ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ

Oct 23, 2020

‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። (መዝ. 91፡13)
 

ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ኣግዓዚ መንፈሳዊ ፍሬ ኣገልግሎትን ምንኵስናዊ ሕይወትን ዘፍረዩ ትሽዓተ ቅዱሳን እዮም። ሓደ ካብዞም ቅዱሳን ከኣ ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ እዩ። ኣቡነ ኣረጋዊ ትውልድ ሃገሩ ሮም ኮይኑ ካብ ንጉሣዊ ቤተ ሰብ እዩ ተወሊዱ። ወለዱ ኣቦኡ ይስሓቅን ኣደኡ እድናን ፈሪሀ እግዚአብሔር ዝነበሮም ቅዱሳን ነበሩ። ወለዱ ብጥበብን ፍርሃት እግዚአብሔርን፡ ብትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥነ ምግባርን ምስ ኣዕበይዎ፡ ገና ሕፃን ከሎ ነቲ ‘ ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኦ እንታይ ይጠቕሞ’ ማቴ. 10፡26 ዝብል ኣምላኻዊ ቓል መሠረት ብምግባር ምድራዊ ንጉሥነት ገዲፉ ሰማያዊ መንግሥቲ መረጸ።

ካብ ሃገሩ ሮማ ናብቲ ኣባ ጳኵሚስ ዝርከበሉ ዓቢይ ገዳም “ዳውናስ” ዝተባህለ ኸደ። ቅዱስ ኣባ ጳኵሚስ ረድኤት እግዚአብሔር ዝኃደሮ ሕፃን ምዃኑ ብመንፈስ ፈሊጡ ምስ ርኣዮ ኣዝዩ ተሓጐሰ፣ ምኽንያት መምጽኢኡ’ውን ሓተቶ።

ኣቡነ ኣረጋዊ መምጽኢኡ ንምንስና ምዃኑ ነገሮ። ኣቡነ ጳኵሚስ ከኣ ‘ዝወደይ ምንስና ቐሊል ስለዘይኮነ ኣይትኽእሎን ኢኻ. . . ’ ምስ በሎ፣ ‘አመክረኒ ፈትነኒ’ በሎ። በዚ ተሰማሚዖም፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ብጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ትግሃትን ተራድኦን ልዕሊ ኵሎም ፈለስቲ ኮነ። ኣቡነ ጳኵሚስ ድማ ነዚ ዅሉ ትግሃቱ ርእዩ፡ ኣስኬማ ዘመላእክት ልብሰ ምንስና ኣልበሶ። ‘ንምንስና ኣቦታተይ ኣባ እንጦንስን ኣባ መቃርስን ዝባረኸ እግዚአብሔር ኣስኬማኻ ይባርኽ’ ኢሉ’ውን መረቖ። ብጣዕሚ ፈታው ጽድቂ ኾይኑ ብጾምን ጸሎትን ተጊሁ የገልግል ስለዝነበረ ካብ ኵሎም መነኮሳት በሊጹ ተራእየ። በዚ ኸኣ እቶም ናይ መንፈስ ኣኅዋቱ ተደኒቖም እዝስ ብጸጋ ዓብዩና ብምባል “ኣረጋዊ” ኢሎም ጸውዕዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ዘሚካኤል ዝብል ስሙ ‘ኣረጋዊ’ ብዝብል ስም ተተክአ።

ጻድቕ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስቶም ሾሞንተ ቕዱሳን ኮይኑ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተኸስተ ሓድሽ ‘ክልኤ ባህርይ’ ዝብል ትምህርቲ ብምቅዋሙ መከራ ስለዝጸንዖ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ተሰዲዱ መጽአ። እዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ብሓንሳእ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንስና ንምዝርጋሕን መንፈስ ቅዱስ ነናብ ዝመርሖም ተፈላለዩ። በዚ ኸኣ ንኣቡነ ኣረጋዊ ቦታኡ ካብ ኣክሱም 70 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ምሥራቅ እትርከብ ደብረ ዳሞ ኾነት። ደብረ ዳሞ እምብዛ ነዊኅ ጎቦ ብምዃኑ ንምድያቡ ስለዘጸገሞ፡ ንከደይቦ ናብ እግዚአብሔር ጸለየ። ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ሠላሳ ሜትሮ ዝቑመቱ ገበል ከደይቦ ተኣዚዝሉ መጽአ። ኣቡነ ኣረጋዊ ነቲ ገበል ‘ጭራኻ ኣውርዶ’ሞ ኣደይበኒ’ በሎ። እቲ ገበል ግና ነቲ ጭራኡ ኣብ ፍርቂ ጸድፊ ጥራይ በጺሑ፡ ብልሳን ሰብ ‘ኣንታ ፈላሲ፡ ኣብዚ እምባ እዚ ብዘይካ ዝነፍሩ ኣዕዋፍ፡ ትበልዖ እንጌራ ይኹን ትሰትዩ ማይ፡ ወይ ድማ ተጽልለሉ ዕንፀይትን ገረብን የልቦን። ብመዓልቲ ፀሓይ፡ ብለይቲ ቍርን ኣሳሓይታን እዩ፡ ናይዚ እምባ’ዚ ጥሪትን ሃብትን እዚኣቶም ጥራይ እዮም’ ክብል ተዛረቦ። ኣቡነ ኣረርዊ ግን ‘ዝተኣዘዝካዮ ጥራይ ፈጽም፡ እግዚአብሔር እቲ ዝደለናዮ ኣየስእነናን’ዩ’ በሎ’ሞ ብኡ ንብኡ ጭራኡ ኣውሪዱ ኣብ መዓንጣ ኣቡነ ኣረጋዊ ብምጥምጣም፡ ብሓንሳእ ኣብ’ቲ ርእሲ እቲ ቅዱስ ደብሪ ኣደየቦ። እዚ ዅሉ እናተፈጸመ፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል እቲ ተመን ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣረጋዊ ክፉእ ነገር ምእንቲ ከይፍጽምን ከየፍርሖን ብየማናይ ኢዱ ሴፍ መዚዙ ይሕልዎ ነበረ። ረድኡ ኣባ ማትያስን ካልኦት ስዓብቱን’ውን እናረኣዩ ይድነቑን ነበሩ።

 ዕለት 12 ጥቅምት ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ዝባን’ዚ ደብሪ ምስ በጽሐ፡ ሠለስተ ጊዜ “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ወለመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ኣመስገነ። በዚ ኸኣ እዚ ደብሪ’ዚ፡ “ደብረ ሃሌ ሉያ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ‘ደብረ ዳሞ’ እናተባህለ ዝጽወዓሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ሃጸይ ገብረ መስቀል መደያይቦ ሠሪሑ ንኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ረኸቦ፡ ንኣቡነ ኣረጋዊ ‘እዚ መደያይቦ ከፍርሶ ዶ ዋላስ ከም ዘለዎ ይኹን’ በሎ። ኣቡነ ኣረጋዊ ግና መደያይቦ ኪገብረሉ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ እዚ ጌርካዮ ዘሎኻ መደያይቦ “ዳህምሞ (ኣፍርሶ)” ምስ በሎ፡ በዚ “ደብረ ዳህምሞ” ይበሃል ነይሩ፡ ምስ ምንዋኅ ጊዜ ‘ደብረ ዳሞ’ ተባህለ።

 

ኣቡነ ኣረጋዊ ማኅበር ሓድነት መሥሪቱ፡ ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ኣፍረየ። ኣብ ዘመኑ ክሳዕ 659 ዝበጽሑ መናንያን ኣብዚ ደብረ ዳሞ ከምዝነበሩ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከምቲ እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ዝኣትወሎም ንኣቡነ ኣረጋዊ ድማ ኣብ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ኣብ 99 ዓመት ዕድመኡ 14 ጥቅምት ከኣ ኣቡነ ኣረጋዊ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጸናኒዑ ናብ በዓቱ ኣትዩ እናጸለየ ከሎ ገጽ ሞት ከይረኣየ ተሠወረ። ክሳዕ ጊዜ ምጽኣት ከይሞተ ከም ዝጸንሕ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር።
 

ክሳዕ ሕጂ ኣብ ገዳሙ ብጸሎቱ ዝወፅአ ማይ ጸሎት ዝተፈላለዩ ሕማማት ይፍውስ ኣሎ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

 

ዘመነ ማቴዎስ 25 ኅዳር 2013 ዓ.ም.…

December
Friday
4
ዝክር፦ መርቆሬዎስ፡ ወአቃርዮስ፡ ወሮማኖስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 2ይ ቆሮ. 7፡4-11 2ይጴጥ. 1፡1-8 ግብ. ሐዋ. 16፡22-27 ምስባክ፦ መዝ. 82/83 ወንጌል፦ ሉቃ. 21፡12-19 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...