“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

May 08, 2020

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል እዩ። ትርጓሜ ስሙ ንመዋዕለ ሕይወቱ ዝገልጽ እዩ። ማርቆስ፥ ንህቢ ማለት እዩ። ንህቢ ካብ ኵሉ ዕንባባ ከም ዝቐስም ንሱ ድማ ቅድም ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኃር ድማ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ቅዱስ በርናባስ . . . ተማሂሩ እዩ። ማርቆስ፥ ኣንበሳ ማለት እዩ። ኣንበሳ ንላም ከም ዝመልኽን ከም ዝሰብርን ንሱ ድማ ካብ ሃገረ ግብጺ ብስብከቱ ኣምልኾ ላሕም ኣጥፊኡ እዩ።

ከምኡ'ውን ማርቆስ፥ ካህን ልኡኽ ማለት እዩ። 

 ሥድራኡ ማለት ኣቦኡ ኣርስጦቡሎስ፣ ኣዲኡ ማርያም ባውፍልያ ብትውልዲ ዕብራውያን እኳ እንተኾኑ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ሲረኒካ (ቀሬን) ኣብ ዝተባህለት ናይ ሎሚ ሊብያ ሓንቲ ካብ ኃሙሽተ ምዕራባዊ ወገን ኸተማታት ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ነበሩ።

ሃብታማት ስለዝነበሩ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዚርከቡ ሰበኽ ሳግም፣ ቀቢላታት በርበር በብጊዜኡ ናብዛ ኸተማ እናመጹ ሃብቲ ንብረቶም እናራሰዩ ምስ ኣሸገርዎም ናብ ትውልዲ ሃገሮም ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ተቐመጡ። ንቅዱስ ማርቆስ ድማ በቲ ዘመን እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ላቲን፣ ግሪኽን ዕብራይስጢን ቛንቋታት ኣምሃርዎ።

 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድረ ይሁዳ ከስተምህር ከሎ ቅዱስ ማርቆስ ንእሽቶ መንእሰይ ነበረ። (ማር. 14፣13)። ምስ ኣደኡ’ውን ይስዕብ ነበረ። ንሱ ምስ ሰብዓን ክልተን ኣርድእት ክቝጸር ከሎ ኣደኡ ማርያም ባውፍልያ ድማ ምስ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ ክትቝጸር ከኣለት። ቤታ’ውን ናይ መጀመርታ ቤተ ምእመናን መአከቢት ክርስቲያንን መፈጸሚ ምሥጢርን ሥርዓተ ጸሎትን ዝገበረት ኣደ እያ። ኣብ በዓል ኃምሳ’ውን ሓዋርያት ተኣኪቦም ክጽልዩ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሎም ኣብ ቤታ እዩ። (ግብ. 2፡1፣ 12፡12)

 ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኽሰቕልዎ ኣይሁድ ኣብ ዝኃዙሉ እዋን፣ ቅዱስ ማርቆስ ጥራይ ዝባኑ ብነጸላ ተሸፊኑ ይስዕቦ ነበረ። ደኃር ግና ንኣይሁድ ፈሪሑ ጨርቁ ገዲፉ ጥራይ ዝባኑ ከም ዝሃደመ ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌል ጠቒሱ ኣሎ። (ማር. 14፡56)

ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም እናመሃሩ ኣብ ኢየሩሳሌም ንሓደ ዓመት ብኃባር ምስ ተቐመጡ (ሉቃ. 24፡53)፡ “ሑሩ ወመሀሩ ውስተ ኵሉ ዓለም/ ኣብ ኵሉ ዓለም ኬድኩም መሃሩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ንምትግባር ንዓለም ብዕጫ ተኻፊሎም ንስብከተ ወንጌል ኣብ ዝተዋፈርሉ ጊዜ ንቅዱስ ጴጥሮስ ብዕጫ ግብጺ በጽሓቶ፣ ሮም ድማ ናይ ሕልቕና ብላዕሊ ተዋህበቶ። በዚ ኸኣ ነቲ ናቱ ረድእ ዝኾነ ቅዱስ ማርቆስ ሃቦ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዝዩ ስለዝፈትዎ ዝነበረ ‘ወደይ’ ይብሎ ነበረ። (1ይ ጴጥ. 5፡13)

ቅዱስ ማርቆስ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ብንእሽቶይ ኤስያ ገይሩ ክሳብ ሮም ሰበኸ። ቀጺሉ’ውን ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብምምጻእ ኣብ ሃገረ ኣፍራቅያ፡ በርቃን ኃሙስቱ ኣህጉርን (ኃሙሽተ ኸተማታት ምዕራባዊ ወገን) ስብከተ ወንጌል እናኣስፋፍሐ ናብታ በቲ ዘመን እቲ ናይ ንግድን ባህልን ፖለቲካን ማእከል ዝነበረት እስክንድርያ በጽሐ።

ናብዛ መምለኽቲ ጣዖት ዝነብሩላ ኸተማ እስክንድርያ ምስ ኣተወ ካብ ብዝኂን ንውኃትን መንገዲ እቲ ወድይዎ ዝነበረ ሣእኒ ቈርበት ተበትከ። ብኡ ንብኡ ናብ ‘ኣንያኖስ’ ዝተባህለ ሰብኣይ ሰፋዪ ኣሣእን ከይዱ ክሰፍየሉ ሃቦ። ኣንያኖስ እናሰፈየሉ ከሎ፣ በቲ ዝሰፍየሉ ዝነበረ መስፈ ንሣእኒ ስሒቱ ኢዱ ምስ ወግኦ ዓው ኢሉ "ኤስ ታዖስ! (EIS THEOS)" በለ። "ኤስ ታዖስ!" ብልሳነ ጽርእ (ግሪኽ) “ኦ ሓደ አምላኽ” ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱስ ማርቆስ መእተዊ ስብከት ረኺቡ "ንምዃኑ እዚ ሕጂ ዝጸዋዕካዮ ኣምላኽ ትፈልጦ ዲኻ፧. . . ኣምላኽ ሓደ ኸም ዝኾነ ትፈልጡ እንተ ዄንኩም ደኣ ስለምንታይ ኢኹም ብዙኃት ኣማልኽቲ እተምልኹ፧ . . .” እናበለ ኣምልኮተ እግዚአብሔርን ግብረ ጽድቅን ድኅሪ ምስትምሃር ኣብ ኣፃብዕቱ ምራቕ ገይሩ፡ ምስ መሬት ለዊሱ ኣብታ ዝደመየት ኢዱ ብምግባር ‘ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢድካ ትሕወ’’ በለ። በዚ ኸኣ ኢድ ኣንያኖስ ሓወየት።

ኣንያኖስ በቲ ዝረኣዮ ተኣምርን ዝሰምዖ ትምህርትን እምብዛ ተሓጒሱ ኂዝዎ ናብ ቤቱ ከደ። ቅዱስ ማርቆስ ድማ ካብ ዝነኣሱ ክሳዕ ዝዓበዩ ኣዝማዱን ጐረባብቱን ካልኦትን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ልደት ጀሚሩ ክሳዕ ዕርገት ዝመሃሮ ትምህርቲ፡ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ዝፈጸሞ ትሩፋት መሃሮም እሞ ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ካብ ምግባረ ኃጢኣት ናብ ምግባረ ጽድቂ ተመልሱን ኣመኑን። ብስም አብን ወልድን ወመንፈስ ቅዱስን ድማ ኣጥመቖም። በብጊዜኡ ናብዚ ማኅበረ ምእመናን ዝጽንበሩ እናበዝኁ ከዱ እሞ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ቤት ኣንያኖስ መሥረተ።

ነዚ ዝኾነ ነገር ንኽዕንቅፉ ብቕንኣትን ክፍኣትን ዝተላዕሉ ሰብአ ሃገር ኣብ ቅዱስ ማርቆስ ናይ ሞት ክሲ ኣቕረቡ። እንተኾነ ንኣንያኖስ ናይ እስክንድርያ ኤጲስ ቆጶስ (መራሕ ቤተ ክርስቲያን) ገይሩ፡ ንሠለስተ ብመዓርገ ካህናት፡ ንሾብዓተ ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሙ ናብታ ቅድም ዝነበራ ሲረኒካ ዝተባህለት ዓዲ ከደ። ኣብ ሀገረ በርቃን ኣብ ኃሙሽተ ኣህጉርን ወንጌለ መንግሥት እናሰበኸ ኸኣ ንኽልተ ዓመት ጸንሐ። ንብዙኃት ኣእሚኑ፡ ኤጲስቆጶሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ሠይሙ ናብ እስክንድርያ ተመልሰ።

ምእመናን በዚኆም ስብከተ ወንጌል ሰፊሑ ጸንሖ እሞ ኣብ ገማግም ምዕራብ እስክንድርያ ኣብ ቦካልያ (ሰፈር ከብቲ) ዝተባህለ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ሓነፀሎም።

 ‘ኣብ ቃል ዘሎ ይርሳዕ ኣብ መጽሓፍ ዘሎ ይውሳእ’ ስለ ዝኾነ፡ ቅዱስ ማርቆስ ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ኮይኑ ወንጌል ክጽሕፍ በቕዐ። ነዚ ወንጌል’ዚ ኣብ መበል 11 ዓመት ድኅሪ ዕርገት ጐይታ (44 ዓ.ም.)፡ ብልሳነ ሮማይስጥ ጸሓፎ። ኣብዚ ወንጌል’ዚ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከሃሊነት፣ ኃያልነት፣ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ሥልጣንን ብዝመሃሮም ትምህርታትን ዝፈጸሞም ተኣምራትን ብብዝኂ ሰፊሮም ኣለዉ። 
እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ 16 ምዕራፋት ኣለዎ። 
• ካብ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 1፡13 ፦ ብዛዕባ ትምህርቲ ዮሐንስ መጥምቅን ጥምቀተ ክርስቶስን፣
• ካብ ምዕራፍ 1፡14 ክሳዕ ምዕራፍ 10 ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ተኣምራትን፣ በዓለ ፋሲካን ናብ ኢየሩሳሌም ምኻዱን፣
• ካብ ምዕራፍ 11 ክሳዕ 16 ብዛዕባ ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ምእታው፣ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ምፍራስ ቤተ መቕደስን ምዝራቡ፣ ብኣይሁድ ተፈሪዱ ተሰቒሉ ሙማቱ፣ ካብ ሞት ምትንሣኡ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ምግላጹ ኸምኡ እውን ንደቀ መዛሙርቱ ኽምህሩ ከም ዝለኣኾም ይጠቅስ።

ብናይ ቅዱስ ማርቆስ ፀሓይነት ብርሃን ክርስቶስ ዝበርሃሎም ምእመናን እንክሕጐሱ፡ እቶም ዲያብሎስ ዘጸልመቶም መምለክያነ ጣዖት ግና ኣብ ዓሚቝ ባሕረ ቁጥዓ ሰጠሙ። ነቲ ጓሳ ቅዱስ ማርቆስ ዝቐትልሉ፡ ንመጓሰ ምእመናን ዝብትንሉ ጊዜ የጠዓዕሙ ነበሩ።

እንሆ ድማ በዓለ ትንሣኤ ክርስቶስ 29 ሚያዝያ ምስ በዓል ናይቲ ፍሉጥ ናይ ግብጻውያን ሰራፒየስ ዝተባህለ ዘኽብርዎ ጣዖት ኣብ ሓደ ጊዜ ውዒሉ ነበረ።

ቅዱስ ማርቆስ ምስ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን (ቦካልያ) በዓለ ትንሣኤ እናኣኽበረ ከሎ፡ እቶም መምለክያነ ጣዖት ብኃይሊ ኣትዮም ኃዝዎ። ብገመድ ኣብ ኣቡዑር ኣሲሮም ከም ዕንጨይቲ ሠራው ክጓስስዎ ድኅሪ ምውዓል ናብ ጸልማት ቤተ ማእሠርቲ ዳጐንዎ። እንተኾነ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ መልኣኽ እግዚአብሔር እናመጽአ የጸናንዖ ነበረ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ተገሊጹ ቃል ኪዳን ሃቦ እሞ ሰላሙ ኃዲርዎ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

ንጽባሒቱ ንግሆ 30 ሚያዝያ እቶም መምለክያነ ጣዖት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፂኦም ክሳብ ደሙ ዝውዳእን ሥጋኡ ዝቈራረጽን ከምቲ ዝቐደመ ኣብ ፈቐዶ መንገዲ ኬጓስስዎ ምስ ወዓሉ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ ዓረፈ። 
ብስቓዩን ሞቱን ስለ ዘይዓገቡ፡ ንሥጋኡ ከቃጽሉ ዕንጨይት ኣኪቦም እናኣጐዱ ከለዉ ዘሰንብድ በርቅን ነጐድጓድን ኮይኑ ብርቱዕ ዝናም ዘኒሙ ነቲ ሓዊ ኣጥፍኦ። ንሳቶም ድማ እግረይ ኣውፅእኒ ኢሎም ፈሪሖም ሃደሙ። 
እቶም ሕዝበ ክርስቲያን ግና ንሥጋኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቦካልያ ወሲዶም ብጽሩይ ልብሲ ገኒዞም ኣብ ኅቡእ ቦታ ኣዕረፍዎ።

ቅዱስ ማርቆስ ዝመሃሮም ሕዝበ ክርስቲያን ኣዝዮም በዝኁ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ተሓንፃ፡ መንበረ ማርቆስ ጸኒዓ ፓትርያርካት እናተቐመጥዋ እናተወራረደት ትርከብ ኣላ። ናይ ቅዱስ ማርቆስ መንበር መበል 21 ተረካቢ ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ። ሥርዓትን ቀኖናን ሥልጣነ ክህነትን ቅዱሳን ሓዋርያት ብዘይ ሓደ ጉድለትን ምፍላስን ኣጽኒዑ ካብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መዓርገ ጵጵስና ተሠይሙ ናብ ሃገርና ብሔረ አግዓዚ ዘምጽኣልና ድማ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን እዩ።

ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ጸኒዓን ወግዓዊት ኮይናን ብቀኖና ቅዱሳን ሓዋርያት ተሠሪታ ክሳዕ ሕጂ ኣላ፣ ብሕጅውን ንመጻኢ ክሳዕ ምጽአተ ክርስቶስ ክትነብር እያ።

ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ማርቆስ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ይኹን።

ሰላም ለማርቆስ ለማርያም ዕጓላ፤

ዘሰሐብዎ በአሕባል ውስተ ዓፀደ ላሕም ከመ ዳቤላ፤

አመ አውዕየቶ ፈቀዱ ለእሳት በነበልባላ፤

ዝናም ወአስሐትያ አጥፍኡ ማዕበላ፤

መብረቅኒ ለሥጋሁ ከለላ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 1 ነሐሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Wednesday
8
ዝክር፦ ቅፍሮንያ፡ ወክልዮስ፡ ወበዮክ፡ ወብንያሚን፡ ወአግናጥዮስ፡ ወቶማስ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ 1ይጢሞ. 5፡1-17 1ይጴጥ. 3፡1-6 ግብ. ሐዋ. 9፡36-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ወንጌል፦ ማቴ. 14፡1-7 ቅዳሴ፦ ዘኤጲፋንዮስ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...