“ ጐይታይን ኣምላኸይን” ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

Jun 02, 2020

 ልሳነ ዕብራይስጥ ‘ቶማስ’ ማለት ፀሓይ እዩ። ድርብ ስሙ ‘ዲዲሞስ’ ብልሳነ ጽርኢ ማንታ ማለት እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ካብ ነገደ ኣሴር ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ‘ትንሣኤ ሙታን የሎን’ ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ወገን ሰዱቃውያን ነበረ። ማቴ. 22፡25

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንተኣምራቱ ርእዮምን ንትምህርቱ ሰሚዖምን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ክንዲ ኃሙሽተ ዕዳጋ ዚኣኽሉ ሕዝቢ ይስዕብዎ እኳ እንተነበሩ ካብዚኦም ግና መጀመርታ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ቀጺሉ ከኣ 72 ኣርድእትን 36 ቅዱሳት ኣንስትን ጥራሕ እዩ ኃርዩ። ሓደ ካብዞም ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ፡ ደድኅሪ መምህሩን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ኣብ ምድረ እስራኤል ተዘዋወረን ተመላለሰን። (ማቴ. 10፥3፣ ዮሓ. 20፥24፣ ግብ. 1፥13)።

መድኃኔዓለም ክርስቶስ ምስ ተንሥአ’ውን ነቲ ኣሰር ሽንካር ኣብ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ርእዩ፣ ከምኡ’ውን ኢዱ ናብ ዝተወግአ ጐድኑ ኣእትዩ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ ፍጹም መስከረ።(ዮሓ. 20፥28)

ምስ ቅዱሳን ሓዋርያት ን40 መዓልቲ መጽሓፈ ኪዳን ተማህረ፡ ኣብ በዓለ ኃምሳ’ውን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ።
ድኅሪ እዚ ቅዱሳን ሓዋርያት “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኵሉ ዓለም/ ኪዱ ንዅሉ ዓለም መሃሩ” ዝብል ቃል ትእዛዝ ጐይታ ንምፍጻምን፣ ወንጌለ መንግሥትን ድኅነተ ዓለምን ንክእውጁን ከበሥሩን ነዛ ዓለም ብዕጫ ምስ ተኻፈልዋ፡ ንሓዋርያ ቶማስ ካብ ኵሎም ሓዋርያት ዝርኀቐ ምሥራቓዊ ሀገር፡ ሀገረ ህንደኬ በጽሖ።

ቅዱስ ቶማስ ናብ ህንዲ ተጓዒዙ ወንጌል ንምስባኽ መእተዊ መንገዲ እናደለየ ከሎ ምስ ሓደ ነጋዲ ተራኸበ። እዚ ነጋዲ’ዚ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጸ ምዃኑ ሰሚዑ፡ እንታይ ፍልጠትን ክእለትን ከም ዘለዎ ንሓዋርያ ቶማስ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ ናይ ጽርበት፡ መንደቕን ሕንፃን. . . ክእለት ከም ዘለዎ ምስ ነገሮ፣ ‘ ከምዚ ናትካ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎ ሰብ ንንጉሥና የገድሶ እዩ’ ኢሉ ናብ ንጉሥ ጐንዶፓረስ ኣብጽሖ። ኣብ ህንዲ ግዝኣት ምላባር፡ ከተማ ታክሻሲላ ዝነበረ ንጉሥ ጐንዶፓረስ ኣቐዲሙ ዝና ናይቲ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝነበረ ቤተ መንግሥቲ ሰሎሞን እንክሰምዕ ይድነቕን ኣብ ግዝኣቱ ከምኡ ዓይነት ቤተ መንግሥት ክሓንፅ ይብህግን ስለ ዝነበረ፡ ብምምጻእ ናይ ሓዋርያ ቶማስ እምብዛ ተሓጐሰ። ብቕልጡፍ ቤተ መንግሥቲ ክሓንፀሉ ድማ ናብ ጎልጎል ጫካ ወሲዱ ዝኣክል ገንዘብን ንዋያትን ሃቦ። ድኅሪ ሓፂር ጊዜ’ውን “ንመቝጸሪ ሠራሕተኛ ፣ ንመዐደጊ እምኒ፡ ሓፂን፡ ወርቅን ዕንጸይትን” ዝኸውን ገንዘብ ለኣኸሉ። ሓዋርያ ቶማስ ግና ነዚ ዝተዋህቦን ዝተላእኸሉን ገንዘብ ኂዙ ናብ ዕዳጋ ዘይኮነስ ናብ ሰፈር ድኻታት እናኸደ ንዝጠመዩ መግቢ፡ ንዝዓረቁ ክዳን ፡ ቤት ንዘይብሎም መጽለሊ ይዕድገሎም ነበረ። ምስኡ ድማ ንሕሙማት እናፈወሰ፣ ንዝተሸገሩ እናኣጸናንዐ ወንጌለ መንግሥት ትምህርተ ድኅነት ይሰብኽ ነበረ። በዚ ኸኣ ጎልጎል ጫካ እኳ ከይተጸርገ ገንዘብ ንጉሥ ኣብ ናብራ ድኻታት ተወድአ።

ንሕንፃ ቤተ መንግሥቲ ዝተመደበ ጊዜን ዝተሠልዐ ባጀትን ምስ ተዛዘመ፡ ንጉሥ ንክዕዘብ መጸ። እንተኾነ ዱር ጫካ ከይተተንከፈ፣ እምኒ ከይወደቐ . . . ምስ ጸንሖ፣ ‘ቶማስ ኣበይ ኣሎ፧ ዝሓነፀለይ ቤተ መንግሥቲኸ ኣበይ ኣሎ፧’ እናበለ ብቝጥዓ ከምጽእሉ ኣዘዘ። እቶም ሰባት ግና “ቶማስ ደኣ ንዝጠመዩ ኬብልዕ፣ ንዝጸምኡ ኬስትይ፣ ንዝዓረቁ ኬልብስ፣ ንዝሓመሙ ኪፍውስ. . . ኣብ ሰፈር ድኻታት ኢኻ ትረኽቦ። ብእምኒ ዝተሓንፀ ቤተ መንግሥቲ ዋላ እኳ ክትርእይ እንተዘይከኣልካ፡ ኣብ ገጽ ሕዝብኻ ግና ፍሥሓን ፍሽኽታን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ” ኢሎም መለስሉ። ብቝጥዓ ዝነደደ ንጉሥ፡ ወተሃደራቱ ኣዚዙ ንሓዋርያ ቶማስ ካብ ዘለዎ ከምዘምጽእሉ ገበረ። ንሓዋርያ ቶማስ ኣብ ቅድሚኡ ኣቒሙ ድማ፥ ‘ቤተ መንግሥተይ ስለምንታይ ዘይሓነፅካለይ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ ‘ሓኒፀልካ ኣለኹ’ ክብል መለሰሉ። ንጉሥ እናተገረመ ‘ ኣበይ ኣሎ! እቲ ጫካ እኳ ዘይተተንከፈ ዘሎ!’ ምስ በሎ ሓዋርያ ቶማስ ከኣ ‘ብርግጽ ኣብዚ ምድሪ ዝሓነፅክዎ ናይ እምኒ ቤተ መንግሥቲ ከይትርኢ ትኽእል ኢኻ፡ ኣነ ግን ኣብ ሰማይ ቤተ መንግሥቲ ሠሪሐልካ ኣለኹ’ በሎ። በቲ ተግባሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ’ውን በቲ መልሱ ዝነደደ ንጉሥ ብትእዛዙ ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ ከምዝሳቐን ቆርበቱ ከም ዝቕለጥን ገበረ።

በታ ሓዋርያ ቶማስ ናብ ቤት ማእሠርቲ ዝተወስደላ መዓልቲ ንምሸታ ሃንደበት ኃዉ ንንጉሥ ሓሚሙ፡ ወጋሕታ ሞተ። ነፍሱ ድማ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ኣብ ሰማያት ክትዘውር ከላ ሓደ ካብ መላእኽቲ፡ ብዙኅ ኣብያተ መንግሥቲ እናኣርኣየ ‘ንኣኺ እትነብርሉ ደስ ዝብለኪ ምረጺ’ በላ። ነፍሲ ናይ ኃው ንጉሥ ድማ ደስ ዘብላ ቤተ መንግሥቲ መረጸት። እቲ መልኣኽ ግና ‘እዚ ቤተ መንግሥቲ እዚ ናትኪ ኣይኮነን፣ ቶማስ ንንጉሥ ጐንዶፓረስ ዝሓነፀሉ ሰማያዊ ቤተ መንግሥቲ እዩ ’ በላ። በታ ሰዓት እቲኣ ድማ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ነፍሲ ናይ ኃው ንጉሥ ተመሊሳ ምስ ሥጋኣ ተዋሓሓደት። ካብ ድቃሱ ከም ዝተንሥአ ሰብ ኸኣ ኣብ መንጐ ክቐብርዎ ዝተኣኻኸቡ ሰባት ተንሢኡ ተንቀሳቐሰ። ኵሉ እቲ ዝረኣዮ ኸኣ ንንጉሥ ጐንዶፓረስን ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩን ከየትረፈ ነገሮም። ነዚ ዝሰምዐ ንጉሥ በቲ ኣብ ቅዱስ ቶማስ ዘውረዶ ግፍዒ ኃዚኑ ተጣዕሰ። ንሓዋርያ ቶማስ ካብ ቤት ማእሠርቲ ከውፅእዎ ኣዚዙ ድማ ንሱን ቤተ ሰቡን ብክርስቶስ ኣሚኖም ተጠምቁ። ‘ከምዚ እንተኮይኑስ ካልእ ቤተ መንግሥቲ ሕነፀለይ’ እናበለ ገንዘቡ ንሓዋርያ ቶማስ ክህብ ዝረኣዩ ሕዝቢ ኸኣ ኣሠረ ፍኖቱ ክስዕቡ ጀመሩ።

ቅዱስ ቶማስ ንብዙኃት ሰባት ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፣ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ መለሶም። እንተኾነ ንገባሬ ሠናያት ዝጻረር ጸላኤ ሠናያት ስለዘይሰኣን፡ ንሓዋርያ ቶማስ ኂዞም ንቆርበቱ ገፊፎም ለቆታ ብምግባር ኣብ ሰብነቱ ጨው እናነስነሱ ናብ ሞት ዘብጽሕ ስቓይ ኣውረድሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 26 ግንቦት 66 ዓ.ም. ብኵናት ወጊኦም ብሰማዕትነት ኣኅለፍዎ።

ሓንቲ ካብ ሽድሽተ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ህንዳዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ብሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ኣብ 46 ዓ.ም. (52 ዓ.ም.ፈ) ዝተመሥረተት እያ። እታ ጐድኒ መለኮት ዝዳኅሠሠት ኢድ ቶማስ ሕያው ኮይና ኣብ መንበረ ታቦት ተነቢራ ትርከብ።

ክሳዕ ሕጂ ድማ ተኣምራት ትገብር። ቀዋሚ መንበር ህንዳዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን፡ ‘ዴቫሎካም’ ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ኮታያም (ኬራላ) ደቡባዊ ምዕራብ ህንዲ ይርከብ። ካብ ህንዲ ወፃኢ ድማ ብዙኃት ሃገረ ስብከታት ኣብ ኣሜርካ፡ ካናዳ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ወሽመጥ ፐርሽያ፡ ማሌጅያ፡ ሲንጋፖር፡ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ኣለዋ። ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከቡ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ዝበጽሑ ምእመናንን ምእመናትን ኣለዉዋ። መራሕን ኣቦን ናይዛ ቤተ ክርስቲያን “ካቶሊኮት ናይ ምሥራቅን ሜትሮፖሊታን ማላንካራን” ይበሃል።

ናይ ቅዱስ ቶማስ፡ ጸሎትን በረኸትን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!።

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

* * *

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...