ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ

Oct 24, 2020

“ዓለምን እቲ ኵሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ።” (1ይ ዮሓ. 2፡17) ብዝብል ቅዱስ ቃል ዝምራሕ ሰብ ሥጋዊ ሹመትን ዓለማዊ ሥልማትን፡ ፍቅረ ንዋይን ኣይምነን እዩ። ነዚ ብግብሪ ፈጺሞም ዘመስከሩ ብዙኃት ቅዱሳን ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኦም ቅዱስ ገብረክርስቶስ መርዓዊ እዩ። ትውልዲ ሃገሩ ቍስጥንጥንያ ክኸውን ከሎ፡ ኣቦኡ ንጉሥ ሃገረ ቍስጥንጥንያ ቴዎዶስዮስ፡ ኣዲኡ ንግሥቲ መርኬዛ ይብሃሉ። ፈራህያነ እግዚአብሔር፡ ገበርተ ሠናይ ርኅሩኃት ፈተውቲ ድኻታት፡ ተቐባልቲ ኣጋይሽ ነበሩ። ከም ሓሳቦም ኃድግን ወራሲ ዙፋን ምድራዊ መንግሥቶምን ዝኸውን ውላድ ክህቦም ናብ ኢየሩሳሌም ከይዶም መብጽዓ ኣተዉ። ልዑል እግዚኣብሔር ድማ ልማኖኦምን ጸሎቶምን ሰሚዑ ብሩክ ውላድ ሃቦም። ስሙ “ዓብደል መሢሕ” ማለት ገብረክርስቶስ ሰመይዎ።

ብፈሪሀ እግዚኣብሔር ሠሪዖምን ቀጺዖምን ኵሉ ሥጋውን መንፈሳውን ትምህርቲ ብምምሃር ኣዕበይዎ። ዓቅመ ኣዳም ምስ በጽሐ ንጓል ንጉሥ ሮማ ኣሕፀይዎ። ብድኅር'ዚ ከምቲ ንመርዓውን መርዓትን ዝግባእ ክብሪ ብክርስቲያናዊ ሥርዓተ መርዓ ዓቢይ ሓጐስ ገበሩ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ቅዱስ ገብረክርስቶስ ናብቲ መርዓቱ ዘላቶ ቤት ብምእታው “እግዚኣብሔር ምሳኺ ይኹን፣ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ፈተና ጸላኤ ሠናይት ድማ ይሓሉኺ” በላ። “ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ፧ ምስ መን’ከ ተኃድገኒ ኣሎኻ፧” በለቶ። ንሱ ኸኣ “ኣነ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ እኸይድ ኣሎኹ። እዚ ምድራዊ መንግሥቲ ኣቦይ ኃላፊ እዩ። ንስኺ ግና ነቲ ዝኣተናዮ ኺዳን ሓልዊ” በላ። ብድኅር'ዚ ኣይመለሰትሉን ክትክልክሎ'ውን ኣይከኣለትን። ካብታ ለይቲ እቲኣ ኣትኂዙ ዅሎም ኣዝማዱን ኣዕሩኽቱን ብድቁሳቶም ካብ ቤቱ ወፅአ። ናይዚ ዓለም ሹመትን ሽልማትን ንዒቑ፡ ንፈጣሪኡ ክርስቶስ ንምግልጋል ቈረጸ፣ ብመንፈሳዊ ተግባር ንኽመስሎ'ውን ወሰነ። ብመርከብ ተሳፊሩ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ኣምርሐ።

ንጽባሒቱ ሥድራኡ ተንሢኦም ምስ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን እንተኸድዎ እንትርፎ መርዓት ንሱ ኣይጸንሖምን። እቲ ዝኾነ ዘበለ'ውን እታ መርዓት ነገረቶም ፣ ኣዝዮም ከኣ ጐሃዩ። ኣቦኡ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ኣብ ኵሉ ሃገራት ክደልይዎ ወተሃደራቱ ኣዋፈረ። ግናኸ ኣይረኸብዎን። ቅዱስ ገብረክርስቶስ ግን ድኅሪ ነዊኅ ጒዕዞን ናይ ሓደ ዓመት ጊዜን "ኣርማንያ" እትብሃል ሃገር በጽሐ። ኣብኣ ድማ ሓንቲ ብስም አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሓንፀት ቤተ ክርስቲያን ነበረት። ምስቶም ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ነዳያን ተጸንቢሩ ብዙኅ ስቓይን መከራን የኅልፍ ነበረ። ብጽኑዕ ጾምን ጸሎትን፣ ብብዝኂ ጥምየትን ሽግርን ኅብሪ ቆርበት ገጹ ፍጹም ተቐይሩ ነበረ። እቶም ኣቦኡ ዝለኣኾም ወተሃደራት ናብቲ ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ንዅሎም ኣብኡ ዝነበሩ ነዳያን ብዛዕባኡ ሓቲቶም ገንዘብ ሃብዎም። ንሱ'ውን ምስኣቶም ተቐበለ። ነዚ ዅሉ መከራ ብምቕባሉን ምጽዋት ካብ ገንዘብ ኣቦኡ ምቕባሉን ተሓጐሰ፣ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ'ውን ኣመስገነን። ብፍጹም መንፈሳውነትን ተጋድሎን ከምዚ ኢሉ ንኣስታት 15 ዓመት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ተቐመጠ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሓደ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግል ካህን ተገሊጻ “ጽባሕ ናብቲ ነዳያን ዘለውዎ ኼድካ ብጾምን ጸሎትን ንእግዚአብሔር ዘሥመረ ብፁዕ ሰብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ምሳኻ ውሰዶ፡ ማኅደሩ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ይኹን” በለቶ። ኸምቲ ዝበለቶ ድማ ገበረ። እዚ ነገር'ዚ ኣብ ኵሉ ምስ ተሰምዐ ግና ከምዚ እናበለ ጸለየ፥ "ኦ ርኅርኅተ ሕሊና ዅሉ ምሥጢረይ ኣግሃድክለይ፣ ስለዚ ኣብቲ ኽኸዶ ዝግብኣኒ ዝኅሸኒ ቦታ ምርሕኒ" ኢሉ ሥዕላ ተሣሊሙ  ብለይቲ ሰብ ከይረኣዮን ከይፈለጦን ገሥገሠ።

ኣብ ገምገም ባሕሪ ምስ በጽሐ ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ መርከብ ተሳፈረ። ብፈቃደ እግዚአብሔር ነታ መርከብ ኃያል ነፋስ እናኣጋፍዐ ኣንፈታ ቐይሩ ናብ ሃገር ቍስጥንጥንያ ወሰዳ። ጻድቕ ገብረክርስቶስ ዓደቦኡ በጺሑ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኣቦኡ ተቐመጠ። መልክዑ ብምሒር መከራን ሽግርን ፍጹም ተቀይሩ ነበረ'ሞ ከለልዮ ዝክእል ዝኾነ ሰብ ኣይነበረን።

ብድኅር'ዚ ወተሃደራት ተረፍ መግቢ ይህብዎ ነበሩ። ናብዚ ንምንታይ መጺኻ እናበሉ ሓንሳእ ይጸርፍዎ፣ ይጸፍዕዎ፣ ይሸንሉ ኣብ ልዕሊኡ ብዙኅ ግፍዕታት ይፍጽሙ ነበሩ። ከምዚ እናበለ ድማ ብብዙኅ ስቓይን መከራን 12 ዓመት ኣብ ቤት ኣቦኡ ነበረ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ቅድሚ ዕረፍቱ መጺኡ ኸም ኵሎም ቅዱሳን "ስሙ ንዝጽውዕ፣ ብስሙ ንድኻታት ንዝምጽውት፣ ብስሙ ሠናይ ዝገብር፣ ቤተ ክርስቲያን ዝሓንፅ፣ ክምሕረልካ እየ" ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ።  ቅድሚ ዕረፍቱ ነቶም ወተሃደራት ወረቐትን ብርዕን ከምጽኡሉ ለመኖም እሞ ኣምጽኡሉ። ኣብዚ ወረቐት ድማ ንታሪኽ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ኣጽሓፎ። ነዛ ወረቀት ኣብ ኢዱ ኂዝዋ ብሰላም ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ብ14 ጥቅምቲ ዓሪፉ ካብዛ ኃላፊትን ጊዜያዊትን ዓለም ናብታ ዘይትኃልፍን ዘለዓለማዊትን ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ኃለፈ። ቅዱሳን መላእኽቲ ብኽብርን ምስጋናን ነፍሱ ናብ ገነት ኣእተዉዋ።

ብድኅር'ዚ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ቴዎፍሎስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንሥርዓት ቅዳሴ እናተዳለወ ኸሎ “ነቲ ብእሴ እግዚአብሔር ካብ ቤት ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ኣምጽኣዮ” ዝብል ቃል ሰምዐ። ኸይዱ እንተ ኣረጋገጸ ድማ ሓቂ ኾይኑ ረኸቦ። ጸሎት ተገይሩ ነታ ዝጸሓፋ ወረቐት ካብ ኢዱ ወሲዱ እቲ ሊቀ ጳጳሳት ኣንበባ። ኵሎም ነቲ ዝኾነ ምስ ሰምዑ ኣምሪሮም በኸዩ። ንኣቦኡ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ድማ ሃቦ። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ኣንቢቡ ወዱ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፣ ንሱን ሰበይቱ መርኬዛን መርዓት ወዶም’ውን ኣምሪሮም በኸዩ። ሥጋኡ ብኽብሪ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎ። ሥጋኡ ምስ ተንከፉ ብዙኃን ሕሙማትን ድዉያትን ሓወዩ። ቤተሰቡን ሕዝቢ እቲ ሃገርን ድማ ነዚ ነገር'ዚ ርእዮም ንእግዚኣብሔር ኣመስገንዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓመድ ኣዳም ኣልበስዎ።

ቅዱስ ኣቦና ገብረክርስቶስ መርዓዊ ብጸሎቱ ኣይፈለየና።

 

ዘመነ ማቴዎስ 25 ኅዳር 2013 ዓ.ም.…

December
Friday
4
ዝክር፦ መርቆሬዎስ፡ ወአቃርዮስ፡ ወሮማኖስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 2ይ ቆሮ. 7፡4-11 2ይጴጥ. 1፡1-8 ግብ. ሐዋ. 16፡22-27 ምስባክ፦ መዝ. 82/83 ወንጌል፦ ሉቃ. 21፡12-19 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...