ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ - 6 ታኅሣሥ ቅዳሴ ቤታ

Dec 16, 2019

“ብዙኅ ሕማሞሙ ለጻድቃን፡ ወእምኵሉ ያድኅኖሙ እግዚአብሔር/ናይ ጻድቃን መከራ ብዙኅ እዩ፡ እግዚአብሔር ግና ካብ ኵሉ የድኅኖም” መዝ. 34፡19

ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ

ወሀሎ አሐዱ ብእሲ ዘስሙ ቴዎድሮስ ዘእምዘመደ ክቡራን ካህናት ወሌዋውያን ወነገሥት ኀያላን፣ ወአውሰበ ብእሲተ እምዘመዶሙ ለካህናት ወሊቃነ ጳጳሳት ሥዩማነ ቤተ ክርስቲያን ርቱዓነ ሃይማኖት እንተ ስማ አትሮስያና ቡርክት። ወኮኑ ፈራህያነ እግዚአብሔር ወጻድቃን እሙንቱ . . . ወእምዝ ስእኑ ወሊደ ወኮኑ መካናተ እስከ ሲበት።
ካብ ወገን ክቡራን ካህናትን ኃያላን ነገሥታትን ዝኾነ ቴዎድሮስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንሓንቲ ካብ ወገን ሥዩማነ ቤተ ክርስቲያንን ርቱዓነ ሃይማኖትን ዝኾኑ ሊቃነ ጳጳሳትን ካህናትን ዝኾነት ‘ኣትሮስያና’ ዝስማ ብርኽቲ ሰበይቲ ተመርዓወ። ክልቲኦም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም ጻድቃን ነበሩ። . . . ክሳዕ ዕድመ እርግና ዝበጽሑ ክወልዱ ዘይክእሉ መካናት ነበሩ።

ስሞም ዘጸውዕ ንእኡ ዘሥምር ወዲ ድዩ ጓል ውላድ ክህቦም ብሥነ ምግባር ተጊሆም ወትሩ ይጽልዩ ስለዝነበሩ፡ እግዚአብሔር ብረድኤቱ በጺሕዎም ሓንቲ ቅድስቲ ውላድ ሃቦም። ስማ ድማ ‘ ኣርሴማ ’ ሰመይዋ።

ኣብ ሣልሳይ ዓመት ዕድመኣ ኸኣ ናብታ ብስም እግዝእትነ ማርያም ትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ወፈይዋ። ቅድስቲ ኣርሴማ፡ ካብ ሕፃንነታ ጀሚራ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጽንዕ፡ ብጾምን ጸሎትን ተወሲና’ውን ትጋደልን ተገልግልን ነበረት። 

ቅድስት ኣርሴማ ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ፡ ከሓዲ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ዝምርዓዋ መልክዐኛ ጓል ሥኢሎም ከምጽእሉ ንሠራዊቱ ናብ ኵሉ ግዝኣቱ ኣዋፈረ። እዞም ዝተላእኩ ወተሃደራት እናኾለሉ ኣብ ሃገረ ሮሜ ኣብ እትርከብ ደብረ ደናግል በጽሑ። ካብ ኵለን ኣብኡ ዝነበራ ደናግል ከኣ ንቅድስት ኣርሴማ ብመልክዕ ዝበልጻ ስለዘይነበረ፡ ብመልክዓ እናተደነቑ ሥኢሎም ንሥእላ ንንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ለኣኽሉ። ንጉሥ ድማ ሥእላ ርእዩ እምብዛ ተሓጐሰ፡ ኣብ ኢዱ ከምዘእትዋ ተኣማሚኑ ኸኣ መርዓ ቘጺሩ ንዅሎም ነገሥታትን መኳንንትን ዓደሞም።

ነዚ ዝተገብረን ክግበር ተቘጺሩ ዘሎን እተን ደናግል ምስ ፈለጣ፡ ካብቲ ደብረ ደናግል ወፂአን ሃዲመን ኣብ ግዝኣት ንጉሥ ድርጣድስ ሃገረ ኣርማንያ ኣብ በረኻ ጫቃታት ተሓብኣ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ብጠቕላላ 75 ሰብኡትን ኣንስትን ካብዚ ኦም ኸኣ እዘን 39 ደናግል ኣንስቲ ብጥሜትን ጽምእን ብስእነትን ሽግርን ይነብሩ ነበሩ።

ኣብዚ ምድረ ኣርማንያ ምህላዋ ዝሰምዐ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ፡ ካብ ዘላቶ ረኺቡ ክሰደሉ ንንጉሥ ድርጣድስ ኣዘዞ። ንጣዖት ዝሰግድን ኣብ ፀሓይ ዘምልኽን ንሕዝበ ክርስቲያን ዘሳቕን ዝስይፍን ዝነበረ ንጉሥ ድርጣድስ፡ ኣብ ግዝኣቱ ንዘላ ቅድስት ኣርሴማ ወተሃደራቱ ልኢኹ ምስ ምስኣ ዝነበራ ቅዱሳን ደናግል ኣምጽኣ። ንጉሥ ድርጣድስ ንቅድስት ኣርሴማ ብመልክዓ ተማሪኹ ንዓለማዊ ሓጐስን ሥጋዊ ድሌቱን ተመነያ።፡ ኣብ ጣዖቱ ከስግዳ’ውን ብዙኅ ፈተና። ቅድስት ኣርሴማ ግና ኣብ ሃይማኖታ ጸኒዓን፡ እዚ ዓለም’ዚ ምስ ፍትወታቱ ኃላፊ ምዃኑ ኣሚናን “ንኣታቶምን ንኣሕዛብን ንምስክር ምእንቲ ክኸውን ብኣይ ምኽንያት ምእንታይ ናብ መኳንንትን ነገሥታትን ክትውሰዱ ኢኹም” ማቴ. 10፡18 ዝበሎ ቃል ወንጌል ዘኪራን ምእንቲ ስመ ክርስቶስ ሰማዕት ክትከውን በሃገት።

ንጉሥ ድርጣድስ ብመንፈሳዊ ጽንዓትን ትብዓትን ቅድስት ኣርሴማ እምብዛ ተናደደ። ምስ ኵሎም ሕዝበ ክርስቲያን ከኣ ብጥሜትን ዋዒ እሳትን ብዙኅ ኣጋፍዓን ኣሳቐያን። ንነቢይ ዳንኤል ካብ ኣናብስ፡ ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ እቶን እሳት ዘድኃነ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኣብ ኵሉ መከራኦም የጸናንዖምን የድኅኖምን ነበረ። (ዳን.3፡23-26፣ 6፡16-22) ንጉሥ ድርጣድስ፡ ከምቲ ዝተመነዮ ሥጋዊ ድሌታቱን ሰይጣናዊ ሥርሑን ስለዘይሠመረሉ፡ ኵሎም ክስየፉ ኣዘዙ። እተን ደናግል ክስየፋ ከለዋ፡ ቅድስት ኣርሴማ ቃለ እግዚአብሔር እናጠቐሰት ትምዕደንን ተጸናንዐንን ነበረት። ነተን ሰማዕታት ኣክሊለ ክብር ካብ ሰማይ ክወርደለን ከሎ እናረኣየት ናታ ተራ ብጸሎትን ሓጐስን ትህወኽ ነበረት።

ኣብ መወዳእታ “ኪዳነ ተዳየድኩ ምስለ ኅሩያንየ/ ምስ ኅሩየይ ኪዳን ኣተኹ” መዝ. 89፡34 ከም ዝብል ካብ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኪዳን ምስ ተቐበለት፡ ንጉሥ ድርጣድስ ርእሳ ኽትምተር ኣዘዘ። እቶም ወተሃደራት ድማ ብገመድ ስሒቦም ርእሳን መልሓሳን ቈረጽዋ፡ ክልቲአን ኣዕይንታ ጐጥጒጦም ብምውፃእ’ውን ንኣካላታ ብብንእሽቶ መተርዎ። ኣብ 29 መስከረም ድማ ብሰይፊ ክሳዳ ቈሪጾም ብሰማዕትነት ኣኅለፍዋ። ካብ ክሳዳ ድማ ደምን ማይን፡ ጸባን መዓርን ከም ነጠብጣብ ዝናመ ክረምት ናብ ኣርባዕቲኡ መዓዝን ወፅአ። ንቅድስት ነፍሳ ኸኣ ቅዱሳን መላእክት ብይባቤን ዝማሬን ብኽብሪ ተቐቢሎም ኣብ ቦታ ዕረፍቲ ኣእተዉዋ።

ናይ ኵሎም ምስተን ደናግል ዝነበሩ ብድምር 72 ሰባት ሬሳኦም ኣብቲ ቦታ ተረፈ። መኅደሪ ሰይጣን ዝኾነ ንጉሥ ብእግዚአብሔር ተቐጺዑ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ምስ ኣራዊት ይነብር ነበረ። ደኃር ግና ብጸሎት ቅዱስ ጎርጎርዮስ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ብእግዚአብሔር ኣሚንኑ ናይዞም ቅዱሳን ሰማዕታት ኣዕጽምቲ ኣኪቡ ኣብ ጽቡቕን ፍሉይን ሥፍራ ኣቐመጦ። ድኅሪ ጊዜ ድማ በብስሞም ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፅሎም፡ካብዚ ቦታ ብዙኅ ተኣምር ተገብረ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ከምቲ ‘ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ’ መዝ. 112፡6 ዝብል ቅድስት ኣርሴማን ካልኦት ቅዱሳንን ብሰማዕትነት ዝዓረፉላ 29 መስከረምን፡ ቅዳሴ ቤታ ንቅድስት ኣርሴማ ድማ 6 ታኅሣሥ ትዝክሮን ተኽብሮን።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ ዝርከብ ዓዲ ሓውሻ፡ ብስም ቅድስት ኣርሴማ ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ ይበዓል። እዚ ቦታ’ዚ ካብ ጥንቲ ቅድስናን በረኸትን ቅዱሳን ዘይተፈልዮ እዩ። ብዙኃት መናንያንን ባሕታውያን ድምፂ ኣራዊትን ጸብኢ ኣጋንንትን ተዓጊሦም ዝጽልይሉ ዝነበሩ በዓትታትን ናታቶም ኣዕጽምትን ክሳዕ ሎሚ ኣብዚ ቦታ'ዚ ዘሎ ሕያው ምስክር እዩ። ከምቲ ኣዕጽምት ኤልሳዕ ምዉት ዘተንሥአ፡ ካብዞም በዓታት ዝተረኽበ ጸበል ብምልካይን፡ ማየ ጸሎት ብምሕጻብን ብዙኃት ካብ ቃንዛ ሥጋን ደዌ ሰብነትን ጸብኢ ኣጋንንትን ይፍወሱ ኣለዉ። (2ይ ነገ. 13፡21፣ ዮሓ. 9፡5-7)
ኣብዚ እዋን’ዚ ታሪኽን ቅርስን ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ሓውሻ ተዓቂቡ ንበረኸትን ፈውስን ሕዝበ ክርስቲያን ክኸውን ብዙኅ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። ‘ገድለ ቅድስት ኣርሴማ ብግእዝን ትግርኛን’ ተዳልዩ ኣብ መሥርሕ እርማትን ሳንሱርን በጺሑ ኣሎ። እዞም ኣዕጽምቲ ባሕታውያን ዘለውዎም በዓታት ንምዕቃብን ንዝነበረ ኣግራብ ናብ ንቡር ንምምላስን ድማ ልምዓታዊ ሥራሓት ይግበርን ቀጽሪ ምሕናፅ ተጀሚሩን ኣሎ።

ስለዚ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን፡ ኣብዚ መንፈሳዊ ዕዮ ክንሳተፍ እሞ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማን ቅዱሳን ኣበውን በረኸትን ረድኤትን ክንካፈል ይግብኣና።

በፆታ ኅሩያን ዕደው እንተ ተኀብሪ ፆታ፡ 

እንበለ ትፍርሂ ምንተ ብልሐ ኰያንው ወፅዕዳዌ ወልታ፡ 

ዘፈጸምኪ ስምዓ በእንተ ኢየሱስ ንጉሠ ኤፍራታ፡

ሰላም ለኪ አርሴማ ምስለ እምኪ አጋታ፡

ወለደናግል ሰላም ዘድኅሬኪ ሞታ።

በረኸትን ረድኤትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣዴና ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማን ምስ ኵልና ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘመነ ዮሓንስ 1 ነሐሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Wednesday
8
ዝክር፦ ቅፍሮንያ፡ ወክልዮስ፡ ወበዮክ፡ ወብንያሚን፡ ወአግናጥዮስ፡ ወቶማስ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ 1ይጢሞ. 5፡1-17 1ይጴጥ. 3፡1-6 ግብ. ሐዋ. 9፡36-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ወንጌል፦ ማቴ. 14፡1-7 ቅዳሴ፦ ዘኤጲፋንዮስ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...