Print this page

መቅድመ ሰሙነ ሕማማት

Apr 11, 2020

ኣብ መፈጸምታ ዓቢይ ጾም ካብ ሠርከ ሆሣዕና ጀሚሩ ክሳዕ ምሸት ትንሣኤ ዘሎ መዓልታት ሰሙነ ሕማማት ይበሃል። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ሰሙን እዚ ሕማማት ኢላ ክትዝክሮ ዝኸኣለት “ሐመ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝወፅአ ኾይኑ ትርጉሙ “መከራ ተቐበለ” ማለት እዩ፣ እምበር ሓሚምካ ኣብ ዓራት ምድቃስ ማለት ኣይኮነን።

  1. ናይ ጐይታናን ኣምሊኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማምን ሞትን ዚዝከረላ ሰሙን ስለዝኾነ እዩ።
  2. ካብ ኣዳም ክሳዕ ዕለተ ዓርብ ዝነበራ ነፍሳት ን5500 ዘመናት ኣብ መንጸፈ ደይን ሲኦል ዝጸንሓለን ፍዳ ኵነኔ ዚዝከረለን ሰሙን እዩ።
  3. ካብ ካልኦት ሰሙናት ፍሉይ ብምዃኑ ቅደስ ሰሙን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን እዚ ዓቢይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዚተገልጸሉ፣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍጹም ድኅነት ዝተረኽበሉ፣ ጐይታ ዝተሠውዓሉ፣ ደቂ ኣዳም ናጽነትና ዝተጓናጸፍናሉ ብምዃኑ ቅዲስ ሰሙን ይበሃል።
  4. እዚ ሰሙን እዚ መዘከርታ ዓመተ ፍዳ፣ ዓመተ ኵነኔ፣ ወዲ ሰብ ኣብ ሲኦል ኣብ ትሕቲ ባርነት ዲያብሎስ ተታኂዙ ዝነበረሉ ዘመነ መከራ እዩ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብዙኅ ዓይነት መባልዕ ኣይብላዕን፣ ብዙኅ ስግደት፣ መከራ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዘኻኽሩ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብብዝኂ ክንበቡ ይቕንዩ። ናይ ነግህ፣ ናይ ሠለስቱ፣ ናይ ስድስቱ፣ ናይ ሠርክ፣ ናይ ሌሊት ጸሎትን ንባብን ኣሎ። ካብ ድኅሪ ቀትሪ ሰንበት (ሆሣዕና) ዝተጀመረ ምኽሪ ኣይሁድ ቀንዲ ዝጸንዓሉ ረቡዕ እዩ። ኣቦታትና ካህናትን ሊቃውንትን፣ ቅዱስ ያሬድ ነዚ ሰሙነ ሕማማት ካብ ዘዳለዎ ጾመ ድጓዓ ከዝይሙ ይቕንዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዘይካ ኃሙስ ቅዳሴ የልቦን።ጸልሎተ ፍትሓት፣ሥርየት፣ ጥምቀተ ክርስትና፣ እዚ ኵለ የልቦን። እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ ዕለተ ሆሳዕና እዮም ዚፍጸሙ። ብተወሳኺ ይሁዳ ንጐይታ ብምስዓም ከምዘትኃዞ ንምዝካር ምስዕዓም ኣይፍቀድን እዩ። ነፍሳት ፍትሓት ዘይረኸቡላ ዘመነ ኵነኔ እንዝክረላ፣ ጐይታና ምእንቲ ሥርየት ኃጢኣትና ዝቘረሶ ቅዱስ ሥጋኡን ዘይቊረሰላ፣ ክቡር ደሙ ዘይፈሰላ ሰሙን ብምዃኑ “ፍትሑኒ” ኢልና ኢድ ካህን ዘይንሳለመላ፣ ክሳዕ እታ ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሞይቱ ዝትንሥእ መስቀል ምልክት መርገም ምንባሩ ንምዝካር ኣይንሳለምን፣ ትእምርተ መስቀል ኣይንገብርን፣ ምኽንያቱ መስቀል ጽንዓትና፣ ኃይልና፣ መድኃኒትና ምዃኑ ዝፈለጥና፣ ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንደኃር እዩ። ካብኡ ንደኃር ከኣ ምስላም መስቀል ይጅመር።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን እዚ ካብ ሆሣዕና ክሳዕ ቀዳም ሥዑር ወይ ክሳዕ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምሊኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞም ሥራሕ ድኅነትና እዮም።