ዓለም ለከ

21 መስከረም፡ ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል።

ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን መዓርገ ክህነት ተቐቢሉ ኣብ እስክንድርያ ዘገልግል ዝነበረ ኣርዮስ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ። ኣርዮስ፡ ካብ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ዝወፅአ ብፍጹም ክሕደት፡ “ወልድ ፍጡር እዩ እምበር ኣምላኽ ኣይኮነን” ብምባል ተላዕለ።

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ትምህርተ ክርስትና ዝሰበኽሉ፣ ካብ ኣይሁድን ኣሕዛብን መከራ ዝተቐበልሉን ብሰማዕትነት ዝኃለፉሉን ዘመነ ሓዋርያት ይበሃል። 

እዚ ኸኣ ካብ በዓለ ጰራቅሊጦስ 34 ዓ.ም. ክሳዕ መወዳእታ መዋዕል ወንጌላዊ ዮሓንስ ከባቢ 100 ዓ.ም. ዘሎ ዘመን እዩ።

ብዕለተ በዓለ ኃምሳ፡ ብስብከት ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ 3000 ኣይሁድ ኣሚኖም ጥምቀተ ክርስትና ምስ ተቐበሉ (ግብ. ሓዋ. 2፡41) ምስቶም ቀዳሞት 120 ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ተደመሩ። እታ እግዚአብሔር አብ ዝቐደሳ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዝተበጀዋ፡ መንፈስ ቅዱስ ዘጽንዓ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽርሐ ጽዮን ተወልደት።

ዘመነ ሊቃውንት፦ ርቱዕ ሃይማኖት ንምጽናዕ፡ ነቶም ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ከኣ ንምቅላዕን ንምግሣፅን ጽሑፋት ብግቡእ ዝተዳለውሉ፣ ብቝጽሪ ብዙኃን ዝኾኑ መናፍቓን ዝተንሥኡሉን ዓበይቲ ናይ መላእ ዓለም ሲኖዶሳውያን ኣኼባታት ዝተገብረሉን ዘመን እዩ።

እዚ ዘመን’ዚ ድኅሪ ናይ ነዊኅን መሪርን ዘመነ ሰማዕታት ዘሎ ጊዜ’ዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብፈቃደ እግዚአብሔር ብዘመነ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወልደ እሌኒ ንግሥት ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን ዕረፍት ረኺባ ብኣዋጅ ዝሰኣነቶ ናጽነትን መሰልን ረኺባ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ዝተኸፍተሉ ኣብያተ ጣዖታት ዝተዓጽውሉ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ብናጽነት ሃይማኖቶም እናመስከሩ ዝነበርሉ ዘመን እዩ።

ካብ ዓለመ መላእክት ክሳዕ ልደተ ክርስቶስ

ሓደ ካብቲ ትርጕም ‘ቤተ ክርስቲያን’ ሓድነት ናይቶም ሃይማኖተ እግዚአብሔር ዘለዎም ብምዃኑ፡ ብጊዜያት ቤተ ክርስቲያን ብሠለስተ ክፍሊ ንርእያ፦

ሀ. ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዓለመ መላእክት ዝነበረት ሓድነት መላእክት።
ለ. ካብ ኣቤል ክሳዕ ሓድሽ ኪዳን ናይ ዝነበሩ ሓድነት ቅዱሳን ሰባት።
ሐ. ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣማናዊት ሓድነት ክርስቲያን።

“ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ኣብቲ ሰዋስዋዊ ትርጕሙ ብዘይቤ ይኹን ብምሥጢራዊ ኣገላልጻ ሠለስተ ትርጕም ኣለዎ።

1. ንውሱን ቦታ የመልክት። እዚ ማለት ከኣ ናይ ምእመናን ቤት ዘመልክት ኮይኑ ‘ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኺድ’ ከም ዝበሃል እዩ። (መዝ.122፥1)
2. ስም እግዚአብሔር ጸዊዖም ዝእከቡ ምእመናን “ቤተ ክርስቲያን” ይበሃሉ እዮም። እዚ ትርጕም እዚ ወገንነት፤ ዜግነት ወይ ኣባልነት ናይ ክርስትና የመልክት። ኵሉ ካብ ያዕቆብ ዝተወለደ ቤተ ያዕቆብ ወይ ቤተ እስራኤል ከም ዝበሃል ማለት እዩ። ብመንፈሳውን ምሥጢራውን ልደት ካብ ክርስቶስ ንዝውለዱ ኸኣ ቤተ ክርስቶስ ኪበሃሉ ይከኣሉ እዮም። ምኽንያቱ ናይ ክርስቶስ ወገናት፡ ናይ መንግሥቱ ዜጋታት እዮም።

ዘመነ ዮሐንስ 28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.

December
Sunday
8
ዝክር፦ ተዝካረ አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ፡ወአባ ሰረባሞን፡ ወሊቃኖስ ዘእም፱ቱ ቅዱሳን። ዘቅዳሴምንባብ፦ ገላ. 3፡1-9። ያዕ. 2፡21-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ.3፡12-17። ምስባክ፦ መዝ. 96/97። ወንጌል፦ ማር. 12፡25-28። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ትግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

: :
Queue is empty
-- / --