Print this page

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

Feb 17, 2020

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት እዩ።

ኣብ ቍጽሪ ሓዋርያት 'ያዕቆብ' ብዝብል ስም ክልተ ተጠቒሶም ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦ 

1. ያዕቆብ ዓቢይ፡ ወልደ ነጎድጓድ፣ ወልደ ዘብዴዎስ ዝበሃል ብሄሮድስ ኣግሪጳ ተታኂዙ ብ44 ዓ.ም. ኣብ ኢየሩሳሌም ብሰማዕትነት ዝዓረፈ እዩ።

2. ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ።

ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ፡ ናብ ብዙኅ ቦታታት እናተዘዋወረ ድኅሪ ወንጌል ምስባኹ ናብ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። ናብ ምኵራበ ኣይሁድ ኣትዩ ብትብዓት ብዛዕባ ኣምላኽነት ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር ኢሎም ንሰብን ንዅሉ ፍጥረታትን ዝፈጠሩ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ መንበረ ኪሩቤል ኮይኖም ብመላእኽቲ ዝምስገኑ ሓደ ምዃኑን፡ ምልዓት ዘመን ምስ ኣኸለ ድማ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ማኅፀን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኃዲሩ ድኅሪ 9 ወርኅን 5 መዓልትን ዝተወልደ ንሱ እግዚአብሔር ከምዝኾነ፣ ከምኡ’ውን ልደቱን ጥምቀቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ረቂቕ ምሥጢረ መለኮቱን ዳግም መጺኡ ከከም ግብሩ ንዅሉ ከምዝፈርድን ብሓፈሻ ቃል ቅዱስ ወንጌል ንባቡን ትርጕሙን ገሊጹ ነቶም ዘይድፈሩ ኣይሁድ መሃሮም።

እኩያን ኣይሁድ ነዚ ሰሚዖም ኣብ ልዕሊኡ ተንሥኡ። ኂዞም እናኣጋፍዑ ምእንቲ ክቐትሎ ናብ ቀላውዴዎስ ንጉሥ “እዚ ሰብ እዚ ብዛዕባ ንጉሥ ቄሣር ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ኻልእ ንጉሥ እዩ ዝሰብኽ ዘሎ” ብምባል ከሰስዎ።

ንጉሥ ቀላውዴዎስ ነዚ ምስ ሰምዐ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ኣዘዘ። 10 የካቲት ድማ ኣክሊለ ሰማዕትነት ተቐበለ።

በረከቱን ጸሎቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!