ምጽዋት

Feb 03, 2018

ምጽዋት፡- ናይ ግእዝ ቃል ኾይኑ ሕያብ ለውሃት ልግስና ማለት እዩ፡ ምጽዋት መግለጺ ምሕረት እዩ። (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 16 ቁ125)

ምጽዋት ባሕርየ እግዚአብሔር እዩ።

ምጽዋት ርኅራኄን ለውሓትን ካብ ኣምላኽ ዝተወሃበና ጸጋ እዩ። ንሰብ ድማ ብዝኸኣሎ መጠን ንፈጣሪኡ ክመስል ይገብሮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝህቦ ህያብ መልሲ ከይደለየ ከይለመንዎ ንፍጥረታ ዘድልዮም ነገራት ኵሉ ፈሊጡ ይህብ።

ርህራሄ ናይ ፍጽምና ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ። “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ብምሕረት ፍጹም ዝኾነ፡ ባእድ ዘመድ ከይበልኩም ንዅሉ ብምፍቓር ፍጹማን ኩኑ” (ትርጓሜ ማቴ. 5፡48) “እቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸኣ ኢና ዝሃብናካ” (1ይ ዜና. 29፡14)


ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጠመዩ ንዝጸምኡ ንዝዓረቁ ይሓዝነሎምን ንይርሕርሓሎም ነበረ። ነቶም ንትምህርቱ ንተኣምራቱ ክርእዩ ዝስእብዎ ዝነበሩ፡ “ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ የደንግጹኒ ኣለዉ ስለዚ ኣብ መንገዲ ከይሰንፉ ጾሞም ከፋንዎም ኣይደልን” ብምባል ነቲ ዝነበረ ሒደት ባሪኹ ኣበርኺቱ መገቦም ብለውኃቱ’ውን ኣጽገቦም። (ማቴ. 15፡32) ድኻታት ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዘለዉ ምጽዋት ዘይተርፍ ግቡእ ምዃኑ ንከረድእ ድማ “ድኻታትሲ ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለዉ” ብምባል ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 26፡11)

ምጽዋት ንኣምላኽ ዝወሃብ ልቃሕ እዩ። “ጥሪትኩም ሸጥኩም ምጽዋት ሃቡ። ሠራቒ ኣብ ዘይረኽቦ ነቐዝ ኣብ ዘየበላሽዎ። ዘይበሊ ማኅፉዳን ዘይጐድል ሃብትን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ።” (ሉቃ. 12፡33) “እቲ ንድኻ ዚህብ ንእግዚአብሔር የለቅሖ፡ እግዚአብሔር ከኣ ኪፈድዮ እዩ።” (ምሳ. 19፡17)

ምጽዋት ብንብረታዊ ነገራት ዝውሰን ኣይኮነን።

ምጽዋት ዝብሃል ቃል ክዝረብ ከሎ ኣብ ሕሊና ዝቕረጽ ዝረአ ናይ ገንዘብ ናይ መግቢ ወይ’ውን ናይ ንብረት ህያብ እዩ ፡ ይኹን እምበር ምጽዋት ብገንዘባዊ ዓይነት ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነ። ምጽዋት ካብ ዘለኻ ነገር ንዘይብሉ ምርዳእ ክሳዕ ዝኾነ ዝቑጸርን ዝስፈርን ጥራይ ኣይኾነን። ንድኹምን ብጕልበት ንዘይተመሃሩ ብፍልጠትኻ፡ ምዕዶ ንዝደሊ ብምዕዳ ነዚ ዝመሰለ ኵሉ ዓይነት ምርዳእ’ውን ምጽዋት እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስን ዮሓንስን ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ ዝልምን ዝነበረ ሰብኣይ ቅዱስ ጴጥሮስ “ወርቅን ብሩርን የብለይን እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ ኣሎኹ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ተንሥእ እሞ ኺድ” ብምባል ምሕረት መጽወተሉ። (ሓዋ. 3፡2-10)

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም።” (ማቴ. 5፡7) ዝተባህለ ኣንቀጽ ዘመሓላልፎ ሰፊሕ ትምህርቲ ኣሎ፡ ምሕረት ኣብ ትርጓሜ ከም ዝገልጾ ሰብኣዊን መንፈሳዊን ይበሃል።

1. ሰብኣዊ ምሕረት፦ እዚ ንዝጠመየ ብምብላዕ፡ ንዝጸምዐ ብምስታይ፡ ንዝኣረቐ ብምኽዳን ፡ ንዝተጸገመ ብምሕጋዝ፡ ንዝበደለኻ ይቕረ ብምባል፡ ዝኣመሰለ ብምግባር ዝፍጸም እዩ።
2. መንፈሳዊ ምሕረት፡ እዚ ንዝተጋገዩ ምሂርካ ቅኑዕ እምነትን ሠናይ ተግባርን ከም ዝኅዙ ምግባር እዩ። ከምኡውን መንፈሳዊ ምሕረት መጥዎተ ርእስ (በጃ ምሕላፍ) እዩ። (ዮሓ. 15፡13)። ከም ናይ ኣንጢላርዮስ ታሪኽ እዩ። (ስንክሳር 27 መስከረም።)

ምጽዋት በረኸት ዘውህብ ትእዛዝ እግዚአብሔር እዩ።

ምጽዋት ምሃብ ንእግዚአብሔር ዘሕጉስ ከምዝኾነን ነቲ መጽዋቲ ድማ ካብ እግዚአብሔር በረኸት ከም ዘውህብ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ኪዳን ብሰፊሑ ተገሊጹ ንረኽቦ።
• “ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይሰኣኑንን እዮም እሞ ነቲ ኣብ ማእከል ሃገሩም ዘሎ እስራኤላዊ ኃውኩምን ሽጉርኩምን ድኻኹምን ኣጸቢቕኩም ብልግሲ ሃብዎ ኢለ እእዝዘኩም ኣሎኹ።” (ዘዳ. 15፡ 11)
• “እስራኤላዊ ኃውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ እንተሰኣነ ኸም ጓናን ከም ጋሻን ጌርካ ምሳኻ ኣንብሮ።” (ዘሌ. 25፡35)
• ግራትካ ኽትዓጽድ ከሎኻ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ። ነቲ ቐሪም ዓጺድካ እውን ኣይትእረዮ። ንወይንኻ ድማ ተረፍ ዘይብሉ ጌርካ ኣይትእረዮ ነቲ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይትእረዮ። ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ኅደጎ። ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽካ እየ።” (ዘሌ. 19፡9-10 ዘዳ. 24፡19-21)
• “ካብ መሥዋዕቲ ኸተቕርቡለይሲ ምሕረት(ምጽዋት) ክትገብሩ እፈቱ።” (ሆሴ. 6፡6)
• “ንድኻ ዚሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ፡ እግዚአብሔር ከኣ ብመዓልቲ መከራ ኼናግፎ እዩ።” (መዝ. 41፡1)
• “ስለዚ ኦ ንጉሥ ምኽረይ ስማዕ፡ ቅሳነት ዘለዎ ነዊኅ ዕድማ ኽትረክብ ምኅጣእ ኅደግ ጽድቂ ግበር ንድኻታት መጽውት፡ ሽዑ ኅድገት ኃጢኣት ክትረክብ ኢኻ።” (ዳን. 4፡27)
• “ገለ ሰባት ገንዘቦም ለጊሶም ይህቡ መሊሶም ከኣ ይህብትሙ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቝጥቡ ኣዝዮም ከኣ ይነድዩ።” (ምሳ. 11፡24) “ንድኻ ዚህብ ገለ ኣይጐድሎን እቲ ኣዕይንቱ ዚዕምተሉ ግና ብዙኅ መርገም ይወርዶ” (ምሳ. 28፡27)
• “ነቲ ዝለመነካ ሃቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ።” (ማቴ. 5፡42)
• “ንኣምላኽ ከምዚ ዘኣመሰለ መሥዋዕቲ እዩ ዜሐጕሶ እሞ ሠናይ ምግባርን ዘሎኩም ምስ ካልኦት ምምቓልን ኣይትረስዑ።” (ዕብ. 13፡16)
• “ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱ ናይ ኣቦይ ቡሩኻት እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ኽትወርሱ ንዑ። ምኽንያቱ ኸኣ ጠምየ ኣብላዕኩምኒ ጸሚአ ኣስቴኹምኒ ጋሻ ኾይነ መጺአ ተቐበልኹምኒ ዓሪቐ ኸደንኩሚ ሓሚመ በጻህኩምኒ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ” (ማቴ. 25፡34)

ምጽዋት መግለጺ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባር እዩ።

ምጽዋት ሰብ ንሰብ ዘለዎ ሠናይ ፈቓድ ዝገልጸሉ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባር እዩ። “ብብዙኅ ጸበባ ተፈቲኖም ኃሊፎም እዮም። እንተኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ ኣዝዮም ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ ኣዝዮም ለጋሳት እዮም።” (2ይ ቆሮ. 8፡2) “እሞ ሓደ ካባኻትኩም ንሥጋኦም ዜድሊ ከይሃበ “ብሰላም ኪዱ ሙቑ ጽገቡ” እንተ በሎም እንታይ ይጠቅም፧” (ያዕ. 2፡16) “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን ማይ ኣስትዮ። ከምዚ እንተ ደኣ ጌርካ ኸም ብጓህሪ ብኅፍረት ከተንድዶ ኢኻ፡ እግዚአብሔር ከኣ ኺፈድየካ እዩ።” ምሳ. 25፡21 “ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ኣልዩ እቲ ውህበት ቅቡል እዩ እንተኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር ልዕሊ ዓቕሙ ኪኸውን የብሉን።” 2ይ ቆሮ. 8፡12

ኣፈጻጸማ ምጽዋት

ምጽዋት ንኣምላኽ ዝወሃብ ልቓሕ ምዃኑ ብምእማን፡ (እቲ ንድኻ ዚህብ ንእግዚአብሔር የለቅሖ፡ እግዚአብሔር ከኣ ኪፈድዮ እዩ። ምሳ 19፡17) ምጽዋት ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ ዘይበሊ ማኅፉዳን ዘይጐድል ሃብትን ኣብ ሰማይ ምእቋር ምዃኑ ብምፍላጥ (ሉቃ. 12፡33 ፣ ማቴ. 6፡19-21) ከምቲ ጐይታ “ክትምጽውት ከሎኻ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺንኣዱ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣባይቲ ጸሎትን ዓበይቲ መገድታኣትን ከም ዚገብርዎ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩ ኣሎኹ። ንስኻ ግና ምጽዋትካ ብኅቡእ ምእንቲ ኪኸውን ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፡ እቲ ብሥውር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ።” (ማቴ. 6፡2) ኢሉ ዝመሃረና ምጽዋት ካብ ግብዝነትን ውዳሴ ከንቱ ተፈሊና ክኸውን ኣሎዎ። ግና ኣብነት ንምዃን ብዘይ ግብዝነት ብግልጺ ይፍጸም። “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹምም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” (ማቴ. 15፡16) ዝበሎ።

ምጽዋት ብዘይ ግብዝነት ካብቲ ዘለኻ ብፍቕሪ ክኸውን ከም ዘለዎ ጐይታ ድማ ውሒዱ ኢሉ ከም ዘይንእቕ “. . . ብዙኃት ሃብታማት ከኣ ብዙኅ የውድቑ ኽልተ ሳንቲም ዚኣክል ቆድራንቴን ኣውደቀት። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸዊዑ ኸኣ “ካብዞም ኣብዚ መቐበል ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ዚበዝኅ ከም ዘውደቐት ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” (ማር. 12፡43)

ኣበው ሓዋርያት ንድኻታት ይሓዝኑ ይሓስቡሎም ይንኸባኸብዎም ነበሩ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝኣትው ዝነበረ ምጽዋትን ዕሽርን ንድኻታትን የኻፍልዎም ነበሩ።

ምጽዋት ምስ ጾም ተዝካር ዕሽር እተሓሓዝ እዩ።

“እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዚስዕብ እዩ ንመእሰር እከይ ምፍታሕ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ ንጥቑዓት ምውፃእ ሓራ ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኵሉ ምስባር እንጌራኹም ንጥሙይ ምምቃል ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል ዕሩቕ እንተ ርኤኹም ምኽዳን ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምኅባእ እዩ።” ብምባል ጾም ብምጽዋት ክድገፍ ከም ዘለዎ ኣዚዙ እዩ። (ኢሳ. 58፡6-7) “ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታኻ ዓሪጉ እዩ።” ግብ.ሓዋ. 10፡4

“ኣብ መወዳእታ ሠሠለስተ ዓመት ካብ ኵሉ ናይታ ዓመት እቲኣ እቶትኩም ዕሽር ኣውፂእኩም ኣብ ውሽጢ ተማታትኩም ኣክብርዎ። እግዚአብሔር ኣምላኽኹም ብኹሉ እትገብርዎ ግብሪ ኢድኩም ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ እቲ ምሳኹም ግደን ርስትን ዘይብሉ ሌዋውን እቶም ምሳኹም ዘለዉ ስደተአኛታትን ዘኽታማትን መበለታትን ይምጽኡ ኦ ይብልዑን ይጽገቡን።” (ዘዳ. 14፡28)

“ምሳሕ እንተ ገበረካስ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕውራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁዕ ክትከውን ብትንሣኤ ጻድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” (ሉቃ. 14፡13)

“እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦ ንጹሕን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ ገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጊዜ ጸበባኦም ምርዳእ እዩ።” (ያዕ. 1፡27)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Ad Right
No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ትሕትና - “ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 (ካልኣይ ክፋል)

ትሕትና ማለት ብኃይሊ፡ ምሕረት፡ ጸጋ ፡ ጥበብን ፍቓድን እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ ከንቱ ምዃንካ ፈሊጥካ፡ ንርእስኻ ምትሓት፡ ዘይምዕባይን ዘይምኽራዕን እዩ። እትፈልጥ ከሎኻ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ልምዓታዊ መደባት ንምስላጥ ዑደት ተኻይዱ!

ብዕለት 15 የካቲት 2013 ዓ.ም.ግ (22/02/2021 ዓ.ም.ፈ ) ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንልምዓታዊ መደባት ዝረድእ ዑደት ብኣባላት ቤት ጽሕፈት...

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ርያድ ስዑዲ ዓረብ ብድምቀት ተኸቢሩ!

16 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ሃገር ክኽበር...

ኣብ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ።

ኣብ ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ኣብ ኣሞክሮ ዝጸንሓ ሾብዓተ ኣኃት…

ብዕለት 13 የካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ብኣቕራብነት እመምኔት ገዳም ኢታይ ወለተ መስቀልን ሽማግለ ገዳምን፡ ዓቃቤ...

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

“ዝደለይዎ ዝረኸቡ” - ሕዝበ ነነዌ

እቲ ክቡር ንጉሥ፡ መልእኽቲ ጥፍኣት ሃገሩ ምስ ሰምዐ ፈርሐን ረዓደን። ነዚ መልእኽቲ ብግብሪ እንተዘይፈጺምዎ፡ ሃገሩ ከምዘይነበረት ከም እትከውን፡ ካብ ሰብ...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 15 መጋቢት ክሳዕ ረቡዕ…

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ...

ዓቢይ ባሕታዊ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ኣባ ኃይለማርያም ብሰላም ዓሪፎም!

ባሕታዊ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣባ ኃይለማርያም ብዕለት 09 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓሪፎም፡ ኣብ ገዳሞም ሥርዓተ ቀብር ተፈጺምሎም።

“ነቲ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ እግዚአብሔር ከምቲ ዝሃበካ ሃቦ” ሲራ. 35፡10

ኵሉ ካብ እግዚአብሔር ዝተረኽበ፡ ናይ እግዚአብሔር ዝኾነን ንእግዚአብሔር ዝወሃብን እዩ። ንሱ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ፡ ብፍቕሪ ዝምግብን ናብቲ ዘዳለዎ...

ብንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተገይሩ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም COVID 19 ኣብ ወፃኢ ዝርከባ ኣህጉረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ሓገዝ ከበርክታ ብዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ ከም መቐጸልታ እቲ...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...