ዝክረ አበው (27-29 ነሐሴ) :- ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ

Aug 31, 2020

ዝክረ በዓል ናይ ሊቃነ አበው፡ ካብ ኣርእስተ አበው ዝኾኑ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ብዓቢይ መንፈሳዊ ሓበን ንዝክሮ። ሊቃውንት መዘምራን “ወተዘከረ ሣህሎ ዘለዓለም ዘሠርዐ ለአብርሃም፡ ወመሐለ ለይስሐቅ ወዐቀመ ስምዐ ለያዕቆብ፡ ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ እምሰማይ ይሁብ ወእምድር በረከተ ያጽግብ ነፍሰ ርኅብተ” ብምባል ምስ ዘመነ ክረምት ብምትእስሳር ይዝምሩ።

“ኣባ ኣብርሃም” እናበላ ኣዴታት ብውዳሴን ምህላን፡ ሕፃናት ድማ ብሆየ ሆየ የኽብርዎ። ተኣዛዝነት ኣብርሃም፣ ተበጃውነት ይስሓቅ፡ በረኸት ያዕቆብ ብሰፊሑ እናተረኸት ካብ ቃል ኪዳኖም ኽንሳተፍን ኣሰሮም ኽንስዕብን ትምዕደና። 

ኣቦና ኣብርሃም መን እዩ፧ ኣቦና ይስሓቅ መን እዩ፧ ኣቦና ያዕቆብ መን እዩ፧” ንዝብል ሕቶ ኣስዒብና ብዝርዝር ክንምልሶ ኢና፣ በረኸት ቃል ኪዳኖም ኣይፈለየና!

፩. ኣብርሃም ርእሰ አበው

‘ኣብራም’ ማለት ዓቢይ ኪኸውን ከሎ፣ ድኂሩ እግዚአብሔር አምላኽ ዝሃቦ ስም ‘ኣብርሃም’ ኣቦ ብዙኃት ማለት እዩ። ሥድራ ቤቱ መማለኽቲ ጣዖት ነበሩ። ብፍላይ ኣቦኡ ታራ ድማ ነቲ ዝጸረቦ ጣዖት ንኽሸጠሉ ናብ ዕዳጋ ይልእኾ ነበረ።

ኣብርሃም ኣቐዲሙ ታራ ኣቦኡ ዝቐረጾም ጣዖታት ኪሸይጥ ከሎ፡ ነቲ ዝሸጦ ዝነበረ ጣዖት “ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ጸምዩኒ ኣሎ እሞ ኣዛርበኒ፤ ጠምየ ኣሎኹ’ሞ እስከ ኣብልዓኒ፤ ጸሚአ ኮይነስ ኣስትየኒ፤” ዝብሉ ሕቶታት ሓቲቱ መልሲ ምስ ሰኣነ፡ “ኣምላኽ ዝበሃል የልቦን” ኢሉ ኣይተጠራጠረን። “ብርግጽ ኣሎ፣ ግና መን’ዩ፧ ፀሓይ’ዶ ትኸውን፧ ወይስ ሓዊ፧ ወይስ ንፋስ፧ ወይስ ማይ፧” ኢሉ መርሚሩ፡ ሕፀፅ ምስ ረኸበሎም፡ ናይ’ዞም ኵሎም ፍጥረታት ፈጣሪ፡ ሓላዊ፡ መጋቢ፡ ሠራዒ ኪህሉ ኣለዎ፣ ባዕሉ ይገለጸለይ ብምባል “ኦ ንፀሓይ ዝፈጠርካ ኣምላኽ፣ ተዛረበኒ!” በለ። በዛ ዓባይ እምነቱ ድማ ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚአብሔር ኣዘራረቦ። 

ኣብርሃም፣ እግዚአብሔር ምስ ጸውዖ፡ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ከይተጠራጠረ (“ናበይ፧ ስለምንታይ፧ ብኸመይ፧” ከይበለ) ካብ ሃገሩን ቤተ ሰቡን ተፈልዩ ከደ። (ዘፍጥ. 12፥1-9)። 

ኣብርሃም፡ “ዘርእኻ ከም ሑፃ ባሕሪ፣ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝኃልካ እየ፤” ዝብል ተስፋ ተዋህቦ። ዋላ እኳ ካብ ሰበይቱ ሣራ ውላድ እንተ ዘይነበሮ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ግና ብእምነት ተቐበሎ። (ዘፍጥ. 13፥14-18፣ 15፥5)። ክልቲኦም ኣሪጎም፣ ሣራ’ውን ልማድ ኣንስት ኃዲጉዋ ከሎ ነዚ ተስፋ እዚ ኣሚኑ ተጓዕዘ። ብድኅር’ዚ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ “ንዓመታ ከም’ዚ ቅንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሣራ ድማ እነሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ” (ዘፍጥ. 18፥10) ከምኡ’ውን “ሰበይትኻ ሣራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ ድማ ይስሓቅ ከተውፅኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ከኣ ምስኡን ብድኅሪኡ’ውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለዓለም ከቕውም እየ።” (ዘፍጥ. 17፥19) ኢሉ ኣብ ልዕሊ ቃል ኪዳን፡ ቃል ኪዳን፣ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ድማ ተስፋ ወሰኾ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ይስሓቅ ተወሊዱ ዓበየ። 

ድኅር’ዚ ዅሉ ተስፋን ቃል ኪዳንን ኣብርሃም ተፈተነ፤ እግዚአብሔር ንኣብርሃም፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ካብ’ቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መሥዋዕቲ ሠውዓዮ።” (ዘፍጥ. 22፥2) በሎ። ኣቦና ኣብርሃም ግና እምነቱ ፍጽምቲ ስለ ዝነበረት፡ “ኣነ ከም’ታ ዝተኣዘዝኩዋ ክሥውዖ እየ፣ እግዚአብሔር ድማ ካብ ምዉታን’ውን ኣተንሢኡ ዝኣተወለይ ቃል ኪዳን፣ ዝሃበኒ ተስፋ ኪፍጽም እዩ፤” ኢሉ ብምሕሳብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ምፍጻም ንድኅሪት ኣይበለን። “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሓቅ ሠውዖ። እቲ ተስፋ ዝተቐበለ ነቲ፡ ብይስሓቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተባሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። እግዚአብሔር ካብ ምዉታን ድማ ኬተንሥኦ ኸም ዚከኣሎ ሓሲቡ፤ ካብኡ’ውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።” (ዕብ. 11፥17-19)።

በዚ እምነቱ እዚ ድማ፡ “እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፣ ነቲ ሓደ ውሉድካ’ውን ካብ ዘይትኸልእ፣ ስለዚ ኣዝየ ክባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከም’ቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ሕዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም።”(ዘፍጥ. 22፥15-18) ዝብል ቃል ኪዳን ተቐበለ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ወልድ ካብታ ካብ ሐረገ ወለድኡ ዝተረኽበት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣምላከ ኣብርሃም እግዚአብሔር ወልድ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ወዲ ኣብርሃም ተባህለ። እንሆ ድማ እዚ ነገር እዚ መጀመርታ ምሥጢር መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ፡ “መጽሐፈ ልደቱ ለኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም፤ መጽሓፍ ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፤” (ማቴ. 1፥1) ኢሉ ብምጥቃስ ፍጻሜ ቃል ኪዳን ኣብርሃም ዘበሥር።

ኣብርሃም ንኃሙሽተ ነገሥተ ሰዶም ረዲኡ ነቶም አርባዕተ ነገሥተ ሎዶ ጎሞር ሰዒሩ ምስ ተመልሰ “አብርሃምኒ ጸለየ ወይቤ በመዋዕልየኑ ትፌኑ ቃለከ ወሚመ ታርእየኒ ኪያሃ ዕለት አው አልቦ ዲበ ምድር፣ ወይቤሎ ዕዱ ዮርዳኖስ ወበህየ አርእየከ አምሳሊሁ።/ አብርሃም ድማ “ንወድኻ ኣብ ዕድሜይ ዲኻ ትልእኾ፧ ወይ እታ ዕለት ከተርእየኒ ኢኻ፧” ኢሉ ጸለየ። ጐይታ ኸኣ ‘ንእኡስ ኣይትርእዮን ኢኻ፣ ግና ዮርዳኖስ ተሳጊርካ ኪድ እሞ ኣብኡ ናቱ ኣምሳል ክትርእይ ኢኻ’ በሎ። ኣብርሃም ከኣ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ እንተኸደ ናቱ ኣምሳል ዝተባህለ ካህን መልከጼዴቅ ኅብስተ በረከት፡ ጽዋዓ አኰቴት ኂዙ ተቐበሎ።

ኣቦና ኣብርሃም፡ ኣብዚ ምድሪ 175 ዓመት ምስ ጸንሐ ብሰላም ዓረፈ። 

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለከ ለፍኖተ ጌጋይ ዘኢተለውኮ፣
በኀዲገ አብ ምስለ ስብኮ፣
አብርሃም ፍጹም በኂሩት ወበአምልኮ፣
እግዚአብሔር አዕበየከ ወባረከከ ባርኮ፣
እስመ ሰመከ ዲበ ምድር ዓርኮ።
***

፪. ይስሓቅ ወዲ አብርሃም

ኣደኡ ሳራ ኣብ ጊዜ እርግናኣ ‘ወዲ ኺትወልዲ ኢኺ’ ተባሂላ ብሥላሴ ምስ ተበሥረት ስለዝሰሓቐት፡ እቲ ዝወለደቶ ሕፃን ስሙ ይስሓቅ ተሰየመ። ይስሓቅ ከኣ ቅኑዕን ተኣዛዝን ነበረ። እንሆ ካብ እግዚአብሔር “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሠውዓዮ” ዚብል ቃል ንኣብርሃም ምስ መጽኦ፣ ከምቲ ዝተኣዘዞ ንወዱ ይስሓቅን ካራን ሓውን ተማሊኡ ንምድሪ ሞርያ ከደ። ወዱ ይስሓቅ ከኣ “ኣቦየ ሓውን ዕንፀይትን’ሲ እንሆ፣ እቲ ንመሥዋዕቲ ዚኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብርሃም ምሥጢር ልቡ ሠዊሩ “ወደየ በጊዕ’ሲ እግዚአብሔር ባዕሉ ከዳልወልና እዩ” በሎ።

ብድኅር’ዚ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እምኒ ጸፍጺፉ ዕንፀይቲ ረብሪቡ ንይስሓቅ ኣሲሩ በጥ ኣበሎ። ይስሓቅ ብተኣዛዝነት ‘ትእዛዝ ፈጣሪኻ ፈጽም ኢሉ’ ኢሉ ክሳዱ ንመጥባሕት ኣዳለወ። ኣብርሃም ካራ ኂዙ ናብ ክሣዱ ወዱ ኢዱ ወስ ምስ ኣበለ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኸልከሎ። ይስሓቅ ካብ ምሥዋዕ ደኃነ፣ ኣብ ክንድኡ ድማ ብዕፀ ሳቤቅ ዝተኣሰረ በጊዕ ኣምሰያኡ ተሠውዐ። ጽንዓት ኣብርሃምን ተኣዛዝነት ይስሓቅን ተመስከረ።

ይስሓቅ ምስ ርብቃ ተመርዕዩ ንኤሳውን ይዕቆብን ወለደ። ንያዕቆብ ድማ መረቖ። ኣብዚ ምድሪ 180 ዓመት ጸኒሑ ድማ ብሰላም ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለይስሐቅ ዘኢያግዘፈ ክሣዶ፣
ለደኒን ወለተሐርዶ፣
ምስለ አብርሃም በህየ ከመ ይፈጽም መፍቅዶ፣
እግዚአብሔር ውስተ ደብረ ራእይ ወሰዶ፣
ኀበ ንጽሐ ልቡ ነጸረ ወንጹሐ እዶ።

***

፫. ያዕቆብ ወዲ ይስሓቅ

ያዕቆብ ማለት አኃዜ ሰኰና ማለት እዩ፣ ኣቦኡ ይስሓቅ ኣዲኡ ርብቃ ይበሃሉ። ያዕቆብ ንዓሠርተው ክልተ (12) ነገደ እስራኤል ወለደ። ንሳቶም ድማ ሮቤል፡ ስምዖን፡ ሌዊ፡ ይሁዳ፡ ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ጋድ፡ አሴር፡ ዳን፡ ንፍታሌም፡ ዮሴፍን ብንያምን ወለደ። መበል 13 ዲና ዝተባህለት ጓል ካብ ልያ ዝተወልደት ነበረት። እንተኾነ ብባህሊ እስራኤል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ወለዶ ስለዘይትኣቱ ኣብ ቍጽሪ ኣይኣተወትን።

ያዕቆብ፡ ትርጕም ብዅርና ካብ ማሕፀን ኣደ ምኽፋት ዝኃልፍ ምሥጢር ከም ዘለዎ ዘስተውዓለ ኣቦ ነበረ። ኃዉ ኤሳው ኣብ ሃድን ውዒሉ መግቢ ክህቦ ምስ ለመኖ፡ “ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይ፣ በሎ። ኤሳው ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ። እዛ ብዅርና’ኸ ንምንታየይ እያ፣ በለ። ያዕቆብ ከኣ፡ ሎሚ ምሓለለይ በሎ እሞ መሓለሉ፤ ብዅርናኡ’ውን ንያዕቆብ ሸጠሉ። ያዕቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንሥአ፣ ኸደ’ውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸም’ዚ ገይሩ ነዓቓ።” (ዘፍጥ. 25፥31-34)

በዚ ተቘጢዑ ኤሳው ኃው ኪቐትሎ ምስ ደለየ ናብ ኣኵኡ ክኸይድ ኣደኡ መኸረቶ፡ ኣቦኡ’ውን መረቖ። ክኸይድ ከሎ፡ ፀሓይ ዓሪብዎ ኣብ ምድረ ሎዛ እምኒ ተተርኢሱ ደቀሰ። በታ ጊዜ’ቲኣ ድማ ናይ ወርቂ ሰዋስው ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ተተኺሉ መላእኽቲ ብእኡ ኪድይቡን ኪወርዱን ከለዉ ረኣየ፡ እግዚአብሔር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ፥ “ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን እየ። . . .” በሎ።

ስሙ ‘ያዕቆብ’ ዚብል ተሪፉ እስራኤል ኪበሃል ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ተሰምየ። ብምሥጢር’ውን ንደቂ ዮሴፍ ዝኾኑ ኤፍሬምን ምናሴን ክልተ ኢድ ኣመሳቒሉ ብኣምሳለ ትእምርተ መስቀል ባረኾም። ነቲ መሠውዒ ድማ “ቤቴል” ኢሉ ሰመዮ። ዓቢይ ኣቦ ኮይኑ ድማ ኣብ መበል 147 ዓመት ዕድሚኡ ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለያዕቆብ እንተ ወለደ ነገሥተ፣
ወለደብተራ ስምዕ ካህናተ፣
በኀበ ሰዋስወ ርእየ እንዘ ይነውም ሌሊተ፣
ተነበየ ለአሕዛብ መንገለ አሚን ሚጠተ፣
ለሐውልተ ስምዕ አመ ቀብዐ ዘይተ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...