መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ዑራኤል

Jul 29, 2020

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም። ቅዱሳን መላእክት ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ-ስብሐቲከ / ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ እዩ።" እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4፣ ራእ 4፡8 ) ሓደ ካብ 7ተ ሊቃነ መላእክት ድማ ቅዱስ ዑራኤል እዩ።

ዑራኤል ማለት “እግዚአብሔር ብርሃን እዩ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ሓሓደ ጽሑፋት’ውን “ሱርያል” እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ። ሱርያል ኸኣ ዓሌት እግዚአብሔር ማለት እዩ።

ቅዱስ ዑራኤል ንእግዚአብሔር ካብ ምምስጋን ኃሊፉ፡ መብረቕ ዝእዝዝ ናይ ብርሃናት መራኂ ከምዝኾነ ሄኖክ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል “ዑራኤል ካብ ልዕሊ ነጐድጓድን መብረቕን ዝተሾመ መልኣኽ መጽአ” (ሄኖ. 6፡1-6)

ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን

1. ንኣቦና ኣዳም ዜና ናይ ድኅነት ዝነገሮ፡ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ስንክሳር)

2. ንኣቦና ሄኖክ ምሥጢር ናይ ሰማይ ዘርኣዮን ፍልጠት ዝገለጸሉን ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ሄኖ. 28)

3. ንኣቦና ዮሴፍ ካብቲ ብመንገዲ ሰበይቲ ጲጢፋራ ገጢምዎ ዝነበረ ፈተና፡ ብርትዐን ኃይልን ሂቡ ዘድኀኖ፡ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ስንክሳር)

4. ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዛዕባ ቅዱስ ዑራኤል ብሰፊሑ ዝተገልጸ ኣብ መጽሐፈ ዕዝራ ሱቱኤል እዩ። ነቢይ ዕዝራ ምሥጢር ጥበብ እግዚአብሔር ንኽገልጸሉ ኣብ ምድረ ራፊድ መሪር ንብዓት ኣሰንዩ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ። ብድኅሪ እዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጽዋዕ ልቡና ንኸስትዮ ንቅዱስ ዑራኤል ኣዘዘሉ። ቅዱስ ዑራኤል ነዚ ልቡናን ጥበብን ዝህብ ናይ እሳት ጽዋዕ ኣስተዮ እሞ ዕዝራ ሱቱኤል ብኡ ንብኡ ነቶም መጻሕፍቲ ብሉያት ጽሒፉ ኣብ 6ተ መዓልቲ ወድኦ። (መጽሓፈ ዕዝራ ሱቱኤል)

ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ሓዲስ ኪዳን

1. ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፡ ንጉሥ ሄሮድስ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ከይቀትለላ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደደትሉ ጊዜ ምስኣ ኃቢሩ ብምኻድ ዘገልግሎም ዝነበረ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ድርሳነ ዑራኤል)

2. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዘፍሰሶ ዝነበረ ኽቡር ደሙ፡ ኣብ ጽዋዕ ተቐቢሎም ናብ ዓለም ካብ ዝነጸጉ መላእኽቲ ሓደ፡ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። ኣብቲ ደም ክርስቶስ ዝነጠቦ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝተሓንፀን ብሕጂ’ውን ከም ዝሕነፅ ኣብቲ ድርሳኑ ተጻሒፉ ኣሎ።

3. ሓደ ጳውሎስ ዝበሃል ሶርያዊ ሰብኣይ ነበረ። ጳውሎስ ዘእስሙናይ እናተባህለ’ውን ይጽዋዕ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዘእስሙናይ ንእግዚአብሔር ዘፍቕርን ከም ፍቓድ እግዚአሔር ሕይወቱ ይመርሕ ብምንባሩ፡ በቲ ጊዜ ብዝነበረ ኣረማዊ መኰንን እታ ሃገር ፀዋትወ መከራ ኣብ ዝተቐበለሉ ጊዜ ኻብቲ መከራኡ ዘድኅኖን እናመጽአ ዘጸናንዖን ዝነበረ ቅዱስ ዑራኤል እዩ። (ስንክሳር 9 የካቲት )

4. ኣብ 12ተ ክፍለ ዘመን ሕዝበ ጽዮንን እምነ ጽዮንን ዝበሃሉ ሰብ ሓዳር ውላድ ስለዘይነበሮም እናኃዘኑ ንእግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። 'ወይሁቦ ጸሎቶ ለዘጸለየ/ ነቲ ዝጽሊ ከም ጸሎቱ ይህቦ እዩ።' እዩ እሞ ልማኖኦም ሰሚዑ ብ1357 ዓ.ም. ንቅዱስ ዑራኤል ልኢኹ ወዲ ከምዝወልዱ ስሙ’ውን ጊዮርጊስ ኢሎም ከምዝሰምይዎ ነገሮም። እዞም ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ወዶም ወዲ 6ተ ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ሓይቅ ገዳም ናብ ዝነበሩ ሠረቀ ብርሃን ዝበሃሉ መምህር ንኽመሃር ሰደድዎ። ጊዮርጊስ ዋላ እኳ ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ገዳም እንተጸንሐ ሓንቲ ፊደል’ውን እንተኾነት ኽቘጽርን ክኅዝን ስለዘይከኣለ ናብ ገዛኡ ሰደድዎ። ሕዝበ ጽዮን ግና “እዚ ሕፃን ንእግዚአብሔር ከም መብጽዓይ እየ ሂበዮ እሞ ምሳኹም ይኹን" ኢሎም ነቶም ገዳማውያን ሃብዎም። ብድኅር’ዚ ጊዮርጊስ ነቶም መነኮሳት እናተራድአ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ይነብር ነበር። ሓደ ጊዜ ኣብ ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ተበርኪኹ እናደለየ ኸሎ፡ ቅዱስ ዑራኤል ጽዋዕ ልቡና ኂዙ ብምምጻእ ኣስተዮ። ብድኅር’ዚ ምሥጢር ሰማይን ምድርን ተገሊጽሉ ፡ ብዙኃት መጻሕፍተ ዜማን ጸሎትን ምሥጢርን ብምድራስ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኾነ። (መጽሓፈ ኣርጋኖን፡ መእትዊ)

ብሓፈሻ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ፡ ቅዱስ ዑራኤል ንዕዝራን ንቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫን ጽዋዕ ልቡና እናኣስተዮም ከምኡ’ውን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ጊዜ ስደት ናብ ግብፂ እናኣገልገላ ዝገልጹ ኣሣእል ኣለዉ።

ዑራኤል መልኣክ ብብርሃን ጽዋዕ ፍቅሪ ሃበና
ጥበብ ምስትውዓል ንኽገልጸልና
ንመንገዲ ጐይታ ንኸፍልጠና
ዑራኤል መልኣኽ በጃኻ ርድኣና።

ጸሎቱን ተራዳእነቱን ወትሩ ኣይፈለየና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!!!

ዘመነ ማቴዎስ 10 ጥቅምት 2013 ዓ.ም…

October
Tuesday
20
ዝክር፦ አውማንዮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘስክንድርያ፡ ወሰርጊስ ሰማዕት፡ ወዮሐንስ ቀሲስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ ቲቶ. 1፡6-ፍጻሜ 2ይ ጴጥ. 1፡5-11 ግብ. ሐዋ. 8፡1-5 ምስባክ፦ መዝ. 103/104 ወንጌል፦ ሉቃ. 9፡12-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተመሃሮን ዲያቆናትን ብመዓረገ ዲቁናን ክህነትን ተቐቢኦም

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ማእከልን ንመዓርገ ዲቁናን ካህናትን ዝሓለፉ ተመሃሮን ዲያቆናትን ብብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ብፁዕ...

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ሕንጸት መንበሪ መነኮሳይያት ይካየድ…

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ንመኮሳይያት (ደቂ ኣንስትዮ) ብሓድነት እናተደጋገፋ ዝነብራሉ ሕንፀት መንበሪ ኣባይቲ መነኮሳይያት ይካየድ ኣሎ። ነዚ ኣብ...

መነቓቕሒ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ቤት ጽሕፈጥ መንበረ ፓትርያርክ ዝወደቦ፡ 39 ኃለፍቲ ክፍልታት፡ ሊቃነ ካህናትን ካልኦትን ኣባላት ክሳተውዎ ዚጸንሑ መነቓቕሒ ሥልጠና ብዓርቢ ዕለት 06 ጥቅምት...

ኣብ ህልው ኩነታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝዝቲ ጉባኤ ተኻይዱ

05 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ (16 ጥቅምት 2020 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ድማ ኣብ ባጀታዊ ኣሰራርሓን እዋናዊ ጽልዋ...

“ብጸሎት ጻድቕ፡ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” - ቅዱስ…

ቅዱስ መጽሓፍ “ብጸሎት ጻድቕ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” ከምዝብል ንሕዝበ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ጻድቃን መንፈሳዊ ፍቕርን ጽንዓት ሃይማኖትን ፍጹም ትዕግሥትን...

ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፂሩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ፡...

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ገዳምን...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥቅምት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ጥቅምት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ኅዳር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥቅምት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፩ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ወ፫ቱ...

ቅዱስ ኣቦ አቡነ አብሳዲ

ዘደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ዳብሽ እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ...

ንማዕርገ ዲቁናን ክህነትን ዝተሓጽዩ ንመርመራ ቀሪቦም

ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ዞባ ማእከልን ብዘዳለዎ፡ ናይ መዓርገ ዲቁናንን፡ክህነትን ፡ፈተና ካብ ኩለን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ካብ ዝርከባ...

ዘመነ መፀው

ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት እቲ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ታኅሣሥ 25 ዘሎ ጊዜ ዘመነ መፀው(ቀውዒ) ይበሃል። እዚ ወቕቲ...

ፀዐተ ክረምት - በአተ መፀው

ፀዓተ ክረምት፦ ንወርኃ ክረምት መውፅኢ መፈጸምታ ጊዜ ክረምት ማለት እዩ። ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት፡ ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...