“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

Jun 23, 2020

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡ “ዘይፈቅድ ያድኅና ለነፍሱ ለይግድፋ ወዘሰ ገደፋ ለነፍሱ በእንቲአየ ይረክባ ለሕይወት ዘለዓለም/ ንሕይወቱ ኪረኽባ ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ንዘለዓለማዊ ሕይወት ከድኅና እዩ” (ማቴ. 10፡39) ዝብል ቃል ወንጌል ምስ ሰምዐ ልቦናኡ ብፍቅረ እግዚአብሔር ነደደ። ናብ ደብረ እስዋት ብምኻድ ኸኣ ብጽኑዕ ተጋድሎ ኣብ ጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ከሎ መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ ናብ ኣባ ኤስድሮስ ከይዱ ኣስኬማ መላእክት ኣርዑት ምንኵስና ክለብስ ኣዘዞ።

በዚ ኸኣ ኣርዑት ምንኵስና ለቢሱ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝጸንዐ ተጋድሎኡ ቀጸለ። ናብቲ ኣብ ቀረባኡ ዝነበረ ገዳም እናኸደ’ውን ነቶም መነኮሳት ብቃለ እግዚአብሔር ይሓንፆምን የጽንዖምን ነበረ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣባ ለትጹን ከም ልምዱ ናብቲ ገዳም ምስ ከደ፡ ኣበምኔት እቲ ገዳም ሓሚሙ እናተጻዕረ ኵሎም መነኮሳትን ሕዝብን ከቢቦሞ እናበኸዩ ጸንሕዎ። ኣብ ዙርያኡ’ውን ሠራዊተ ሰይጣናት ሰፊሮም ምስ ረኣየ ንዅሎም መነኮሳትን ሕዝብን ካብ ቤቱ ኣውፅኦም። እቲ ኣበምኔት ንኣባ ለትጹን “ኣነ ዘይገበርክዎ ኃጢኣት የለን፣ ምሕረት ዘይግብኣኒ እየ እሞ ኦ ኣባ ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ፣ እዚ ዅሉ ዝበጽሓኒ ብሠሪ ኃጢኣተይ እዩ እሞ ንኃጢኣተይ ኣስተሥርየለይ . . . ” ብምባል እናተጻዕረ ክዛረቦ ጀመረ። ነቲ ዝገበሮ ኃጢኣቱ ብዝርዝር ክነገሮ ከሎ ኸኣ፦ “ኣነ ሢመተ ክህነት ዘይተቐባእኩ ከለኹ፡ ናብ ዘይፈልጡኒ ዓዲ ብምኻድ ብሓሶት ካህን እየ ኢለ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዐ፡ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ኣቐቢለ። ብሥራይ መርዚ እናገበርኩ’ውን ንብዙኃት ቀቲለ። ምስ ኣደይ ወላዲተይ ብዙኅ ጊዜ ይዝሙ ስለዝነበርኩ ኣደይ ፀኒሳ ክተወልድ ምስ ቀረበት ብሥራየይ ፈውሲ ኣስቲየ እቲ ሕፃን ኣብ ማኅፀና ከም ዝመውት ገይረ። . . . ኣቦይ ኃጢኣተይ ተዘርዚሩ ዘይውዳእ እዩ። ሕጂ ግና ኣብ ኣፍ ሞት ኣለኹ እሞ በእንተ እግዚአብሔር ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ” በሎ።

ብድኅር’ዚ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ ኣጋንንቲ እናገረፉ ክወስድዋ ከለዉ ኣባ ለትጹን ምስ ረኣየ ኣምሪሩ በከየ። ‘በእንተ እግዚአብሔር ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ’ ክብል ዝተማኅጸኖ፣ ከምኡ’ውን ‘ሰብ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ክህብ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን።’ ዝብል ቃለ ወንጌል ብምዝኻር ኽሳዕ ሞት ብዘብጽሕ ተጋድሎ እናተጋደለ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኽምሕረሉ ለመነ። ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ጐይታ ተላኢኹ፦ ‘እዚ ኃጥእ ሰብ’ዚ ምሕረት ዘይግብኦ እዩ እሞ ምእንትኡ ኢልካ ክሳዕ ሞት ኣይትብጻሕ” በሎ። ኣባ ለትጹን ግና ተስፋ ከይቈረጸ ብጽኑዕ ተጋድሎ ጾምን ጸሎትን ይቕጽል ነበረ። ምእንቲ እቲ ኃጥእ’ቲ ብኸምዚ ተጋድሎ ኣብ ባሕሪ ጠሊቁ ከሎ ኸኣ ሞተ። እንተኾነ ግና ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቕዱስ ሚካኤል ልኢኹ ንነፍሱ ናብ ሥጋኡ መሊሱ ሕያው ገበሮ። ብዓቢይ ግርማ ተገሊጹ’ውን ንኣባ ለትጹን “ኦ ፍቑረይ ለትጽን ስለምንታይ ምእንቲ እዚ ገለ ሠናይ ግብሪ ዘይብሉ ኃጥእ ርእስኻ ተሕስም፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዝነብሩ ከምዚ ሰብ’ዚ ዝበደለ የልቦን፡” በሎ። ኣባ ለትጹን ከኣ “ኦ ኣምላኸይን ጐይታይን ምእንታይ ነዛ ነፍሲ እዚኣ መሓራ፣ ዘይትምሕራ እንተ ዄንካ ግና ንነፍሰይ’ውን ምስኣ ውሰዳ” እናበለ ኣብ ቕድሚ ጐይታ ተማህለለ። ኣየ ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት!

ሰማዔ ጸሎተ ቅዱሳን ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ እታ ነፍስ’ቲ ኃጥእ ንምሕረት ዘብቕዕ እኳ እንተዘይተረኽበላ፡ ምእንቲ ኣባ ለትጹን ግና ኣይ ንሕይወት ኣይ ንኵነኔ ከይኾነት ከም ዘይተፈጥረት ከም ሓመድ ክትኸውን ኣዘዘ። ኣባ ለትጹን ነዚ ምስ ረኣየ እምብዛ ተሓጐሰ፣ ብምሕረትን ለውሃትን እግዚአብሔር እናተደነቐ ድማ ምስጋናኡ ኣቕረበ።

ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ተጋድሎኡን ቅድስናኡን ንኣባ ለትጹን ዘይኃልፍ ዘለዓለማዊ ቃል ኪዳን ኣተወሉ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣባ ለትጹን ጽኑዕ ተጋድሎኡ ፈጺሙ፡ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ዓስብን በረኸትን ዝኸውን ቃል ኪዳን ተቐቢሉ፡ 17 ሰኔ ብሰላም ዓሪፉ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ተሰጋገረ።
ምሕረት እግዚአብሔር፣ ኣማላድነት ኣባ ለትጹንን ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...