ዘመነ ሊቃውንት

Sep 29, 2017

ዘመነ ሊቃውንት፦ ርቱዕ ሃይማኖት ንምጽናዕ፡ ነቶም ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ከኣ ንምቅላዕን ንምግሣፅን ጽሑፋት ብግቡእ ዝተዳለውሉ፣ ብቝጽሪ ብዙኃን ዝኾኑ መናፍቓን ዝተንሥኡሉን ዓበይቲ ናይ መላእ ዓለም ሲኖዶሳውያን ኣኼባታት ዝተገብረሉን ዘመን እዩ።

እዚ ዘመን’ዚ ድኅሪ ናይ ነዊኅን መሪርን ዘመነ ሰማዕታት ዘሎ ጊዜ’ዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብፈቃደ እግዚአብሔር ብዘመነ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወልደ እሌኒ ንግሥት ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን ዕረፍት ረኺባ ብኣዋጅ ዝሰኣነቶ ናጽነትን መሰልን ረኺባ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ዝተኸፍተሉ ኣብያተ ጣዖታት ዝተዓጽውሉ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ብናጽነት ሃይማኖቶም እናመስከሩ ዝነበርሉ ዘመን እዩ።

እዚ ዘመን’ዚ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ሰይጣን፡ ነታ ተገሊጹ ብዘይውዳእ ዓይነት ስቓይን መከራን ሞትን ኣሳቕዩ ካብ ፍቅረ ክርስቶስ ኪፈልያ ዘይተኸእሎ ቤተ ክርስቲያን፡ ብሓዲሽ መናፍቕነትን ዓላማዊ ፍልስፍናን ዝተኸተለ ትምህርቲ ዝተዋግኣሉ ዘመን’ዩ። ኣመንትን ተደናገጽትን መሲሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምእታውን ምስ ገለ መራሕቲ ብምስምማዕን ንትምህርተ ክርስቶስን ስብከተ ሓዋርያትን ዚዘርግ ክርዳድ ዝተራእየሉ እዩ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ብናይ ጐይታ ትምህርቲ “ፀራዊ”፣ ብናይ ሓዋርያት ትምህርቲ “ቢጸ ሓሳውያን”፣ ብናይ ሊቃውንት ትምህርቲ ድማ “መናፍቓን” ይብሃሉ። እዚኣቶም ካብቲ ምሉእ ናይ ቤተ ክርቲያን ትምህርቲ ፍርቂ ፍርቂ ኂዞም፡ ነቲ ፍርቁ’ውን ኣደላዲሎም ዘይኃዙ መስሓትያን እዮም።

ኣብ ራብዓይን ኃሙሻይን ክፍለ ዘመን ብስሑት ትምህርቲ ኣብ ምሥጢረ ሥላሴን ምሥጢረ ሥጋዌን ዝተንሥኡ ዓበይቲ መናፍቓን፡-

• ኣርዮሳውያን
• መቅዶንዮሳውያን
• ሰባልዮሳውያን
• አቡሊናርዮሳውያን
• ንስጥሮሳውያን
• . . .

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዓነ ሃይማኖት ሊቃውንት ተመሪሓ ጉባኤያት ሠሪዓ ነቶም ዝተላዕሉ መናፍቓን ብቃለ እግዚአብሔር ረቲዓ ብንጽል ይኹን ብእኩም ኣወጊዛቶም እያ። እቶም ዓበይቲ ሠለስተ ጉባኤያት ፦

• ጉባኤ ኒቅያ ብ325 ዓ.ም. ምእንቲ ወልድ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ።
• ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ብ381 ዓ.ም. ምእንቲ መንፈስ ቅዱስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ፡
• ጉባኤ ኤፌሶን ብ431 ዓ.ም. ምእንቲ ምሥጢረ ተዋሕዶ፦ ጐይታና ኢያሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይን ከምዘለዎን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ምዃናን . . .

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ ክብሪ ዚጽውዑን ዝዝከሩን ሊቃውንት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ንኣብነት፦

• ቅዱስ ኣትናቴዎስ (ሓዋርያዊ) ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ
• ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ዘቂሳርያ (ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን)
• ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሊቀ ጳጳሳት ዘቍስጥንጥንያ
• ቅዱስ ጎርጎርዮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእንዚናዙ እዮም።
• . . .

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፦ ካብ ፍልስፍናን መናፍቕነትን ርኂቃ ጐይታኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝገደፈላ ትምህርቲ ብምኃዝ፡ ንትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን ተኸቲላ፡ ርቱዕ ትምህርተ ሊቃውንት ኣጽኒዓ ክሳዕ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ትቕጽል ኣላ።

ቅዱስ እግዚአብሔር ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ይባርኽ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘመነ ዮሐንስ፦ 4 ታኅሣሥ 2012 ዓ.…

December
Saturday
14
ዝክር፦ እንድርያስ ሓዋርያ ፡ አባ ፃእ፡ ወያዕቆብ፡ ወዘካርያስ፡ ወስምዖን፡ ወታዖድራ፡ ወታውፍልያ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ 2ይ ቆሮ. 11፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 4፡7-16-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 4፡29-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 98/99። ወንጌል፦ ማቴ. 4፡17-22። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h