ኣብ መዋዕለ ስብከት ጐይታ’ውን ሓዋርያ ፊልጶስ ንኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ፦ “ጐይታይ! ነቦ ደኣ ኣርእየና እምበር ይኣኽለና” ኢሉ ብምሕታቱ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥላሴ ክመሃር ዝበቕዐ ሓዋርያ እዩ። (ዮሓ. 14፡8)
ድኅሪ ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ንስብከተ ወንጌል ምእንቲ ክጥዕም ነዛ ዓለም ምስ ተኻፈልዋ፡ ንቅዱስ ሓዋርያ ፊልጶስ ሃገረ ኣፍራቂያ በጽሓቶ። ብሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ተሰንዩ ናብ ሃገረ ስብከቱ እናኸደ ከሎ መንፈስ ርኩስ ዝኀደሮ ሰብኣይ ተጐነፎም፡ ናብታ ሃገር ንኸይኣትዉ ድማ ዓገቶም። እንተኾነ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ኣብኡ ኀዲሩ ዝነበረ ጋኔን ገሢጹ ኣውፅኦ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ብኡ ንብኡ ብትምህርቶም ኣሚኑ ሰዓቦም። ነቶም ዘይኣምኑ ደቂ ዓዱ ድማ ‘ከማይ ድኅነት ነፍስኹም ትደልዩ እንተ ዄንኹም ንዑናይ ምሳይ’ ኢሉ ኂዝዎም ናብቲ ቅዱሳን ሓዋርያት ዘለውዎ ኣብጽሖም። ሓዋርያ ጴጥሮስን ሓዋርያ ፊልጶስ ድማ ድኅነተ ዓለም ወንጌለ መንግሥት ሰበኽሎምን ኣብ ቅድሚኦም ብዙኅ ድንቂ ተኣምራት ገበሩን። እቶም ሕዝቢ ነዚ ትምህርቲ ምስ ሰምዑን ተኣምራት ምስ ረኣዩን ‘ብዘይካ ኣምላኽ ናይ ጴጥሮስን ፊልጶስን ካልእ ኣምላኽ የልቦን’ እናበሉ ኣመስገኑ።
ቅዱሳን ሓዋርያት ከኣ ካብዞም ዝኣመኑ ሕዝቢ ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ሸሙሎምን ቤተ ክርስቲያን ሓነፅሎምን። ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ስብከተ ወንጌል ንምዝርጋሕን ሓዋርያ ፊልጶስ፡ ኣብታ ዓዲ እናተዘዋወረ ንብዙኃት ናብ እምነተ እግዚአብሔር ይመልሶም ስለዝነበረ፡ ገለ ውኁዳት ካብ እምነተ ክርስቶስ ዝተረፉ ‘ስቕ ኢልና እንተ ረኣናዮ ንኣና ከይተረፈ ናብ ትምህርቱ ከእትወና እዩ፣ . . . በዚ ኵሉ ምኽንያት ቀልጢፍና እንተ ዘይቀቲልናዮ ኣየንብረናን እዩ’ ኢሎም ጸዋትወ መከራ ኣጽንዕሉ። ንሱ ግና ‘ ስለምንታይ ካብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እትርሕቑ፧ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስኹምከ ዘይትሓስቡ፧’ ይብሎም ነበረ።
ኣብ መወዳእታ ግና ኣብ ልዕሊ መከራ ካልእ መከራ እናወሰኹ ርእሱ ንታሕቲ እግሩ ንላዕሊ ጌሮም ንቑልቑል ኣፉ ሰቐልዎ፡ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ክሳብ እትፍለ ድማ ብስቑሉ እንከሎ ብዳርባ እምኒ ቀጥቀጥዎ። በዚ ኸኣ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ፡ ኣብ 18 ኅዳር ብሰማዕትነት ናብታ ዘይትኃልፍ ሕይወት ተሰጋገረ። ማቴ. 27፡50
‘ነዚ ሰብ’ዚ ብስቕለት ሞት ጥራይ ኣይኣኽሎን እዩ እሞ ንሥጋኡ ብሓዊ ነንድዶ’ ኢሎም ሓዊ ምስ ኣናኸሱ፡ መልኣከ እግዚአብሔር መጺኡ ንሥጋ ፊልጶስ እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ኣዕሪጉ ሠወሮ። በዚ ሰይጣናዊ ተግባሮም ዝተጣዕሱ ብዙኃት ካብቶም ሕዝቢ ኸኣ ኣመኑ።
እቶም ሰዓብቲ ሓዋርያ ፊልጶስ፡ ‘ሥጋ ፊልጶስ’ ክወሃቦም ምስ ጾሙን ጸለዩን፡ እግዚአብሔር እምነቶም ርእዩ ሱባኤኦም ተቐቢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ ብፍጹም ሓጐስ ንሥጋ ፊልጶስ ተረኪቦም ብምዑዝ ሽታን ክብርን ገኒዞም ቀበርዎ።
ጸሎቱን በረከቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!