Print this page

ዕለተ ረቡዕ ዘሕማማት።

Apr 13, 2020

   ወንጌላውያን ማቴዎስን ማርቆስን ጽሒፎምዎ ከምዘለዉ’ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ዝተፈጸሙ ሠለስተ ነገራት እዮም። ንሳቶም ድማ እዞም ዚስዕቡ እዮም፦

  1. ፈረሳውያንን ሊቀ ካህናትን ጸሓፍትን ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪቐትልዎ ምኽር ቀንዮም ዚተሰማምዑላ ዕለት እያ።
  2. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት እቲ ለምጻም ስምዖን ከሎ ማርያም ኃጥእት መጺኣ ቕዱይ ቅብኢ ኣልባስጥሮስ ቀብኣቶ። ኣብ መዓልቲ ቐብሪ ከይትቐብኦ ቐልጢፋ ስለዝተንሥአት እዩ። ታሪኽ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት። ምሉእ ሰብነታ ዘርኢ መስትያት’ውን ነበራ እሞ፣ ሓደ መዓልቲ ናብኡ ቐሪባ መልክዓ ከመይ ከምዝመስል ረኣየት። “ሞት ከሎ እሞ እዚ ኵሉ ንምንታይ እዩ፧” ብምባል “ኣብ ገሊላ ኃጢኣት ዚኃድግ ነቢይ ተንሢኡ ኣሎ ናብኡ ከይደ ደኣ ኃጢኣተይ ኅደገለይ ክብሎ” ኢላ ሓሰበት። ብግብረ ዝሙት ዝኣከበቶ ገንዘብ ነበራ እሞ ሃድኖክ ናብ ዝተባህለ ሃብታም ነጋዳይ ከይዳ፣ “ነገሥታት ዚቕብእዎ ቕዱይ ቅብኢ ሽቱ ሽጠለይ” በሎቶ። ብሠለስተ ሚእቲ (300) ዲናር ዓዲጋ ኣምጺኣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀብኣቶ። (ስንክሳር 6 የካቲት፣ ተኣምረ ኢየሱስ) ተመልከት። (ንኣንባቢ ሓበሬታ) እዛ ማርያም እዚኣ ምስታ ኣብ ዮሐ፦13፣1 ዘላ እንተ እፍረት፣ ማርያም ኃውቲ ኣልኣዛር እያ እትበሃል። ማቴ፦26፣6, ማር፦14፣3-9, ሉቃ፦7፣36-38።
  3. እቲ ኸሓዲ ይሁዳ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኅሊፉ ንምሃብ ካብ ጸሓፍቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፣ ሊቃነ ካህናትን 30 ዲናር ተመዝነሉ። ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ኣብ ልዕሊ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሞት ውሳኔ ንምውሳን ዝተኣከብዎ ጉባኤ እዩ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ኣብ መብዛኅትኡ ሰዱቓውያን ክኾኑ እንከለዉ ዝተረፉ ድማ ጸሓፍቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ነበሩ። ብሓፈሻ ኣብቲ ጉባኤ 72 ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኾይኑ መራሒኡ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ነበረ። ኣብዚ ዕለት እዚ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዞም ብኸመይ ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ። እቲ ኸሓዲ ይሁዳ ኣብ ጸሓፍቲ ሕግን ፈሪሳውያንን ሊቃነ ካህናትን ኣብ ልዕሊ ጐይታና ንዝነበረ ጽልኢ ስለዚፈልጥ “ኣኅሊፈ ኽህበኩም’ሲ እንታይ ትህቡኒ∶” ኢሉ ኣኅሊፉ ኺህቦም ከምዝኽእል ተሰማምዐ።

    ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ጐይታ ይምህረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ሕዝቢ ናብ ሐዋርያት ካብ ዚመጽእ ዝነበረ ገንዘብ ተኃዚ ነበረ። ካብቲ ዚእክቦ ሙዳየ ምጽዋት እናሰረቐ ንግላዊ ጥቕሙ የትርፍ ስለዝነበረ ብፍቕሪ ገንዘብ ይጥቃዕ ነበረ።

      ይሁዳ ፍቕሪ ገንዘብ የጥቅዖ ከምዝነበረ እቲ ኅቡእ ልማዱ ጐሊሑ ዝተራእየሉ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት እቲ ለምጻም ስምዖን ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝኾነ ጨና ኣብ ዝለኸየትሉ ጊዜ እዩ። እታ ሰበይቲ ጥዑም ጨና ምስ ለኸየቶ ኻብቶም ድምፂ ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት ሓደ ይሁዳ ነበረ፣ “እዚ ቕዱይ ጨና ተሸይጡ ንድኻታት እንተዝወሃብ ጽቡቕ ነይሩ” ብምባል ዚሃቦ ጊጉይ ሓሳብ “ፈታዊትካ ተመሲላ ልኻይ ትለኽየካ” ከም ዝበሃል፣ “ጨና ተሸይጡ ጥቕሚ ይርከቦ፣ ፈሲሱ ግና ጥቕሚ የብሉን”። ስለዚ ይሁዳ ሓላዪ ድኻታት መሲሉ ዘቕረቦ ሓሳብ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ዝዀረየ ንኺመስል ብቐጥታ ኸይዱ ምስ ሊቃነ ካህናት ኣኅሊፉ ንኺህቦ ብ30 ዲናር ተሰማምዐ። እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ሠለስቲኦም ወንጌላውያን ተጻሒፉ ንረኽቦ። ማቴ፦26፣3-16, ማር፦14፣1-11, ሉቃ፦22፣1-6።

      ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኸምቶም 11 ሓዋርያት ካብ ጐይታና ተማሂሩ፣ በረኸተ ኅብስት ተመጊቡ፣ ዝተፈላለዩ ተኣምራት ብዓይኑ ርእዩ፣ ብኢድ ጐይታና እግሩ ተሓፂቡ፤ ይሁዳ ግና ነዚ ዅሉ ኣይዘከሮን ኣኅሊፉ ኪህቦ ደኣ ተዋዓዓለ። “ወዲ ሰብ’ሲ ኸምቲ ብዛዕብኡ ዚተጻሕፈ ኺኸይድ እዩ ግና’ኸ እቲ ንወድ ሰብ ኣኅሊፉ ዚህቦ ሰብ ወይልኡ” ማቴ፦26፣24 ከምዝተባህለ ኻልኦት ሓዋርያት ንፍቕሪ ጐይታና ኺስዕቡ ኸለዉ፣ ንሱ ግና መርገም እዩ መሪጹ። “ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” ከምዝተባህለ ሕይወት ክርስትናና ከባላሹ ስለዚኽእል፣ ኣብ ገንዘብ ዘሎና ፍቕሪ ብፍልጠት ኪኸውን ይግባእ። “ሰብ’ከ ብዘሎ ሃብቲ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ፧” ማቴ፦ 16፣26 ዝብል ቃል ክንዝክር ይግብኣና። ከምዚ ናይ ይሁዳ ብስም ድኻታት ኣምሲልካ ንግልኻ ጥቕሚ ምውዓል ኣዝዩ ክፉእ ኃጢኣት እዩ። ሎሚ’ውን እንተኾነ እዚ ጊዜ እዚ ኣባና ኸይርከብ፣ ብገንዘብ ሃይማኖት ከይንሸይጥ ንጠንቀቕ። እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ግና ሕይወቱ ንፍቕሪ ገንዘብ ዘይኮነስ፣ ንፍቕሪ እግዚኣብሔርን ንፍቕሪ ብጻዩን እዩ ዘኽብር።

 ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!