Print this page

ጸሎተ ኃሙስ ዘሕማማት።

Apr 13, 2020

ብዕለተ ኃሙስ ቅድሚ ሥጋ ምልባሱ “ለታውፅእ ባሕር ዘቦ መንፈሰ ሕይወት”። ዘፍ፦1፣20 ኣብ ዚበለሉ ጊዜ ንመግቢ ዝኾኑ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ተፈጥሩ። ድኅሪ ሥጋዌ’ሥውን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ ዕለት እዚኣ ዘለዓለማዊ መግቢ ዝኸውን ኣማናዊ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንደቀ መዛምርቱ ዝሃበላ ዕለት እያ።

 እዛ ዕለት እዚኣ መድኃኒና ንደቂ መዛምርቱ እግሮም ዝሓፀበላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ብምኽንያት ሕፅበተ እግሪ ንሐዋርያት  ከም ጥምቀት ዝተቘጽረትሎም ዕለት እያ። ነዚ ዘረድኣና ድማ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ “እግርኻ ኽሓፅበካ” ምስ በሎ ትሕትና ዝገበረ መሲልዎ “ኣይትሓፅበንን ኣይከውንን እዩ” በሎ። ጐይታና ድማ “እግርኻ እንተዘይሓፂበካ ምሳይ ዕድል የብልካን” በሎ እሞ እምበኣርከስ “እግረይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ርእሰይን እግረይን እምበር” በለ። ዮሐ፦13፣4-10። “ተጠምቁ አርድእት በምሴተ ኃሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እምቅድመ ይንሥኡ ሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛኅ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁ” (ተስእሎተ ባስልዮስ)። ከምኡ’ውን ንደቂ መዛምርቱ “ሓደ ኻባኻትኩም ኣኅሊፉ ኺህበኒ እዩ” ዝበለላን እቲ ዚፈትዎ ወደመዝሙሩ ዮሐንስ’ውን ናብ ጐይታ “መን እዩ ኣኅሊፉ ዚህበካ፧” ኢሉ ብምሕታቱ ምልክት ዝረኸበላ፣ ኣብ ጌተሴማኒ እዛ ጽዋዕ ካባይ ኣኅልፋ ኢሉ ደጋጊሙ ንምጽላይ ኣብ እዋን ፈተና ጸሎት ከም ዚግባእ ዝመሃረና፣ ኣብ መወዳእታ ንይሁዳ “ንወዲ ሰብ ብምስዓም ኣኅሊፍካ ትህቦ” ኢሉ ዝተዛረበላ፣ ጴጥሮስ ንዝቘረጻ እዝኒ ማልኮስ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ዝፈወሰላ፣ ንገዛእ ርእሱ ብፍቓዱ ኣኅሊፉ ዝሃበላ ዕለት እያ።

        ኣቦታትና ሓዋርያት ካብዛ ዕለት እዚኣ ኽሳዕ ትንሣኤ እኽሊ ኣይንጥዕምን ኢና ብምባል እኽሊ ኸይጠዓሙ ከምዝቐነዩ (ግብረ ሕማማት ይነግር)። ነዚ ብምዝካር ሎሚ’ውን ደቂ ቤተክርስትያን ካብ ኃሙስ ክሳዕ ትንሣኤ ዝጾሙ ኣለዉ።

                     ጸሎተ ኃሙስ በጽርሐ ኒቆዲሞስ

ውስተ ቤተ አልኣዛር ዐርኩ /  ውስተ ቤተ ስምዖን ዘለምጽ ይብሎ

እዚ ኣርእስቲ እዚ መንፈሳውን ሥጋውን ፍልጠት ንዝከታተሉ፣ ምሥጢር መጻሕፍቲ ንዝመራመሩ፣ ተመራሚሮም’ውን እወታዊ ቓሉ ኣብ ሰሌዳ ንዚኅዙ ዅላቶም ታሪኻዊ ትምህርቲ ዚህብ እዩ።

        እምበኣርከስ ናብታ ቐዳመይቲ “ቃል ጽርሐ ኒቆዲሞስ” እትብል ንመለስ። እዚ ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ሰብኣይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብል ጸሎተ ኃሙስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ፋሲካ ገይሩ ሥርዓተ ቊርባን፣ ምሥጢር ሥጋኡን ደሙን ዝገለጸሉ መለኮታዊ ኃይል ዝዓረፎ ዓቢይ ቤት ጽርሐ ኒቆዲሞስ እዩ።

        ኣብዚ ሓደ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ኺለዓል ይኽእል እዩ። ነቲ ሕቶ መለዓዓሊ ዚኸውን ከኣ ኣብ ማቴ፦26፣6 “ወበጺሖ እግዚእ ኢየሱስ ቢታንያ ቦአ ቤተ ስምዖን ዘለምጽ” ዚብል እዩ። ኣብ ማር፦14፣12-17, ሉቃ፦22፣7-14, ዮሐ፦13፣1-20። እዚ ኸኣ ቤት አልአዛር ከምዚኾነ የመልክት ምኽንያቱ “ወረፈቀ እግዚእ ኢየሱስ ውስተ ቤተ አልአዛር ዐርኩ”። ከምዚብል (ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ) “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ፈታዊኡ ኣልኣዛር መኣዲ ሠሪዑ ተቐሚጡ ኸሎ ንደቂ መዛሙርቱ ስለ እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዚሥዋዕ ሥጋኡን ዚፈስስ ደሙን ብኅብስትን ብወይንን ምሳሌ ገይሩ ገለጸሎም” ይብል፣ (ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ ገጽ 149 ቀዳማይ ዓምድ)።

ኣብ መጽሐፈ ቅዳሴ “ጽርሐ ኒቆዲሞስ” ዝበሎ ካብ መጽሐፈ ግብረ ሕማማት ዝተወስደ እዩ፣ ብዙኃን ጸሓፍቲ መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ግና እቲ ሥርዓት ቊርባን ዝተዳለወሉ ቤት እንዳ ኣልኣዛር ምንባሩ ይናገሩ፣ እምበኣርከስ ጐይታ ንሥርዓተ ኃሙስ ካብዘን ዝተሰምያ ሠለስተ ቦታታት ኣበየናይ ቤት ከም ዝፈጸሞ ኣይተፈልጠን፣ እንተኾነ ግና ኺፍለጥ ይግብኦ ነይሩ እናበሉ ብልቡናኦም። እናተመራመሩ ኸውርዱ ኸደይቡ ኂዞምዎ ዝነበሩ ሰባት ከምዘለዉë ይግመት።

እምበኣርከስ እቲ ቤት ሓደ ኾይኑ ግና ኽፍልታት ዘለዎ እዩ። ማለት እቲ ቤት ናይ ሓደ ሰብ ከምዝኾነ ኣየጠራጥረናን እዩ።

ስለዚ ነቲ ታሪኹ ኸመይ ከምዝኾነ ምግላጽ ኣድላዪ እዩ፣ ካብ ነገደ ንፍታሌም ዝኾነ ዓሌቱ ሄድኖክዮስ ዝተባህለ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ቢታንያ ይነብር ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ሠለስተ (3) ኣወዳት። ክልተ (2) ኣዋልድ ወለደ፣ ስሞም ከኣ፣-

  1. ኣልአዛር (ዓርኩ) ማርያም (እኅተ ኣልኣዛር)  
  2. ስምዖን (ዘለምጽ) ማርታ(ዘኣስተዳለወት ሲሳየ)
  3. ኒቆዲሞስ (መምህር)

ዝተባህሉ ኾይኖም ነዚ ዝተባህለ ኣቦ ሄድኖክዮስ ኣብ ቢታንያ ሓደ ዓቢይ መካበብያ ዘለዎ ብዕየቱን ብስፍሓቱን ዝተፈልጠ ቤት ነበሮ፣ ኸምኡ’ውን ዝተፈላለየ ደርብን ክፍልታትን ዘለዎ ዓቢይ ሕንፃ። ዝለዓለ መቐመጢ ዘለዎ ቤት ነበሮ።

        ካልእ’ውን ብጀካ እዚ በዓል ፋሲካን በዓለ ሰዊትን ኣብ ዘኽብረሉ ጊዜ ናይ ቤትን ስፍራን ሽግር ከየጋጥሞ ኢሉ ኣብ ከባቢ ከተማ ኢየሩሳሌም ናይ ከተማ ቦታ ተዋሂብዎ ማእከላይ ቤት ሠሪሑ ነበረ፣ ስለዚ እቶም ካብ ከተማ ወፃኢ ዝመጽኡ ኣይሁድ በዓል ንምብዓል ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚድይቡሉ እዋን ኣብዚ ዝተባህለ ቤት ድንኳን ተኺሎም። ዳስ ሠሪሖም በዓሎም የኽብሩ ነበሩ።

        ከምኡ’ውን ናይቲ በዓል ፍጻሜ ምስ ኮነ ብዛዕባ ንዝመጽእ ዓመት ኣበየናይ ቤት ኮይኖም ከም ዘብዕሉ ይዘራረቡ ነበሩ፣ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም። ብሕጊ ቦታ (መሬት። ጤሳ) ተዋሂብካ ናይ ምሥራሕ ዝበለጸ ምዃኑ ስለዝፈለጡ ነቲ በዓል መዕረፊ ዝኾኖም ቤት በብማይ ቤቶም ሠርሑ።

ስለዚ ሄድኖክዮስ ከኣ ኣብ ከባቢ ጎልጎታ ቦታ ተማሲሑ ቤተ ጸሎት ሠሪሑ። ንነዊኅ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሑ ጊዜ ሞቱ ምስ ኣኸለ  ነቲ ኣብ ቢታንያ ዘሎ ቤቱ ንኣልኣዛርን ስምዖንን ኒቆዲሞስን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤቱ ከኣ ንማርያምን ንማርታን ኣካፊልዎም ካብዚ ዓለም እዚ ብሞት ተፈልየ።

እዞም ዚተባህሉ ደቂ ሄድኖክዮስ ፍቁራን ብምንባሮም ብዘይ ጽልእን ቅርሕንትን ልክዕ በታ ኣቦኦም ዘውረሶምን ዘመኃደሮምን ሓደ ኣካል ኮይኖም ዝመጽአ ጋሻ እናተቐበሉ ኻብ እግዚኣብሔር በረኸት እናተዓደሉ ዝነብሩ እሙናት ኣኅዋት ኮኑ፣ ድኅሪ እዚ ዅሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ኣጋ ምሸት ኃሙስ ደቀ መዛሙርቱ ኣስዒቡ ኣብዚ ዝተባህለ ቤት ኣትዩ ኣብ ዘዳለወሉ መኣዲ ተረኺቡ በረኸት ቃሉ ኣኅደረሎም፣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዓደሎም፣ ድራር ምስ በልዐ ንበረኸት ኢሎም ዘምጽኡሉ እንጌራ ኣልዒሉ። ነቲ ጽዋዕ’ውን ባሪኹ ቀዲሱ “ጽባሕ ዓርቢ ንበጃ ዅሉ ዓለም ኣብ ልዕሊ መስቀል ዚሥዋዕ ሥጋይ እዩ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ጽዋዕ ኣልዒሉ ስለሥርየት ኃጢኣት ዚፈስስ ደመይ እዩ። እንኩ ስተዩ” ኢሉ ንዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ሃቦም፣ ተሠዊሩ ዝነበረ ምሥጢር ሞቱ ገለጸሎም።

ነዞም ሠለስተ ኣኅዋት ዝተዋህበ ጸጋ እግዚኣብሔር ንኻልእ ኣይተዋህበን፣ በብኣስማቶም ዚቕበልዎ ሰማያዊ ኽብሪ ዝተፈላለየ ከም ምዃኑ መጠን። ቤተ ኣልኣዛርቤተ ስምዖንቤተ ኒቆዲሞስ ኢሉ እኳ ኣብ ሠለስተ ኸፊሉ ይናገር እምበር ብዛዕባ ሓደስ ሓደ እዩ፣ ማለት ኅውነቶምን ሓድነቶምን ኣጽኒዖም ብፍቕሪ። ብሃይማኖት ተሠሪቶም ዝነበሩ ኣቦኦም ሄድኖክዮስ ዝሃቦም ሓንቲ ዓባይ ቤት እያ፣ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዝተጠቕሰ ታሪኽ። ብስፍሓት። ብዕምቈት። ብጥልቀት ክሳዕ እዚ በጺሑ ዘሎ ቤተ ኒቆዲሞስ ዚብል ንመረዳእታ ዚኣክል እዩ፣ ስለዚ ሠለስቲኦም ኣኅዋት ኣብ ሓንቲ ቤት እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ጸሎተ ኃሙስ ኣይሁድ ፋሲካኦም ከብዕሉ ከለዉ። ድሮ ሞት ጐይታ ምስ ኮነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ቤት እዚኣ ዝፈጸሞም ተግባራት ኃሙሽተ እዮም፣-

  1. ትሕትና ምእንቲ ኪምህረና እግሪ ደቂ መዛሙርቱ ሓፀበ፣ ዮሐ፦13፣1-20
  2. ምሥጢረ ቊርባን ሓድሽ ሕጊ ሠርዓልና፣ ማቴ፦26፣26, ማር፦14፣12, ሉቃ፦ 22፣7፣
  3. ኪተኃዝ ከሎ ዅላቶም ገዲፎምዎ ኸምዝተበተኑን ቅዱስ ጴጥሮስ ደርሆ ኸይነቀወ ሠለስተ ጊዜ ኸምዝኽሕዶን ተዛረበ፣ ማቴ፦26፣30-35።
  4. ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ሰፊሕ ትምህርቲ መሃረ፣ ዮሐ፦14፣1-16-33።
  5. ኣብ ጌቴሴማኒ ንኣና ኣብነት ዚኸውን ጸሎት ጸለየ፣ ማቴ፦26፣39።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መግቢ ኣብ ዝተዳለወሉ ጠረጴዛ ምስ ተቐመጠ ደቀ-መዛሙርቱ ቐጺሎም ናይ ክብሪ መቐመጢ ንምኃዝ “ኣነ እበልጽ። ኣነ እባ እበልጽ” ብምባል ኪቀዳደሙ ኸለዉ። ኣተኲሩ ረኣዮም እሞ ኻብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ተንሢኡ ኽዳኑ ኣቐሚጡ። መወልወሊ ጨርቂ ኣልዒሉ ሕቖኡ ተዓጢቑ ማይ ብዅስኲስቲ ቐዲሑ እግሪ ደቀመዛሙርቱ ኺሐፅብ ጀመረ፣ ናብ ስምዖን ዚተባህለ ጴጥሮስ ምስ በጽሐ ጲጥሮስ “ንኣይ ንስኻ ንዘለዓለም እግረይ ኣይትሓፅበንን ኢኻ” ስለዝበሎ ጐይታ ኸኣ “ኣነ እንተዘይሓፂበካ ምሳይ ዕድል የብልካን” ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ እግሪ ደቂ መዛሙርቱ ሓፂቡ ምስ ወድአ ነቲ ጨርቂ ኣልዒሉ ኽዳኑ ተኸዲኑ። ንኻልኣይ ጊዜ ምሳሕ ተቐመጠ፣ ኣብቲ መኣዲ ንዝተዳለወ ዘይጸለመን ዘይሓረረን እንጌራ ኣልዒኡ ጸልዩ፡ ባሪኹ፡ ኣብ 13 ቘሪሱ። ሓደ ንእኡ ነቲ 12 ኸኣ ነቶም 12 ደቀ-መዛሙርቱ ሃቦም፣ በዚ እዚ ኣብ ጊዜ ኦሪት ዚሥዋዕ ዝነበረ መሥዋዕቲ እንስሳ (ጤለ-በጊዕ) ተተክአ።

ሎሚ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ምሥጢረ ቊርባን ክትምህር ከላ። ዝኾነ ቘራቢ ሰብ 18 ሰዓት ጾይሙ ንኣፉ ምረት ኪስምዖ ኸሎ እዩ ኢላ ተረድእ፣ ሊቃውንቲ ነዚ ኸም መረዳእታ ዘቕርብዎ “ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ለይቲ 9።00 ሰዓት ክሳዕ ሰዓት 9።00 ሰዓት መዓልቲ። ብድምር 18 ሰዓታት ዝተፈላለየ መከራታት ተቐቢሉ። መሪር ሓሞት ንዝሰተዮ መዘኻኸሪ እዩ” ይብሉ፣ ዝኾነ ይኹን ሰብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እንተዘይወሲዱ መንግሥተ ሰማያት ኪኣቱ ኣይኽእልን እዩ፣ ዮሐ፦6፣51-56፣ ነዚ ንምውሳድ ከኣ ኻብ ቂም። በቐል። ጽልኢ ተነሲሕካ። ነጺሕካ። ነጻ ዄንካ ምቕባል ከም ዚግባእ ይምህረና፣ “ከይተገብኦ ዝበልዐ ግና ኣብ ርእሲ ዕዳ ዕዳ ከም ዘለዎ” ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ፦11፣23-29። ከምኡ’ውን ሊቃውንቲ ኺምህሩ ኸለዉ ንቝርባን ብመብልዕን መስተን ዝገበሮ ምኽንያት ብልዕን መስተን ምስ ሰብነት ከምዚወሓሓድ ንሱ ኸኣ ፍጹም ከም ዝተወሓሓደና የረድእ፣ ብኻልኣይ ደረጃ። መብልዕ መስተ የፋቕር እዩ። ንሱ ኣዝዩ ከም ዘፍቅረና ይገልጸልና፣ ብስርናይን ወይንን ዝገበሮ ትንቢት ንምፍጻም። ዘፍ. 14፦18-20፣ ካልእ ጐይታን ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣብ እዋን መዋዕለ ሥጋዌኡ እኽሊ ንጥዓም ኣብ ዚበሉሉ ጊዜ እቲ ዝጠዓምዎ ሥርናይን ወይንን እዩ ዝነበረ።

 ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!