3 ጳጕሜን - ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

Sep 07, 2020

ቅዱሳን መላእክት፡ ልኡካን ኣገልገልቲ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ናብ ሰባት፡ ምስጋና ልማኖ ጸሎት ሰባት ድማ ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ ምእንቲ ዅሉ ፍጥረት ዝልምኑ ፍሉያት ቀረባ እግዚአብሔር ማለት እዩ።

ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ነባብያን ለባውያን ሕያዋን ኃያላንን ቅልጡፋትን ረቂቃንን እዮም። እዚ ማለት ባሕርይ ናይ ሕማም ድካም ሞት የብሎምን። ብዝኆም ብቝጽሪ ዘይውሰን አእላፈ አእላፋት (ናይ ብዙኅ ብዙኅ) ቍጽሮም ብዘይካ ፈጣሪኦም ካልእ ኣይፈልጣን እዩ።

ቅዱሳን መላእክት፡ ከም ብዝኆም ዓይነት ኣገልግሎቶም ብዙኅ እዩ። ንእግዚአብሔር ምምስጋን (ኢሳ. 4 ራእ. 5፡12)፣ ምእንቲ ሰባት ምልማን (ማቴ. 18፡10)፣ ንዘኽብርዎምን ዝፈርህዎምን ካብ መከራ ምንጋፍ (መዝ. 34፡7)፣ ንዝደኸሙ ምብርታዕን ምርዳእን (ዘፍ. 16፡7) . . . ወዘይመስሎ እዩ።

ሓደ ካብዞም ቅዱሳን መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል እዩ። ትርጓሜ ስሙ ለዋህ ኄር ንልቢ ዘሐጕስ ንኃጥኣን ክሳብ ዚንስሑ ዝረድኦም ማለት እዩ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ መንፈስ ሰባት ዝተሸመ፡ ፈታሔ ማሕፀን ሰባትን እንስሳታትን፡ መዛግብቲ ሰማያት ኣብ ኢዱ ዝተዓቝቡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ድማ ዝዓጹን ዝኸፍትን፡ ሓደ ካብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዜዕርጉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ዚብሉን ሾብዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ እዩ። (ድርሳነ ቅዱስ ሩፋኤል፡ መጽ. ጦቢት 12፡15)

ካብ ነገደ ንፍታሌም ጦቢት ዝበሃል ምሉእ ሕይወቱ ጽቡቕ ግብሪ እናገበረ ብቕንዕና ሕገ እግዚአብሔር እናፈጸመ ዝመላለስ ሰብ ነበረ። በዓልቲ ቤቱ ሓና ሓደ ወዱ ድማ ጦቢያ ይበሃሉ። ኣብ ስደት ከሎ ከይተረፈ ብእምነቱን ብሠናይ ግብሩን እሙን ነበረ። ሬሳ ቐቢሩ ሰብነቱ ተሓፂቡ ደቂሱ ኸሎ ለዃዅቶ ኣብ ኣዕይንቱ ሸይነናኑ ብምዕዋሩ ናብ ኣምላኹ ንኽምሕሮ ይጽሊ ነበረ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ሾብዓተ ጊዜ ተመርዒያ ‘ኣስማንድዮስ’ ብዝተባህለ እኩይ ጋኔን ዝመትዋ ዝነበሩ ሣራ ጓል ራጉኤል ብግዝእታ ስለዝተጸርፈት ጕሕያ ካብዚ ውርደት እዚ ከድኅና ንፈጣሪኣ ትምልን ነበረት። እግዚአብሔር ጸሎት ክልቲኦም ሰሚዑ ንኬሕውዮም ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ለኣኸሎም።

ድኅር’ዚ ጦቢት ምስ ገባኤል ዘሎ ገንዘቡ ዘኪሩ ንጦቢያ ምዒዱ ኪሰዶ ዓስቡ ዝወሃቦ መካይድቲ ሰብ ክደሊ ነገሮ። ጦቢያ ካብታ ቤት ውፅእ ምስ በለ ምስ ቅዱስ ሩፋኤል (ኣዛርያ) ተራኸቡ። ጕዕዞ ተጀሚሩ ከባቢ ሩባ ጤግሮስ ኃደሩ። ጦብያ እግሩ ኪሕፀብ ምስ ወረደ ካብቲ ሩባ ኺውሕጦ ዝደለየ ዓሣ ምስ ወፅአ። ሓሞቱን ልቡን ጸሊም ከብዱን ክወስዶ ነገሮ ንሱ’ውን ንምንታይ ከምዘገልግል ሓተቶ። ልብን ጸሊም ከብድን ንዅሉ ጋኔን ዝኃዞ እንተ ዓጠንካዮ እቲ ጋኔን ከምዝሃድምን ከምዘይምለስን እቲ ሓሞት ድማ ዓይኑ ንዝዓወረ እንተ ኣንጢብካሉ ከምዝርኢ ነገሮ።

ኣብ መንገዲ ኤክባታና ኸለዉ ኣብ እንዳ ራጉኤል ከምዝኃድሩን ንሣራ ዚምርዓዋ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ይነግሮ። እንተኾነ ጦቢያ ከምቶም ተመርዒዮምዋ በቲ ጋኔን ዝሞቱ ሾብዓተ ሰብኡት ከም ዘይመውት ነገሮ። ቅዱስ ሩፋኤል ናይቲ ዓሣ ልብን ጸሊም ከብዳን ኣብቲ ዚተክኽ ዕጣን ምስ ገበሮ ነቶም ሰብኡት ዚቐትሎም ጋኔን ካብ ሣራ ከምዝወፅእን ሰማያዊ ኣምላኽ ብምሕረቱ ከምዝጥምቶምን ኵሉ ነገሮ። ድኅርዚ እንዳ ራጉኤል ኣትዮም ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞ ንሣራ ሰበይቱ ክትኾኖ ሃቦ። እቲ ዅሉ ጸገማ ከምቲ ቅዱስ ሩፋኤል ዝነገሮ ምስ ገበረ እቲ ጋኔን ካብኣ ወፅአ። መርዓ ተፈጺሙ ናብ ወለዱ ኪምለስ ከሎ ቅዱስ ሩፋኤል በቲ ሓሞት ዓሣ ንኣዕይንቲ እንተለኸየን ከምዝሓዊ ተዛረቦ። ከምታ ዝተሓበሮ ድማ ነተን ዝዖራ ኣዕይንቲ ጦቢት ምስ ለኸየን ሓወያ። ጦቢያ ብዅሉ ተሓጕሱ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ።

በዓላት መርዓ ምስ ኃለፈ ጦቢት ንጦቢያ ወዱ ነቲ መካይድቱ ዝነበረ ዓስቡ ክንደይ ከምዝኸፍሎ ሓተቶ። ጦቢያ በቲ ዅሉ ዝተራድኦ ብሰላም ናብ ቤቱ ኪምለስውን ስለዝገበሮ ፍርቂ ናይቲ ዘምጽኦ ሃብቲ ከምዝግብኦ ነገሮ። ሽዑ ቅዱስ ሩፋኤል በቲ ዅሉ ዝተገብረሎም ንእግዚአብሔር ከመስግኑን ግብሩ ክነግሩን ንሱ ሓደ ካብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዜዕርጉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ዚብሉን ሾብዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ምዃኑ ነገሮም። ጦቢትን ጦብያን ከኣ ብፍርሂ ብግምባሮም ተደፊኦም ኣብ ምድሪ ወደቑ። ኣጆኹም ኣይትፍርሁ ክሳብ መወዳእታ ንኣምላኽ ከመስግንዎ ዝተገብረሎም ኪጽሕፍዎ ነጊሩ ናብ ሰማይ ዓረገ። በቲ ዅሉ ዝገበረሎም ዜደንቕ ግብርታት ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ።

ኦርቶዶክሳዊት ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ዓመት መፅአ 3 ጳጉሜን እተኽብረሉ ቐንዲ ምኽንያት ኣሎ። ቅዱሳን ሓዋርያት ንፈጣሪ ዓለማት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ብዝሓተትዎ መሠረት ካብ ሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤልን ቅዱስ ገብርኤል ቀጺሉ 3ይ ሊቀ መላእክት ኮይኑ ከም ዝተሸመን ሥልጣኑን ክብሩን ዝተገልጸሉ ተራዳኢነቱ ዝተጋህደሉ ዕለት እዩ። ብተወሳኺ’ውን ዕለት 13 ምስ አእላፍ መላእክት ወርኃዊ በዓሉ እዩ።

ተራዳእነት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣይፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...