Print this page

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

May 19, 2020

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ፡ ቀዳሚሃ ለጽዮን ሰማየ ሣረረ፡ ወበዳግም ኣርኣዮ ለሙሴ ዘከመ ይገብር ግብራ ለደብተራ/ ሃሌ ሉያ ንአብ፡ ሃሌ ሉያ ንወልድ፡ ሃሌ ሉያ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ንሰማይ ፈጠሮ ደጊሙ'ውን ንሙሴ ናይ ደብተራ ሥራሕ ኣርኣዮ” (ዘፀ. 25፥8-10)።

እዚ ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ዜማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣዜመ፡ ነዚ ዜማ'ውን ካብ መላእኽቲ ወይ ካብ ሰማይ ዝተረኽበ እዩ ንክብል “ማኅሌት ኣርያም” በሎ። እዚ ዜማ’ዚ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ከይጠፍአ ዝነብር እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዜማ ዘዝየመን “ኣርያም” ኢሉ ዝሰመዮን ኣቦና ቅዱስ ያሬድ እዩ።

ቅዱስ ያሬድ ብ5 ሚያዝያ 505 ዓ.ም. ካብ ኣቦኡ ኣብዩድ (ይስሓቅ)፡ ካብ ኣደኡ ድማ ክርስቲና (ታውክልያ) ኣብ ኣክሱም ተወሊዱ። ቅዱስ ያሬድ ኣብ 7ተ ዓመት ዕድመኡ ኣቦኡ ሞተ። ኣደኡ ክርስቲና ከኣ ንናይ ኣክሱም ገበዝ ዝነበረ ኣኮኡ ጌዴዎን ከዕብዮን ከስተምህሮን ሓደራ ኢላ ሃበቶ። ቅዱስ ያሬድ ምስ ኣኮኡ መዝሙር ዳዊት ኣብ ዝመሃረሉ ዝነበረ ጊዜ ምርዳእ ኣበዮ። ን7ተ ዓመት ዝኣክል ብምሉእ ዓቕሙን ኃይሉን እንተጸዓረ እኳ ክርድኦ ኣይከኣለን። ኣኮኡ ጌዴዎን በዚ ተቘጢዑ ኣምሪሩ ሃረሞ። ቅዱስ ያሬድ ምጽዋር ስኢንዎ ናብ በረኻ ሃዲሙ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ኣጽለለ። ኣብ'ዚ ጊዜ'ዚ ሓደ ኣጋጣሚ ኣቃልቦኡ ሰሓቦ። ሓደ ጻጸ ናብ'ታ ገረብ ንክድይብ ይጽዕር ነበረ፡ ይኸይድ . . . ይጓዓዝ ኣብ ማእከል ምስ በጽሐ ናብ ታሕቲ ይወድቕ፡ እናተመላለሰ ክድይብ ይጽዕር . . . ግን ይወድቕ ኣብ መወዳእታ ብብዙኅ ጻዕሪ ናብ ላዕሊ ደየበ፡ ዕላማኡ ብዓወት ፈጸመ። ቅዱስ ያሬድ ናይ'ዚ ጻጸ ጻዕርን ዓወትን ምስ ርኣየ፡ ንርእሱ ነቒፉን ገሢጹን ናብ መንፈሳዊ መምህሩ ብምምላስ “ሥረይ ሊተ ኦ አባ ረስየኒ ዘፈቀድከ/ ኦ ኣቦይ ይቅረ በለለይን ተቐበለንን ዝደለኻዮ ግበረኒ” በሎ። ኣኮኡ ጌድዎን ድማ ተቐበሎ።

ቅዱስ ያሬድ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ ልቡናኡ ተኸፍተሉ፡ እቲ ትምህርቲ ድማ ተከሥተሉ። ብሓንሳብ ከኣ መጻሕፍተ ብሉይን ሓዲስን ተማሂሩ፡ መዓርገ ዲቁና ተሠይመ። ኣብ'ቲ ጊዜ'ቲ ዝተሓዋወሰ ዜማ እንተዘይኮይኑ ማኅሌት ኮነ ቅኔ ኣይነበረን። እግዚአብሔር ፍቓዱ ኮይኑ 3ተ ኣዕዋፍ ካብ ገነት ኤዶም ለኣኸሉ። እተን 3ተ ኣዕዋፍ ሠለስተ ዓይነት ሕብሪ ነበረን። ቀጠልያ፡ ብጫ፡ ቀይሕ። እዚ ሕብሪ ምሳሌ እዩ ዝነበረ። ቀጠልያ ብግእዝ፡ ብጫ ብዕዝል፡ ቀይሕ ድማ ብዓራራይ ዜማ ይምሰል። ከምኡ ውን ብአብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይምሰል'ዩ። ኣብ ዘኊ. 22 ኣድጊ ናይ በልዓም ብልሳን ሰብ ከምዝተዛረበት፡ ካብተን ሠለስተ ኣዕዋፍ፡ ሓንቲ ድማ “ኦ ያሬድ! ንስኻ ብፁዕ ኢኻ፡ ንኣኻ ዝፆረት ማኅፀን’ውን ብፅእቲ እያ’ በለቶ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ተነጢቑ ዝኸደ ምስአን ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ተነጢቑ ብምኻድ ማኅሌት ናይ 24 ካህናተ ሰማይ ተማህረ። ብኡ ንብኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣክሱም ተመሊሱ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ብዓቢ ዜማ “ሃሌ ሉያ ንአብ፡ ሃሌ ሉያ ንወልድ፡ ሃሌ ሉያ ንመንፈስ ቅዱስ ንሰማይ ፈጠሮ ደጊሙ'ውን ንሙሴ ናይ ደብተራ ሥራሕ ኣርኣዮ” በለ። ነዚ ዜማ'ዚ ንጉሥን ንግሥትን፡ ጳጳስን ካህናትን ከምኡ ውን ዓበይቲ ሰባትን ምስ ሰምዕዎ ሰምበዱን ብጣዕሙ ተመስጡን።

ብድኅሪ'ዚ ቅዱስ ያሬድ ነናይ ዘመኑ፡ ካብ ዓመት ክሳዕ ዓመት፡ ናይ ክረምቲ፡ ሓጋይ፡ ቀውዒን ጽጌያትን፡ ናይ ሰናብትን ናይ በዓላት መላእኽቲ፡ ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ሰማዕታት፡ ጻድቃንን ኵሎም ቅዱሳንን ብሠለስተ ዓይነት ዜማ ማለት ብግዕዝ፡ ዕዝልን፡ ዓራራይን፡ ማኅሌተ ቅኔ ሠርዓሎም። ቅዱስ ያሬድ ብፍጹም ትሕትናን ትግሃት ከገልግል ናብ ሰሜናዊ ወገን እታ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ብጾምን ጸሎትን ንሥጋኡ ይቐጽዕ ነበረ። ብድኅር'ዚ ጒያኡ ወዲኡ፡ ገድሉ ምስ ፈጸመ ስሙ ንዝጽውዕን ተዝካሩ ንዝገብርን እግዚአብሔር ክምሕረሉ ምዃኑ ኪዳን ኣተወሉ። ብግንቦት 11 ድማ ብሰላም ኣዕረፈ። ንመቓብሩ ክሳዕ ሎሚ ዝፈልጣ የለን።
ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ያሬድ ኣይፈለየና።

ሰላም ለያሬድ ስብሐተ መላእክት ለሕዋፄ፡
እንተ አዕረገ በልቡ ሕሊና መንፈስ ረዋፄ፡
ለትምህርተ መጽሐፍ ገብአ እምኀበ ኮነ ነፋፄ፡
በብዙኅ ፃማ ዘአልቦ ሑፃፄ፡
መልዕልተ ጕንደ ኦም ነፂሮ እንዘ የዓርግ ዕፄ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ምንጪ፡- ስንክሳር ግንቦት ፲፩