ካብቶም ብቀዳምነት ዝጥቀሱ ሊቃውንት ሓደ ቅዱስ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ እዩ። ‘ቄርሎስ’፥ ኃያል፡ ማኅቶት ማለት እዩ። “ወተፄወዉ ቄረ ሕዝቦሙ ለሰብአ ሶርያ” ከምዝብል። (2ይ ነገ. 16፡9)
ቅዱስ ቄርሎስ፡ ሃገሩ ግብጽ ኮይኑ ወዲ ኃውቱ ንቅዱስ ቴዎፍሎስ መበል 23 ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ እዩ። ቅዱስ ቄርሎስ፡ ሓንሳብ ዝሰምዖ ዘይርስዕ ስለዝነበረ ካብ ሕፃንነቱ ጀሚሩ ኵሉ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ብሉይን ሓዲስን ከምኡ’ውን ቋንቋ ጽርእን ትምህርተ ፍልስፍናን ኣጽፊፉ ፈለጠ። ብድኅር’ዚ ሥርዓተ ምንኵስናን ምግባር ትሩፋትን ጥበብን ምስትውዓልን ካብ ቅዱስ ኣባ ሰራባሞንን ኣባ ሰራብዮንን ብዝግባእ ተማህረ።
ናብ እስክንድርያ ምስ ተመልሰ ቅዱስ ቴዎፍሎስ መዓርገ ዲቁና ሠይሙ ምስኡ ኣብ ትሕቲኡ ኣንባብን ተርጓምን ገበሮ። ብትሕትና እናረድአን እናኣገልገለን ከሎ፡ ቅዱስ ቴዎፍሎስ ስለዝዓረፈ ናቱ መተካእታ ገይሮም ሠየምዎ። ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ብትምህርታቱ ንቤተ ክርስቲያን ኣብርሃ።
ኣብዚ መዋዕለ ሊቀ ጵጵስናኡ፡ ናይ ቍስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ንስጥሮስ ዝበሃል መናፍቕ “በኅድረተ ቃል ከብረ” ከምኡ’ውን “እግዝእትነ ማርያም ወላዲት ሰብ እምበር ወላዲት ኣምላክ ክትበሃል ኣይግባእን እዩ” ኢሉ ምስ ተንሥአ፣ 200 ሊቃውንት ዝተጋብእሉ ኣብ ኤፌሶን ጉባኤ ተሠርዐ። ቅዱስ ቄርሎስ አፈ ጉባኤ ኮይኑ ንኵሉ ጌጋ ትምህርታቱ እናመለሰ ንንስጥሮስ ረትዖ። ተረቲዕ ከብቅዕ ምምላስ ምስ ኣበየ’ውን እዞም 200 ኤጲስቆጶሳት ብውግዘት ፈለይዎ።
ቅዱስ ቄርሎስ ክሳዕ 444 ዓ.ም. ንኣስታት 32 ዓመታት ብሊቀ ጵጵስና ተሸይሙ ኣብ ዘገልገለሉ ብዙኃን መጻሕፍትን ድርሳናትን ተግሣፃትን ጽሒፉ እዩ። ንምሳሌ፦ ቅዳሴ ቄርሎስ፡ ድርሳነ ቄርሎስ፡ ተረፈ ቄርሎስ . . .
ኣብ መወዳእታ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሉ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ፡ ጕያኡ ምስ ፈጸመ ንሒደት መዓልታት ሓሚሙ ብ3 ሓምለ ኣብ 69 ዓመት ዕድመኡ ዓሪፉ።
ጸሎቱን በረኸቱን ንኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይሓልወና አሜን።
ሰላም ለቄርሎስ ለቃለ መጻሕፍት ዘዴገኖ፣
ቴዎፍሎስ ከመ ሐፀኖ፣
አመ ሊቀ ማኅበር ኮነ ሃይሞኖተ ንስጥሮስ ለተቃርኖ፣
መሰለ ፀምረ መለኮት ዘጥምዓታተ ኅብር ከደኖ፣
ወትስብእተ በሐፂን ዘእሳት አርሰኖ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!