ሥነ ፍጥረት ዕለተ እሑድ(ሰንበት)

Oct 05, 2016

‘እሑድ’ ካብ አሐደ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ ‘ቀዳማይ፡ መጀመርታ’ ማለት እዩ። እግዚአብሔር፡ ንፍጥረታቱ ኪፈጥር ዝጀመረሉ ዕለት ብምዃኑ ቀዳማይ መዓልቲ ተባህለ። (ራእ. 4፡11) በዛ ዕለት’ዚኣ ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ። ንሳቶም ከኣ፦ ሓዊ፡ ነፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ(መሬት)፡ ጸልማት፡ ሰማያት፡ መላእኽቲ፡ ብርሃን እዮም። (ዘፍ. 1፡1)

• ኣብ ቀዳማይ ሰዓት ናይ ለይቲ ነቶም ናይ ሥነ ፍጥረት መሠረታውያን ዝኾኑ ኣርባዕተ ባህርያተ ከምኡ’ውን ኃሙሻይ ጽልመት ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ፈጠሮም። እቶም ኣርባዕተ ባህርያት ዝበሃሉ መሬት፡ ሓዊ፡ ማይ፡ ነፋስ ነቲ ባህሪኡ ንምግላጽን መርሚርና ንኽንፈልጥን ፈጠሮም። (ኢዮ. 12፡7-10) እዚ ድማ ፦
1. ሓድነቱን ሠለስትነቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦ እዞም ኣርባዕተ ባህርያት ሠለስተ ጠባያት እኳ እንተለዎም ብባህሪኦም ይጽውዑ። እግዚአብሔር ድማ ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል እኳ ሠለስተ እንተኾነ ብባህርይ፡ ብመለኮት፡ ብሥልጣን፡ . . . ግና ሓደ እዩ።
2. ሃብቱን ርኅራኄኡን ኃይሉን ክእለቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦

ሀ. መሬት ናይ እግዚአብሔር ሃብትን ትዕግሥትን ይገልጽ። ካብ መሬት ንመግበ ሥጋን ነፍስን ዝኸውን ይርከብ፣ ብዙኅ በረከተ ሥጋ’ውን ኣብ ውሽጣ ኣሎ።
- ‘እስመ ባዕል እግዚአብሔር ወየአክል ለኵሉ/ ሃብታም እግዚአብሔር ንዅሉ ዝኣክል በዓል ብዙኅ በረኸት’ዩ።(ሮሜ 10፡12) እንተለሚንካዮ ዚህብ፡ ዝደለኻዮ ዚፍጽም፡ ዝጐደለካ ዚምልእን ዘይውዳእ ሃብተ ጸጋ ዚውንን እዩ። መዝ. 136፡25
- መሬት ተዓጋሢት እያ። እንተሓረስካያ እንተዀዓትካያ ስለምንታይ ኢላ ዘይትዛረብ ንዅሉ ትጸውር። እግዚአብሔር ድማ ብትዕግሥቲ ንዅሉ ዚጸውር ንጻድቃንን ንኃጥኣንን፡ ኣማንን ከሓድን ብዘይ ኣፈላላይ ዚምግብ እዩ። መዝ. 7፡11።
ለ. ማይ ናይ ልዑል እግዚአብሔር ርኅራኄኡን ለውሃቱን ይገልጽ።
- ማይ ንዝረስሐ የጽርይ፡ ንዝጸምአ የርውይ። እግዚአብሔር ድማ ንዅሉ ብኃጢኣት ረኺሱ ዝነበረ’ሞ ‘ጐይታይ መሓረኒ’ ኢሉ ዝተነስሐ ይቕረ ኢሉ ካብ ርስሓት ኃጢኣቱ የንጽሖ። ከምኡ’ውን ነቲ ጽምኣት ነፍሲ ዘጋጠሞ ሰብ ማይ ሕይወት(ቃሉን ሥጋሁ ወደሙ) ሂቡ የስትዮ፡ ካብ ጽምኣቱ የናግፎ። ዮሓ. 7፡37
- ማይ ንሓዊ የጥፍኦ፡ የዝሕሎ። ልዑል እግዚአብሔር ድማ ንመዓቱ ኣቝሪሩ ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚቱ ካብ መከራና የናግፈና።
- ሰብ ብዘይ ማይ ብሥጋ ኣይነብርን’ዩ ። ወዲ ሰብ ከኣ ብዘይ ፈጣሪኡ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። ዮሓ. 15፡5
ሐ. ነፋስ ፍርዲ እግዚአብሔር ይገልጽ።
- ነፋስ ንሥርናይን ክርዳድን ይፈላሊ። ከምቲ ‘ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ’ (ማቴ. 3፡12) ዝብል እግዚአብሔር ድማ ጻድቃን ካብ ኃጥኣን፡ ምእመናን ካብ መናፍቓን ይፈሊ። ከከም ግብሮም ድማ ይፈድዮም። ጻድቃን ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ኃጥኣን ድማ ናብ ናይ ዘለዓለም ሥቅያት ይፈርዶም። ማቴ. 25፡32-34
መ. ሓዊ ናይ ልዑል እግዚአብሔር (ክእለቱ) ከሃልነቱ ይገልጽ።
ሓዊ ንዅሉ ንቑጽን ርሑስን የንድድ። ገደል ወይ ቀላይ እንተ ዘይከልኪልዎ ኸኣ መንገዲ ብዙኅ መዓልቲ ከይዱ ከቃጽል ይኽእል። ልዑል እግዚአብሔር ፍቕሩን ርኅራኄኡን እንተ ዘይከልኪልዎ ንዅሉ ፍጡር ከጥፍእ ይኽእል። ዘዳ. 4፡24፣ ‘እስመ ቅንየትከ ወምልክናከ ይሬስየከ ትሣሃል ላዕለ ኵሉ/ ግዝኣትካን ፈጣሪነትካን ይቕረ ንኽትብል የገድደካ’ ይብል። (ጥበበ ሰሎ. 12፡16)
ነዞም ኣርባዕተ ባህርያት ዝበሃሉ መሬት፡ ሓዊ፡ ማይ፡ ነፋስ ሠለስተ ጠባያት ዘለዎም ገይሩ ፈጠሮም።
ሀ. ባህርየ ሓዊ፦ ውዑይነት፡ ብሩህነት፡ ደረቕነት
ለ. ባህርየ ማይ፦ ብሩህነት፡ ግዙፍነት፡ ቈሪርነት
ሐ. ባህርየ ነፋስ፦ ጥሉልነት፡ ውዑይነት፡ ጽሉምነት
መ. ባህርየ መሬት፦ ደረቕነት፡ ጽሉምነት፡ ቈሪርነት
እዞም ኣርባዕተ ባህርያት ዘይሰማምዑ እዮም። ነፋስ ንመሬት ይጸራርጎ ይብትኖ፡ መሬት ድማ ንነፋስ ይጋርዶ ይኽልክሎ፣ ማይ ንሓዊ የጥፍኦ፡ ሓዊ ድማ ንማይ የሕፍፎ የድርቖ። እንተኾነ ግና በቶም ዝተጠቕሱ ሠለስተ ጠባያቶም ከም ዝተዓረቑን ከም ዝሰማምዑን ገበሮም።
ንኣብነት፡ ማይን ሓውን ተጻረርቲ እዮም፣ እንተኾነ ነፋስ ካብ ሓዊ ውዑይነት ካብ ማይ ድማ ጥሉልነት ወሲዱ የተዓርቖም።

• ኣብ ቀዳማይ ሰዓት ናይ ለይቲ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ዝፈጠሮ ኃሙሻይ ጸልማት እዩ። ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝተገልጸ ሰማይን ምድርን ካብ ኣድማስ ክሳብ ኣድማስ ጸልማት ነበረ። ዘፍ. 1፡2
- ጸልማት ኣይድኅሠሥን እዩ፡ ኣብ ጸልማት ዘሎ’ውን ኣይፍለጥን ኣይምርመርን። በዚ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ባህርየ መለኮት ዘይምርመርን ዘይድኅሠሥን ሥዉርን ልዕሊ ኣእምሮ ሰብን ምዃኑ ንርዳእ። መዝ. 16፡1
• ካብ ካልኣይ ሰዓት ለይቲ ክሳብ ሻሙናይ ሰዓት ለይቲ ድማ “ቃለ እግዚአብሔር ይመትር ነደ እሳት/ ድምፂ እግዚአብሔር ንናይ እሳት ብርሃኑ ካብ ረስኑ ይፈሊ” ከም ዝበለ (መዝ. 29፡7) ነቲ ናይ እሳት ረስኑ፡ ዋዒኡ፡ ኃዲጉ ብብርሃኑ ሸውዓተ ሰማያት ፈጠረ። (መዝ. 19፡11፣ ማቴ. 3፡17፣ 2ይ ቆሮ. 12፡2 ፣ ዮሓ. 14፡2 ፣ ዕዝራ ሱቱኤል 4፡4) እዚኣቶም ድማ፦
1. ጽርሐ ኣርያም ፈጠረ። ልዕሊ ኵለን ሰማያት እያ። ንመንበረ መንግሥት ከመ ጠፈር ኮይና ተገልግል። መጠናን ስፍሓታን ማንም ፍጡር ክፈልጦ ዘይክእል፡ ብሓዊ ዝተኸበት፡ ብርህቲ ገይሩ ፈጠራ።
2. መንበረ ስብሐት (መንበረ መንግሥት) ፈጠረ። እዚ መንበረ ስብሐት ዝተባህለ ኣርባዕተ መኣዝን ዘለዎ ዝፋን እዩ። ኣጋዕዝት ዓለም ሥላሴ በቲ ዝፈቀድዎ ንቅዱሳን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽሉ ሰማይ እዩ። ዘፍ. 28፡12-17፣ ኢሳ. 6፡1-2 ፣ ሕዝ. 12፡6፣ ራዕ. 4፡2፣ መዝ. 11፡4) ሰማይ ዉዱድ ሠሪቱዋ እዩ።
3. ሰማይ ውዱድ ፈጠረ፦ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተዘርጊሑ ንመንበረ መንግሥት ከም ምድሪ ቤት፡ ከም መሠረት ኮይኑ ዘገልግል እዩ። (ሕዝ. 1፡22 ፣ ሕዝ. 2፡6 )
4. ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ፈጠረ፦ ፈጢሩ ብቀጽሪ ሓዊ ቀጸራ። “ወቀብዓ ቀለመ እሳት መጠነ መፍቅዱ” ከም ዝበለ ከምዚ ገይሩ ኣብ ማእከላ ታቦት ዘዶር ገበረላ። ታቦት ዘዶር ማለት ዘአምላክ ዘመሥዋዕት ዘብርሃን ማለት እዩ፡ ንሳ ኸኣ ብእግዝእትነ ማርያም ትምሰል፡ “ታቦት ዘዶር እንተ ይእቲ እግዝእትነ ማርያም ከምዝበለ (ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም)። ሳጥናኤል ቅድም ዚተፈጥረላ ድኂሩ ድማ ዚወፀላ እያ። (ራዕ. 12፡9፣ ይሁዳ 1፡6) ኣብ ዳግም ምጽኣት ጻድቃን ዚወርስዋ ርስቲ ክርስቲያን እያ። (ገላ. 4፡4-26፣ ዕብ. 12፡22፣ ዮሓ. 14፡2)
5. ንኢዮር ፈጠረ፡ ሃገረ መላእክት እዩ።
6. ንራማ ፈጠረ፡ ሃገረ መላእክት እዩ።
7. ንኤረር ፈጠረ፡ ሃገረ መላእክት እዩ።
ኣብ ዘፍጥረት ‘ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ’ በለ። (ዘፍ. 1፡1) ስለምንታይ ‘ሰማያት ፈጠረ’ ብምባል ኣብዚኁ ዘይተዛረበ፧ እንተበልና ኵሉ ሓደ እዩ። ከምቲ ኣብ ሓደ ፓላሶ ብዙኅ ደርብታት ዘለዉ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሰማይ ብዙኅ ማኅደር ስለዘሎ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙኅ ማኅደርን መዕረፍን ኣሎ” ከም ዝበለ (ዮሓ 14፡2) ። ከምኡ’ውን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጴጥሮስ “ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብኣይ ክሳብ ሣልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ ይፍለጥ። 2ይ ቆሮ. 12፡2 ከምኡ’ውን “ሐደሰተ ሰማያተ ወሐደሳተ ምድረ ንሴፎ ዘውስቴቶን የኃድር ጻድቅ/ ንሕና ግን ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዝነብረሉ፡ ሓደስቲ ሰማያትን ሓደስቲ ምድርን ንጽበ ኣሎና’ ብምባል ብዙኃት ሰማያት ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ። 2ይ ጴጥ. 3፡13
• ታሽዓይ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
• ዓስራይ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ኢዮር ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
• ዓሠርተው ሓደ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ራማ ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
• ዓሠርተው ክልተ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ኤረር ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
በዚ ኸኣ ኣብ ዕለተ እሑድ ሰዓታት ለይቲ ዝተፈጥሩ እዞም ዝተጠቕሱ እዮም። ብድኅር'ዚ ናይ ዕለተ እሑድ ኣብ ሰዓታት መዓልቲ ተፈጥሩ።

ንግሆ ሰንበት ኣብ ቀዳማይ ሰዓት መዓልቲ፡ “ወይቤ እግዚአብሔር ለይኩን ብርሃን ማእከለ ጽልመት፡ ወኮነ ብርሃን ወርእዮ እግዚአብሔር ለብርሃን ከመ ሠናይ ውእቱ፡ ወፈለጠ ማእከለ ብርሃን ወማእከለ ጽልመት/ ሽዑ እግዚአብሔር ብርሃን ይኹን በለ፡ ብርሃን ድማ ኾነ እግዚአብሔር ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ፡ እግዚአብሔር ኸኣ ንብርሃንን ንጸልማትን ፈለዮም።” ብምባል ብነቢብ ብርሃን ፈጠረ። ዘፍ. 1፡3-4 ሽዑ ንብርሃን መዓልቲ ፡ ንጸልማት’ውን ለይቲ ኢሉ ሰመዮ። ዘፍ.1፡5 ንኽልቲኦም ሓደ ገይሩ ዕለት በሎ። ‘ዕለት ብሂል ዘያስተዛውጎሙ ለሌሊት ወለመዓልት/ ዕለት ማለት ብመዓልትን ለይቲን ሓደ ዚገብር እዩ።’ ከምዝብል።

እዚ ኸኣ ‘ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርኩም እንተዘይደሊኹምኒ ኣይትረኽቡንን ኣይግለጸልኩምን እየ’ ንምባል ብመጀምርታ ጸልማት ፈጠረ (ኢዮ 12፡7-10)። ድኅሪኡ ንብርሃን ምፍጣሩ ድማ ‘ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርኩም እንተደሊኹሙኒ ክትረኽቡንን ክግለጸልኩምን እየ’ ንምባል እዩ።

• ምሳሌ፦

1. ጸልማት ናይ መከራ፣ ብርሃን ድማ ናይ ዓወት ምሳሌ እዩ። ድኅሪ ብዙኅ መከራን ጻዕርን ኣኽሊል ጽድቂ ዓወት ክትረኽቡ ኢኹም ንምባል እዩ። (ግብ. 14፡21)
2. ጸልማት ናይ ኦሪት፣ ብርሃን ድማ ናይ ወንጌል ምሳሌ እዩ። “ለይቲ ኃሊፋ መዓልቲ ቐሪባ’ያ እሞ ስለዚ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።” ሮሜ. 13፡12 ንጸልማትን ብርሃንን ሓደ ዕለት ምባሉ፡ ኦሪትን ወንጌልን ብሕጊ ሓደ ስለዝኾነ እዩ።
3. ሌሊት ናይ ትስብእት (ሰብነት)፡ ብርሃን ናይ መለኮት ምሳሌ እዩ። ለይትን ብርሃንን ሓደ ዕለት ከምዝኾነ፡ ትስብእትን መለኮትን ድማ ብተዋሕዶ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ እዩ።
4. ጸልማት ናይ ድንቍርና(ዕሽነት)፡ ብርሃን ናይ ፍልጠት ምሳሌ እዩ። “ወኮኖሙ ዝንቱ ብርሃን ጥበበ ወአእመሮ” ይብል። እቲ ብርሃን ፍልጠት ኮይንሎም፡ ቅዱሳን መላእክት ‘ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ” ኢሎም ኣመስገኑ። ኢሳ. 6፡3 ።

ኣብ ካልኣይ ሰዓት መዓልቲ፦ እግዚአብሔር ንኢዮር ምስ ቀብአ፡ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ መላእክት’ውን ቀብኦም። ንዝንጋዔ ኣርሒቑ ንቑሓት ገይሩ ብርሃን ፍልጠት ሃቦም። ለዋሃትን ዕጉሣትን ብዘይምቝራጽ ዘመስግኑ፡ ድኻም ሞት ጥምየት ዘይሰማምዖም ገበሮም ማለት እዩ።

ኣብ ሣልሳይ ሰዓት መዓልቲ፦ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዘለዉ መላእክት ቀብአ። ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ ውን ፈለየ።
ኣብ ራብዓይ ሰዓት መዓልቲ፦ ነገደ ኪሩቤል ቀብአ፡ ትሸዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ ፡ ናይ ሓለቓ ሓለቓ ገጽ ሰብን ገጽ ኣንበሳን ሸመ።
ኣብ ኃሙሻይ ሰዓት መዓልቲ፦ ነገደ ሱራፌል ቀብአ። ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ፡ ናይ ሓለቓ ሓለቓ ገጽ ላሕምን ገጽ ንስርን ሸመ።
ኣብ ሻድሻይ ሰዓት መዓልት፦ ኃይላት ቀብአ። ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ፡ ናይ ሓለቓ ሓለቓ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሸመ።
ኣብ ሻብዓይ ሰዓት መዓልት፦ ኣርባብ ቀብአ። ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ። ናይ ሓለቓ ሓለቓ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ሸመ። ሄኖ. 6፡1-6
ኣብ ታሽዓይ ሰዓት መዓልት፦ ሥልጣናት ቀብአ፡ ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ፡ ናይ ሓለቓ ሓለቓ ቅዱስ ሱርያል ሸመ።
ኣብ ዓሥራይ ሰዓት መዓልት፦ መኳንንት ቀብአ። ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ። ናይ ሓለቓ ሓለቓ ቅዱስ ሰዳክያል ሸመ።
ኣብ ዓሠርተው ሓደ ሰዓት መዓልት፦ ሊቃናት ቀብአ። ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ። ናይ ሓለቓ ሓለቓ ቅዱስ ሰላትያል ሸመ።
ኣብ ዓሠርተው ክልተ ሰዓት መዓልት፦ መላእክት ቀብአ። ትሽዓተ ናይ ቤት ሓለቓ’ውን ፈለየ። ናይ ሓለቓ ሓለቓ ቅዱስ ኣናንያል ሸመ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ከምዚ ገይሩ ቀቢኡ በብሠለስተ ቦታኦም ኣትኃዞም፦
- ኪሩቤል ፡ ሱራፌል፡ ኃይላት፦ ኣብ ኢዮር
- ኣርባብ፡ መናብርት፡ ሥልጣናት፡- ኣብ ራማ
- መኳንንት፡ ሊቃናት፡ መላእክት፦ ኣብ ኤረር ።

ልዑል እግዚአብሔር ኣብ ሰማያት ዘለዉ መለእክት ክቐብኦም ከሎ፦ ናይ ጸጋ ክብርን ሥልጣንን ከም ዝተዋህቦም ንኺፈልጡ ኣክሊል ብርሃን ደፍኣሎም። ኣገልገልቱ፡ ግዙኣቱን ልኡኻቱን ምዃኖም ንኺፈልጡ ዝናር ብርሃን ኣዕጠቖም። (ሉቃ.12፡28-35) ንተልእኾ ምውራድን ምድያብን ከምዘሎ ንምግላጽ ብርሃናዊ ሣእኒ ወደየሎም። ሠራዊቱ ምዃኖም ንኺፈልጡ፡ ማኅተም መስቀል ዘለዎ ብርሃናዊ ዘንጊ ኣትኃዞም። (ዘፀ. 12፡11) ከምኡ’ውን ፍጡራን ምዃኖም ንኺፈልጡ ልብሰ ብርሃን ከልብሶም ከሎ፡ ብዘይ ፍቓዱ ኪርእይዎ ከምዘይክእሉ ንኸፍልጦም ድማ ብርሃናዊ መነጽር ሃቦም።

፨ ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚአብሔር ኣምላክ፡ ንዓሠርተው ክልተ ሰዓተ ለይትን ንዓሠርተው ክልተ ሰዓተ መዓልትን (24 ሰዓት) ዝሠርሓሉ ምኽንያት፡ ንጊዜኡ ፍቓዱ ስለዝኾነ እኳ እንተ ኾነ ፍጻሜኡ ግና ቅዱሳን ‘ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር’ እናበሉ ዕሥራን ኣርባዕተን ሰዓት ከምዘመስግንዎ ንምግላጽ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን !

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 15 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Saturday
25
ፍልሰተ ሥጋሁ ለእስጢፋኖስ፡ ወአባጴጥሮስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ቈላ.1፡1-10 ያዕ. 5፡13-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 6፡7-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 127/128 ወንጌል ዮሐ. 15፡12-19 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት 2014 ዓ.ም.

አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር በኢየሱስ ክርስቶስ በእንተ ኵልክሙ እስመ ተሰምዓት ሃይማኖትክሙ ውስተ ኵሉ ዓለም። (ሮሜ ፲፩፡፰)/ ኣቐዲመ ንዂልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖትኩም...

ዜና ዕረፍት ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል

 “ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ . . . ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21) ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...