ሓዋርያ እንድርያስ፡ ምስቶም ዓሠርተው ሓደ ደቀ መዛሙርት ንዅሉ ገዲፉ ብምስዓብ፡ ጐይታ ኣብ ዝወዓሎ ይውዕልን ኣብ ዝኃደሮ ይኃድርን ነበረ። ኣብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝተገልጸ፡ ነቲ ዝበርከተ ኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣ ንናብ ጐይታ ኣቕሪቡ ዘባረኸ ንሱ እዩ። (ዮሓ. 6፡8) እቶም ካብ ሰብ ግሪኽ ካብቶም ኣረማውያን ተፈልዮም ኪሰግዱ ኣብ በዓል ፋሲካ ዝመጽኡ ሕዝቢ፡ ‘ንጐይታ ኢየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኢና’ ምስ በሉ፡ ተቐቢሉ ምስ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘራኸቦም ንሱ እዩ። (ዮሓ. 12፡20-22)
• ‘እንድርያስ’ ማለት ተባዕ ለመስቀል ማለት እዩ።
ሓዋርያ እንድርያስ፡ ድኅሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ ሀገረ ስብከቱ ልድያን ዝተፈላለያ ሀገረ ስብከታትን ቃለ ወንጌል እናሰበኸ፡ ዕፁብ ድንቂ ተኣምራት እናገበረን ትሩፋት እናፈጸመን ነቶም ሕዝቢ ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ድማ ናብ ገቢረ ጽድቂ ይመልሶም ነበረ።
ጣዕመ ስብከቱን ዜና ተኣምራቱን ናብ ኵለን ሀገረ ስብከታት ምስ በጽሐ፡ በቶም ልቡናኦም ዝዓጸዉ ሰባት ብዙኅ ጸዋትወ መከራ ወረዶ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ግሪኽ፡ ዞባ ኣካይያ ጳጥራስ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብ4 ታኅሣሥ ካብ ቤት ማእሠርቲ ኣውፂኦም ብመልክዕ x (ኤክስ) ፊደል ኣብ መስቀል ሰቒሎም፡ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ክሳዕ እትፍለ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ብሰማዕትነት ኣኅለፍዎ። በረኸት ተሳተፉ ዝበሎም ምእመናን ከኣ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ብኽብሪ ቐበርዎ።
በረኸት ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ምስ ኵልና ይኹን።
ሰላም ለከ ረድአ ኢየሱስ ኬንያ፣
እንተ ሰበከ ወንጌሎ ወመሀርከ በኒቆምድያ፣
እዜምር ለከ ወእየብብ በሃሌ ሉያ፣
አንቅሐኒ እምሀኬትየ እንድርያስ ሐዋርያ፣
ከመ በእዴከ ነቅሐት እሙታን ልድያ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
* * *