አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን

Sep 17, 2019

ኣባ ሰላማ ካብ ኣቦኦም ምናጦስን ኣደኦም ማርያም ሠናይትን ብ 26 ኅዳር 245 ድ.ል.ክ ተወልዱ። ኣብ ጊዜ ልደቶም ካብ ብርሃን ፀሓይ፡ ወርኅን ከዋኽብትን ዝበርህ ዕጽፊ ብርሃን ተራእየ። ነቢይ ዳዊት “ እም ኣፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ/ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” (መዝ.8፡2) ከም ዝብል ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ንፈጣሪኦም ኣመስገኑ። ጸጋ ውልድነትን ሃብተ ጥምቀትን ኪረክቡ ከለው እቶም ዘጥመቕዎም ኣባ ጢሞቴዎስ “እዚ ሕፃን’ዚ ነዞም ሰብ ኣግዓዚት ብርሃንን መድኃኒትን ክኾኖም እዩ” ኢሎም ተነብዮምሎም ነበሩ።

ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮም ሕፃን ስለዝነበሩ፡ ካብ 7ተ ዓመቶም፡ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን ተማህሩ፡ ነቲ ትምህርቲ ውን ቀልጢፎም የጽንዕዎ ነበሩ።

ብመሠረት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና፡ ፍሬሚናጦስን (ኣባ ሰላማ) ምንኣሶም ኤስድዮስ (ሲድራኮስ) ምስ ሓለቓ ፈላስፋታትን ነጋዳይን ዝነበረ ሜሮባጶዮስ ዝስሙ ዘመዶም ጽርዓዊ ክርስቲያን፡ ካብ ጢሮስ ተበጊሶም ናብ ወገን ህንዲ ብጃልባ ተጐዓዙ። ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ብምምጻእ ከኣ ኣብቲ ጊዜ እቲ ምዕብልቲ ማእከል ንግዲ ናብ ዝነበረት ወደብ ኣዱሊስ ስንቂ ንምምላእን ሃገር ንምዅላልን ተጸግዑ። ኣብኡ ኸኣ ፮ተ (6ተ) ኣዋርኅ ገበሩ። ናብ ዓዶም ኪምለሱ ምስ ነቐሉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ተጻባእቲ ኣብ ልዕሊኦም ኃደጋ ወደቕዎም እሞ ዅሎም ተቐትሉን፡ ሃብቲ ንብረቶም ተዘርፈን። እቶም ናኣሽቱ ኽልተ ቘልዑ ግና ብተኣምራት ኣምላኽ ካብቲ ኃደጋ ብሕይወት እኳ እንተደኃኑ፡ ብዘይ ዘመድን ሃብትን ግና በይኖም ተረፉ። ነበርቲ እቲ ኸባቢ ኸኣ ረኺቦም፡ ናብ እልዓሜዳ ንጉሥ ኣክሱም ከም ገጸ በረኸት ኣወፈይዎም።


እቲ  ንጉሥ ድማ እዞም ክልተ መንእሰያት ኣብ ቤተ መንግሥቲ ኽዓብዩ ፍቓዱ ኾነ። ምስ ክልተ ደቁ ኤዛናን ሳይዛናን (ደኃር ኣብርሀን ኣጽብሐን) ዝተባህሉ ኸኣ ተማሓዝዮም ንሾብዓተ ዓመት ጽቡቕ ትምህርቲ ኪረኽቡን ልሳነ ግእዝ ኪመልኩን ከኣሉ። ሽዑ ብኣእምሮ ምብሳሎምን ብጥበብ ምዕባዮምን ዘስተውዓለ ንጉሥ፡ ንኤስድዮስ ኣሰላፊ ሜስ ገበሮ፡ ጥበበኛን መስተውዓልን ዝነበሩ ፍሬሚናጦስ ከኣ ዓቃቤ ሕግን ጸሓፍን ሸሞም፡ ኣይጸንሐን ግና እቲ ንጉሥ ንኽልተ ደቁ ምስ ኣዲኦም ኃዲጉ ምስ ዓረፈ፡ እዞም መንእሰያት ናብ ሃገሮም ኪኸዱ እኳ እንተነቐሉ፡ ነቲ መንግሥትነት ዝተረከበቶ ንግሥቲ ኣኅየዋ (ሶፍያ) ደቃ ኤዛናን ሳይዛናን ዓብዮም ክሳዕ ዝርከብዋ ኣብ ምምኅዳር ኪሕግዝዋን ንደቃ ኪምህሩላን ስለዝለመነቶም ግና ጒዕዞኦም ገዲፎም ጸንሑ። እቶም ቈልዑ መንግሥትነት ክሳዕ ዝቕበሉ ኸኣ ብኣካለ መጠን ዓብዮም እምነተ ክርስትናን ኵሉ ዘድልዮምን እናመሃሩ ጸንሑ። ኣብርሀን ኣጽብሐን ንግሥነት ምስ ተረከቡ ግና ኤስድዮስ ወለዱ ንኽርኢ ናብ ጢሮስ ሃገሩ ተመልሰ። ፍሬምናጦስ ግና ብዛዕባ ኵነታት ክርስትና ምድረ ኣግዓዚት እምነት እናሃለወ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን (ጥምቀት፡ ቍርባን፡ ክህነት. . .) ብዘይምህላዉ የተሓሳስቦም ስለዝነበረ ምስ ነገሥታት ኣብርሀን ኣጽብሐን ተረዳዲኦም ናብ ግብጺ ተላኢኾም ከዱ።


ኣብ ጉባኤ ኒቅያ እምነት ኣጽኒዖም መናፍቕነት ኣርኂቆም ንዝመጽኡ ኣባ ኣትናቴዎስ ረኺቦም ብዛዕባ እምነት ምድረ ኣግዓዚ ብክርስቶስ ኣሚኖም ከምዘለዉን፡ እንተኾነ ውሉደ ክህነትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ማለት ጥምቀት፡ ቍርባን፡ ወዘይመስሎን ግና ከምዘይብሎም ኣስፊሖም ገለጹሉ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጕዳይ ምድረ ኣግዓዚ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቕሪቦም ድኅሪ ምዝታይ፡ ምሥጢራት ዚፍጽም ናብ ምድረ ኣግዓዚ ካልእ ጳጳስ ወይ ካህን ካብ ምልኣኽ እቲ ዝኃሸ ንፍሬምናጦስ ቀቢእካ ምስዳድ ከም ዚኃይሽ ወሰኑ። ፍሬምናጦስ ድማ ን፭ተ (5) ዓመት ዝኣኽል ኣብ ግብጺ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣጽንዑ፡ “ይደልዎ” ተባሂሎም ጵጵስና ብኣንብሮተ እድ ተሸይሞም ምስ ንዋያተ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ኣልባስ፡ መሳቕል፡ ጽንሓሕ፡ ብዙኃት መጻሕፍቲ፡ ታቦት፡ ሜሮን ጽዋዓት፡ ናይ ወርቂ ኰሳኵስቲ፡ ንዋያተ ቅድሳትን ስልማት ቤተ ክርስቲያንን ኂዞም ናብ ሃገረ ኣግዓዚ ተላእኩ።


ካብ ግብጺ ጀሚሮም እናሰበኹ ብሰሜናዊ መኣዝን ኤርትራ ኣቢሎም ደብረ ሲሓት (ደብረ ሲና) ምስ ኣተው፡ ጵጵስና፡ ጥምቀት፡ ቍርባን. . . ኂዞም ብሰላም ከምዝተመልሱ ዝገልጽ መልእኽቲ ናብ ነገሥታት ኣብርሀን ኣጽብሐን ልኣኹ። ኣብዚ ቦታ ደብረ ሲና ኸኣ ካብ ነገሥታት ኣብርሀን ኣጽብሐን ጀሚሮም ሥርዓተ ጥምቀትን ቍርባንን ፈጸሙ። ምስ ብነገሥታት ኣብርሀን ኣጽብሐን ከኣ ናብ ሃገረ ኣክሱም በጽሑ። ድኅር’ዚ ዝምህሩን ዘጥምቑን ብዙኃን ካህናት፡ ዲያቆናትን ቆሞሳትን ሸይሞም ክሳብ መወዳእታ ምድረ ኣግዓዚት ልኣኹ። ኣባ ሰላማ ንምብራቕ፡ ምዕራብ፡ ሰሜንን ደቡብን እናዞሩ ብዙኃት ሕዝቢ መሃሩን ኣጥመቑን፡ ንብዙኃት ከሓድቲ ናብ እምነት መለስዎምን ብቝጽሪ ዘይግለጽ ብዙኅ ተኣምራትውን ገበሩን። ምስ ነገሥታት ኣብርሀን ኣጽብሐን ሠሚሮም ከኣ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕነፁ። ንልሳነ ግእዝ ፊደላቱ ኣናበብቲ ወይ መድምፃን ብምግባርን ሥርዓተ ኣጸሓሕፋኡውን ካብ ጸጋም ናብ የማን ብምልዋጥን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ልሳነ ጽርኢ ናብ ልሳነ ግእዝ ተርጐሙ። ቅዳሴ እግዚእ፡ ቅዳሴ ሓዋርያት፡ ኪዳናትን ካልኦት መጻሕፍቲ ሓዲሳትን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ንዅሉ ቅኑዕ መንገዲ ክርስትና ዝመሃሩ፡ ናብቲ ሓቀኛ መንገዲ ብርሃን ዝመርሑን ብሰላም ዝሰበኹን ቅዱስ ኣቦ ስለዝኾኑ ድማ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ዝብል ስም ተዋህቦም።


ብሓፈሻ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፦ ንዅሉ ወንጌል ሰቢኾም፣ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ሠሪፆም፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተርጕሞም፣ ኣብያተ ክርስቲያን ሓኒፆም . . . መጓሰ ክርስቶስ ኣስፊሖምን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ምዕራፍ ኣስፊሮምን እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ብ፳፮ ሓምለ ፫፻፹ ዓ.ም.(26 ሐምለ 380) ብሰላም ዓረፉ። ኣግዓዚት ቤተ ክርስቲያንና ድማ በብቦታኡን ጊዜኡን ክትዝክሮምን፡ ከተኽብሮምን ትነብር ኣላ።


አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ኣብ ሃገርና ኣብቶም ዝሓነፅዎም ኣብያተ ክርስቲያን፣ ዝሃብዎም ንዋያተ ቅድሳት፣ ዝበጽሕዎም ዓድታትን ቦታታትን ስሞምን ኣቦነቶምን ዝተመስከረ እዩ።


“ . . . ወአባ ሰላማ ሰበከ በህየ (በድባርዋ) ሃይማኖተ ክርስቲያን፡ ወአብርሀ ወአጽብሐ አኃው ፍቁራን ሐነፁ በድባርዋ ቤተ ክርስቲያን፡ ወይእቲ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሚት ቤተ ክርስቲያን ዘተሐንፀት በምድረ ኣግዓዚ/ ኣባ ሰላማ ኣብዚ ድባርዋ እምነት ክርስትና ሰበኾ፡ ፍቁራን ኣኅዋት ኣብርሀን ኣጽብሓን ድማ ኣብ ድባርዋ ቤተ ክርስቲያን ሓነፁ፡ እዚኣ ኣብ ምድረ አግዓዚ ዝተሓንፀት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን እያ"


ኣብ ሃገርና ኤርትራ፥ ኣብ ውሱናት ዓድታትን ውኁዳት ኣብያተ ክርስቲያንን ( ንምሳሌ፡- ዛግር ) እንተዘይኮይኑ ኣብ መብዛኅትኡ ክፋላት ሃገርና ንክብረ በዓሎም ኣተኵሮ ዝገብር፡ ስሞምን ታሪኾምን ዝፈልጥ፡ ምስ ሥእሎም ዝተላለየ. . . ዳርጋ የልቦን ክብሃል ይክኣል። እዚ ግና ብታሪኽ ዘውቅስ እዩ።


“ ወዲ ሩባ ማይ ጸሚእዎ” ከም ዝበሃል፥ ካልኦት ትካላት እምነት ከም ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 30 ኅዳር፣ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ 27 ጥቅምቲ በዓሎም እናኣኽበራ፣ ዋናታቱ ንሕና ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሸለል ክንብሎን ባዕላ ዝሸመቶምን ዝለኣኸቶምን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ድማ ፈጺማ ኣብ ቀኖና በዓላታ ዘይምጥቃሳን እምብዛ ዘተሓሳስብ እዩ።

ኤፍ. ጂ. ሆልዊክ ዝተባህለ ጸሓፊ ፥ “ደቂ እታ ጥንታዊት ሎዩሲያና (ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካ) ዝኾኑ ብ1787 ዓ.ም. በዓል ናይ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ ብልዑል ድምቀት ከኽብሩ ከምዝተዓዘበ፥ እዞም ሰባት ድማ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብባርነት ዝኸዱ ጸለምቲ ምዃኖም ከምዘረጋገጸ ጽሒፉ ኣሎ።”

ስለዚ ናይ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ጣዕመ ገድሎም ኣብ ልሳንና፡ ፍቕሪ ሃይማኖቶም ኣብ ልብና፡ ሥእሎም ኣብ ቤትና . . . ከነኅድር፣ ከምኡ ውን ካብ ዝክረ ስሞምን ክብረ በዓሎምን ዝርከብ በረኸት ተሳተፍቲ ክንከውን እግዚአብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ኣቦና ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ንዘለዓለም ምሳና ይኹን!
ስብሐት ለእግዚአብሔር!

ዘመነ ዮሓንስ 9 ሓምሌ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Thursday
16
ዝክር፦ ከላድያኖስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወብስንዳ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ ሮሜ. 14፡1-8 ያዕ. 1፡19-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡9-16 ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ዮሐ. 9፡12-17 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ትግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ብፍጹም ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዖም ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመኑ፡ ኣብ ዓለም ዘይሮም ዝመሃሩን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ዘገልገሉ፡...

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...