ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት ዘሰሙነ ሕማማት

Apr 12, 2020

ኣብ ነግህ (ሰዓት 7 ቅ.ቀ.)፡ ሠለስቱ (ሰዓት 9 ቅ.ቀ)፡ ስድስቱ (ሰዓት 12 ድ.ቀ.)፡ ተስዓቱ(ሰዓት 3 ድ.ቀ)፡ ዓሠርቱ ወአሐዱ (ሰዓት 5 ድ.ቀ.)፡ ዘሎ ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት ነዚ ይመስል። 

ኣብዘን ጊዜያት ጸሊም ዝለበሰ ዲያቆን ቃል ኣዋዲ እናኣስምዐ ሠለስተ ጊዜ ቤተ ክርስቲያን ይዐውድ። ካህናትን ሕዝበ ክርስቲያንን ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይጋብኡ።  

ናይ ለከ ኃይል ጸሎትን ስግደትን

ጸሎታት መዝሙረ ዳዊት፡ ውዳሴ ማርያም ምስለ አንቀጸ ብርሃን ይጽለ። ‘አቡን’ ምስቲ ናይቲ ጊዜ ዝተመደበ ወንጌል ዝሰማማዕ መራሕን ተመራሕን ምስ ኣዝየሙ ብየማንን ጸጋምን እናተቐባበልካ ምስ ሰግደት ኣሰኒኻ ይዝየም እሞ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብኅብረት የዝየም ። ብድኅር እዚ ‘ለከ ኃይል’ . . . ምስ ‘አቡነ ዘበሰማያት’ ብየማነ ጸጋም ሸሽድሽተ እናተቐባበልካ ብስግደት 12 ጊዜያት ይበሃል።  

* ለከ ኃይል 

ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ንኣኻ ይግባእ። 
አማኑኤል አምላኪየ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ኣማኑኤል ኣምላኸይ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ንኣኻ ይግባእ።
ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ንኣኻ ይግባእ። 
ኃይልየ ወፀወንየ ውእቱ እግዚእየ
ኃይለይን መጸግዒየይን ጐይታይ እዩ። 
እስመ ኮንከኒ ረዳእየ እብል በአኰቴት 
ረዳእየይ ኴንካኒ ኢኻ እሞ ብምስጋና ከምዚ እብል።

* አቡነ ዘበሰማያት 

አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ 
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። 
ትምጻእ መንግሥትከ ወይኩን ፈቃድከ 
መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ይኹን። 
በከመ በሰማይ ከማሁ በምድር 
ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ። 
ሲሳየነ ዘለለዕለትነ ሃበነ ዮም 
ነናይ ዕለት ሲሳይና ሎሚ ሃበና።
ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ 
ኣበሳናን ጌጋናን ኅደገልና፡
ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ 
ንሕና ንዝበደለና እንኃድግ፡ 
ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት 
ኦ ጐይታ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፡
አላ አድኅነነ ወባልሐነ 
ፈጺምካ ኣድኅነና እምበር። 
እምኵሉ እኩይ እስመ ዚአከ 
ካብ ኵሉ ክፉእ ዘበለ፡ ከመይ
ይእቲ መንግሥት 
ናትካ እዩ መንግሥትን 
ኃይል ወስብሐት ለዓለመ ዓለም።
ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ፡ አሜን።

ብድኅር’ዚ ሓሓንሳእ ብየማንን ጸጋምን ሓንሳእ ድማ እናተቐባበልካ ብድምር ሠለስተ ጊዜ ‘ለአምላክ ይደሉ’ ብስግደት ይዝየም።

* ለአምላክ ይደሉ

ለአምላክ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንኣምላኽነቱ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ። 
ለሥሉስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንሠለስትነቱ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ። 
ለማሕየዊ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንምድኃኑ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ። 
ለዕበዩ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንዕቤቱ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ።
ለእዘዙ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንከሃልነቱ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ።
ለመንግሥቱ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንመንግሥቱ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ።
ለኢየሱስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንኢየሱስ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ።
ለክርስቶስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንክርስቶስ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ።
ለሕማሙ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም
ንስቅያቱ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ።
ለመስቀሉ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለመ ዓለም (በዓርብ)
ንመስቀሉ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ።(ብዓርቢ)
ለከ ይደሉ ኃይል ለከ ይደሉ ስብሐት ወለከ ይደሉ አኰቴት ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዓለመ ዓለም
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ክብርን ምስጋናን ተኣዛዝነትን ንዘለዓለም ይግባእ፡ ኣሜን።

***

ብድኅር’ዚ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቀደም ተኸተል ምስ ተነበ፡ ተኣምረ ማርያም፡ ተአምረ መላእክት፡ ተአምረ ሰማዕት፡ ተአምረ ጻድቃን ከምኡ’ውን ተኣምረ ኢየሱስ ይንበብ። ቀጺሉ ንሰዓቱን ዕለቱን ዝተመደበ ካብ መዝሙረ ዳዊት “ምስባክ”፡ ኣቐዲሙ ዲያቆን ብንባብን ዜማን ምስ ኣስምዐ ሕዝቢ ድማ ብሓድነት ይቕበልዎ። ካህን ከኣ ‘ወንጌል ቅዱስ’ ኢሉ ብምዝያም ካብ ኣርባዕተ ወንጌል ንዝተሠርዐ ንባብ የንብብ። ተግሣፅ’ውን የንብብ።

***

ናይ ኪርያላይሶን ጸሎትን ስግደትን

* ካህን፦ 'ጸልዩ በእንተ ጽንዐ ዛቲ መካን . . ./ ምእንቲ ጽንዓት እዛ ቤተ ክርስቲያን’ዚኣ . . .' ክብል ከሎ ሕዝቢ ድማ በብምዕራፍ እናሰገዱ “ እግዚኦ ተሠሃለነ / ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና ” ይብሉ። 
* ብሓደ ሸነክ ዘለዉ ፦ “ክርስቶስ አምለክነ ዘመጽአ ወሐመ በእንቲአነ በሕማማቲሁ ቤዘወነ” / ክርስቶስ አምላኽና ካብ ሰማየ ሰማያት መጺኡ ምእንታና መከራ ዝተቐበለ ፡ መከራ ብምቕባሉ ተበጀወና” ይብሉ።
ብካልእ ሸነኽ ዘለዉ ድማ “ንሰብሖ ወናልዕል ስሞ ኅቡረ እስመ ውእቱ ገብረ መድኃኒተ በብዝኀ ሣህሉ።”/ ንሱ ብብዝኂ ምሕረቱ ድኅነት ስለ ዝገበረልና ብኃባር ኴንና ነመስግኖ ንስሙ’ውን ልዑል ክቡር ንበሎ።” ኢሎም ምስ ኣዜሙ፡ እቶም ዝመርሑ ወገን እናቀደሙ እቶም ተመራሕቲ ወገን እናደገሙን እናተቐባበሉን እናሰገዱን 'ኪርያላይሶን' ይብሉ። 
 

* ኪርያላይሶን 
 

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን እብኖዲ ናይን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ ኦ ኣምላኽ መሐሪ፡
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ታኦስ ናይን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ ኦ ኣምላኽ (እብኖዲ ናይን) መሐሪ፡
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ትስቡጣ ናይን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ ኦ ክቡር ጐይታ (ትስቡጣ ናይን) መሐሪ፡
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ማስያስ ናይን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ ኦ መሲሕ መሐሪ፡
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኢየሱስ ናይን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ ኦ መድኃኒት መሐሪ፡
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ክርስቶስ ናይን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ ኦ ክርስቶስ መሐሪ፡
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኣማኑኤል ናይን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ ኦ ኣማኑኤል መሐሪ፡
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን
መሐሪ ይቕረ በሃሊ

  • ብድኅር እዚ ብየማንን ጸጋምን ዘለዉ እናተቐባበሉ 41 ጊዜ ኪርያላይሶን ይብሉ።እዚ ኸኣ ሓደ ወገን 20 ፡ ካልእ ወገን ድማ 21 ኪርያላይሶን ማለት እዩ።
    ቀጺሉ ናይቲ ሰዓት'መልክዐ ሕማማት'ይዝየም።
    ***
    እቲ ወንጌል ዘንበበ ካህን ፡ ‘ፍትሐት ዘወልድ፡ ጸሎተ ቡራኬ ወዕቀቦሙ፡ ኦ ሥሉስ ቅዱስ፡ ኦ ማኅበራኒሁ ለክርስቶስ ፡ ነዋ በግዑ . . .’ ምስ ጸለየ 41 ስግደትን 12 ኣቡነ ዘበሰማያት ይእዝዝ።
    * ዲያቆን ድማ ብዜማ ኃዘን ብውርድ ንባብ ከምዚ እናበለ ንሕዝቢ የሰናብት፦ 
    “ ሑሩ በሰላም እግዚአብሔር የሀሉ ምስሌክሙ ንዑ ወተጋብኡ ውስተ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት በጊዜ ________ ሰዓተ መዓልት ለጸሎት።”
     ብሰላም ኪዱ እግዚአብሔር ምሳኹም ይኹን፣ ኣብ ሰዓት ________ ግና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጺኹም ተጋብኡ።
     

***
 

* ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት በዕለተ ኃሙስ

በዕለተ ኃሙስ ከም ናይ ዝኃለፉ መዓልታት ሰኑይ፡ ሠሉስን ረቡዕን እቲ ናይ ነግህን ሠለስቱን ቀትርን ተስዓቱን ሥርዓተ ጸሎትን ስግደትን ምስ በጽሐ፡ ሕጽበተ እግርን ጸሎተ ቅዳሴን ይሥራዕ። 

ካህን ነቲ ዝተቐረበ ማይ ‘አሐዱ አብ ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ እናበለ ምስ ባረኾ፡ ትዓጢቑ ንእግሪ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ይሓጽብ። ሊቃውንት መዘምራን ድማ ‘ሓዋርያቲሁ ከበበ እግረ አርዳኢሁ ሐፀበ፡ ኮኖሙ አበ ወእመ ወመሀሮሙ ጥበበ ሃሌ ሉያ’ እናበሉ መዝሙር 150፡1 የዝይሙ።

ብድኅር’ዚ ሥርዓተ ቍርባን ጸሎተ ቅዳሴ ይሥራዕ። ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ቀዳስያን ጸሊም ለቢሶም፡ ኣብ ክንዲ ቃጭል ጸናጽል፣ ኣብ ክንዲ በእንተ ቅድሳት ድማ ኣብ ግብረ ሕማማት ዝተመደበ ይንበብ። ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ ይቕደስ፣ ዜማ አቡነ ዘበሰማያት ከም ናይ ሰሙነ ሕማማት ይዝየም፣ ኃዳፌ ነፍስን ቡራኬን መስቀል ምስላምን የለን።  

ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት በዕለተ ዓርብ

ጸሎታት መዝሙረ ዳዊት፡ ውዳሴ ማርያም ምስለ አንቀጸ ብርሃን ይጽለ። ‘አቡን’ ናይቲ ጊዜ ዝተመደበ መራሕን ተመራሕን ዘለዎን እናተቐባበልካን ሠለስተ ጊዜ ይዝየም። ብድኅር እዚ ለከ ኃይል . . . ምስ አቡነ ዘበሰማያትን ብየማነ ጸጋም ሸሽድሽተ ከምኡ’ውን ‘ለአምላክ ይደሉ’ እናተቐባበልካ ብስግደት ብዕዝል ዜማ ይበሃል።

ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቀደም ተኸተል ምስ ተነበ፡ ተኣምረ ማርያም፡ ተኣምረ ኢየሱስ ይንበብ። ቅድሚ ንባበ ወንጌል ዲያቆን ካብ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ ብዕዝል ዜማ የዝይም፡ ካህን ድማ ናይቲ ሰዓት ዝተመደበ ብዜማ እናመርሐ ካብ ናይ ኣርባዕቲኡ ወንጌል የንብብ። ብድኅር ‘ዚ ካህን ንጸሎት በእንተ ጽንዓ ዛቲ እቶም ምእመናንን ምእመናትን እናተቐበልዎ የንብብ። 

ካብዚ ቀጺሉ ከምቲ ዝተለምደ ካብ ናይ ኪርያላይሶን ጸሎትን ስግደትን ምስ ተገብረ፡ ጸሎተ ቡራኬ ይበሃል።

ተወሳኺ ኣብ ጊዜ ተስዓቱ (3 ድ.ቀ) ካህናት ‘አምንስቲት . . . ፣ ተዘከረነ እግዚኦ . . . ‘ ይብሉ። ዲያቆን ድማ ብወርድ ንባብ ለለምዕራፉ የንብብ።
ኣብ ጊዜ ዓሠርቱ ወአሐዱ ሰዓት (5 ድ.ቀ.) ሥርዓተ ስግደት ‘ለከ ኃይል’ ‘ኪርያላይሶን’ የለን። ከምኡ’ውን ናይ ሠርክ መልክዐ ሕማማት የለን። ካህናትን ሕዝብን እናተቐባበሉ ብኣርባዕቲኡ መኣዝን ፡’እግዚኦታ’ ብዓቢይን ንኡስን ዜማ የብጽሑ። ብድኅር’ዚ ነቲ ካህን ዝኣዘዞ 41 ኪርያላይሶን ይስገድ። ውሉደ ክህነት ድማ መቈምያ ኂዞም ኣብ መንጐኦም መብራህቲ ኣብሪሆም ካብ መዝሙረ ዳዊት ፣ጸሎተ ነቢያትን እናተቐባበሉ የብጽሑ። ‘ወፍኖቶሙሰ ለኃጥኣን ትጥፍእ’ ምስ ተባህለ ነታ ኣብ መንጎ ዝነበረት መብራህቲ ብመቘምያኦም ሃሪሞም የጥፍእዋ። ካህናት መዘምራንን ምእመናንን ምእመናትን ኃቢሮም ‘ንሴብሖ’ እናበሉ ይዝምሩ።

* ካብ ቀዳም ስዑር ክሳዕ ትንሣኤ ዝተመደቡ ንባባትን ጸሎታትን ብዝግባእ ይበጽሑ።


ወስብሐት ለእግዚአብሔ ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!

***

 

ዘመነ ዮሓንስ 6 ነሓሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

August
Wednesday
12
ዝክር፦ ኢየሉጣ፡ ወማርያም መግደላዊት፡ ወአባዊፃ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 7፡12-20 1ይ ጴጥ. 3፡1-7 ግብረ ሓዋርያት፦ ግብ. ሐዋ. 16፡13-18 ምስባክ፦ መዝ. 44/45 ወንጌል፦ ማር. 16፡9-18 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም ዓዲ ዘ፫፻ት። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ፅንሰታ ለማርያም - 7 ነሐሴ

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ነበረ። ምስ ተወልደት’ውን ኣደ አምላኽ...

'ትእምርተ ጽንዓት ሃይማኖት - ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን'

ገዳም ደብረ ቢዘን ‘ቢዘን’፦ ሚዛን፡ ማዕረ ማለት’ዩ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ብሚዛን ዝምዘን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ደብረ ቢዘን ጻድቃንን ኃጥኣንን፡ ድኹማትን ፍጹማንን...

ብመንገዲ ቴሌኮንፈረንስ ምስ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ርክብ ተኻዪዱ!

ዕለት 27 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (03/08/2020 ፈ.) ብመንገዲ ቴሌኮንፈረንስ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ምስ ምምኅዳር ሰበካ...

ቤተ መዘክር (ሙዝየም) ዘመንበረ ፓትርያርክ ንጥፈታቱ የዕቢ ኣሎ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብዓይኒ ዝርአ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ከምኡ’ውን ግዙፍነት ዘይብሉ ናይ ነዊኅ ዓመታት፡ ብቝጽሩ ብዙኅ፡ ብዓይነቱ ዘደንቕ ቅርስን...

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ኣብጽሓና !

ካብ 1 ነሓሴ ክሳዕ 16 ነሓሴ 2008 ዓ.ም.ግ. ዘሎ መዓልታት ብጸሎትን ውዳሴን ቅዳሴን ከምኡ’ውን ዝጽወም ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ...

መቅድም ውዳሴ ማርያም

ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝደረሶ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ኤፍሬም ለብሓዊ እዩ። ሶርያዊ ዝተባህለ ብሃገሩ ኮይኑ ለብሓዊ ድማ ብተግባሩ እዩ። እዚ ቅዱስ ኤፍሬም...

አሥርቆት ዘወርኀ ነሐሴ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ነሐሴ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጳጕሜን በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ነሐሴ ቡሩክ መዓልቱ ዓሠርቱ ወሠለስቱ ወእምዝ የሐፅፅ።

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኅቡራት…

ዕለት 24-25 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (31/07 – 01/08 2020 ፈ.)፣ “ብጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን ጽናዕ” (2ይ ጢሞ 4፡2) ብዝብል መሪሕ ኃይለ...

ቀዳማይ መሥርሕ ኣርትዖት መጽሓፍ ቅዱስ ሐዲስ ኪዳን ንምክያድ ዝዓለመ ጉባኤ…

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትውነን መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዝዓለመ ብክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት ብግእዝን ትግርኛን ዝቐረበት መጽሓፍ ሐዲስ ኪዳን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን…

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ...

ብሕንፃ እንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ሕንጻዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ

 ኣብ ከተማ ኣሥመራ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከብ ብእንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ዋንነት ቅድስት ቤተ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

  

latest articles

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...