Print this page

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

Dec 03, 2019

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ ይግለጽ እምበር፡ ብፍሉይ ድማ ዕሥራን ኣርባዕተን ሊቃናት ካህናተ ሰማይ ከም ዘለዉ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ተጻሒፉ ኣሎ። (ራእ. ዮሓ. 4፡10)

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣምላኽ ዓቢይ ኽብሪ ዘለዎም፡ ኣብ ዕሥራን ኣርባዕተን ተሸይሞም ዕሥራን ኣርባዕተን ሰዓት ንሰማያዊ ንጉሥ ዘመስግኑ፡ ጸልዮም ንርእሶም ሓልዮም ዓስቦም ተቐቢሎም ዝነብሩ ሰማያውያን መላእኽቲ እዮም። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ንኽብሮም ኪገልጽ ከሎ ፃዕዳ ልብሲ ለቢሶም፡ ኣኽሊል ደፊኦም ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ድማ ዕሥራን ኣርባዕተን ዝፋናት ተዘርጊሕሎም ንኪቕመጡ ክብሪ ከም ዝተዋህቦም ደጋጊሙ ይዛረብ። (ራእ. ዮሓ. 4፡4)

ብሓፈሻ እቲ ናቶም ኣገልግሎት ፦

1. ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት፦ 

ነቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኾይኑ ዚነብር እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍግም ኢሎም እናሰገዱን ኣኽሊሎም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣንቢሮምን “ ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንስኻ ክቡርን ምስጉንን ኃያልን ኢኻ። ከመይ ብዘሎ ኵሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ዅሉ ፍጥረት ድማ ብፍቓድካ ጸኒዑ ኣሎ” እናበሉ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ የመስግኑ። ( ራእይ 4፡10-11)
2. ንደቂ ሰባት ዚገብርዎ ኣገልግሎት፦

ነቶም ብእግዚአብሔር ዝኣምኑ ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ የገልግሉ። ንኣብነት፦ ጸሎት ቅዱሳን ናብ ኣምላኽ የቕርቡን ኅዙናን የጸናንዑን (ራእ 5፡5-8)፡ ኅቡእ ራእይ ንቅዱሳን ይትርጕሙ ( ራእ. 7:13-14 )።

ኣብ ምድሪ ዘሎ መንፈሳዊ ሥርዓተ ኣገልግሎት ብምሳሌ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሥርዓት ዝተሠርዐ ብምዃኑ፡ ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምሳሌ ኣገልግሎት ናይዞም ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ዝሥራዕ ማኅሌትን፡ ማዕጠንትን ተሠጥዎ ምቕባልን ብሓፈሻ ናይ ምስጋናን ኣገልግሎትን ሥርዓት ኣሎ።

ስለዚ ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ንእግዚአብሔር ብምስጋና ዘገልግሉ፡ ከምኡ ውን ናብ እግዚአብሔር ጸሎት ምእመናን ዘዕርጉን ካብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ምሕረት ዝልምኑን እሙናት ተራዳእትን ኣማለድትን ምዃኖም ንኣምንን ንምህርን።

ተራዳእነቶም ኣይፈለየና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!