Print this page

ዕለተ ዓርብ (ስቕለት)

Apr 14, 2020

ኣብ ሥነ ፍጥረት ብዕለት ዓርቢ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” ኸም መልክዕና ብምስልና ሰብ ንፍጠር። ዘፍ. 1፦26 ኣብ ዝበለሉ ኣዳም ተፈጥረ፣ ድኅሪ ሾብዓተ ዓመትን ኣርብዓን ሾብዓተን መዓልቲ ኸኣ በዛ ዕለት እዚኣ ትእዛዝ ጥሒሱ ኻብ ገነት ተሰጐ፣ ነዚ ኻሕሳ እዚ ንምምላስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ በጃና ኾነ። 13 ሕማማተ መስቀል ተቐበለ፣ ንሳቶም ከኣ እዞም ዚስዕቡ እዮም፣-

  1. ኣክሊለ ሶክ። ኣኽሊል እሾኽ ዝደፍእሉ
  2. ተኰርዖ ርእስ። ብኢድ ኣይሁድ ርእሱ ዝተሃርሞ። ማቴ. 27፦24፣
  3. ተጸፍዖ መልታሕት። ተነበይ ለነ መኑ ጸፍዐከ። እናበሉ ኸም ዚጸፍዕዎ፣ ዮሐ፦19፣2-4፣ ማቴ፦27፣27።
  4. ተወክፎ ምራቅ። ጡፍ ከም ዝበሉሉ፣ ኢሳ፦50፣6።
  5. ሰትየ ሐሞት። ሓሞት ዘስተይዎ፣ መዝ፦69፣21, ማቴ፦27፣34-48።
  6. ተአሥሮ ድኅሪት። ኢዱ ንድኅሪት ዝኣሰርዎ፣ ዮሐ፦18፣12።
  7. ተቀስፎ ዘባን። ዝባኑ ብሓለንጊ 6666 ዝወቕዕዎ፣ ኢሳ፦50፣6።
  8. ርግዘተ ገቦ። ወይፀዊረ መስቀል። የማናይ ጐድኑ ብዅናት ተወግአ፣ ዮሕ፦ 19፣33።
  9. ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀል፣ ዮሐ፦20፣25።
  10. ሳዶር።
  11. ኣላዶር፣
  12. ዳናት፣
  13. ኣዴራ፣
  14. ሮዳስ፣ ማቴ፦26፣26-28 (ትርጓሜ ወንጌል)።

 

እዛ ዕለት እዚኣ እዚ ዅሉ ጐይታና ዝተቐበሎ ፀዋትወ መከራ እናዘከርና ልባዊ ኃዘን ንኃዝን፣ ከምኡ’ውን ብተወሳኺ ሾብዓተ ነገራት ተፈጸሙ፣-

  1. ምጥፋእ ፀሐይ። ፀሓይ ጸልመተ፣
  2. ወርኂ ናብ ደም ምቕያራ፣
  3. ከዋኽብቲ ረገፉ፣
  4. መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፣
  5. ኣኻውሕ ተጨዱ፣
  6. መቓብራት ተኸፍቱ፣
  7. ምዉታት’ውን ተንሥኡ፣

 

ከምኡ’ውን እቶም ሾብዓተ ጽራሓተ መስቀል ዚባሃሉ ዝተናገረሉ ዕለት እዩ፣ ንሳቶም ድማ እዞም ዚስዕቡ እዮም፣-

  1. ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትኃዘሎም፣ ሉቃ፦23፣34።
  2. ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትህሉ ኢኻ፣ ሉቃ፦ 23፣43።
  3. እንሆ ወድኺ። እንሀት ኣዴኻ፣ ዮሐ፦19፣26-27።
  4. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ፣ ማቴ፦27፣46።
  5. ጸማእኩ፣ ዮሐ፦19፣30።
  6. ኦ ኣቦይ ነፍሰይ ናብ ኢድካ አማዕቝባ ኣሎኹ፣ ሉቃ፦23፣46።
  7. ኵሉ ተፈጸመ፣ ዮሐ፦19፣30።

ኣብ ዕለተ ዓርቢ ብሓደ ወገን እኳ ኽፉእ ዚገብሩ እንተበዝኁ፡ ጽቡቕ ዝገበሩ’ውን ኣይተሳእኑን፣ ፍቕሩ ስሒብዎም። ቅድም’ውን እናኸዱ ዚመሃሩ ዝነበሩ። ኣብ ቅድሚ መስፍን ኣሕዛብ ጲላጦስ ቀሪቦም ካብ ዕፀ መስቀል ኣውሪዶም ንኺቐብርዎ ሓቲቶም ፍቓድ ዝረኸቡ እሞ ኣብቲ ንእኦም ኢሎም ዘዳለዉዎ ብውቕሮ ኻብ ከውሒ ዝተሠርሐ መቓብር ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ኣብታ ዮሴፍ ንእኡ ኢሉ ኣዳልዩዋ ዝነበረ ሓዳስ መቓብር ዝቐበሩሉ ዕለት እዩ፣ ሎሚ’ውን ከምዞም ክልተ ሰባት ዝፈጸምዎ ጽቡቕ ግብሪ ክንገብር ብዕፀ መስቀሉ ይደግፈና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!