ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም 318 ሊቃውንት፡ ትምህርተ ኣርዮስ ክሕደት ምዃኑ ገሊጾም ብሓባር ኣውገዝዎ። እዞም ሊቃውንት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጸሎተ ሃይማኖትን ኃሙሽተ ኣእማደ ምሥጢርን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝጠቕሙ ካልኦት ሥርዓታት ወሲኖም።
በዚ ዕለት’ዚ ነዚ ዝወሰንዎ ስለ እንዝኽሮ “ብዙኃን ማርያም” ተባህለ።
ሰላም ለክሙ ጳጳሳት አዕማድ፡
318 በፍቅድ፡
በእንተ ማርያም ጳጦስ ፀዋሪተ ነድ፡
ንዑ ንዑ መምህራን ትባርኩነ ለውሉድ፡
እንዘ ትእኅዙ መስቀለ በእድ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!