ስለዚ ነቲ ዝተቐበሎ መከራን ኣባና ዘለዎ ፍቕርን እናዘከርና ክንኃዝን ይግባእ። “ስለምንታይ መከራ መስቀል ተቐበልካልና፧” እናበልና ዘይኮነስ “ንዓና ኽትብል መከራ መስቀል ተቐበልካ፣ ካብ ኃጢኣትን ሞትን ኣውፂእካኒ ከሎኻ ኣነ ግና ገና ኣብ ኃጢኣት ኣሎኹ እሞ ይቕረ በለለይ” ብምባል እዩ።
ፍቁረ እግዚእ ሓዋርያ ዮሓንስ ንልዕሊ ሰብዓ ዓመት ነቲ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ዝበጽሖ መከራ እናዘከረ ይኃዝን ነበረ። ከምኡ’ውን ኣቡነ መበዓጽዮን ብፍላይ ብዕለተ ዓርብ መከራ ጐይታ እናዘከረ ይበክን ንሰብነቱ ይገርፍን ከም ዝነበረ ኣብ መጽሐፈ ገደሉ ተዘጊቡ ኣሎ።
ኣሰረ ፍኖቶም ዝሰዓቡ ካልኦት’ውን ከምኡ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ይገብሩ ኣለዉ። ምኽንያቱ እቲ ዘይሕሶ ቃሉ “ ብፁዓን እለ ይላህዉ ይእዜ እስመ እሙንቱ ይትፌሥሑ/ እቶም ሕጂ ዝኃዝኑ ኽሕጐሱ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” ስለዝብል። (ማቴ. 5፡4)
ነዚ መሠረት ብምግባር ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ኣብ ሰማያዊ ዓለም መንግሥተ ሰማያት ምእንቲ ኺንሕጐስ ሕጂ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም ኵሉ ጊዜ መከራ መስቀሉ እናዘከርና ኽንኃዝን ትምህረና። ብፍላይ ግና ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብብዝኂ ጸሎት፡ ጾምን ስግደትን ኣሰኒና መከራ መስቀሉ ንኽንዝክር ሠሪዓትልና ኣላ።
በተን ኵለን ዝተቐበልካየን ጸዋትወ መከራ፣ ኵሉ ኃጢኣተይ ይቕረ ኽትብለለይን ካብ ኵሉ ዕዳ ኃጢኣት’ውን ከተድኅነንን ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም እምኅፀነካ ኣለኹ!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!