መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ዑራኤል

Jan 30, 2020

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም።

ቅዱሳን መላእክት ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ-ስብሐቲከ / ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ እዩ።" እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4፣ ራእ 4፡8 ) ሓደ ካብ 7ተ ሊቃነ መላእክት ድማ ቅዱስ ዑራኤል እዩ።

ዑራኤል ማለት “እግዚአብሔር ብርሃን እዩ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ሓሓደ ጽሑፋት’ውን “ሱርያል” እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ። ሱርያል ኸኣ ዓሌት እግዚአብሔር ማለት እዩ።

ቅዱስ ዑራኤል ንእግዚአብሔር ካብ ምምስጋን ኃሊፉ፡ መብረቕ ዝእዝዝ ናይ ብርሃናት መራኂ ከምዝኾነ ሄኖክ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል “ዑራኤል ካብ ልዕሊ ነጐድጓድን መብረቕን ዝተሾመ መልኣኽ መጽአ” (ሄኖ. 6፡1-6)

ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን

1. ንኣቦና ኣዳም ዜና ናይ ድኅነት ዝነገሮ፡ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ስንክሳር)

2. ንኣቦና ሄኖክ ምሥጢር ናይ ሰማይ ዘርኣዮን ፍልጠት ዝገለጸሉን ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ሄኖ. 28)

3. ንኣቦና ዮሴፍ ካብቲ ብመንገዲ ሰበይቲ ጲጢፋራ ገጢምዎ ዝነበረ ፈተና፡ ብርትዐን ኃይልን ሂቡ ዘድኀኖ፡ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ስንክሳር)

4. ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዛዕባ ቅዱስ ዑራኤል ብሰፊሑ ዝተገልጸ ኣብ መጽሐፈ ዕዝራ ሱቱኤል እዩ። ነቢይ ዕዝራ ምሥጢር ጥበብ እግዚአብሔር ንኽገልጸሉ ኣብ ምድረ ራፊድ መሪር ንብዓት ኣሰንዩ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ። ብድኅሪ እዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጽዋዕ ልቡና ንኸስትዮ ንቅዱስ ዑራኤል ኣዘዘሉ። ቅዱስ ዑራኤል ነዚ ልቡናን ጥበብን ዝህብ ናይ እሳት ጽዋዕ ኣስተዮ እሞ ዕዝራ ሱቱኤል ብኡ ንብኡ ነቶም መጻሕፍቲ ብሉያት ጽሒፉ ኣብ 6ተ መዓልቲ ወድኦ። (መጽሓፈ ዕዝራ ሱቱኤል)

ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ሓዲስ ኪዳን

1. ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፡ ንጉሥ ሄሮድስ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ከይቀትለላ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደደትሉ ጊዜ ምስኣ ኃቢሩ ብምኻድ ዘገልግሎም ዝነበረ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ድርሳነ ዑራኤል)

2. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዘፍሰሶ ዝነበረ ኽቡር ደሙ፡ ኣብ ጽዋዕ ተቐቢሎም ናብ ዓለም ካብ ዝነጸጉ መላእኽቲ ሓደ፡ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። ኣብቲ ደም ክርስቶስ ዝነጠቦ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝተሓንፀን ብሕጂ’ውን ከም ዝሕነፅ ኣብቲ ድርሳኑ ተጻሒፉ ኣሎ።

3. ሓደ ጳውሎስ ዝበሃል ሶርያዊ ሰብኣይ ነበረ። ጳውሎስ ዘእስሙናይ እናተባህለ’ውን ይጽዋዕ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዘእስሙናይ ንእግዚአብሔር ዘፍቕርን ከም ፍቓድ እግዚአሔር ሕይወቱ ይመርሕ ብምንባሩ፡ በቲ ጊዜ ብዝነበረ ኣረማዊ መኰንን እታ ሃገር ፀዋትወ መከራ ኣብ ዝተቐበለሉ ጊዜ ኻብቲ መከራኡ ዘድኅኖን እናመጽአ ዘጸናንዖን ዝነበረ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ስንክሳር 9 የካቲት )

4. ኣብ 12ተ ክፍለ ዘመን ሕዝበ ጽዮንን እምነ ጽዮንን ዝበሃሉ ሰብ ሓዳር ውላድ ስለዘይነበሮም እናኃዘኑ ንእግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። 'ወይሁቦ ጸሎቶ ለዘጸለየ/ ነቲ ዝጽሊ ከም ጸሎቱ ይህቦ እዩ።' እዩ እሞ ልማኖኦም ሰሚዑ ብ1357 ዓ.ም. ንቅዱስ ዑራኤል ልኢኹ ወዲ ከምዝወልዱ ስሙ’ውን ጊዮርጊስ ኢሎም ከምዝሰምይዎ ነገሮም። እዞም ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ወዶም ወዲ 6ተ ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ሓይቅ ገዳም ናብ ዝነበሩ ሠረቀ ብርሃን ዝበሃሉ መምህር ንኽመሃር ሰደድዎ። ጊዮርጊስ ዋላ እኳ ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ገዳም እንተጸንሐ ሓንቲ ፊደል’ውን እንተኾነት ኽቘጽርን ክኅዝን ስለዘይከኣለ ናብ ገዛኡ ሰደድዎ። ሕዝበ ጽዮን ግና “እዚ ሕፃን ንእግዚአብሔር ከም መብጽዓይ እየ ሂበዮ እሞ ምሳኹም ይኹን" ኢሎም ነቶም ገዳማውያን ሃብዎም። ብድኅር’ዚ ጊዮርጊስ ነቶም መነኮሳት እናተራድአ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ይነብር ነበር። ሓደ ጊዜ ኣብ ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ተበርኪኹ እናደለየ ኸሎ፡ ቅዱስ ዑራኤል ጽዋዕ ልቡና ኂዙ ብምምጻእ ኣስተዮ። ብድኅር’ዚ ምሥጢር ሰማይን ምድርን ተገሊጽሉ ፡ ብዙኃት መጻሕፍተ ዜማን ጸሎትን ምሥጢርን ብምድራስ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኾነ። (መጽሓፈ ኣርጋኖን፡ መእትዊ)

ብሓፈሻ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ፡ ቅዱስ ዑራኤል ንዕዝራን ንቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫን ጽዋዕ ልቡና እናኣስተዮም ከምኡ’ውን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ጊዜ ስደት ናብ ግብፂ እናኣገልገላ ዝገልጹ ኣሣእል ኣለዉ።

ካብ ዓመታዊ ክብረ በዓሉ ብፍሉይ በዓለ ሢመቱ 22 ጥር ብዓቢይ ክብሪ ይዝከር። 

 

ዑራኤል መልኣክ ብብርሃን ጽዋዕ ፍቅሪ ሃበና
ጥበብ ምስትውዓል ንኽገልጸልና
ንመንገዲ ጐይታ ንኸፍልጠና
ዑራኤል መልኣኽ በጃኻ ርድኣና።

ጸሎቱን ተራዳእነቱን ወትሩ ኣይፈለየና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!!!

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...