ቅዱስ ኣቦ አቡነ አብሳዲ

Oct 10, 2020

ዘደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም

ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ዳብሽ እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ ፈራህያነ እግዚአብሔር ሰብ ኃዳር ነበሩ። ካህን ቶማስ ንበዅሪ ወዱ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ወለደ ንቅድስት እምነ ሰሎሜ ከይነገራ ‘ደጊም ይኣኽለኒ እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊት እያ እሞ ነታ ዘይትኃልፍ ዓለም ዘውርስ ግብረ ጽድቂ ክፍጽም እየ” ኢሉ ንኪምንኵስ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከደ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ንካህን ቶማስ “ካባኻ ዚውለዱ ቅዱሳን ውሉድ ስለ ዘለዉ ምንኵስና ክፍልኻ ኣይኮነን” በሎ እሞ ብድኅር’ዚ ናብታ እምንቲ በዓልቲ ቤቱ ተመሊሱ ብቕዱስ ሥርዓት ሰብኣይ ሰበይትን ንኣቡነ ኣብሳድን ካልኦትን ወለደ። በዚ ኸኣ ኣቡነ ኣብሳዲ ብዕለት 16 የካቲት 1277 ዓ.ም. ተወልደ እሞ ስሙ “ሃሎ ክርስቶስ” ተባህለ።

ሃሎ ክርስቶስ ብቃለ እግዚአብሔርን ብኣካልን ዓቢዩ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኾነ፡ ኅልፈተ ዓለም ተረዲኡ ናብቲ ብሥጋ ኣኮኡ ዝብጽሖ ባሕታዊ ኣባ ገብረ መስቀል (ጳውሎስ) ከደ። ኣባ ገብረ መስቀል እውን ኣመጻጽኡ ብቅኑዕ መንፈስ ምዃኑ ፈሊጡ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ሰደዶ። ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኑ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍትን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ኣጽፊፉ ተማህረ። ብድኅር’ዚ ወዲ 24 ዓመት ምስ ኮነ ኣስኬማ ዘመላእክት ብኢድ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ለበሰ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ባሪኹን መሪቑን “ኣቡነ ኣብሳዲ” ኢሉ ሰመዮ፡ ትርጕሙ ኸኣ “ኣቦ ብዙኃን” ማለት እዩ። ኣቡነ ኣብሳዲ ካብቶም ሾብዓተ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ በዅሪ እዩ።

ኣቡነ ኣብሳዲ ምስ ኵሎም ኣኅዋቱ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ብፍቕርን ብተኣዛዝነትን ብመንፈሳዊ ተጋድሎን ይነብር ነበረ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ናብ ኣርማንያ ክኸይድ ምስ ደለየ፡ ነቶም ብትሩፋቶምን ኣእምሮኦምን ብሉጻት ዝነበሩ ኣቡነ ኣብሳዲን ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቁ ኣኅሉቕ ገይሩ ሾሞም። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክሾሞም ከሎ፦ “ቡራኬን መስቀልን ንወደይ ኣቡነ ኣብሳዲ፣ ስብከተ ወንጌልን ብቐዳምነት ኣብ መንበር ምቕማጥን ዕብየትን ድማ ንወደይ መርቆሬዎስ” ኢሉ ንደቆም ተላበዎም። በዚ መሠረት ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ጊዜ፡ ፈላሲ ናይ ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ ኣብ ዝህልወሉ ንሱ ይባርኽ፡ ከምኡ’ውን ንፈላሲ ደብረ መርቆሬዎስ ኣብ ማእከል መንበር ቀሪቦም ኮፍ የብልዎ።

ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ጸሎትን ጾምን ዘዘውትር ብትሕርምቲ ንሥጋኡ ዝቀጽዕ ብቑዕ ኣቦ ብምንባሩ፡ ካብ ቅድስነቱ ዝተላዕለ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ኅቡእ ባሕታዊ ሥጋን ደምን ወልደ እግዚአብሔር ከምዘቐበሎ፣ ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ሕፃን ተመሲሉ ፃዕዳ ልብስን ወርቃዊ መጽሓፍን ከምዝሃቦ መጽሓፈ ገድሉ ይገልጽ።

ኣብነ ኣብሳዲ ብትምህርቱ ንብዙኃት መናፍቓን ረቲዑን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናዞረ ስብከተ ወንጌል ኣስፊሑን ብዙኅ ተኣምራት ገይሩን እዩ። ኣብ ከባቢ ዓረዛ ድማ ንሰብዓ  (70) ዓመታት ተቐሚጡ ብዙኅ ስለዝተጋደለላ ክሳብ ሎሚ እዛ ቦታ ሰብዓ ትብሃል።

ሓደ እዋን ኣብታ ተኣምራት ዝገበረላ ቦታ ከሎ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ፡- “ካብዛ እምባ ንወገን ሰሜን ዘላ ቦታ ባሪኸልካ እየ እሞ ምስ ደቅኻ ኣብኣ ንበር” ኢሉ ሓበረሉ። እዛ ቦታ’ዚኣ ድማ ሎሚ ደብረ ማርያም ደብረ ክሳሄ ትበሃል ዘላ እያ። ‘ክሳሄ’ ማለት ምዑዝ ዝጨናኡ ሮዛ ዕንባባ ማለት እዩ። ‘ደብረ ክሳሄ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ካብቲ ገዳም ዝተገደመሉ እምባ ወግረ ክሳሄ ዝተወስደ እዩ። ከባቢ ናይቲ እምባ ኸኣ ደብረ ማርያም እናተባህለ ይፍለጥ። 

ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ድኅሪ ናይ ነዊኅ ዓመታት ተጋድሎ ዕለተ ዕረፍቱ ከም ዝኣኸለ ምስ ፈለጠ ንደቁ ቃል ምዕዳን ሂቡ ብድኅሪኡ ንኣቡነ ዘካርያስ ሸመሎም።
ብድኅር’ዚ ካብ ልዑል እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሉ 30 መስከረም ብሰላም ዓረፈ።

ዝክረ ዕረፍቱ ድማ ዓመት መጽአ 30 መስከረም ብኽብሪ ይበዓል። ምስቲ ገዳሙ ዝተኃኃዝ ገለ ካብ ዝተወህቦ ቃል ኪዳን፦ “ኀባ ጽላሎታ ዘበጽሓ ኢይሬኢ ደይነ/ ኣብ ጽላሎት ናይታ ጎቦ ዝበጽሐ ሰብ ደይን (ሲኦል) ኣይኣቱን እዩ። ኣብ ዕለት ዕረፍትኻ 30 መስከረም ናብ ገዳምካ ዝነገደ ኢየሩሳሌም ከም ዝነገደ እዩ . . . ” ዝብል ስለዘለዎ ሕዝበ ክርስቲያን በረኸት ቃል ኪዳኑ ንምስታፍ ናብ ገዳሙ ደብረ ማርያም ወደብረ ክሳሄ ይነግዱ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዱቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘመነ ማቴዎስ 18 ጥቅምት 2013 ዓ.ም…

October
Wednesday
28
ዝክር፦ ቴዎፍሎስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወሮማኖስ ሰማዕት፡ ወዮሐንስ፡ ወአድላ፡ ወአርቴማዎስ፡ ወኤርስጦስ፡ ወሉዲኖስ፡ ወሠለስቱ ደቂቅ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ቲቶ. 1፡7-13 1ይጴጥ. 1፡3-9 ግብ. ሐዋ. 20፡31-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 35/36 ወንጌል፦ ማር. 12፡13-18 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘባስልዮስ። ***
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብወለንተኛታት ሓካይም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕክምና ዓይኒ ዘተኮረ ናይ…

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ብወለንተኛታት ሓካይም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንተማሃሮን ሠራሕተኛታትን ናይቲ ኮሌጅ ኣብ...

ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ

“ዓለምን እቲ ኵሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ።” (1ይ ዮሓ. 2፡17) ብዝብል ቅዱስ ቃል ዝምራሕ ሰብ ሥጋዊ ሹመትን ዓለማዊ ሥልማትን፡ ፍቅረ ንዋይን...

ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ

‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። (መዝ. 91፡13)   ኣብ...

ተመሃሮን ዲያቆናትን ብመዓረገ ዲቁናን ክህነትን ተቐቢኦም

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ማእከልን ንመዓርገ ዲቁናን ካህናትን ዝሓለፉ ተመሃሮን ዲያቆናትን ብብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ብፁዕ...

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ሕንጸት መንበሪ መነኮሳይያት ይካየድ…

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ንመኮሳይያት (ደቂ ኣንስትዮ) ብሓድነት እናተደጋገፋ ዝነብራሉ ሕንፀት መንበሪ ኣባይቲ መነኮሳይያት ይካየድ ኣሎ። ነዚ ኣብ...

መነቓቕሒ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ቤት ጽሕፈጥ መንበረ ፓትርያርክ ዝወደቦ፡ 39 ኃለፍቲ ክፍልታት፡ ሊቃነ ካህናትን ካልኦትን ኣባላት ክሳተውዎ ዚጸንሑ መነቓቕሒ ሥልጠና ብዓርቢ ዕለት 06 ጥቅምት...

ኣብ ህልው ኩነታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝዝቲ ጉባኤ ተኻይዱ

05 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ (16 ጥቅምት 2020 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ድማ ኣብ ባጀታዊ ኣሰራርሓን እዋናዊ ጽልዋ...

“ብጸሎት ጻድቕ፡ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” - ቅዱስ…

ቅዱስ መጽሓፍ “ብጸሎት ጻድቕ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” ከምዝብል ንሕዝበ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ጻድቃን መንፈሳዊ ፍቕርን ጽንዓት ሃይማኖትን ፍጹም ትዕግሥትን...

ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፂሩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ፡...

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ገዳምን...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥቅምት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ጥቅምት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ኅዳር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥቅምት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፩ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ወ፫ቱ...

ቅዱስ ኣቦ አቡነ አብሳዲ

ዘደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ዳብሽ እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...