ቅዱሳት መጻሕፍቲ

Oct 28, 2015

ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብቅዱሳን ሰባት ዝተጻሕፉን ዝኸበሩን ዝተቐደሱን መንፈሳውያን መጻሕፍቲ እዮም። ኣብ ዓለም ብኣእምሮ ፍጡራን ዝተደርሱ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ግና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተፈልዩ’ዮም። ንቕዱሳት መጻሕፍቲ ክቡራትን ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ፍሉያትን ዘብሎም ፦

* ካብ ቅዱስን ክቡርን እግዚአብሔር ስለ ዝተረኽቡ (ዘሌ. ፲፱፥፪/ 19፥2) ፤ (ኢሳ. ፴፬፡፲፮/ 34፡16)
*ብቅዱሳን ሰባት ስለ ዝተጻሕፉ (2ይ ጴጥ. ፩፥፳-፳፩/1፥20-21) ፤ (ዘፀ. ፲፯፡፲፬/ 17፡14)
*ትኅዝቶኦም ሰማያዊ፣ መንፈሳዊ ስለ ዝኾነ ፤ ንዘንብቦምን ዝሰምዖምን ናብ ቅድስና ስለ ዝመርሑ (ራእ. ፳፪፥፯/ 22፥7)፣
በረኸት ስለ ዝህቡን (ራእ. ፩፥፫/ 1፥3፣ ፫፥፲፭-፲፱/ 3፥15-19)፤

*ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብቀኖና ስለ ዝተቐበለቶም፤ (ፍትሓ ነገሥት ኣንቀጽ ፪/2)

*ንዅሉ ኃላፍያትን መጻእያትን ብሓቅነት ስለዝናገር (ዘፍ. ፩፡፩/ 1፡1፣ ዘፍ. ፲፪፡፩-፫/ 12፡1-3፣ ኢሳ. ፯፡፲፬/ 7፡14፣ ኢሳ. ፱፡፰/ 9፡8)

ዓይነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና “ቅዱሳት” ብዝብል ቅጽል ስም ሂባ፣ ብቀኖና ዝተቐበለቶም መጻሕፍቲ፦ ብቝጽሪ ብዙኃን ኮይኖም ዋላ እኳ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን፣ ብዝተፈላለየ ሞያን ደረጃን ናብራን ዝነበሮም ቅዱሳን እንተ ተጻሕፉ፣ ብመሪሕነት ሓደ እግዚአብሔር ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሓሳብ ምትሕንፋጽ ኮነ ምግርጫው የብሎምን። ( 2ይ ጴጥ. ፩፥፳፩/ 1፥21)
*ኣስማቶም ውን ብዝተፈላለየ መጸውዒ፦ ብትኅዝቶኦም፣ ብስም ጸሓፊኦም፣ ብስም ሃገር ወይ ዓዲ፣ ብስም ዝተላእከሎም . . . ወዘይመስሎ ይጽውዑ።
*ምእንቲ ንመጽናዕቲ ክጥዕም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ንኸፍሎም ፦
*መጽሓፍ ቅዱስ ( ኣሥራው )
*ኣዋልድ መጻሕፍቲ

* መጽሓፍ ቅዱስ


መጽሓፍ ቅዱስ:- እቲ ክቡርን፣ ፍሉይን፣ ዓቢይን ምንጭን መምርሕን ሃይማኖት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጡ ሓቝፍዎም ዘሎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ጊዜ ዘይስዕሮም: ዘይምነዉን: ዘይኣርጉን ዘለዓለማውያን እዮም። ወለዶ ኃሊፉ ወለዶ ኪትካእ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ከይተለወጠ ጣዕሚ ዕቤት መልእኽቱ ወትሩ ሕይወት ኮይኑ ይነብር። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጡ ኂዝዎ ዝርከብ ምሥጢራት ካብ ሑፃ ዝበዝኅን ንዕቤቱ ዝወዳደሮ ዘይብሉን ዘለዓለማዊ ቓል ናይቲ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ እዩ። (ማቴ. ፳፬፥፴፭/ 24፥35)።

*መጽሓፍ ቅዱስ፦ ብቝጽሪ ዝጥርንፎም 81 መጻሕፍቲ እዮም። 46 መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን፡ 35 መጻሕፍቲ ሓዲስ ድማ ኪዳን ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ።
1. ብሉይ ኪዳን

ብሉይ ኪዳን፦ ናይ ጥንቲ፣ ናይ ቅድም ስምምዕ ወይ ውዕል ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝተገብረ ማለት እዩ።

መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን፥ ናይ ኵሉ ፈጣርን መጋብን እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሰብ ኣኽቢሩ ከም ዝፈጠሮን ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ብዝበደሎ ግና ብሞተ ሥጋ፡ ሞተ ነፍሲ ናብ ኵሉ ከም ዝተሳገረ፣ ን5500 ዓመት ደቂ ሰባት ውን ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቖም ብእግሪ ኣጋንንቲ እናተረግጹ ኣብ ኃዘንን ጸልማትን ከም ዝነበሩ፣ በዚ ውን እግዚአብሔር ዝሃቦም ተስፋ ምድኃን እናተጸበዩ ይልምኑ ከም ዝነበሩ፣ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ መሢሕ ክርስቶስ ዝተዘርቡ ትንቢታት ዝትንትን እዩ።
*ብሉይ ኪዳን፦ ካብ 1486 ዓመተ ዓለም ኣቢሉ፡ ዘሎ ጊዜ ብልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተጻሕፈ ይንገር።
*ብሉይ ኪዳን፥ ብዝያዳ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ታሪኽ ናይቶም ኣመንቲ ሓደ ኣምላኽ ዝኾኑ ዕብራውያን ስለ ዝገልጽ ከኣ ብመጀመርታ ብቛንቋ ዕብራይስጢ እዩ ተጻሒፉ። ደኃር’ውን ብ284 ቅ.ል.ክ. ኣብ ዘመን መንግሥቲ ንጉሥ በጥሊሞስ ናብ ቋንቋ ጽርኢ ተተርጒሙ። ቀጺሉ ብዘመን መንግሥቲ ሄሮዲሞስ፣ ብጂሮም ዝተባህለ ኣቦ ላቲን ቤተ ክርስቲያን ብ356 ዓመተ ምሕረት ናብ ቋንቋ ላቲን ተተርጒሙ። ናብ ቋንቋ ግእዝ ዝተተርጐመሉ ድማ፡ ሓደ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ብዘመን ንግሥተ ሳባ ምዃኑ ይንገር።
*መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ብቝጽሪ 46 ኪኾኑ ኸለዉ፣
ኣብ 4ተ ክፍሊ ይምደቡ፦


* ብሔረ ኦሪት (ክፍሊ ሕጊ) ፦
*ኦሪት፥ ማለት ሕጊ እዩ። ንመጻሕፍተ ኦሪት ኣብ ምድረ በዳ ሲና ዝጸሓፈ ሊቀ ነቢያት ሙሴ እዩ። ሙሴ፥ ኣብ ግብጺ ተወሊዱ፣ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ፈርዖን ብሞግዝይነት ኣደኡ ዝዓበየ፣ ብቕንኣት ሕዝቡ ተሰዲዱ ኣብ ምድያም ከሎ ብኣምላኽ ተጸዊዑ፣ ጽላተ ሕጉ ተቐቢሉ ንሕዝበ እስራኤል መሪሑ ካብ ግብጺ ዘውፅአ ነቢይ እዩ።
*ኣብዚ ዝጥርነፉ መጻሕፍቲ (6)፦ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ ኦሪት ዘዳግም ከምኡ ውን መጽሓፈ ኩፋሌ እዮም።

* ክፍሊ ታሪኽ ፦
*ዝበዝኀ ክፋሉ ታሪኽ እስራኤላውን ዝገልጽ እዩ።
*ኣብዚ ዝጥርነፉ መጻሕፍቲ (16)፦ መጽሓፈ ኢያሱ ክሳብ መጽሓፈ ኣስቴር፣ ከምኡ ውን መጽሓፈ ዮሴፍ ወልደ ኮርዮን እዮም።

* ክፍሊ መዝሙር፣ ጥበብን ቅኔን ፦
*ኣብዚ ዝጥርነፉ መጻሕፍቲ (8)፦ ካብ መጽሓፈ ኢዮብ ክሳብ ማኅልየ መኃልይ ዘሰሎሞን፣ ከምኡ ውን መጽሓፈ ጥበበ ሰሎሞን ምስ መጽሓፈ ጥበበ ሲራክ እዮም።

* ክፍሊ ትንቢት ፦
* ብመንፈስ እግዚአብሔር እናተመርሑ ነቢያት ንዝመጽእ ዝንበይዎ ዝነበሩ ዝገልጽ እዩ።
* ኣብዚ ዝጥርነፉ መጻሕፍቲ (16)፦ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ክሳብ ትንቢት ሚልክያስ እዮም።

2. ሓድሽ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን፦ ብዛዕባ ልደተ ክርስቶስ ከምኡ ኸኣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ 33 ዓመትን 3 ወርኅን እናመሃረ ከም ዝጸንሐ፣ ብድኅሪኡ በደል ከይብሉ ብኣይሁድ ተታኂዙ ከም ዝተገርፈ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከም ዝሞተ፡ ከም ዝተንሥአን ከምዝዓረገን ዳግማይ ከም ዚመጽእን ዘረድእ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ሥራሕ ኣቦታትና ቅዱሳን ሓዋርያትን ታሪኽ ፍጻሜኦምን ራእይ ዮሓንስን ዝኃዘ እዩ። ኣብ ከባቢ 41-49 ዓ.ም. ካብ ዘሎ ጊዜ ጀሚሩ ዝተጻሕፈ እዩ።
* ንሓድሽ ኪዳን ዝጸሓፍዎ ቍጽሮም ልዕሊ 8 እዩ። ካብ መንጐ እዞም ንሓድሽ ኪዳን ዝጸሓፉ መብዛኅትኦም ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህሩ ኣብ ዝወዓሎ ዝወዓሉ፥ ኣብ ዝኃደሮ ዝኃደሩ እዮም። ምእንቲ'ዚ ንጐይታ ብዓይኖም ዝርኣይዎ ብኢዶም ዝዳኅሠሥዎ ብእዝኖም ዝሰምዕዎ እዮም ጽሒፎሞ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ጸሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ፍልይ ዝበሉ እዮም።
*መጻሕፍቲ ሓዲስ ኪዳን ብቍጽሪ 35 ክኾኑ ከለዉ፣ ኣብ 5ተ ክፍሊ ይምደቡ፦

* ክፍሊ ወንጌል ፦
* ኣብዚ ዝጥርነፉ መጻሕፍቲ (4)፦ ወንጌል ማቴዎስ፣ ወንጌል ማርቆስ፣ ወንጌል ሉቃስ፣ ወንጌል ዮሓንስ እዮም።

* ክፍሊ ታሪኽ ፦
* ኣብዚ ዝጥርነፍ መጽሓፍ (1)፦ ግብረ ሓዋርያት እዩ።

* ክፍሊ መልእኽቲ ፦
*ኣብዚ ዝጥርነፉ መጻሕፍቲ (21)፦ ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ሮሜ ክሳብ መልእኽቲ ዕብራውያን (14 መልእኽታት ቅዱስ ጳውሎስ)፣ መልእኽቲ ያዕቆብ፣ 1ይ ን 2ይ ን መልእኽታት ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ 1ይ : 2ይ ን 3ይን መልእኽታት ዮሓንስ፣ መልእኽቲ ይሁዳ እዮም።

*ክፍሊ ትንቢት ፦
*ኣብዚ ዝጥርነፍ መጽሓፍ (1)፦ ራእየ ዮሓንስ እዩ፤


* ክፍሊ ሥርዓት ፦

*ኣብዚ ዚጥርነፉ መጻሕፍቲ (8)፦ መጽሓፈ ሥርዓተ ጽዮን፣ መጽሓፈ ትእዛዝ፣ መጽሓፈ ግፅው፣ መጽሓፈ ኣብጥሊስ፣ 1ይ መጽሓፈ ኪዳን፣ 2ይ መጽሓፈ ኪዳን፣ ቀሌምንጦስ፣ ዲድስቅልያ እዮም።

 


* ኣዋልድ መጻሕፍቲ


ካብ ዓቢይ መጽሓፍ ቅዱስ፥ ተዋፂኦምን ተቐዲሖምን ንእኡ መሠረትን ጽላልን ገይሮም ዚተጻሕፉ መጻሕፍቲ፥ ኣዋልድ መጻሕፍቲ ይበሃሉ።
“ኣዋልድ” ፦ ካብ ‘ወለደ’ ዝብል ሥርወ ግሢ ዝወፀኣ ኾይኑ፣ ንኣንስታይ ጾታ ብነጸላ ኣካላዊ ቅጽል ‘ወለት’ ኢልካ ንብዙኃት ድማ ‘ ኣዋልድ’ ከም ትብል ትርጕሙ ውሉዳት ማለት እዩ። ብምሥጢር ክትርጐም ከሎ ብኣንስታይ ጾታ ዝተጸውዑ መጻሕፍቲ፥ ብትኅዝቶኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ መሲሎም ዝተወልዱ ከምኡ’ውን ካብ ዓሚቝ ዒላ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተቐድሑ ማለት እዩ።

“ኣዋልድ መጻሕፍቲ”፦

* ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንባቡ ንዝሓፀረ የንውኁ፣ ንዝተረፈ ይምልኡ።
*ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝተጠቕሰ ጥቕሲ የብርሁ፣ ንዝተመሰለ ምሳሌ ይትርጕሙ።
*ንንባብ ብሉያትን ንምሥጢር ሓዲሳትን ኣሰማሚዖም፣ ንመሠረቱ ከይገደፉ ንዝረቐቐ ኣጕሊሖም እናኣብርሁን እናተርጐሙን የረድኡ።
*ቅድስናን፣ ክብርን ኣማላድነትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን መላእኽትን ቅዱሳን ሰባትን ይገልጹ።
*ምስጋናን ጸሎትን ይምህሩ። ምኽርን ልቡናን ይህቡ።

ንኣዋልድ መጻሕፍቲ ዚጸሓፉ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ሰባት ኮይኖም ብዝያዳ ክጽሕፉ ዝጀመሩ ቤተ ክርስቲያን፥ መናፍቕነት ረቲዓ ሃይማኖት ኣጽኒዓ፣ ሰላም ረኺባ ክትሰፍሕን ክትዓብን ካብ ዝጀመረትሉ ጊዜ ንደኃር እዩ።
ምሥጢርን ትርጕምን ዚገልጽ፡ እግዚአብሔር፥ ንቐዳሞት ነቢያትን ሓዋርያትን ዚሃቦም ጸጋ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ደረት ስለዘይብሉ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን እናኃደረ ትምህርቲ ሃይማኖት: ጸሎት፡ ጸዋትወ ዜማን: . . . ቤተ ክርስቲያን ትግልገለሎም መጻሕፍቲ ከምዝጽሕፉ ይገብር።
ሓዋርያት ነዚ ክገልጹ ኣብ ሲኖዶሶም “ንሕና ዘጕደልናዮ እንተኣልዩ፣ ኣብ ኵልና መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኃደረ ንስኻትኩም ከምዝግባእ ገይርኩም ፍረዱ” ይብሉ። (መጽሓፈ ሲኖዶስ)።


*ኣዋልድ መጻሕፍቲ፥ ብመሠረት ዓይነቶምን ትኅዝቶኦምን እናተመደቡ ይኽፈሉ እዮም።

*ናይ ትርጓሜ መጻሕፍቲ፦ ኣቦታትና ሊቃውንት፥ ንንባባት ብሉይን ሓዲስን ካልኦት መጻሕፍትን ንመሠረቱ ከይገደፉ ንዝረቐቐ ኣጕሊሖም፣ ኣመሥጢሮም፣ ታሪኽ ጠቒሶም፣ ሓተታ ወሲኾም ብትርጓሜ (መግለጺ) ዘዳልውዎም መጻሕፍቲ እዮም።
ንምሳሌ፦ ትርጓሜ መዝሙር ዳዊት፡ ትርጓሜ ወንጌል፡ ትርጓሜ ጳውሎስ፡ ትርጓሜ ቅዳሴ፣ ትርጓሜ ውዳሴ ማርያም . . .

* መጻሕፍቲ ነገረ ሃይማኖት ፦ መሠረታዊ ትምህርቲ ሃይማኖት እናጠቐሱ ሃይማኖትና ቅንዕቲ ምዃና ንኸረድኡ ዝተጻሕፉ ሃይማኖታዊ ትኅዝቶ ዘለዎም መጻሕፍቲ እዮም።
ንምሳሌ፦ ሃይማኖተ አበው፡ መጽሓፈ ምሥጢር፡ ኣዕማደ ምሥጢርን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን

* መጻሕፍቲ ጸሎት ፦ ንውልቃዊ ጸሎት ኮነ ንናይ ማኅበር ጸሎት ዘገልግሉ ብመልክዕ ንባብን ዜማን ዝዳለዉ መጻሕፍቲ እዮም።
ንምሳሌ፦ ንዕለታዊ ዘገልግሉ ፦ ውዳሴ አምላክ፣ ውዳሴ ማርያም፣ ሰዓታት፣ መልክዓት፣ አርጋኖነ ማርያም . . .
*ኣብ ፍሉይ ጊዜያት ዘገልግሉ ፦ ድጓ፣ ማኅሌተ ጽጌ፣ ሰቆቃወ ድንግል፣ ኃምስቱ ጸዋትወ ዜምዝ፣
*ምሥጢር ኣብ ምፍጻም ዘገልግሉ ፦ መዝገብ ቅዳሴ፣
መጽሓፈ ተኽሊል፣ መጽሓፈ ጥምቀተ ክርስትና. . .
*መጻሕፍቲ ሥርዓት ፦ ኣፈጻጽማ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን፣ ኣሠራርሓን ምምኅዳርን ቤተ ክርስቲያን፣ ሥርዓተ ኣገልግሎትን ሢመትን ውሉደ ክህነትን መነባብሮ ምእመናንን. . . ዝተሓገጉን ዝተሠርዑን ዝተጻሕፎም እዮም።
ንምሳሌ፦ ፍትሐ ነገሥት፡ መጻሕፍተ መነኮሳት

* መጻሕፍተ ታሪክ ፦ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ፈተናን ተጻብኦን መንፈሳዊ ጕዕዞ ገዳማትን ኣድባራትን፣ . . . ብሓፈሻ ንዝኃለፉ ፍጻሜታት ዝትርኹ መጻሕፍቲ እዮም።
ንምሳሌ፦ ስንክሳር፡ ክብረ ነገሥት
*መጻሕፍቲ ጥበብ ፦ ብዛዕባ ሥነ ፍጥረት፣ ኣቈጻጽራ ዘመን፣ ማኅበራዊ ናብራ . . . ሥጋውን መንፈሳውን ጥበባት ዝተጻሕፎም እዮም።
ንምሳሌ፦ ኣክሲማሮስ፦ ሥነ ፍጥረት
አቡሻክር፦ ሓሳበ ዘመን፣ ኣንጋረ ፈላስፋ
*ገድላት ፦ መዓዛ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ቅዱሳን ነቢያት: ሓዋርያት: ሰማዕታትን ጻድቃንን ስለ እግዚአብሔር ኢሎም ዝተጋደልዎ ገድልን ዝተዋህቦም ቃል ኪዳንን ከምኡ ውን ዝተደርሰሎም መልክዕ ዝተጻሕፎም እዮም።
ንምሳሌ፦ ገድለ ኣዳም፡ ገድለ አቡነ ፊልጶስ፡ ገድሊ አቡነ ተክለ ሃይማኖት።

* ድርሳናት፦ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ክብሪ: ተልእኾ: ተራዳእነት: ተኣምራትን ቃል ኪዳንን ዝተደርሰሎም መልክዕን ዝገልጹ እዮም። (ዕብ. 1፥14)
ንምሳሌ፦ ድርሳነ ሚካኤል፡ ድርሳነ ገብርኤል፡ ድርሳነ ሩፋኤል።

* ተኣምራት ፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ተኣምራት፣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገበረቶ ተኣምራት . . . ዝኃዙ መጻሕፍቲ እዮም።
ንምሳሌ፦ ተኣምረ ኢየሱስ፡ ተኣምረ ማርያም።

ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ንኸነንብብን ኣተግቢርና ሕይወት ክንረክብን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብጻጋኡ ይደግፈና፡

ምንጪ፦ መጽሔት ‘ሰኣሊ ለነ ቅድስት’ ቍ. 8

ዘመነ ማቴዎስ 18 ኅዳር 2013 ዓ.ም.…

November
Friday
27
ዝክር፦ ዮና ቅድስት፡ ወአጥኑራንኒስ ድንግል፡ ወፊልጶስ ሐዋርይ፡ ወኤላውትሮስ።።               ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ቲቶ. 2፡1-8 ይሁ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ.  8፡5-13 መዝ. 64/65 ወንጌል፦   ዮሐ. 6፡5-14 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘአበዊነ ሐዋርያት።     * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...