ደብረ ታቦር

Aug 17, 2019

ኣብ ምድረ እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም ዝነግረና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ ሠለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዝኾኑ ቅዱስ ጴጥሮስን ደቂ ዘብዴዎስ ቅዱስ ያዕቆብን ቅዱስ ዮሓንስን ኣኸቲሉ ናብዚ እምባ እዚ ምስ ደየበ፡ ኣምላኽነቱ ንምግላጽ ኣብ ቅድሚኦም ክዳኑ ከም በረድ ፃዕደወ፡ ገጹ’ውን ከም ፀሓይ በርሀ።

ክልተ ካብ ቅዱሳን ነቢያት ሙሴን ኤልያስን ተገሊጾም ምስኡ ተዘራረቡ። ነቢይ ሙሴ፡ ‘ንኣኻ ኣምላከ ሙሴ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ሙሴ ኢኻ ይብሉኻ’ በሎ። ነቢይ ኤልያስ’ውን ‘ንኣኻ ኣምላከ ኤልያስ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ኤልያስ ወይ ድማ ሓደ ካብ ነቢያት ይብሉኻ’ ብምባል መስከረ። ነቢይ ሙሴ ብሕጊ መውስቦ እናነበረ ዝኃለፈ ነቢይ’ዩ። ነቢይ ኤልያስ ግና ብድንግልናን ብምናኔን እናነበረ ዝዓረገ ኣቦ እዩ። ስለምንታይ ክልቲኦም ተገልጹ፡ ካልኦት ዘይኮኑ፧ እንተበልና ቤተ ክርስቲያን ብመርዓ ኮነ ብድንግልና ናይ ዝነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ቤት ምዃና ንምግላጽ እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ተንሢኡ “ኦ ጐይታ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተኴንካስ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክንሠርሕ። ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ’ውን ንኤልያስ” እናበሎ ከሎ ብሩህ ደመና ጐልበቦም። ካብቲ ደመና ድማ እግዚአብሔር አብ፦ “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝሠመርኩ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስማዕዎ” ኢሉ መስከረ። ቅዱሳን ሓዋርያት ነዚ ሰሚዖምን መለኮታዊ ክብሩ ርእዮምን ብግንባሮም ተደፊኦም እናፈርሁ ሰገዱ፡ ብኣምላኽነቱ ኣመኑ፡ ምሥጢር’ውን ተረድኡ። 

ኣብዚ እምባ’ዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግርማ መንግሥቱን ምሥጢረ መለኮቱን ዝገለጸሉ ዕለት፡ ዓመት መጽአ ‘በዓለ ደብረ ታቦር’ እናተባህለ ይኽበር ኣሎ። 

ደብረ ታቦር ብቤተ ክርስቲያን ይምሰል እዩ። ኣብ ዝባን ደብረ ታቦር ኴንካ፡ ብላዕለዋይ ወገን ዓበይትን ገዘፍትን እምባታት ይርኣዩ። ናብ ታሕታዋይ ወገን ከኣ ጐልጐልን ስንጭሮን ይርኣዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸኒዑ ዝነብር ሰብ፡ ኣብኡ ኾይኑ ንኽብሪ መንግሥተ ሰማያት ይርኢ፡ ከምኡ’ውን ንታሕቲ ገጹ፡ ምረት ገሃነመ እሳት ይዕዘብ። እቶም ሃይማኖትን ምግባርን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝደየቡ ቅዱሳን፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ጸብኢ ኣጋንንቲ ተዓጊሦም ደሞም ዘፍስሱ ክብራ ስለዝረኣዩ እዮም።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ስቓይ እዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ክግለጽ ዘሎ ክብሪ ከምዘይመዓራረዮ እኣምን እየ” ይብል። ሮማ 8፥18። ቅዱስ ኤፍሬም’ውን ‘’ሰማዕታት ከዐው ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሔር ወተዓገሡ ሞተ መሪር በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ሰማዕታት ምእንቲ እግዚኣብሔር ደሞም ኣፍሰሱ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም’ውን መሪር ሞት ተዓገሡ።” ይብል። (ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ)። ስለ’ዚ ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነመ እሳትን ኺንርኢ፡ ናብታ ካብ ዓለም ልዕል ዝበለት ቤተ ክርስቲያን ንደይብ። ምስትውዓል ሂባ ንኸተበርትዓና ወትሩ ደወላ ምስ ኣስመዐትን ኣፍ ደገኣ ምስ ኣርሓወትን እያ። 

ባርቅን ዲቦራን ንሲሳራ ዝሰዓርሉ፡ ዝተዓወትሉ እምባ ደብረ ታቦር እዩ። (መሳ. 4፡4) ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ደብረ ታቦር ምሳሌ ብምዃና ናይ ዓወት መድረክ እያ። ናብአ ዝመጸ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ ረኺቡ ብጾምን ጸሎትን ንሰይጣን ይስዕር። ኤፌ. 6፥12

ደብረ ታቦር፡ ጽንዓት ዝሓትት ተሪር ዓቀብ ኣለዎ፡ ነዚ ዓቐብ ምስ ደየብካ ግና ጐልጐል እዩ። ናብዚ እምባ’ዚ ብብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ዝደየበ ሰብ ፡ ኣብዚ ሜዳ’ዚ ምስ በጽሐ ደስታን ሩፍታን ይስምዖ። ድኻሙ’ውን ይርስዖ። ብተመሳሳሊ ቤተ ክርስቲያንና’ውን ጹሙን ጸልዩን ስለ እትብል ንጊዜኡ ንብዙኃት ሰባት ንኺቀርብዋን በረከታ ኺሳተፉን ዓቀበት ትኾኖም። ኣጸቢቆም ምስ ቀረብዋ ግና ናይ ፍርሒ መንፈስን ኣወጊዳ ክፍኣት ዘይብሉ ህዱእ መንገድን ሰላምን ትህቦም። ንመንግሥተ ሰማያት ክንኣትዋ ዝግብኣና ብብዙኅ ጸበባ ምዃኑ’ውን ሓዋርያት ኣስተምሂሮም እዮም። ግብ. ሓዋ. 14፡22

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ደብረ ታቦር መለኮታዊ ክብሩ ክገልጽ ከሎ ክልተ ካብ ነቢያት፣ ሠለስተ ድማ ካብ ሓዋርያት ተረኺቦም ነበሩ። ደብረ ታቦር ብሓድነት ኣቦታት ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ኣአንጊዳ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ብሉይን ሓዲስን ይስበኸላ። ትንቢት ነቢያት ምስ ስብከተ ሓዋርያት ይንገረላ። ንሓዲስ ኪዳን ካብ ብሉይ ኪዳን ኣይትፈልን። ከመይ! ጐይታ “ኣነ ንሕጊን ነቢያትን ክፍጽሞም ደኣ እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩን” ከምዝበለ። (ማቴ. 5፥17)

ኣብ ደብረ ታቦር ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ተገሊጹ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ንደቂ ሰባት ከም መጠን ኣእምሮኦም ምሥጢረ ሥላሴ ትምህር።

ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በዝን ብኻልእን ምሳሌን ደብረ ታቦር ብምዃና ቅዱስ ጴጥሮስ “ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ" ከምዝበለ፡ ንሕና ድማ ነዚ ቃል ወትሩ ንድገሞ፡ ካብኣ ከይንርሕቕ ድማ ቃል ንእቶ። ናይ’ዚ ዕለት በረኸት ተኻፈልቲ ኺንከውን፡ ምሥጢር ደብረ ታቦር ኺግለጸልናን ብርሃኑ ንምርኣይ ኺንበቅዕን ሎሚ ሕጂ ናብ ደብረ ታቦር ቤተ ክርስቲያን ብጐደና ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ንደይብ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅዱስ በዓል ይግበረልና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ፦ 4 ታኅሣሥ 2012 ዓ.…

December
Saturday
14
ዝክር፦ እንድርያስ ሓዋርያ ፡ አባ ፃእ፡ ወያዕቆብ፡ ወዘካርያስ፡ ወስምዖን፡ ወታዖድራ፡ ወታውፍልያ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ 2ይ ቆሮ. 11፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 4፡7-16-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 4፡29-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 98/99። ወንጌል፦ ማቴ. 4፡17-22። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ - ‘በኵረ ሓዋርያት፡ ተባዕ ለመስቀል’

• ‘እንድርያስ’ ፦ ‘በኵረ ሓዋርያት’ ማለት እዩ።ቅዱስ እንድርያስ ኃው ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ኣብ ዓዱ ቤተ ሳይዳ ብምግፋፍ ዓሣ ይናበር...

ክብረ በዓል በአታ ለማርያም ብድምቕ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ታኅሣሥ ዝኽበር ‘በአታ ለማርያም’፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብድምቀት ተኸቢሩ። ብፍላይ ድማ ኣብተን ብስም በአታ...

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ ኵነታት ቃለ ምጽንናዕ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነቲ ብዕለት 23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. (03 ታኅሣሥ 2019 ፈ.) ዘጋጠመ ኵነታት ኣዝዩ ዘሰንብድን ልቢ ዝትንክፍን...

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’

‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴይ፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዓ አምላክ ብዓቢይ ክብሪ…

ዓመት መጸ 1 ታኅሣሥ ዝብዕል ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዓ አምላክ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ናይዚ ክብረ...

ዘመነ አስተምህሮ (6 ኅዳር ክሳዕ 6 ታኅሣሥ)

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

  ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና! ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም ብምርኮ ኣብ...

ዓመታዊ በዓል ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ብመሳጢ መንፈሳዊ መደባት…

28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.፡ ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ቀሓውታ፣ “ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብ ልዕሊ...

አሥርቆት ዘወርኀ ዘታኅሣሥ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ታኅሣሥ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ታኅሣሥ ቡሩክ መዓልቱ ፱ ወእምዝ ይትዌሰክ። ሎሚ ቡሩኽ...

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ !

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡...

ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር

 ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60) እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ...

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...