Print this page

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

Mar 16, 2020

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦ ተጋድሎኦም ብምምሃር፡ በዓላቶም ብምኽባር፡ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ብምጽዋዕ፡ ሥእሎም ብምሥኣልን ብኣማላድነቶም ብምእማንን፡ ብሓፈሻ ኣሰረ ፍኖቶም ስዒብና ሕይወት ክንረክብ ትምህረና። ሓደ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ቅዱስ ማትያስ እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ መተካእታ ናይቲ ንጐይታ ኣኅሊፉ ዝሃበን ዘትኃዘን ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኮይኑ ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ምስ ተቘጽረ፡ ዕጫ ሃገረ ስብከቱ ናብ ‘በላዕተ ሰብእ’ ትበሃል ሃገር በጽሓቶ። ከም ልማድ ናይዞም ዓዲ፡ ዝኾነ ጋሻ እንተመጽኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሠላሳ መዓልቲ ኣዕይንቱ ኣዒሮም፡ ሣዕሪ እናኣብልዑ ኣጽኒሖም ብድኅሪኡ ኣውፂኦም ይበልዕዎ ነበሩ። እንሆ ድማ ቅዱስ ማትያስ፡ ‘ክበልዑኒ እንድዮም’ ከይበለ፡ ‘ናብ ተዃሉ እልእከኩም ኣለኹ’ ዝብል ቃል ጐይታ ዘኪሩ፡ ተጸናኒዑ ናብዛ ሃገር ኣተወ። ብትብዓት ቃል ወንጌል ክሰብኽ ምስ ጀመረ፡ ኣዕይንቱ ኣዒሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። እንተኾነ ግና ቅዱስ ማትያስ ጸልዩ ክልቲአን ኣዕይንቱ ከም ቀደመን ከምዝርእያ ገበረን። ጐይታ ተገሊጹ’ውን ‘በዚ ገጢሙካ ዘሎ ማእሰርቲ ጽናዕ፡ ካብ ኵሉ ድማ ከድኅነካ እየ’ ኢሉ ሠላሳ መዓልቲ ከይኣኸለ ኸሎ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኸውፅኦ ንሓዋርያ እንድርያስ ሰደደሉ። ቅዱስ እንድርያስ ምስ ረድኡ ናብቲ ቅዱስ ማትያስ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ነቲ ብጽኑዕ መፍትሕ ተዓጽዩ ዝነበረ ደፊኡ ብምእታው ምስ ቅዱስ ማትያስ ተራኸበ። ብኡ ንብኡ ከይወዓሉ ከይኃደሩ ነቶም በብሓደ እናተሓርዱ ክብልዑ ተኣሲሮም ዝነበሩ 123 ሰባት ጸልዮም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎም።

ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ ምስ ቅዱስ እንድርያስን ረድኡን ስብከቱ ብምቕጻል ‘ስለምንታይ እግዚአብሔር ዝኣክል ፈጣሪ ገዲፍኩም፡ ንፍጡር እምኒ እተምልኹ፣ በቲ ሓደ ንዅሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እመኑ፡ ክፉእ ሰይጣናዊ ግብርኹም ኅደጉ’ እናበለ መሃሮም። እቶም ሕዝቢ ግና ኂዞም ክቐትልዎም ምስ ደለዩ ጸልዮም ብማይ ከምዘዕለቕልቑ ገበርዎም። እቶም ሕዝቢ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት ልቦም ምስ ተሰብረ ግና ቅዱሳን ሓዋርያት ጸልዮም እቲ ማይ ከምዝነጽፍ ገበርዎ። ነቶም ሕዝቢ ድማ ምሂሮም ኣእሚኖም ኣጥመቕዎም፣ ዝመርሕዎም ካህናት ድማ ሤሙሎም። ንዝተወሰነ ጊዜ እናመሃርዎምን እናኣጸናንዕዎምን ምስ ጸንሑ ግና ጽንዓት እምነቶም ተመልኪቶም ኃዲጎሞም ከዱ።

ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ ናብ ደማስቆ ኣትዩ፡ ኵሉ’ቲ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ትምህርትን ዝገበሮ ተኣምራትን ዝፈጸሞ ትሩፋትን ሰበኸ። እንተኾነ እቶም ሕዝቢ ቐልጢፎም ኂዞም ኣሰርዎ። ኣብ ሓፂን ዓራት ምእሳር ጥራሕ ኣይኣኽሎን እዩ ኢሎም’ውን ብትሕቲኡ ሓዊ ኣጕዶም ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ መጺኦም እንተረኣይዎ፡ ሥጋኡስ ይትረፍ ክዳኑ እኳ ከይተተንከፈ ጸንሖም። ደጊሞም ድማ ንብዙኅ መዓልታት ዝኣክል ገዲፎምዎ፡ ሓዊ ከይሓረረ እኳ ደኣ መልክዑ ከም ፀሓይ በሪሁ ምስ ጸንሖም፡ በዚ ተኣምራት’ዚ እናተገረሙ፡ ካብቲ ሓዊ ኣውፂኦም፡ ‘ብዘይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ኣምላኽ የልቦን’ ኢሎም ኣመኑ። ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ ድማ ኣጥሚቑ ስመ ክርስትና ክብረ ውልድነት ሃቦም፡ ዝጓስይዎም ካህናት’ውን ሤመሎም።

ኣብ መወዳእታ ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ፡ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ድኅሪ ምምሃሩ፡ ኣብ ‘ፊላዎን’ እትበሃል ዓዲ ሸምጊሉ፡ ዕድመ ጸጊቡ ብኽብሪ 8 መጋቢት ዓረፈ። ኣብዛ ዓዲ’ዚኣ ውን ቀበርዎ፣ ኣብ መቃብሩ ድማ ብዙኅ ተኣምራት ተገብረ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፦ ንቅዱስ ማትያስ በዓለ ዕረፍቱ ብምዝካር ብኽብሪ ከተብዕሎ ኸላ፣ ብኣንጻሩ ነቲ ከሓዲ ጐይታኡ ዝኾነ ይሁዳ ግና ክትረግሞ ትነብር። ካብ ማኅበረ መላእኽቲ ዲያብሎስ፡ ካብ ማኅበረ ሓዋርያት ይሁዳ፡ ካብ ጉባኤ ሊቃውንቲ ድማ ኣርዮስን ንስጥሮስን ካልኦትን፡ ብመናፍቕነትን ክሕደትን በብጊዜኡ እኳ እንተተንሥኡ ነታ ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ግና ከጥፍእዋ ኣይከኣሉን። እግዚአብሔር ከኣ በብጊዜኡ መተካእታኦም የተንሥእን ይመርጽን እዩ።

በረከተ ቅዱስ ማትያስ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም እብል ለዘተኀርየ ወዘተፈቅረ፣

ህየንተ ይሁዳ ይትኈለቍ ምስለ ሓዋርያት ኅቡረ፣

ከዊኖ ማትያስ በላዕለ እኩያን ኄረ፣

ሥጋሁ ቅዱሰ ሴሰዮሙ ወደሞ ክቡረ፣

ተውላጠ ሴሰይዎ ሎቱ ከመ ላሕም ሣዕረ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!