ቅዱስ ገብርኤል ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተላእከሉ ምሥጢር ረቂቅ እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣረጋዊ ዮሴፍ እናተቀመጠት ከላ ማይ ኽትቀድሕ ናብ ሩባ በጺሓ ክትምለስ ከላ ጐይታ ‘ሑር አብሥራ ለእምየ ማርያም ከመ እትወለድ እምኔሃ’ ካብኣ ንኽውለድ ኬድካ ንድንግል ማርያም ንገራ፡ ኢሉ ንቅዱስ ገብርኤል ለኣኾ። ብዛዕባዚ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ‘’ኣብ ሻድሸይቲ ወርኂ ገብርኤል መልአኽ ናብ ናዝሬት እትበሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ እግዚአብሔር ተላእከ’’ ኢሉ ኣሎ። ሉቃ. 1፡26-27
ሻዱሻይ ወርኂ ዝተባህለ፦ ንጊዜኡ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ካብ ዝፅነስ ወርኂ መስከረም ተጸብጺቡ ጐይታ ኣብ 29 መጋቢት ስለዝተፀንሰ እዩ። ፍጻሜኡ ግና ነቲ ኣብ ሻዱሻይ መዓልቲ (ዓርቢ) ዝተፈጥረ ኣዳም ንምድኃን ከም ዝመጸ ንምርዳእ እዩ። ከምኡ’ውን 5500 ዓመት ተፈጺሙ ኣብ ሻድሻይ ሽሕ ዘመን መልአኽ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ካብ ጐይታ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተላእከ ማለት ምዃኑ መተርጉማነ መጻሕፍት የረድኡ።
ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ብሥራት ኣስምዓ’ሞ ሰሚዓ ከደት። ደጊሙ ኣብ ቤታ ኣትያ ዕትሮኣ ከተውርድ ከላ ‘ክትፀንሲ’ ኢኺ በላ። ንሳ ድማ እዚ ነገር`ዚ ደጊሙኒ ኣሎ፣ ዓቢይ ነገር ኣብ ቅዱስ ቦታ ኴንካ ክትርድኦ እዩ ዝግባእ ኢላ ናብ ቤት መቅደስ ኣትያ ዝተኻፈለቶ ወርቅን ሃርን ኣሰማሚዓ ክትፈትል ከላ መልአኽ ‘ብኣምሳል ሠያብ ኣረጋዊ’ ተራኣያ። 3ተ ጊዜ ዝተራእያ፡ ንጊዜኡ ሰይጣን እንተኾይኑ ሓደ ጊዜ ተራእዩ ይጠፍእ እዩ እሞ ብርሃናዊ መልኣኽ ምዃኑ ንምርግጋጽ ክኸውን ከሎ ፍጻሜኡ ግና መኅደሪ ቅድስት ሥላሴ ምዃና ንኸፍልጥ እዩ። (ሉቃ. 1፡35፣ ማቴ 18፡16)
ኣቐዲሙ ኣብ ነቢይ ሚልኪያስ ኃዲሩ ‘እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት እንሆ ኣነ ልኡኸይ ኣሎኹ፡ ንሱ ቀቅድመይ መንገዲ ክጸርግ እዩ፡ ብኡ ብኡ ከኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፡ እቲ እትናፍቕዎ መልአኽ ኪዳነይ ኬበሥር እንሆ ይመጽእ ኣሎ፡ ይብል ኣሎ’(ሚል 3፡1) ብምባል ወዲ ሰብ ብተስፋ ይጽበዮ ንዝነበረ፡ ቀዳሞት ኣበው ነቢያት ዝተነበይዎ ፣ ሥጋዌ ወልደ እግዚአብሔር ንምብሣር ንቅዱስ ገብርኤል ኣቐዲሙ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ንብሥራት ብምልኣኽ ኣብ ኣማናዊት መቕደስ ኣብ ማኅፀነ ድንግል ማርያም 9ተ ወርኅን 5ተ መዓልትን ኃደረ። ከምቲ ንጉሥ ናብ ኣዳራሹ ክኣቱ ከሎ ኣንጽፉ ኣዳልዉ ንኽብል ልኡኻት ኣቐዲሙ ዝሰድድ፡ ጐይታ ድማ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ስለ ዝኾነ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ንጽሕቲ መቅደስ ስለ ዝኾነት፡ ነገሩ ኣቐዲማ ኣጸቢቃ ተረዲኣ ክትጸንሖ ብምባል ንቅዱስ ገብርኤል ለኣኾ። (ሉቃ. 1፡26) ***
ኣባ ሕርያቆስ ውን ኣብ ቅዳሴ ማርያም ‘እግዚኣብሔር ንጽሕናኺ ምስ ረኣየ ገብርኤል ዝተባህለ ናይ ጸልማት ዘይኮነ ናይ ብርሃን፡ ተራ ዘይኮነ ሊቀ መላእክት መልአኽ ናባኺ ለኣኸ።” ይብል።
ኣብቲ ብምኽንያት ስሕተት ኣዳምን ሔዋንን ደቂ ሰባት ጸጋኡ ተገፊፉ፡ ዲያብሎስ ንልቦም ዙፋን ንሰብነቶም ድንኳን ጌሩ ኃጢአት ከሥርሖም ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ኣብ ልዕሊ ርደተ መቃብር ርደተ ሲኦል ዝወርድሉ ዝነበሩ፣ ነቢያት ‘ወኮነ ርኩሳነ ኵልነ ወከመ ጸርቀ ትክቶ ኵሉ ጽድቅነ / ኵላትና እነጸይፍን እነፈንፍንን ኮንና ኵሉ ጽድቅናውን ከም መርገም ጨርቂ ኮነ” (ኢሳ. 64፡6)፣ ‘ደቀሰት ነፍስየ እምኀዘን / ሰብነተይ ካብ ኃዘን ዝተላዕለ ደቀሰት’ መዝ፻፲፰፡፳፰ / 119፡28 / ብምባል ናይ ኃዘንን መከራን መሪር ብኽያት ኣብ ዝበኽዩሉ ዘመን በይና ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝኾነ ይኹን ናይ ጸጋ ጕድለት ዘይብላ ኣቐዲማ ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓለወት ብምዃና ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ‘’ኦ ጸጋ ዝተመላእኪ ደስ ይበልኪ’’ በላ እምበር ንመጻኢ ክመልኣኪ እዩ ኣይበላን። (ሉቃ. 1፡28) ብትንቢተ ነቢያትን ብተልእኾ መላእክትን ፍጹም ደስ ኢልዋ ዝነበረት ብምዃና ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ከብሥራ ከሎ ናይ ሓጐሳ ዕጽፍን ድርብን ዝኾነ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን እትወልዶ ስለ ዝኾነት ‘ተፈሥሒ ፍሥሕት’ በላ።
ቅዱስ ገብርኤል ብዙኅ ቅጽል ስም ኣለዎ፦
መጋቤ ሓዲስ፦ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንዝተፈጸመ ሥጋዌ ወልደ እግዚአብሔር ዘብሠረ መልአኽ ስለ ዝኾነ። ኣቐዲሙ ቅዱስ ሚካኤል ንእስራኤል ዘሥጋ ኣብ ምድረ በዳ መና ስለ ዝመገቦምን ዝመርሖምን መጋቤ ብሉይ ከምዝተባህለ፡ ቅዱስ ገብርኤል ድማ ንእስራኤል ዘነፍስ ናይ ሓዲስ ኪዳን መራሒ ኮይኑ ሥጋይ ብልዑ፡ ደመይ ስተዩ ናይ ዝብል ክርስቶስ ፅንሲ ኣበሢሩ እዩ እሞ ‘መጋቤ ሓዲስ’ ተባህለ። (ማቴ. 26፡26-28፣ ሉቃ. 1፡26)
መልአከ ብሥራት፦ ብሥራት ኂዙ ስለ ዝመጽአ፣ (ሉቃ1፡11/ ሉቃ1፡26)
መልአከ አድኅኖ፦ ንድኅነት ዝፍኖ መልአኽ ስለ ዝኾነ፣ (ዳን. 6፡21)
መልአከ ምሕረት፦ ብማየ ጸሎቱ ብቃል ኪዳኑ ዝምሕር ስለ ዝኾነ፣ (ዮሐ. 9፡7)
መልአከ ጠል፦ ናብ ሓዊ ንዝተደርበዩ ነቲ ሓዊ ናብ ጠሊ ‘ቆራሪ’ ለዊጡ ስለ ዘናግፍ፣ (ዳን. 3፡25)
መልአከ ፍሥሐ፦ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ (ብሥራት) ስለዝጸውር፣ ከምኡ’ውን ‘ተፈሥሒ ተፈሥሒ’ እናበለ ስለ ዘብሠረን። (ሉቃ 1፡28)
መልአከ ሰላም፦ ኣብ ዓለመ መላእክት፡ መን እዩ ፈጣሪና ኢሎም ኣብ ዝተናወጽሉ ሰላም ስለ ዝገበረ፣ (ኢሳ. 14፡12፣ ማቴ 5፡9)
ፍጡነ ረድኤት፦ ከም ኵሎም መላእኽቲ ንረድኤት ደቂ ሰባት ዝፈጥን ስለ ዝኾነ፣ (መዝ. 34፡7፣ ዕብ. 1፡14)
ስለዚ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቆይመ ዘገልግል ገብርኤል እየ” (ሉቃ 1፡19) ከም ዝበለ ካብቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብጸሎት ብረድኤት ብልማኖ ምእንቲ ደቂ ሰባት ዝቖሙ ሓደ ንሱ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል እዩ’ሞ፡ ብቓል ኪዳኑ ተወኪልና ስሙ ጸዊዕና ዝኽሩ ዘኪርና ማየ ጸሎቱ ተሓጺብና፣ ጸበሉ ሰቲና በረኸቱ ክንሳተፍ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹን!
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል።
***