ቅዱስ ዳዊት “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር” ከምዝብል ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ “ሓደ ቅዱስን ኅሩይን ንጹሕን ውላድ ክትወልዲ ኢኺ፡ ብትምህርቱ ድማ ነቶም ብመንገዲ ጥፍኣት ዝመላለሱ ዓያሹ ብቓል ወንጌል መሊሱ ከድኅኖም’ዩ፡ ካብ ክልቲኡ ኣጥባተ መንፈስ፡ ክልተ ኣፍላጋተ ጥበብ ክውኅዝ’ዩ፡ ካብ ኦሪት ፀቃውዐ መዓር፡ ካብ ወንጌል ድማ ሓሊበ ኣእምሮ፡ ንዝዕቅቦ ዘየስክር ንዝኽተሎ ዘየውድቕ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዘውርስ ክኸውን’ዩ’ ክብል ኣበሠራ።
ሥነ ሕይወት እናተሓጐሰት ነቲ ዝሰምዓቶን ዝተበሠረቶን ኵሉ ንክርስቶስ ሞዐ ነገረቶ። ንሱ’ውን እቲ ዝኸውን ኵሉ ቅድሚኣ ፈሊጡ ጸንሐ። እንሆ ድማ ሥነ ሕይወት ፀነሰት እሞ ብ21 ሐምሌ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተወልደ፡ ማዕቀበ እግዚእ ኢሎም ድማ ሰመይዎ።
አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ከርሢ ኣደኡ ጀሚሩ ኅሩይ ስለዝነበረ ገና ጡብ ኣደኡ ክጠቡ ከሎ፡ ኣዕይንቱ ናብ ደማይ ኣንቃዕሪሩ ንእግዚአብሔር የመስግን ነበረ። አደኡ ድማ በቲ ዝረኣየቶ እናተደነቐት “ኦ ወልድየ ወብርሃነ አዕይንትየ መኑ መሀረከ ዘከመዝ ስብሐታተ / ኣንታ ወደይ ብርሃን ዓይነይ ናብ ኣምላኽካ ከተመስግንሲ ነዚ ምስጋና’ዚ መን መሃረካ፧’ በለቶ። ኤር. 1፡4-5
ገና ትሕቲ ዕድመ ንእሽቶ ከሎ፡ ኵሎም መነኮሳት በቲ ብቕዓቱ እናተደነቑ “መኑ መሀሮ ለዝ ሕፃን ዘመጠነዝ ጥበበ ወስብሐታተ . . . / ነዚ ሕፃን እዝስ መን’ዩ ምሂርዎ፧ እዚ ኵሉ ምስትውዓልን ምስጋና እግዚአብሔርንሲ መንፈስ ቅዱስ’ዩ ገሊጽሉ ዘሎ፣ እንተለመነ ይሠምረሉ፡ ብሕፃኑ መኒኑ፡ ምስ መሓዙቱ እኳ ከም ሕፃን ኣይተጻወተን፡ ኣይሰሓቐን፡ ካብ ኣፉ ጸርፊ ይኹን ሕሜት ወፂኡ ኣይፈልጥን፣ ኣዕይንቱ ካብ ሕማቕ ምርኣይ፡ ኣእዳዉ ዘይቅዱስ ነገር ካብ ምትንካፍ፡ ኣእዛኑ ዘይቅዱስ ነገር ካብ ምስማዕ፡ ኣእጋሩ’ውን ካብ መንገዲ ጽድቂ ወፂአን ናብ መንገዲ ኃጢኣት ንኸይከይዳ ልዑል እግዚአብሔር ትጉሃን መላእኽቱ ልኢኹ ይሕልዎ ኣሎ” ይብሉ ነበሩ። ኣብ ደብረ ማርያም (ገርዓልታ)ካብ መምህሩ ኣባ ዳንኤል ፊደል ቈጺሩ ትምህርተ ብሉያትን ሓዲሳትን ምስ ተማህረ፣ ብሥሙር ድምፂ መዓርገ ዲቁና ይግብኦ’ዩ ተባሂሉ ብኢድ ኣቡነ ዮሓንስ ኃሙሻይ ተሾመ።
ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ወአጠውቃ ለነፍስየ ወአገርሮ ለሥጋየ ወእትዐቀብ ከመ አነ ለርእስየ ምኑነ ኢይኩን ዘለባዕድ እሜህር/ ንኻልኦት እናማሃርኩ ንርእሰይ ዘይብቑዕ ምእንቲ ከይከውን ንሥጋይ እቐጽዖን እገዝኦን ኣሎኹ” ዝበሎ (1ይ ቆሮ. 9፡27) ማዕቀበ እግዚእ እናተባህለ፦ ንዓበይቲ መነኮሳት እናኣኽበረ፡ ንነኣሽቱ ከይተረፈ እናተኣዘዘን ሕሙማት እናረድአን ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ኣገልገለ።
መምህሩ ኣባ ዳንኤል፡ አስኬማ ዘመላእክት አልባሰ ምንኵስና ከልብሶ ከሎ ግና ‘ኤዎስጣቴዎስ’ ኢሉ ሰየሞ። ትርጕሙ ኸኣ ‘ሥነ እግዚእ፣ ፀሓይ’ ማለት’ዩ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ፡ ሐዋርያዊ ተልእኮኡ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ ጊዜ ብትምህርቱ ንዝተጋገዩ ይመልስ፡ ብተኣምራቱ ድማ ንዝሓመሙ ይፍውስ ነበረ።
ብድኅር’ዚ ሢመተ ቅስና ተቀቢኡ፡ ብፍቓድ መምህሩ ካብ ገዳም ወፂኡ ብምናኔ ንነዊኅ ዓመታት ኣብ ደብረ ፀራቢ፣ ኣብ ማይ ቆርቆር፣ ኣብ ቡር፣ ኣብ ደብረ በርበረ፣ ኣብ ኣብራነዲድ (ሠራዬ) . . . ብሓፈሻ ኣብ መላእ ምድረ ኣግዓዚ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) እናተንቀሳቐሰ ስብከተ ወንጌል ኣስፋሕፍሐ። ብዙኃን ደቀ መዛሙርት ብምፍራይ’ውን ንብዙኃን ኣመንኰሰ። ንምሳሌ፦ ሥድራ ቤት ቅዱስ ቶማስን እምነ ሰሎሜን፡ ኣቡነ ኣብሳዲ ዘደብረ ማርያም (ቈሓይን)፣ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ፣ ኃውቶም መክብበ ደናግል፣ ወዲ ኃውቶም ኣባ ቴዎድሮስ ከምኡ’ውን ኣባ ማቴዎስ ምቱረ ልሳን ግብጻዊ፣ ኣባ በኪሞስ ዘደብረ ፀራቢ ዘጽራዕ፡ ኣባ ገብረኣምላክ፡ ኣባ ገብረኢየሱስ ዘደብረደበሳን (ሳን)፡ ኣባ ገብረመስቀል ዘማይ ቆርቆር (ሰሓርቲ ትግራይ)፡ ኣባ ፄዐ ወንጌል ዘቡር (መምበርታ)፡ ኣባ ማትያስ ዘዓድ ቀ ፡ ኣባ ቆዝሞስ ዘደብረ በግዑ (ሽዋ)፡ . . . ክጥቀሱ ይከኣል።
ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ እናተዘዋወረ ካብ ዝበጽሖም ቦታታት ሓደ ኣብ ከባቢ ድባርዋ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ብሥርዓተ ጣዖት ሥብሒ እናምከኹ፣ ጤለ በጊዕ እናሓረዱ፣ ግብሪ ሰይጣን ዝፍጽሙሎም ዝነበሩ 18 ዓበይቲ ድማታት (|ኣእዋም) ብኃይሊ እግዚአብሔር ቈሪጹ ብሓዊ ኣቃጺሉ፣ ነቶም ሕዝቢ ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር መለሶም።
ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ አሥመራ ጐዳይፍ፡ ትምህርተ ወንጌል ምሂሩ ናይ ኣፉ መወፅ ረሲዕዋ ምስ ከደ ኣብ ጐዳይፍ ቤተ ክርስቲያን እንዳ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብወገን ምሥራቅ ዓባይ ገረብ ኮይና ትርከብ ኣላ።
ኣብ መበል 13ን 14ን ሚእቲ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድሪ ኣግዓዚ ኣብ ሥርዓት ኣበዓዕላ ቀዳሚት ሰንበት (ቀዳም) ዓቢይ ክርክር ነበረ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ቀዳሚት ሰንበት ክትክበር ኣለዋ ኢሉ ይምህር ነበረ።
በዚ ትምህርቲ ጸኒዑ ናብ ስደት ክኸይድ ከሎ፡ ነቶም ደቁ ኃለቓ ክኾኖም ንኣባ ኣብሳዲ ገዲፉሎም መጀመርታ ናብ እስክንድርያ (ግብጺ)፡ ደኃር ከኣ ናብ ኢየሩሳሌም ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሀገረ ኣርማንያ ኣቕንዐ። ባሕሪ ተሳጊሩ ንክኸይድ ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኢያሪኮ በጺሑ፡ ንሓደ በዓል መርከብ ናብ ኣርማንያ ክማልኦ ሓተቶ። ንሱ ግና ‘ገንዘብ ክፈል’ በሎ። ክኸፍል ከም ዘይክእል ምስ ሓበሮ ግና ‘ኣይማላኣካን እየ’ ኢሉ ኣበዮ። ድኅሪ’ዚ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ነቶም ሾብዓተ ደቁ፦ “ደቀይ! ሕሰም ከይበጽሓኩም፡ ኣብ ልብኹም ቂም በቀል ከይህሉ ይቕረ ተበሃሃሉ’ ኢሉ ድኅሪ ምምዓድ ነዊኅ ጸሎት ጸለየ። ንዓጽፉ ኣብ ሠለስተ ዓጺፉ ብትእምርተ መስቀል ምስ ባረኻ ተዘርግሐትን ሰፍሐትን። እግዚአብሔር ድማ ብየማንን ጸጋምን ዓቀብተ መላእክት ልኢኽሎም፣ ንሱን ደቁን እናተንሳፈፉ ነቲ ኃዲግዎም ዝኸደ በዓል መርከብ ኣርከብዎ። እቲ በዓል መርከብ ምስ ረኣዮም ኣዝዩ ሰንበደ፦ ‘ሃይማኖትካ እንታይ እዩ፧ መን’ከ ትበሃል፧’ ኢሉ ሓተቶ። አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ‘ኣነ ሃይማኖተይን ስመይን ክርስቲያን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኃይለይ እዩ’ በሎ።
ጕዕዞኦም ቀጺሎም ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሑ፡ ካብ እቶም ሾብዓተ ደቁ ሓደ የማነብርሃን ዝስሙ ነቲ ዝነበሮ ቂም በቀል ስለ ዘይገደፈ ብቐዳድ ዓጽፉ ሞሊቑ ጠሓለ።
ኣብ ጕዕዞ ባሕሪ ንዓሠርተው ትሽዓተ መዓልትን ለይትን ምስ ገበሩ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝነበራ ደሴታት ብልሳን ሰብ ‘ ኣነ እየ ዝቕበሎ ኣነ’የ’ ብምባል ተቐዳደማሉ።
ኣብ 15 ታኅሣሥ አቡነ ኤዎስጣጤዎስን ደቁን ኣብ ዓጽፊ ተፃዒኖም ማእከል ባሕሪ ሰጊሮም ኣብ ንቑጽ ምድሪ በጽሑ። ኣብ ሃገረ ኣርማንያ ዝሞተ ሕፃን ንምቕባር ዝተኣከቡ ሕዝቢ፡ ነቲ ሬሳ ኣንቢሮም ብኽያቶም ኣቋሪጾም እናተገረሙ፡ ‘እዞም ብዘይ መርከብ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዝኸዱስ ሰባት ድዮም መላእኽቲ ወይስ ምትሓት፧’ በሉ። ብጕያ ናብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ቀሪቦም ሰገድሉ፡ “ንስኻ ሰብ ዲኻ ኣምላኽ፧” ኢሎም’ውን ሓተትዎ። እቲ በዓል መርከብ ድኅሪኦም ናብ ምድሪ ስለዝበጽሐ ግና ባዕሉ ነቶም ሕዝቢ ፡ ‘እዚ ኣቦ’ዚ ክርስቲያን እዩ። ዓቢይ ጸጋ እግዚአብሔር ዘለዎ ሰብ እዩ’ እናበለ ብዓውታ መስከረሉ። እቶም ሕዝቢ ብፍርህን ብምግራምን ተመሊሶም ነቲ ሬሳ ንኽቐብርዎ ከልዕልዎ ከለዉ፡ ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ናብ ሸነኽ ምሥራቕ ጠሚቱ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ‘ኦ ጐይታ ጸሎተይ ስምዓኒ፣ ከም’ቲ ንኤልያስ ጸሎቱ ሰሚዕካ ዝሞተ ሕፃን ወዲ ሰራጵታዊት ሰበይቲ ዘተንሣእካ፡ ንኣይ’ውን ጸሎተይ ስምዓኒ’ ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ምዉት በጥ ኢሉ ጸሎት ቀጸለ። ብድኅር’ዚ ነፍሲ እቲ ሕፃን ተመልሰት። እቶም ሕዝቢ በዚ ነገር እዚ እምብዛ ተገሩሙን ፈርሁን። ዜና ተኣምሩ’ውን ኣብ ምሉእ ኣርማንያ ተሰሚዑ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣርማንያ ብጽቡቕ ኣቀባብላ ተቐበሎ። ባሪኹ’ውን ትምህርተ ወንጌል ክምህር ፈቐደሉ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ናብ ምሉእ ኣርማንያ እናዞረ ብስብከቱ ንብዙኃት ኣረማውያን ናብ እምነተ ክርስትና ኣእተወ።
አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ኣርማንያ ብዙኅ ምስ መሃረን ነዊኅ ምስ ተጋደለን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ፦ “ተዝካርካ ዝገበረ፡ ገድልኻ ዝጸሓፈን፡ ዘጽሓፈን፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሓነፀ፡ ንቤተ ክርስቲያንካ ኣምኃ ዘቕረበ፡ ኣነ በረከተ ሥጋን ነፍስን ክህቦ እየ፡ መንግሥተ ሰማያት ከውርሶ እየ” ዝብል ዓቢይ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ብድኅር’ዚ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ 18 መስከረም 1345 ዓ.ም.ግ. ንደቁ ባሪኹን ኣጸናኒዑን ኣብ ኣርማንያ ብሰላም ዓረፈ።
ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቋመትኩም ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ። ልብኹም በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቕሞም ብልዒ ዘይኮነስ ብጸጋ እንተ ጸንዐ ጽቡቕ እዩ እሞ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ብጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ” ዕብ. 13፡7-9 ዝበለና ሎሚ’ውን
ንሕና ነቲ በዓል ቅዱስ ኣቦና አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝኃለፍዎ ገድልን ዝረኸብዎ ክብርን ብምስትውዓል በቲ ካብ ኣቦታትና ዝተመሃርናዮ ጸኒዕና ክንነብር ይግባኣና።
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!