ቅድሚ ዳግም ምጽኣት ናብዚ ምድሪ መጺኡ ንሓሳዌ መሢሕ ክቃወምን ንምእመናን እናመሃረ ከጸናንዕን እዩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ብሓሳዌ መሢሕ ምስ ነቢይ ኤልያስ ሰማዕትነት ከምዝቕበል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩ። ዘፍ. 5፡22-24። መጽ. ቀሌምንጦስ
እምበኣር እቲ ናይ መጀመርታ ጸሓፊ ሄኖክ ካብ ኮነ፣ እቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፉ ድማ ንሱ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ሄኖክ ይበሃል። መጽሓፈ ሄኖክ 42 ምዕራፋት ዘለዎ ኾይኑ ካብ ፍጥረት ዓለም ክሳዕ ዳግም ምጽኣት ዘሎ ኵነታት፡ ትንቢትን ሰማያዊ ራእይን ይገልጽ። ብፍላይ ብዛዕባ ዑደት ብርሃናት፡ ነገደ መላእክት፡ ቍጽሪ ዘመናት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዋርያትን፡ ጻድቃንን ኃጥኣንን ጠቒሱ ኣሎ።
ብመልክዕ ኣከፋፍላ ክንምልከቶ ከሎና፦
1. ምዕራፍ 1 - ቅዱሳን መላእክት ንነቢይ ሄኖክ ዘርኣይዎ ራእይ
2. ምዕራፍ 2-7 - ደቂ ሴት ምስ ደቂ ቃየል ዝፈጸምዎ በደል
3. ምዕራፍ 3 - መልሲ እግዚአብሔር
4. ምዕራፍ 4-20 ሄኖክ ብዛዕባ መላእኽትን ከዋኽብትን ዘመናትን ዝረኣዮ ራእይ
5. ምዕራፍ 21-27 ሄኖክ ብዛዕባ ፀሓይን ወርኅን ከዋኽብትን ዘመናትን ዝረኣዮ ራእይ
6. ምዕራፍ 28-38 ሄኖክ ንወዱ ማቱሳላ ዝነገሮ ትምህርትን ትንቢትን
• ብዛዕባ ፀሓይን ከዋኽብትን፣ ብዛዕባ ዘመነ ብሉይ፣ ብዛዕባ ሓዋርያት፡ ብዛዕባ ዳግም ምጽኣት፡ ብዛዕባ ምኽሪ ምግባረ ሠናይ . . .
7. ምዕራፍ 41-42 ብዛዕባ ማቱሳላ
ንመጽሓፈ ሄኖክ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ጽሑፋቶምን ስብከታቶምን ይጥቀምሉ ስለዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ሓዲስ ኪዳን ተጠቂሱ’ሎ፡ (ይሁ. 1፡14-15, ዕብ. 11፡5) ሓዋርያ ይሁዳ ኣብ መልእክቱ ‘እቲ ካብ ኣዳም ሻብዓይ ወለዶ ዝኾነ ሄኖክ’ውን . . .” ብምባል ዘኪርዎ’ሎ። (መልእክተ ይሁዳ 1፡14-15)
ስለዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንትኅዝቶ እዚ መጽሓፍ’ዚ ተመኪታ፡ ሓደ ካብቶም 81 መጽሓፍ ቅዱስ ጌራ ትቕበሎን ትግልገለሉን ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!