ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታ

Jan 22, 2020

ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍጻሙ ሓደ ማርቆስ ዝበሃል ሕያዋይ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግብጺ ናይ ዝርከባ ክልተ ኣውራጃታት ኣማሓዳሪ ነበረ። ንሱ ሓንትን እንኮን ዝኾነት፡ ድምያና እትበሃል፡ ምልክዕትን ምጭውትን ጓል ነበረቶ።

ብዓልቲ ቤት ማርቆስ፡ ድምያና ጓሉ ገና ሕፃን እንከላ ስለዝሞተት፡ ጓል ሠለስተ ዓመት ምስ ኮነት ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዱ፡ ናይቲ ኣውራጃ ንዝነበረ ጳጳስ እግዚአብሔር ክባርኻን ኣብ ዕቍባኡ ክሕልዋን ምጽዋት ሃባ። እቶም ኣቦ ድማ ከይጽምዋ ብምባል ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣርብዓ ሕፃናት ደናግል ኣምጺኦም ብሓንሳብ ክምህርወን ጀመሩ። በዚ ድማ ካብ ሕፃንነታ ኣትኂዛ ኣብ ናይ ብሕታ ክፍሊ ምጽላይን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብን ትፈቱ ነበረት።

ቅድስት ድምያና ጓል 12 ዓመት ምስ ኮነት፡ ኣቦኣ ንሓደ ወዲ ንጉሥ ከመርዕዋ’ኳ እንተደለየ፡ ንሳ ግና መርዓተ ክርስቶስ ንምዃን ብድንግልና ክትነብር ከም እትደሊ ነገረቶ። ንሳ እንኮ ጓሉ ስለዝኾነት ምስኡ ኣብ ቤቱ ክትነብር ተማኅፀና። ንሳ ግና ካብ ዓለምን ፈተናኣን ርኂቓ፡ ምስ ኣኅዋታ ደናግል ክትነብረሉ እትኽእል ሥፍራ ንክሠርሓላ ስለዝለመነቶ፡ ሰፊሕ ቀጽሪ ዘለዎ ብዓል ሠለስተ ደርቢ ርሻን ምስ ጀርዲኑ ሠርሓላ’ሞ፡ እመ ምኔት ብምዃን ኣብኡ ሕይወት ምንኵስና ጀመረት። ዝያዳ ዅለን ኣኅዋታ ኣብ ናይ ብሕታ ክፍሊ ተዓጽያ ብጾምን ጸሎትን ተወሲና ትነብር ነበረት።

ኣረማዊ ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ንጣዖታቱ ኣጵሎንን ኣርጤምስን ምምላኽ ንዝኣበዩ ሕዝበ ክርስቲያን ምእሳርን ምቕታልን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣቦኣ ማርቆስ ኣብ ቅድሚ ጣዖታት ክንብርከኽን ዕጣን ኽዓጥንን ስለዝተሓተተ መጀመርታ ኣበየ። እንተኾነ ግና፡ እንተ ዘይኣመንካ ንጓልካ ምስተን ምስኣ ዘለዋ 40 ደናግል ክንስይፉ ኢና ምስ በልዎ፡ ምእንቲ ጓሉ ክብል ንጣዖታቶም ክዓጥን ፍቓደኛ ኾነ። ነዚ ዘኅዝን ዜና ዝሰምዐት ጓሉ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ኣዝያ ኃዘነት። ቀልጢፋ ካብ ገዳማ ብምውፃእ ናብ ኣቦኣ ከደት’ሞ “እንታይ እየ ብዛዕባኻ ዝሰማዕኩ፧ ንፈጣሪኻ እግዚአብሔር ምኽሓድካን ንብኢድ ዝተሠርሑ ጣዖታት ምምላኽካን ካብ ምስማዕ፡ ሞትካ ምስማዕ ምኃሸኒ ነይሩ! ከመይ ኢልካ ነቲ ብኢድ ዝተሠርሐ ሥፍራ ሰይጣን ዝኾነ ጣዖት ሰገድካ፧ ኣቦየ ኵሉ’ቲ ዝገበርካዮ ዘሕንኽን ዘኅፍርን እዩ። እንተ ደኣ በዚ ዘለኻዮ ክሕደ ጸኒዕካ፡ ንጣዖታት ብምኽሓድ ናብ ኣምላኽካ እንተ ዘይተመሊስካ ኣቦይ ኣይኮንካን። ኣነ’ውን ጓልካ ኣይኮንኩን። ኦ ኣቦይ ካብ ኣረሚ ኴንካ ኣብ ሲኦል ምስ ሰይጣን ንዘለዓለም ምሟት፡ ብስም ክርስቶስ ብሰማዕትነት ኃሊፍካ ንዘለዓለም ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ምንባር እዩ ዝኅሸካ።” ኢላ ናብ ገዳማ ተመልሰት፡፡

ኣቦኣ ማርቆስ ብቃላታ ልቡ ተተንከፈ። ኣምሪሩ ብንስሓ እናበኸየ ድማ “ኣነ ኃጢኣተኛ እየ፡ ኣነ ኣብዞም ግብረ ሰብ ዝኾኑ ጣዖታት ምውካለይን ኣብ ሥፍራ ሰይጣን ምስጋደይን ኣዝየ ተጋገኹ። ኦ ምስጉን ዝኾንካ እግዚአብሔር፡ ነዚ ከስተውዕልን ካብ መዓሙቝ ኃጢኣት ነዛ ሰዓት፡ እዚኣ ዝቀደስካለይ ኣመስግነካ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣነ ሰማያዊ ተስፋ ኣሎኒ። ኣነ ብስም ጐይታየይን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ ክመውት እየ ምስኡ ክኸውን እየ ንዘለዓለም ምስኡ ክነብር እየ!” በለ። ብድኅሪ’ዚ ብቐጥታ ናብ ኣንጾኪያ ብምኻድ፡ ንከሕዲ ድዮቅልጥያኖስ “ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን ብዝኾነ እግዚአብሔር ምምላኽ ገዲፍካስ ከመይ ኢልካ ንጸማማትን ዓባሳትን ሥፍራ ኣጋንንቲ ንዝኾኑ ብእምኒን ዕንፀይትን ዝተሠርሑ ጣዖታት ተምልኽ፧ ስም ኢየሱስ ሠናይ ዝኾነ ስም እዩ ሕያው ዝኾነ ስም ጐይታ ኢየሱስ ዝተመስገነ ይኹን።” በሎ። ኣቦኣ ማርቆስ ገጹ ብትእምርተ መስቀል ድኅሪ ምምዕታብ፡ ኣብ ቕድሚ ኵሉ ሕዝቢ ብዓውታ “ ኣነ ብአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ እኣምን” በለ። ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ “ኣነ ዕርክነትና ኽሕሉ ብዙኅ ተጋደልኩ፡ ንስኻ ግና ኣብ ቕድሚ ኵሉ ሕዝበይ ኣዋረድካኒ፡ ኵሉ ሕዝቢ ከም ጸላእየይ ጸልኣካ፡ ከምቲ ሕማቕ ጌርካ ዘዋረድካኒ ከዋርደካ እየ!” ኢሉ ብምፍርራሕ፡ ቐልጢፉ ክጠዓስን ተመሊሱ ኣብ ቅድሚ ጣዖታት ክምብርከኽን ዳግማይ ዕድል ሃቦ። ኣቦኣ ማርቆስ ግና “ኣብ ሰማይን ምድርን ብዘይካ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። ብስሙ’ውን ክመውት እየ!” ብምባል ኣበየ። ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ንማርቆስ ክስይፍዎ ኣዘዘ’ሞ ኣብ ኣንጾኪያ ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን ሰማዕትነት ተቐበለ። ሰማዕትነት ዝተቐበለሉ ዕለት ድማ 5 ሰነ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንዘለዓለም ተዘኪሩ ይነብር።

ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ማርቆስ ዓርኩ ንጣዖታት ክሒዱ ናብ ኣምልኮተ ኢየሱስ ክርስቶስ ክምለስን ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነት፡ ጓሉ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምዃና ምስ ፈለጠ፡ ንሓደ ካብ መኳንንቱ “ክብርን ሃብትን ብምሃብ ንጣዖታትና ከተምልኽን ዕጣን ክትዓጥንን ኣእምና፡ እንተ ኣበየትካ ግና ኣጋፍዓያ፡ ንዅሎም ክርስቲያን ኣብነት መታን ክትከውን፡ ንኣኣን ምስኣ ንዘለዋ ኣርብዓ ደናግልን ሰይፈን።” ብምባል ናብ ሰማዕት ቅድስት ድምያናን ኣርባዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታ ዝነበራኦ ገዳም፡ ሚእቲ ሠራዊቱ ኣሰንዩ ሰደዶ።

ሰማዕት ቅድስት ድምያና እቲ መኮንን ምስ ሠራዊቱ ኣብ ጥቓ ገዳማ ምስ ረኣየት፡ ናብ እግዚአብሔር ክሳዕ መወዳእታ ሕይወታ ጽንዓት ሃይማኖት ክህባ ድኅሪ ምልማን፡ ነተን ኣርብዓ ደናግል “ምእንቲ ክርስቶስ ክትሞታ ፍቓደኛታት እንተኴንክን፡ ኣብዚ ምሳይ ጽንሓ። እንተ ዘይክኢልክን ግና ካብ ሕጂ ብኣጋኡ ህደማ።” በለተን። እተን ኣርብዓ ደናግል ግና ብፍቕሪ ክርስቶስ ስለዝተማረኻ እናበኸያ “ንሕና ንዓለም ንዒቕና ኣብዚ ገዳም እዚ ክንነብር፡ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾንክና ንስኺ ኢኺ፡ ስለዚ ካብዚ ናብ እንከዶ የብልናን። ምሳኺ ብስም ክርስቶስ ክንመውት ድልዋት ኢና!” በልኣ።

ብድኅሪ’ዚ እቲ መኮንን ናብቲ ገዳም ኣትዩ፡ “ኣነ ብንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ዝተለኣኽኩ እየ፡ ብቓላቱ ንኣማልኽቱ ከተምልኺ እእዝዘኪ ኣሎኹ። ነዚ እንተ ፈጺምኪ ድማ ዝደለኽዮ ክህበኪ እየ።” ብምባል መልእኽቲ ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ነገራ። ሰማዕት ቅድስት ድምያና ድማ፡ ብትብዓት “ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ዝኾነ አብ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ዓለም ዝፈጠረ፡ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ፡ ኵሉ ዝፈልጥን ኣብ ኵሉ ዝርከብን ንዅሉ ብሓቂ ዝፈርድ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። እንተ ኣነ’ሞ ጐይታየይን መድኃኒየይን ኣምላኸይን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኄር ኣቦኡን ማኅየዊ መንፈስ ቅዱስን፡ ብቅድስቲ ሥላሴ እኣምን። ንእኡ እምስክር ፡ ኣብ ስሙ ጸኒዐ እመውት። ንዘለዓለም ምስኡ እነብር።” በለቶ። ብመልሲ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ዝተቘጥዐ መኰንንን ንሠራዊቱ ብዝተፈላለዩ ኣዝዮም መረርትን ኣሰቀቕትን ዝኾኑ ግፍዕታት ክሳቕይዋ ኣዘዘ። በዚ ድማ ብዙኃት ብኣምላከ ሰማዕት ድምያና ኣመኑን ኣኽሊለ ሰማዕትነት ተቐበሉን።

ድኅሪ ብዙኅ ስቓይን ግፍዕን ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን መላእኽትን ብኽብሪ ካብ ሰማያት ወሪዱ፡ እቲ ዘዳለወላ ኣኽሊላት ክብሪ ገሊጹ ኣጸናኒዑ ቃል ኪዳን ሃባላ። ንእኣ ከሳቕዩ ዝደኸሙ ዝበዝኁ ሠራዊት ነዚ ብምርኣዮም ኣብ ኣምላኽ ሰማዕት ቅድስት ድምያን ብምእማን ኵሉ እቲ ዝጽዕርዎ ዘለዉ ከንቱ ምዃኑ ነቲ መኰንን ነገርዎ። እቲ መኰንን በዚ ተቖጢዑ ንሰማዕት ቅድስት ድምያናን ነተን ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታን ካልኦት ኣርባዕተ ሺሕ ዝኣኽሉ ምእመናንን ምእማናትን ክስየፉ ኣዘዘ። ብዕለት 13 ጥሪ ድማ ኣኽሊለ ሰማዕትነት ተቐበሉ። ሰማዕት ቅድስት ድምያና ሠለስተ ሰማያውያን ኣኽሊላት ማለት ናይ ድንግልና፡ ናይ ትዕግሥትን ሰማዕትነትን ኣኽሊላት ተቐበለት።

ጸሎታን በረኸታን ናይ ሰማዕት ቅድስት ድምያናን ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ደቃን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ ቅዱሳን!

 

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...