ኅሩይ እም ከርሠ እሙ - ጻድቅ አቡነ ተክለ ሃይማኖት

Jan 03, 2020

ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣቦኦም ጸጋዘኣብን ኣደኦም እግዚእኃረያን ብዕለት 24 ታኅሣሥ ተወሊዶም። ቅድሚ ንኣቡነ ተክለሃይማኖት ምውላዶም እዞም ወለዲ እዚኦም ኅሩይ ኮይኑ ንዕኦምን ንኣምላኽን ዘሥምር ከም ናይ ሃናን ኢያቄምን መዕረፊ ዓይኖም ዝኸውን ውላድ ክህቦም ብንብዓት ኣሰንዮም ይልምኑ ነበሩ።

ብሕልፊ ኣብ በዓል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ወወርኂ ካህናት ፡ ድኻታትን ነዳያንን ዓዲሞም የብዕልዎ ነበሩ። ሓደ ጊዜ ሞተሊሚ ዝተባህለ ከሓዲ፡ ንእግዚእኃረያ ምስ ብዙኃት ደቂ ዓዳ ማሩኹ ወሰዳ፡ እሞ መልክዐኛ ብምንባራ እዚ ንጉሥ ምስ ረኣያ ኣብ ልዕሊ እተን 10 ኣንስቱ ኣንጊሡ፡ ኣብቲ ንጣዖት ዝሥውዓሉ ቦታ ክወስዳ መዓልቲ ቈጸረ። ቅድሚኡ ግና ልብሲ ንግሥቲ ኣልቢሶም ከጽንሕዋ ኣዘዘ።

እግዚእኃረያ ግን ን8ተ መዓልቲ ዝኣኽል መግብን፡ ድቃስን ኣቢይዋ ብንብዓት ናብ ኣምላኽ ጸለየትን፡ ንቅዱስ ሚካኤል ተማኅፀነትን። ኮነ ድማ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሚካኤል ፈልዩ (ነጢቑ) ናብቲ ዝዓጥን ዝነበረ ካህን ሰብኣያ ኣብጽሓ። ካህን ጸጋዘኣብ ዓጢኑ ምስ ወድአ፡ ብልቡ ‘ጓል ነገሥታት ትመስል’፡ ኢሉ እናሓሰበ እንከሎ እግዚእኃረያ ልብሰ ንግሥነታ ኣውፂኣ፡ ሰበይቱ ምዃና ነገረቶ። ብሓንሳብ ኮይኖም ድማ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም ናብ ቤቶም ተመልሱ።

እንሆ በታ ለይቲ ዓምደብርሃን ብጐኑ ከዋክብቲ ከቢቦም ብሕልሚ ረኣዩ። በታ ዕለት 24 መጋቢት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተፀኒሶም፡ 24 ታኅሣሥ ተወልዱ።

ድኅሪ 3 መዓልቲ ‘አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሎም ኣመስገኑ። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ 7ተ ዓመት ዕድሚኦም መዝሙረ ዳዊትን 81 መጻሕፍትን ምስ ተመሃሩ ካብ ጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣቦኦም እናኣገልገሉ ከለዉ፡ ሓደ ጊዜ ምስ መተዓበይቶም ክሃድኑ ንበረኻ ወፈሩ።

ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዓሳ ክገፉ ከለዉ ‘ንስኹም ዓሳ ዘይኮነስ ንሰብ ክትገፉ ሰዓቡኒ’ ዝበሎም፡ ንኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ከኣ ‘ንስኻ ሃዳናይ ነፍሳት ክትኸውን ኢኻ’ በሎም። ከምኡ ውን ከምቲ እግዚኣብሔር ንያዕቆብ ‘ስምካ እስራኤል ይበሃል’ ዝበሎ ንኣቦና ድማ ‘ድኅሪ ሕጂ ስምካ ፍሥሓጽዮን ዘይኮነስ ተክለሃይማኖት ይበሃል’ ኢሉ ባሪኹ፡ ሢመተ ሓዋርያውነት ሃቦም። በዚ ድማ ‘ሓዲስ ሓዋርያ’ እናተባህሉ ይጽውዑ።

ኣቡነ ቄርሎስ ቅድስናኦም ርእዮም ሊቀ ካህናት ክኾኑ ሸየምዎም።

ሓደ ጊዜ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንስብከተ ወንጌል ኣብ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እንከለዉ፡ ኣብ ሓንቲ ሰይጣን ዝኃደራ ኦም ዘምልኹ ሕዝቢ ዘለዋ ከተታ ትብሃል ቦታ ኣተዉ፡ ኣቦና ነቲ ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣለፋሊፎም ከም ትኪ ኣብነንዎ። እቲ ሕዝቢ ድማ ብዓውታ ‘ኣምላኽ ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንኣምን’ እናበሉ ኵሎም ተጠመቑ። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ዝኣተውዎ ዓዲ እና ኣእመኑ፡ እናኣጥመቑን ተኣምራት እናገበሩን ነቲ ሕዝቢ ካብ ኣምልኮ ጣዖት ናብ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ መለስዎም።

ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ጊዜ እርጋኖም ማለት የምን ጸጋም ምንቅስቃስ ክደክሞም ከምዝደለየ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ በዓቲ ከይወፅኡ ንነዊኅ ጊዜ ይጽልዩ ነበሩ። መግቢ ማለት ኣቝጽልቲ ኣብ ሰናብቲ ጥራሕ እናበልዑ ፀሐይ ኮነ ነፋስ ከይረኣዩ ኣብ በዓቶም ተዓጽዮም ምስ ጸለዩ፡ ካብ ብዝኂ ድኻምን ጠጠው ምባልን ሓንቲ እግሮም ተቘርጸት። እንተኾነ ከየቋረጹ ብሓንቲ እግሮም ን7ተ ዓመት ጸሎቶም ቐጸሉ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ ኣእላፍ መላእኽትን ነቢያትን ሓዋርያትን ኣኸቲሉ ቃል ኪዳን ሃቦም።
ብስምካ ዝክር ዝገበረ፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሠርሐ፡ መባእን ካልእን ዝተፈላለየ ብስምካ ጽቡቕ ዝገበረ . . . ናይ ዘለዓለም መንግሥተ ሰማያት ከውርሶ እየ ኢሉ፡ ሰዒምዎም ንሰማይ ዓረገ።

ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዕለተ ዕረፍቶም ከምዝበጽሐ ፈሊጦም ነቶም ደቆም ሓደራ በልዎም። ኣብ ክንድኦም ከኣ ኤልሳእ ዝበሃል ሸምሎም። 99 ዓመትን 1 ወርኅን 10 መዓልትን ዕድመ ምስ ገበሩ፡ ብዕለት 24 ነሓሴ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ድኻምካን ገድልካን ኵሉ ተቐቢለዮ እየ ዕረፍትኻ ኣኺሉ እዩ’ እናበሎም ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ተፈልየት። መላእኽቲ ድማ “ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚኣብሔር / ሞት ጻድቅ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡር እዩ። “ዘጸመወ በዓለም የሀዩ ለዝሉፋ” (ኣብ ዓለም ዝጻመወ፡ ንዘለዓለም ይነብር) “ስብሐት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር” (ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት፡ ሰላም ውን ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባት)’ ኢሎም እናዘመሩ ተቐበልዎም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ሾብዓተ (፯) ኣኽሊላት ሃቦም።

ንሳተን ድማ፦
1. ምእንቲ ሃይማኖት
2. ምእንቲ ከም ሓዋርያት ዜርካ ምስባኽካ
3. ምእንቲ ክዕወት ደምካ
4. ጣዖት ስለ ዘጥፍኣካ
5. ኢየሩሳሌም ስለ ዝነገድካ
6. ምእንቲ ስብረት ዓጽምኻ
7. ምእንቲ ድንግልናኻን፡ ንጽሕናኻን’
ከምዚ ኢሉ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣእተዎም ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸሎትን ቃል ኪዳንን አቡነ ተክለ ሃይማኖት ይሓልወና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 17 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Monday
27
በዓለ መስቀል፡ ወታኦግንስጣሮማዊት።               ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት  1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ.  5፡26-33 ምስባክ መዝ. 131/132 ወንጌል   ዮሐ. 19፡25-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ።        * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...