Print this page

እንቋዕ ናብ ጾመ ድኅነት ኣብጽሓና!

Jun 09, 2020

ጾመ ድኅነት ዝበሃል ኣብ ዕለታት ረቡዕን ዓርብን ዝጽወም ጾም እዩ። ጾመ ረቡዕን ዓርብን እንትርፎ ድኅሪ ትንሣኤ ክሳዕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘለዉ ጊዜያት ዝርከቡ ረቡዕን ዓርብን ከምኡ’ውን ልደትን ጥምቀትን ኣብ ዝውዕሉሉ እዋን እንተ ዘይኾይኑ ካብ ዓመት ክሳዕ ዓመት ዝጽወም ጾም እዩ።

ዝጽወመሉ ምኽንያት ከኣ፦

ረቡዕ፦ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስቃል ናይ ሞቱ ምኽሪ መኺሮም ዝፈጸሙሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ. 11፡46-53) ስለዚ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ምእንቲ ደቂ ሰባት ዝተፈርዶ ናይ ሞት ፍርዲ ምእንቲ ክንዝክር ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኽንጸውም ብሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ተሠሪዑ ክጽወም ይነብር ኣሎ።

ዓርቢ፦ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ዝተሰቕለሉን ብሥጋ ዝሞተሉን፣ ተስፋ ደቂ ሰባት ዝተፈጸመሉን ዕለት እዩ። (ሉቃ. 23፡26-49፣ ዮሐ. 19፡17-30)

በዚ መሠረት እንትርፎ ኣብ በዓለ ኃምሳን ልደትን ጥምቀትን፡ ኣብ ረቡዕን ዓርብን ምእንታና ዝወዓለልና ውዕለት እናዘኸርና ብጾምን ጸሎትን ነዘን ክልተ ዕለታት እዚኣተን ከነኽብረን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ትእዝዘና። (ፍት.መን.አን. 15፡ ዲድስቅ. 29)

ናይ ሎሚ ዓመት ዘመነ ዮሓንስ 2012 ዓ.ም. ዝጅምረሉ ረቡዕ 3 ሰኔ ፡ ዓርብ 5 ሰኔ እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!