Print this page

ዕለተ ሰኑይ ዘሕማማት።

Apr 12, 2020

 ብዕለተ ሰኑይ ካብ ቢታንያ ናብ ኢየሩሳሌም  ኪኣቱ ኸሎ ኽልተ ነገራት ፈጸመ። ንሱ ድማ፦

  1. ነታ ብዘይካ ቘጽሊ ፍረ ዘይተረኽባ ኦም በለስ ረገማ “ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ ጠምዩ ኣብ ጥቓ መንገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ፣ ቈጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ ፍረ እኳ ኣይረኸበላን። እሞ ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ” በላ፣ ኢሉ ወንጌላዊ ማቴዎስ ኣብ 21፣18-19 ጽሒፍዎ ኣብ ዘሎ ንረኽቦ። ንምዃኑ ጥሜቱ እንታይ እዩ∶ ፍረ፣ ቘጽሊ በለስ፣ ኣባኺ ንሓዋሩ ኣይረኸብ ዝበሎ ምሥጢር’ከ እንታይ እዩ∶ ንዝብል፣ ቀጺልና ንርኣዮ።

ጠመየ ንኃሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሣን ባሪኹ ንልዕሊ 5000 ዚኣኽሉ ሰባት (ሰብኡት) ዝመገበ፣ ንመላእኽቲ ዘይጠምዩ ገይሩ ዝፈጠረ፣ ንእስራኤላውያን ን40 ዓመት ካብ ሰማይ መና ዝመገበ፣ እሞ ደኣ ኽሳዕ ክንድዚ ዘጥመዮ እንታይ እዩ፧

መልሱ ፍረ ሃይማኖት፣ ፍረ ጽድቂ ጠመየ ማለት እዩ። መግቢ እግዚኣብሔር፣ ፍቓዱ ምፍጻም እዩ።ዮሐ፦4፣34።

ኦም በለስ ብኦም በለስ ዝተመሰሉ ቤት ኣይሁድ እዮም። እዚ ኸኣ በለስ ክትበልዖ ኸሎኻ ምቁር እዩ፣ እንተ ኣብዚኅካ ግና “ይመርር” እዩ። ከምኡ ኸኣ ሕዝቢ ኣይሁድ ኃጢኣት ክትሠርሕዎ ንሕጂ  ጥዑም እዩ ዚጥዕመኩም ዘሎ፣ ምስ ሞትኩም ግና ኣብ ገሃነም እሳት ኣቲኹም ምርር ኪብለኩም እዩ። መሪር ሕይወት ከተኅልፉ ኢኹም ንኽብሎም ብኦም በለስ መሰሎም።

ንሓዋሩ ኣባኺ ፍረ ኣይረኸብ ካባኻትኩም (ኣይሁድ) ድኅነት ኣይረኸብ። ብሰንኪ  ትሪ ልቦም ከም ዘይኣምንዎ ስለዚፈለጠ “ስቕለተይ ንድኅነት ኣሕዛብ እዩ። ንስኻትኩም ግና ንሓዋሩ ድኅነት ኣይትረከቡ” ኢሉ ረገሞም። ሎሚ’ውን ካብዚ መርገም እዚ ንኽንድኅን ፍረ ጽድቂ ኽህልወና ይግባእ።

  1. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ’ቲ ቤት መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ረጋቢትን ዚሸጡ ረኸበ፣ ወርቅን ብሩርን ዚልውጡ ተቐሚጦም ረኸበ። ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተቲዑ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውፅኦም፣ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን ፋሕ ኣበሎ፣ ንሰደቓኦም ገልበጦ፣ መናብር እቶም ርግቢ ዚሸጡ ዚነበሩ ኸኣ ደንከለ። ነቶም ሸየጥቲ “ነዚ ኻብዚ ኣልዒልኩም ኣውፅእዎ፣ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ” በሎም። ዮሐ፦2፣13-17።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!