እዛ መኻን ሰበይቲ ነዚ ነገር እዚ ኻብታ መበለት ምስ ሰምዐት ብፍጹም እምነት፦ “ኣነ ድማ ብጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እምኅፀን ኣሎኹ፣ እግዚኣብሔር ሕማመይን መከራይን ርእዩ ብጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ውላድ እንተሂቡኒ፣ ኣገልጋሊቱ ኺኸውንን ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ዝክሩ ኽገብርን እየ” በለት።
ነዚ ጸሎት’ዚ ኣቕሪባ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣተወት። ደጊማ ድማ ፊት ቤተ መቕደስ ቤተ እግዚኣብሔር ኮይና ሕልናኣ ሰቒላ ኢዳ ዘርጊሓ “ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ፣ ብጸሎት ኣቦና ውሉድ እንተ ሂብካኒ ብቓል ኪዳኑ ኣሚነ ዝኽሩ ኽገብር እየ፣ ካብ ኣገልጋሊትካ ዘቕርቦ መብፅዓይ እዚ’ዩ” በለት። ንመጽሓፍ ገድሊ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ስዒማ ድማ ናብ ቤታ ተመልሰት።
እንሆ ድማ እግዚአብሔር ጸሎታ ተቐበለላ እሞ ፀኒሳ ወዲ ወለደት። ከምቲ ዝተመባፀዓቶ ድማ ዝክረ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍታ ገበረት።
ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!