“ጽንዓት ኣብ ሃይማኖት” - ሶፍያ ምስ ሠለስተ ደቃ

Feb 08, 2021

ኣብ ሃገረ ኣንጾክያ ሶፍያ ዝስማ ቅድስት ኣደ ነበረት። ደቃ ሠለስተ ኣዋልድ ኮይነን ‘ጲስጢስ፡ ኣላጲስ፡ ኣጋጲስ’ ይበሃላ። ትርጓሜ ስመን ድማ እምነት፡ተስፋ፡ፍቅሪ ማለት እዩ። ሶፍያ ማለት’ውን ጥበብ ማለት እዩ። ሶፍያ ንደቃ ብጥበበ እግዚአብሔር፡ ብትምህርተ ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ኣዕበየተን።

ንደቃ ኂዛ ካብ ኣንጾክያ ናብ ሮም ምስ ከደት፡ ብመንፈሳዊ ሕይወታን ደቃን ሰባት ተደነቑ። ግናኸ ማኅደር ሰይጣን ዝኾነ ኣጢዎክስ ዝተባህለ መኰንን ሮማ፡ "ካበይ ከም ዝመጸት ዘይትፍለጥ፡ ሓንቲ ሣልሳይ ርእሳ ሰበይቲ ኣብ ከተማና ትነብር ኣላ። ኣንስትና ንኢየሱስ ክርስቶስ ከምልኻ ድኅሪ ምጥባር፡ ንምሳሕ እኳ ንገዝአን ክመጻና ኣይከኣላን። ክብሪ ኣማልክትና ብኣታተን ስሩዝ እዩ።" ክብል ናብ ንጉሥ ኣድርያኖስ ከሰሳ። ንጉሥ፡ ሠራዊቱ ኣዚዙ ንሶፍያ፡ ንበኵሪ ጓላ ጲስጢስ (ጓል 12 ዓመት)፡ ንኣላጲስ (ጓል 10 ዓመት) ከምኡ'ውን ንሕሳስ ልደ ኣጋጲስ (ጓል 8 ዓመት) ናብኡ ኣምጽአን። ንጉሥ ኣድርያኖስ፡ ብግርማ ሞገሰን ምቕራበን ስኢኑ ንኽዛረበን እናፈርሐ፡ ንሶፍያ ቅርብ ኢሉ " ንስኺ መን ኢኺ፧ ስለኺ ዝሰምዖ ዘለኹ'ኸ እንታይ እዩ፧ ንናይ ሮም ኣማልክቲ ስለምንታይ ትክሕዲ፧ ንሳቶም ንዓለም ዝፈጠሩ እዮም፡ እቲ ካብኦም ኣብሊጽኪ ተምልኽዮ መን እዩ፧ እስኪ ንገርኒ" በላ። ሶፍያ ድማ ብትብዓት " ኣነ ባርያ እግዚአብሔር ዝኾንኩ ክርስቲያናዊት እየ፡ ወለደይ ዝሃቡኒ ስም ሶፍያ እዩ፣ ብፈቃደ ጐይታይ ድማ ናብዚ ሃገር ምስ ሠለስተ ደቀይ ክመጽእ ክኢለ ኣለኹ።" ኢላ መለሰትሉ።

ብምድራዊ ሃብትን ዓለማዊ ተድላን ንክጥብረን፣ ብስቓይ ድማ ንከፈራርሐንን ኢሉ ነንበይነን ረኸበን። ንሳተን ግና በቲ ካብ ኣዲአን ዝተማህርኦ ፍቅረ ክርስቶስ ጸንዓ። ክሳዕ ሞት መከራ ንምቕባል’ውን ድልዋት ኮና። መጀመርታ ንጲስጢስ ቃል ንጉሥ ስለዘይተቐበለት ብዘስካሕክሕ ስቃይ ኣብ ዓቢ ቁራዕ ዝፈልሐ ማይ ኣእተውዋ። ነቶም ዘእተውዋ ከቃጽሎም ከሎ ንእኣ ግና ከም ዝሑል ማይ ኮነላ። ነዚ ተኣምራት ዝረኣዩ ብዙኃት ኣሚኖም ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ስለዝመጹ ብትእዛዝ ንጉሥ ክሳዳ ተሰይፋ ዓረፈት። ቀጺሎም ድማ ንኣላጲስ ኃፍታ ብዙኅ ኣሳቕዮም ሰየፍዋ። ክልተ ደቃ ኣብ ቅድሚ ዓይና ብሃይማኖተን ጸኒዐን ክሳቐያን ክስየፋን ዘይፈርሐት፡ ወላዲተን ሶፍያ በታ ሕፃን ኣጋጲስ ስለዝፈርሐት፦ ድኅሪ ሰማዕትነት ዘሎ ዓስቢ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣክሊል  ዓወትን እናዘኻኸረት ኣጽንዓታ። እቶም ጨካናት ወተሃደራት ንሕፃን ኣጋጲስ ካብ ሕቝፊ ሶፍያ መንጢሎም ብዙኅ ኣሳቐይዋ። 

ልዕሊ ቁመቶም ዝበጽሕ እሳት ኣዳለዉላ እሞ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲባ ኣተወት። ኣብ ማእከል ሓዊ 100 ፃዕዳ ክዳን ዝለበሱ ከቢቦማ ተራእዩ። እቲ ሓዊ’ውን ከም ዛዕዛዕታ ጠሊ ኮነላ። ነዚ ዝረኣዩ ካብቶም ወተሃደራትን ኣሕዛብን ኣመኑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ሕፃን ኣጋጲስን ዝኣመኑ ሰባትን ተሰዪፎም ሞቱ። ሶፍያ፡ ንሬሳ ሠለስተ ደቃ ካብ ሮም ወፃኢ ገኒዛ ቀበረት። ስለ ሃይማኖት ከመይ ዝበለ ጽንዓት እዩ! ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ናብ መቓብር ደቃ ከይዳ " ደቀየ ምሳኽን ንኽጽንብረንስ ናብ ጐይታ ለምናለይ" ክትብል ብንብዓት ነተን ብሃይማኖት ኣጽኒዓ ዘዕበየተን፡ ኣብ ሰማያት ኣክሊል ሰማዕትነት ዝተቐበላ ደቃ ንከማልዳላ ለመነተን። ጸሎታ ሰማይ ዓሪጉ ንዕለቱ ነፍሳ ካብ ሥጋኣ ተፈልያ ብኣካለ ነፍስ ምስ ደቃ ተጸንበረት። ንኣካለ ሥጋኣ ከኣ ምእመናን ምስ ደቃ ደሚሮም ቀበርዋ። “ሞቱ ለኃጥእ ጸዋግ” ከምዝብል ንጉሥ ግና ብቍስልን ምጉልን ተወሪሩ ተሳቕዩ ብኽፉእ ሞተ።

ካብዚ ታሪክ ናይዘን ናይ እምነት ጀጋኑ ሕፃናት እንታይ ኢና ንምሃር፧ ክሳብ ንሰማዕትነት ዘብጽሕ እኩል ፍልጠትን ርድኢትን ብዛዕባ ሃይማኖትና ኣለና'ዶ፧ ኣብዚ ዘመንና'ኸ ደም ከየፍሰስና ንሃይማኖትና ክንሥውዓላ እንክእል መሥዋዕቲ ጊዜና ብኸመይ ንጥቐመሉ ኣለና፧

                                                                          ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም.…

August
Wednesday
4
እንድራኒቆስ ወብእሲቱአትናስያ፡ ወተዝካረ አብርሃም ይስሓቅ ወያዕቆብ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 1ይቆሮ. 7፡1-9 1ይጴጥ. 3፡1-9 ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 27፡26-32 ምስባክ መዝ. 103/104 ወንጌል ማቴ. 13፡1-9 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ርደተ ግሥ ዘ ‘ቀተለ”

 ርእሰ አዕማድ ቀተለ- ሠራሒ/ገቢር፡ሰጋሪ (Active) transitive             ቀተለ - He killed/ he has killed ሠራዊተ አዕማድ አቃተለ- ኣሥራሒ(ሓጋዘ)/ገቢር፡ሰጋሪ (Active) transitive             ምስ ካልእ ኮይኑ ቀተለ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

ሰማዕት ቅድስት መሪና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! "ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም!" ሉቃ. 21፡19  ቅድስት መሪና፡ ካብ መምለኽቲ ጣዖት ስድራ እያ ተወሊዳ።...

“ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ” (2ይ ጢሞ. 4፡13) - ቅዱሳት መጻሕፍተ…

ጥንታውያን መጻሕፍተ ብራና፦ ብኽኢላታት ሰብ ሞያ ብኢድ ኣብ ብራና ዝተጻሕፉ፣ ናይ ሃይማኖት፡ ታሪኽ፡ ፍልስፍና፡ ምኅደራ፡ ቊጽሪ፡ ሥነ ፍልጠት፡ ሕጊ፡ ሥነ...

ኣብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅ/ድንግል ማርያም ዓዲ ዃላ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዕቃበ…

ኣብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅ/ድንግል ማርያም ዓዲ ዃላ ኣብ ዕቃበ ንብረት ( ንዋያተ ቅዱሳት) ኣብነታዊ ሥርሓት ከም ዝተኻየደ ኣመኃዳሪ ደብረ ጽዮን ቀሲስ የማነ...

ብዛዕባ ልምዓታዊ ንጥፈታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ዝምልከት መብርሂ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ንፋይናንሳውን ምምኅዳራውን ከምኡ ድማ ንዝተፈላለዩ ንጥፈታት እቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት...

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት…

13 ሐምለ 2013 ዓ.ም.ግ (20 ሐምለ 2021 ዓ.ም.ፈ) ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ...

ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ተኻይዱ!

10 ሓምለ 2013 ዓ.ም.ግ (17 ሓምለ 2021 ዓ.ም.ፈ) ብክፍሊ ትምህርት ሰንበት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተማእከለ ጉባኤ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ...

ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 7 ሓምሌ ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ገዳም ቅድስት ሥላሴ ደብረ መድኃኒት ባምቡቆ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጽኡ መነኮሳት፡...

ጸሎት በሰፊሐ እድ

በቲ ዓለም ባሕሪ ንኣይ ዘፍርሓኒእና’ኣሳገምኩ ናብ ጐይታ መድኃኒ

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ብፍጹም ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዖም ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመኑ፡ ኣብ ዓለም ዘይሮም ዝመሃሩን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ዘገልገሉ፡...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...