ።

* ዕርቃኑ ወፅኣ፡- ንኣዳምን ሔዋንን ኽዳን ጸጋ ነበሮም። ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሶም ዕፀ በለስ ምስ በልዑ ግና ዕርቃኖም ወፅኡ። ‘ሽዑ ኣዕይንቲ ኽልተኦም ተኸፍታ። ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ ቈጽሊ በለስ ኣለጋጊቦም ድማ ተዓጥቑ።’። ዘፍ. ፫፥፯/3፥7
* ኃይሊ ሰኣነ፡- ፈቃደ ነፍሲ ኣብ ልዕሊ ፈቃደ ሥጋ ዝነበራ ኃይሊ ሰኣነት። ሰብ በቲ ንዓይኑ ጽቡቕ፡ ንመብልዕ ጥዑም፡ ንጥበብ ብምሃብ ከኣ ዘብህግ ኮይኑ ዝርአ ነገር ተሣዕረ። (ዘፍ. ፫፥፮/3፥6) ሰብ ንእንስሳ ክመስል ብፍቓደ ሥጋ ተሣዕረ። ‘ሰብ ክቡር ከምዝኾነ ሰኣን ምፍላጡ ከምዝጠፍእ እንስሳ መሰለ።’ (መዝ. ፵፰፡፲፪/49፥12) ንእንስሳታት ስም ዘውፅኣሎም ኣዳም፡ ንእንስሳታት ፈርሀ። ካብ እግዚአብሔር ኣምላኹ ሃደመ። መንፈሳዊ ኃይሊ ሰኣነ።
* ጋሻ ኾነ፡- ናይ ገነት በዓል ርስቲ ከምኡ ውን ናይዛ ዓለም ጐይታ ዝነበረ ሰብ ንርስቱ ስኢኑ ጋሻ ኾነ። ርስቱ ዝናፍቕ ጋሻ። ነዚ ድማ እዮም ኣብዘበን ብሉይ ዝነበሩ ኣቦታት ኣጋይሽ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ። ‘ፈርዖን ከኣ ንያዕቆብ ክንደይ ዓመት ጌርካ∶’ ኢሉ ሓተቶ። ያዕቆብ ድማ ንፈርዖን እተን ብስደት ዝኃለፍክወን ሚእትን ሠላሳን ዓመት እየን” በሎ። (ዘፍ. ፵፯፥፰/47፥8) ‘ኣነ ናብ ምድሪ ዝመጻእኹ እየ እሞ ከም ኣቦታተይ ከኣ ጋሻ እየ።’ (መዝ. ፴፰፡፲፪/39፥12)
* ሰላም ሰኣነ፡- ኣዳም ሰላማዊ ኾይኑ እዩ ዝተፈጥረ፡፡ ሕጊ እግዚአብሔር ኣብ ዝጠሓሰሉ ጊዜ ግና ሰላሙ ኣጥፍአ። ተጨነቐን ተረበሸን። ፈሪሁ ውን ተኃብአ። ከመይ! ኃጥእ ብሰላም ክነብር ስለዘይክእል መኅብኢ ኣናደየ።
* ናጽነት ሰኣነ፡- ኣዳም ብናጽነት ዝነብር ናጻ ፍጡር እዩ ነይሩ። ሕይወትን ሞትን ናይ ምምራጽ መሰል ነበሮ። ሕጂ ግና ንሞት መሪጹ፡ ብማእሠር ሞት ተኣሥረ። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ሞት ነጊሡ’ ሮሜ ፭፥፲፬/5፥14 ከምዝበሎ ንጉሥነት ኣዳም ተሪፉ ባርያ ኾነ።
* ሕያውነት ሰኣነ፡- ኣዳም ሕያው ኮይኑ ንኽነብር እኳ እንተተፈጥረ፡ ንሞት ብገዛእ ርእሱ ብምዕዳሙ መዋቲ ኾነ። ከም እንስሳ መዋትን በስባስን ኾነ። ብወሪደ መቃብር ወሪደ ሲኦል ተፈሪድዎ ብነፍሱ ናብ ሲኦል ወረደ።
* በዓል ዕዳ ኮነ
ኣዳም ብገዛእ ርእሱ ዕዳ ኣምጽአ። ሞት ዝኣክል ዕዳ ተሰከመ። ነዚ ዕዳ እዚ ግና ኪኸፍሎ ኣይከኣለን።
ንገነት ሰኣና፡- ኣዳም ዝነበሮ ርስቲ ስኢኑ ተባረረ። ገነት ተዓጽወቶ። ስደተኛ ኾይኑ ድማ ተረፈ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕያዋን እምበር ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን እሞ (ማቴ. ፳፪፥፴፪/22፥32) ሞት ዝተሰከሙ ኣዳምን ሔዋንን እቲ ምስ ኣምላኽ ሕያዋን እግዚአብሔር ዝነበሮም ርክብ ተቛረጸ።
                                                                                                                        . . . ይቕጽል!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

ኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ንምግምጋም ጉባኤ…

ብዕለት 4-5 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ (ካሪክሉም) ዝግምግም ጉባኤ ተቓኒዑ።...

አሥርቆት ዘወርኀ መስከረም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ መስከረም ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥቅምት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ መስከረም...

እንቋዕ ናብ ዘመነ ማቴዎስ 2013 ዓ.ም.ግ. ኣብጽሓና።

“ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ኻብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ኸምዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፤ኣብ መንግሥተ ሰማያት እቲ ዚንእሶ የዓብዮ” ማቴ፡11፥11  ሄሮድስን...

ዐቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ እንቋዕ ናብ ዓመተ 2013…

ዐቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ብምኽንያት ርእሰ ዓውደ ዓመት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ቡራኬ፦ ንዅልኹም ኣብ ቀረባ ውሽጢ...

ባሕረ ሓሳብ ፡ ሓሳበ ዘመን ፳፻፲ወ፫/ 2013 ዓ.ም.

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እትጥቀመሉ መቝጸሪ ዘመን ባሕረ ሓሳብ ይበሃል። ባሕረ ሓሳብ ማለት ቍጽሪ ዘለዎ ዘመን፤ ናይ ዘመን ቍጽሪ፤ ሓሳብ ናይ...

ብዝተፈላለየ ዐውደ ትምህርት ዝተማህሩ መምህራን ተመሪቖም!

 ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብትርጓሜ መጽሓፍተ ሓዲሳት ሽድሽተ ተመሃሮ፡  ብመዝገብ ቅዳሴ ድማ ሸሞንተ ተመሃሮ ብድምር 14 ተመሃሮ ብደረጃ...

  

latest articles

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...