'ብጐይታ ዝተፈትወ ሓዋርያ'

Jan 11, 2017

  * ኣስማት፦

ቅዱስ ዮሓንስ ብዙኅ ኣስማት መጸውዒ ዘለዎ ሐዋርያ እዩ።
1. ፍቁረ እግዚእ (ጐይታ ዝፈትዎ)፦ ብሕይወቱን ናብራኡን ንጐይታ ኪመስል ይጽዕር ስለዝነበረ ጐይታ ይፈትዎ ነበረ። ብትውፊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝንገር፡ ጐይታ ንመዕጠቒኡ ፈቲሑ ምስ ኣቐመጦ፡ ኣልዒሉ ብምዕጣቑ ፍትወት ሥጋዊ ወደማዊ ጠፊኡሉ፡ ናብራኡ ከም መላእኽቲ ኮይኑሉ እዩ።
2. ወልደ ዘብዴዎስ፦ ንዓቢይ ያዕቆብ ምንኣስ ኃዉ እዩ። ኣቦኦም ድማ ዘብዴዎስ ስለዝበሃል “ዮሐንስ ወልደ ዘብዴዎስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3. ወልደ ነጐድጓድ፦ ኣብ ጐይታና ብዘለዎ ኃያል ፍቕራዊ ቅንእን፡ ምስ ኃዉ ኾይኑ ብዘርኣዮ ናይ ኃይሊ ሥራሕን፡ ጐይታና ‘ወልደ ነጐድጓድ (ቦአኔርጌስ)’ ኢልዎ እዩ። (ማር. 3፦17፤ ሉቃ. 9፡49-54) ብተወሳኪ’ውን ብዕምቈት ትምህርቱ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ኣምላኽነትን ብምግላጽ ወልደ ነጐድጓድ ተባህለ።

4. ነባቤ መለኮት (ታኦጎሎስ)፦ ንነገረ መለኮት ካብ ካልኦት ሐዋርያት ብዝበለጸን ኣብዚኁን ኣስፊሑን ኣዕሚቑን ኣርቂቑን ብምምሃሩ ‘ነባቤ መለኮት’ ተባህለ።
5. ኣቡቀለምሲስ፦ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ በዓል ራእይ ማለት እዩ። ንዝኃለፈን ንዝመጽእን ብራእይ ስለዝተገልጸሉ “ዮሓንስ ኣቡቀለምሲስ” ተባህለ።
6. ቁጹረ ገጽ፦ በቲ ብዕለተ ዓርብ ዝረኣዮ መከራ መስቀል ጐይታና ገጹ ብኃዘን ተጨማዲዱ ይነብር ስለዝነበረ እዚ ስም’ዚ ተዋህቦ።

* ሃገሩ (ዓዱ)፦ ንቕዱስ ዮሐንስ ዓዱ ኣብ ዞባ ገሊላ እዩ። ምስ ኃዉ ቅዱስ ያዕቆብን፡ ኣቦኡ ዘብዴዎስን ዓሣ ብምግፋፍ ይናበር ነበረ። ኣዲኡ ካብተን 36 ቅዱሳን ኣንስቲ ሓንቲ እያ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ጊዜ መከራ ጐይታና ከይሃደመ፡ ክሳዕ እግሪ መስቀል ዝሰዓቦ ሐዋርያ እዩ። ብዕለተ ዓርብ ንዝርአዮ መከራ ጐይታ እናዘከረ ዝተረፈ ዕድሜኡ ብንብዓት ፈጺሙ እዩ። ንሐዋርያውነት ኪጽዋዕ ከሎ ኣብ ዕድመ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ን99 ዓመታት ዝኣክል ድማ ኣብዚ ምድሪ እዚ ነይሩ።

* ቅዱስ ዮሓንስን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን
ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ክሳዕ እግረ መስቀል ብምስዓቡ ንሕዝበ ክርስቲያን ወኪሉ ንኣደነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጐይታና ተቐቢሉ እዩ። (ዮሐ. 19፡25-27) ንእኣ ክሕልዋ ሓደራ ስለዝተዋህበ ኣርኂቑ ንስብከት ከይከደ ምስኣ ነበረ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ቅዱስ ዮሐንስ ንልዕሊ 15 ዓመት ዝኣክል ምስ ተቐመጠት ኣብ 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።

* ሀገረ ስብከት
ወንጌላዊ ዮሐንስ ድኅሪ ዕረፍቲ እመ ብርሃን ናብ ንእሽቶ ኤስያ ኸይዱ መሃረ። ቀንዲ መንበሩ ኣብ ኤፌሶን ብምግባር፡ ብፍላይ በቲ ዘመን እቲ ካብ ኤውሮጳ ናብ ማእከላይ ምሥራቕ ብዝወስድ መንገዲ ብዝተደኮኑ ሓደስቲ ኸተማታት እናተዛወረ ኣብያተ ክርስቲያን ብምሕናፅን ጳጳሳት ብምሻምን ብርሃን ወንጌል ኣብርሀ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዘመን’ቲ ብጭካነኡ ዝፍለጥ ንጉሥ ድምጥያኖስ (81-96 ዓ.ም.) ወንጌል ብምምሃሩ ብመምለኽቲ ጣዖት ተኸሲሱ፡ ንፍርዲ ድኅሪ ምቕራቡ ብዝፈልሐ ውዑይ ማይ ተሳቕዩ፡ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ክሕየር ተፈርደ። ነቲ ራእዩ ዝረኣዮን ዝጸሓፎን’ውን ኣብዚ ቦታ እዚ ኮይኑ እዩ። ኣብ 96 ዓ.ም. ድምጥያኖስ ምስ ተቐትለ፡ ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ደሴት ፍጥሞ ተመሊሱ ወንጌሉን ንሠለስተ መልእኽታቱን ከም ዝጸሓፎ ይንገር።

* ቅዱስ ዮሓንስን መጻሕፍቱን
ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ኃሙሽተ መጻሕፍቲ ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ፦

    ዓይነት መጽሓፍ          ብዝኂ
1. ወንጌል                      1
2. መልእኽታት                3
3. ራእይ                       1
  ድምር                        5

ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ደድኅሪ ቅዱስ ጳውሎስ ንሓዲሽ ኪዳን ብዙኅ መጻሕፍቲ ብምብርካት መበል 2ይ ደረጃ ዝኃዘ እዩ።

* ወንጌል ዮሐንስ
ወንጌል ዮሐንስ በቲ ኂዝዎ ዘሎ ብዝኂ ምዕራፋትን ቍጽርታትን 3ይ ደረጃ ኂዙ ይርከብ፦ 21 ምዕራፋት ኪህልዎ ኸሎ 866 ቍጽርታት ሓቝፉ ይርከብ።
ቅዱስ ዮሐንስ ዝጸሓፎ ወንጌል ብኣጸሓሕፋኡ ኣብ ነገረ መለኮት ዘተኮረ ትኅዝቶ ስለዘለዎ፡ ካብቶም ካልኦት ሠለስተ ወንጌል ዝተፈልየ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ፡ ብዝያዳ ኣብ ቀዳማዊ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምትኳር ብዘይ ኣደ ካብ ናይ ባህርይ ኣቦኡ ምውላዱን ማዕርነቱን ንኪገልጽ “ቀዳሚሁ ቃል ውእቱ . . . / ብመጀመርታ ቓል ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ . . .” እናበለ ኣብ ምሥጢረ መለኮት ጠሊቑ ብምእታው ብተመስጦ ኪጽሕፍ ጀመረ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ መልኣኽ እግዚአብሔር ንባሕሪ ኤሽያን ብቕራፍ እንቋቑሖ ናብ ንቑጽ ምድሪ ክጭንጉዕ ይርኢ። ቅዱስ ዮሐንስ በዚ ተደኒቑ፡ “ከመይ ኢልካ ነዚ ባሕሪ ብቅራፍ እንቋቑሖ ጨንጉዕካ ከተንጽፎ ትህቅን ኣሎካ፡” ብምባል ሓተቶ። እቲ መልአክ ድማ “ኣነስ እኳ ንፍጡር እየ! ንስካ ግና ተመራሚርካ ዘይብጻሕ ባህርየ መለኮት ክትምርምር ትሃልክ’ዶ ኣየሎካ፡” ክብል መለሰሉ። ብኡ ንብኡ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ጠሊቕካ ምትንታን ገዲፉ “ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ሓደ ዮሐንስ ዝስሙ ሰብአይ ነበረ . . .” ብምባል ካልእ ፍጻሜ ክጽሕፍ ጀመረ።

* ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሐንስ
ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ከባቢ 96 ዓ.ም. እታ ቀዳመይቲ መልእክቱ ጸሓፈ። ምክንያተ ጽሕፈቱ ድማ ንሱ ተኣሲሩ ከሎ፡ ነዚ ኵነታት እዚ ተጠቒሞም መናፍቓን ናይ ኑፋቄ ትምህርቲ ኣብ ንእሽቶ እስያ ስለዝዘርግሑ እዩ። ገለ ካብቲ ናይ ኑፋቄያዊ ትምህርትታቶም፦
- ትንሣኤ ምውታን የልቦን
- ብነቢብ (ብምዝራብ)፡ ብገቢር (ብግብሪ) ንዝግበር ኃጢአት እምበር፡ ነቲ ብሐልዮ (ብሓሳብ) ዝሥራሕ ኃጢአት እግዚአብሔር ኣይፈልጦን እዩ።
- ድኅሪ ጥምቀት ሠናይ ግብሪ ኣየድልን እዩ።
- ወዘይመስሎ

በዚ መሠረት እዚ ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ደሴት ፍጥሞ ምስ ተመልሰ፡ ነዚ ዝተነዝሐ ትምህርቲ ክሕደት መልሲ ንኺኸውን ኢሉ ነዛ መልእኽቲ’ዚአ ጽሓፈሎም።

* ካልአይቲ መልእኽቲ ዮሐንስ
ኣብ ሓንቲ ካብ ደሴት ኤሽያን እትነብር ቀለብ እናተሰፍረላ ንደቂ ነገሥታት ብሞግዚትነት እትዕቢ ሓንቲ ሮምና እትብሃል ሰበይቲ ነበረት። ቅዱስ ዮሐንስን ወዲ መዝሙሩ ኣብሮኮሮስን ኣብዛ ደሴት’ዚአ ወንጌል ንምምሃር መእተዊ መንገዲ እናደለዩ ኸለው፡ “ናይ ኣቦ፡ ሮምና ባሮት ኢና ነይርና። ንብዙኅ ዓመታት ጠፊእና ነይርና፡ ሕጂ ግና መጺእና ኣሎና” እናበሉ ወረ ነዝሑ። ውዳሴ ከንቱ ዘጥቅዓ ሮምና ናብ ቤታ ወሲዳ ንቅዱስ ዮሐንስ ፈላጺ ዕንፀይቲ፡ ንኣብሮኮሮስ ድማ ወራዲ ማይ ገይራ ሥራሕ ቈጸረቶም።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ካብቶም ብሞግዚትነት እተዕብዮም ቈልዑ ንሓደ ኂዛ ናብ ቤት ጣዖት ክትኣቱ እንከላ ምስኣ ቅዱስ ዮሐንስን ቅዱስ ኣብሮኮሮስን ምስ ኣተዉ ናይቲ ቤት ኣቑሑ ሕውስውስን ሕምስምስን በለ። እቲ ሮምና ኂዛቶ ዝኣተወት ቘልዓ’ውን ብስንባደ ሞተ። ሮምና ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብሕርቃን ነዲዳ፡ “እዚ ዅሉ ዝኾነ ብሰንክኹም እዩ” ኢላ ቀጥቀጠቶም። ቅዱስ ዮሓንስ ድማ ‘እንተደለኺ ኣተንሥኡለይ ዘይትብልና’ ምስ በላ ‘ናይ ሕጂ ይብእስ። ካብ መዓስ እዩ’ኸ ሰብ ካብ ሞት ዝተንሥእ፤” ብምባል ደጊማ ከትከተቶም። ንሳቶም ግና ተኣምራት ዝገብርሉ ጊዜ ስለዝበጽሐ፡ ጸሎት ገይሮም ነቲ ቘልዓ ኣተንሥእዎ። በዚ ዝተገረመት ሮምና፡ ብምሉእ ልባ ኣሚና ተጠምቀት። ብኡ ንብኡ ኣብ ቤታ ጉባኤ ምእመናን ተመሥረተት። ንሮምና ድማ ናይቲ ጉባኤ እመ ምኔት ገበርዋ። እታ ጉባኤ’ውን እናጸንዐትን እናሰፍሐትን ከደት። 

ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ተኣሢሩ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ መናፍቓን ብዘስለኹዎ ትምህርቲ ኽሕደት ኣብ ቤት ሮምና ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ምክፍፋል በጽሐት። ነዚ ዝሰምዐ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ከባቢ 96 ዓ.ም. ነዛ መልእኽቲ እዚአ ንሮምና ጸሓፈላ። ኣብዛ መልእክቲ እዚአ ቅዱስ ዮሐንስ “ነቲ ናይ ቀደም ናብራ ዘኪራ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መከራ ክትርስዖ” ይመኽራ። እዚ ዓቢይ ሐዋርያ እዚ ንሮምና በቲ ናይ ቅድም ዝጽውዓ ዝነበረ፦ “እመ ቤተይ” እናበለ ብትሕትና ይጽውዓ። (ሠለስት ሓዲሳት ገጽ 304-305)

* ሣልሰይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ዮሐንስ
ቅዱስ ዮሐንስ ነዛ መልእኽቲ እዚአ ኣብ ከባቢ 96 ዓ.ም. ከም ዝጸሓፋ ይንገር። ነቶም ብምኽንያት ስደት ከርተት ዝብሉ ዝነበሩ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ቤቱ ዝቕበል ዝነበረ ጋይዮስ ዝተባህለ ለዋህን ቡሩኽን ሰብአይ ዝጸሓፎ እዩ። ነዚ ሠናይ ተግባር ናይ ጋይዮስ ዝሰምዐ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብዚ ናይ መከራ እዋን ከምዚ ዓይነት ሰብ ምርካቡ እናኣመስገነን እናኣተባብዐን ነዛ መልእኽቲ እዚአ ጸሓፈሉ።

* ራእይ ዮሐንስ
ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ኣብ ጸቢብ በዓቲ ን7ተ ዓመት (88-96 ዓ.ም.) ተሓይሩ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ዝረኣዮ ራእይ እዩ።
ፍጥሞ ካብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ኣብ ዘመነ ንግሥነት ሮማ፡ ኣምልኮ ጣዖት ኣይንቕበልን ዝበሉ ዝሕየሩላ ደሴት እያ ነይራ።
ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ከም ካልኦት ኣኅዋቱ ሐዋርያት፡ እናተንቀሳቐሰ ብዘይምምሃሩ ይኃዝንን ይጉህን ስለዝነበረ እግዚአብሔር ነዚ ዝበለጸ ምሥጢር ገለጸሉ።
ኣቡቀለምሲስ ቅዱስ ዮሐንስ ብዝያዳ ነዚ ራእይ እዚ ዝጸሐፎ ኣብቲ ዘመን’ቲ ዮናናውያ ተባሂለን ዝጽውዓ ሾብዓተ ኸተማታት ንእሽቶ እስያ ንዝነበሩ ሊቃነ ጳጳሳት እዩ። ኣብ\ዚ መጽሓፍ’ዚ ‘መላእኽቲ’ ተባሂሎም ዘለዉ እዞም መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።

* ቅዱስ ዮሐንስን ሥእሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን
ንሥእሊ ጐይታና፡ ምንጪ ካብ ዝኾኑ ሓደ ቅዱስ ዮሐንስ ዝሠኣሎ እዩ። ጐይታና ኣብ ዝተሰቕለሉ ዘመን ንጉሥ ሮማ ዝነበረ ጢባርዮስ ቄሣር ሕሙም ውላድ ስለዝነበሮ፡ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግብረ ምድኃን እናሰምዐ በዓል ጲላጦስ ንዝጸሓፍሉ መልእኽቲ እናኣንበበ “ናብቲ መቓብር ናይ’ዚ ርኅሩኅ ንወደይ ወሲዱ ዘሕውየለይ መን እዩ፡” እናበለ ይምነ ነበረ። ትምኒቱ ሠሚሩ ንወዱ ወሲዶም ኣብ ልዕሊ መቓብር ጐይታና ምስ ኣቐመጥዎ ካብ ሕማሙ ምስ ተፈወሰሉ፡ ንጐይታ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ንሥእሊ ጐይታና ዝሥእለሉ እናደለየ ኸሎ ንዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ ረኸቦ እሞ ልክዕ ከምቲ ዓርቢ ስቕለት ዝርአዮ ገይሩ ሥኢሉ ሃቦ።

* ናይ መወዳእታ ዘመን ቅዱስ ዮሐንስ
ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ኵሎም ሐዋርያት ዝነውሐ ዕድመ (ከባቢ 99 ዓመት) ኣብ ምድሪ ዝጸንሐ ሐዋርያ እዩ። ካብ ሐዋርያት ኣቐዲሙ ዝዓረፈ ዓቢይ ኃው ቅዱስ ያዕቆብ ኪኸውን ከሎ፡ ካብ ሐዋርያት መወዳእታ ኻብዚ ዓለም እዚ ዝተፈልየ ድማ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ እዩ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ መወዳእታ ዘመኑ፡ ነቶም ደድኅሪኡ እናሰዓቡ ምፍላይ ዝኣበይዎ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ግዳም ልኢኹ ተሠወረ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመልሱ መቖሚያኡ፡ ነጸላኡን መጽሓፍን እንተዘይኮይኑ ኻልእ ከምዘይጸንሖም መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ይገልጹ እዮም።

ኣቐዲሙ ጐይታና ብዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ከም በዓል ኤልያስን ሄኖክን ንሞት ከይርኣየ 4 ጥሪ ናብ ብሔረ ሕያዋን ዝተወሰደ ቅዱስ ሐዋርያ እዩ።

ጸሎቱን በረከቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን!

   ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 12 ጥር 2012 ዓ.ም.

January
Tuesday
21
ዝክር፦ ቅዱስ ሚካኤል ዘአድኀኖ ለያዕቆብ እምኤሳው፡ ወቴዎድሮስ ምሥራቃዊ ወክልኤቱ ምእት ማኅበራኒሁ፡ ወልደተ ያዕቆብ እስራኤል፡ ወልያኖስ፡ ወዳንኤል መነኮስ ።               ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ሮሜ 9፡1-16። ይሁ . 1፡9-13። ግብ. ሐዋ.  11፡12-18 ምስባክ፦ መዝ. 71/72 ወንጌል፦ ዮሐ. 1፡44-ፍጻሜ። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘኤጲፋንዮስ፡ ዓዲ ዘ፫፻ት።        * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

እንቋዕ ናብ በዓል ቃና ዘገሊላ ኣብጽሓና!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ዞባ ገሊላ እትርከብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ምኽንያት ብምግባር በዓል ቃና ዘገሊላ እናተባህለ ብስብሓታትን ጸሎተ ቅዳሴን...

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ…

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ...

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም...

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገዚሩ ድዩ፧

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

“ደቂቅየ ወደቂቅክሙ ኢይትጓነዩ በበዓልየ ወበዓልክሙ/ ኣብ በዓለይን በዓልኩምን ደቀይን ደቅኹምን ኣይፈላለዩ” ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ መፋርቅ 4ይ ክፍለ ዘመን ካብ ቁስጥንጥንያ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (05/01/20 ፈ.) ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመርሐ፡ ናይቲ ሃገረ ስብከት ኃለፍቲ ክፍልታትን...

  ብጐይታ ዝተፈትወ ሓዋርያ - ቅዱስ ዮሓንስ

ቅዱስ ዮሓንስ ብዙኅ ኣስማት መጸውዒ ዘለዎ ሐዋርያ እዩ።1. ፍቁረ እግዚእ (ጐይታ ዝፈትዎ)፦ ብሕይወቱን ናብራኡን ንጐይታ ኪመስል ይጽዕር ስለዝነበረ ጐይታ ይፈትዎ ነበረ።...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ጥር ቡሩክ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ የካቲት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥር...

  

latest articles

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...