Print this page

ጽንዕቲ ባሕታዊት - ማርያም ግብጻዊት

Apr 14, 2021

ኣብ ወሰናስን ፈለግ ዮርዳኖስ ዝርከብ ገዳም ዝነብሩ መነኮሳት፣ ከም ልምዲ ዓመት መጸ ዓቢይ ጾም ተጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ኣብ ዘይረኣአይሉ ቦታ ብርኅቐት ተበታቲኖም፥ ብጽኑዕ ተጋድሎን ብጾምን ጸሎትን ጥራሕ ተወሲኖም የኅልፍዎ ነበሩ።

ካብዚኦም ሓደ ኣባ ዘሲማስ እዩ። ኣባ ዘሲማስ ንሱ ዝጸናንዓሉ ንኽገልጸሉ እናለመነ ኣብ በረኻ ክኸይድ ከሎ፣ ብርኁቕ ተመልከተ። ምትሃት ድዩ ሰይጣናዊ ትርኢት ኢሉ እናሓሰበ ናብ እግዚአብሔር ከብርሃሉ ለመነ እሞ ሰብ ምዃኑ ተገልጸሉ። ናብዚ ዝረኣዮ ሰብ ጐየየ። እንተኾነ እቲ ዝረኣዮ ካብ ቅድሚኡ ሃደመ። ንሱ ክጐዪ፣ እቲ ሰብ’ውን ካብኡ ክሃድም ተረባረቡ።

ብድኅር’ዚ “ኦ ዘሲማስ፡ ምሳይ ክትዘራረብ እንተ ደሊኻ፡ ዕራቐይ ስለዘለኹ ጨርቂ ሰንድወለይ ንሱ ተኸዲነ ናባኻ ክመጽእ’የ።” ዝብል ድምፂ ሰምዐ። ብስሙ ስለ ዝተጸውዐ እናተደነቐ  ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ። ንእኡ ለቢሳ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናብኡ ገጻ መጽአት። ኣብ ቅድሚኡ’ውን ሰገደት። ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚኣ ሰጊዱ ሰላም በላ። “ ንኣይ ንኃጥእት፡ ካህን ብምዃንካ ክትባርኸኒ ዝግብኣካ ንስኻ ኢኻ፡ ጸልየለይ” በለቶ።

ኣባ ዘሲማስ ድማ “ ንስኺ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝሞትኪ ምዃንኪ እርኢ ኣሎኹ። ቅድሚ ሕጂ ርኢኽኒ ዘይትፈልጥን ከሎኺ ብስመይ ጸዋዕክኒ፤ ካህን ምዃነይ’ውን ፈለጥኪ። ታሪኽክን ከድልኽን ንገርኒ” ኢሉ ኣምሪሩ ለመና። ንሳ ድማ “ሕይወተይ ንምዝንታው ኣዝዩ የኅፍረኒ እዩ። . . . ስመይ ‘ማርያም’ እበሃል። ካብ ክርስቲያን ቤተ ሰብ ኣብ እስክንድርያ ግብጺ እየ ተወሊደ። ካብ ጓል 12 ዓመት ዕድመይ ጀሚረ ን27 ዓመት ዝኣክል ብዝሙት ሕይወተይ ኣርኪሰ። ኃጢኣተይ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ንብዙኃን ኣስሒተ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ መቓብር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽሳለሙ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸዱ   ረኣኹ። ምስኦም ኃቢረ ክኸይድ ብውሽጠይ ተረበሽኩ። ንጕዕዞ ኮነ ንምግቢ ዝኽፈል ገንዘብ ኣይነበረንን ግና ሰብነተይ ንዝሙት ብምሻጥ ንመንገድን ምግበይን ዝኸውን ሰለጠኒ። ጕዕዞና ወዲእና ኢየሩሳሌም ምስ በጻሕና’ውን ግብረ ዝሙት ኣይገደፍክዎን። ምስቶም ተሳለምቲ ምእመናን ናብ መቓብር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን በቲ ኣፍ ደገ ክኣቱ ብዙኅ ፈተንኩ። ኣምላካዊ ኃይሊ ከልኪልኒ ግና ምእታው ተሳእነኒ።

ክፉእ ግብረይ ከም ዝኸልከለኒ ምስ ፈለጥኩ፡ ብመሪር ንብዓትን ዓሚቝ ኃዘንን ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ናብ መሓሪ እግዚአብሔር ኣንቃዕረርኩ። ሥዕለ ኣድኅኖ ኣብ ቅድመይ ገይረ፡ ንዅሉ ክርስቲያን እትልምኒ ወላዲተ ኣምላክ ተወሓስኒ፣ ናብ ውሽጢ ኣትየ ድልየተይ ምስ ፈጸምኩ ዝኣዘዝክኒ ክገብር እየ።” በልኩ።

ብድኅር’ዚ ናብ ውሽጢ ኣትየ፡ ከም ሰበይ ተሳሊመ ክብረ በዓል ተሳቲፈ ናብታ ሥእለ ኣድኅኖ ተመለስኩ። ኣብ ቅድሚኣ ኮይነ ድማ ‘ካብ በደለይ ርኂቐ ነፍሰይ ዘድኅነሉ ቦታ ምርሕኒ’ በልክዋ። እንሆ ድማ “ ናብ ገዳመ ዮርዳኖስ እንተኼድኪ ዕረፍትን ድኅነትን ክትረኽቢ ኢኺ” ዝብል ቃል ካብታ ሥእሊ ሰሚዐ ጕዕዞይ ጀመርኩ። ኣብ መንገዲ በተን ሓደ ተጓዓዚ ዝሃበኒ ሂደት ገንዘብ ኅብስቲ ዓዲገ ንፈለገ ዮርዳኖስ ተሳገርኩ። ካብዚ ጊዜ’ዚ ጀሚረ ክሳዕ ሎሚ ካብ ሰብ ተፈልየ ን47 ዓመት ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ኣለኹ። ነታ ኅብስት በብንእሽቶ ይምገባ ነይረ ምስ ተወድአት ሣዕረ ገዳም ተመገብኩ። ዲያብሎስ’ውን፡ ነቲ ዘኅለፍክዎ ዓለማዊ ተድላን ሥጋዊ ጣዕምን እናኣዘከረ ደጋጊሙ ይፍትነኒ ነበረ። . . . ” ኢላ ኵሉ ካብ ጥንቱ ክሳዕ ተፍጻሜቱ ነገረቶ።

ደጊማ ድማ “ንዓመታ ኣብዚ ወሰናስን ፈለግ ዮርዳኖስ ቅዱስ ቍርባን ኂዝካ ተመለሰኒ።” በለቶ። ከምዚ ዝበለቶ ድኅሪ ዓመት፡ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ከምኡ’ውን ንእሽቶይ ተምርን ዝተጸጸየ ብርስንን ኂዙ ኣብቲ ዝሓበረቶ ወሰናስን ፈለግ ዮርዳኖስ ተጸበያ። ንሳ ድማ ብማየ ማይ እናሰጐመት ናብኡ መጸት። ካብቲ ቅዱስ ምሥጢር ከኣ ኣቝረባ። ካብቲ ዘምጽኣላ ተምርን ዝተጸጸየ ብርስንን ድማ ንበረኸት ጠዓመትሉ። “ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድማ ኣብቲ መጀመርታ ዝተራኸብናሉ ቦታ ምጻእ” ኢላቶ ተፈናነዉ።

ደጊሙ ንዓመታ ናብቲ በረኻ ተመሊሱ እንተመጽአ 6 ሚያዝያ 421 ዓ.ም. ነፍሳ ካብ ሥጋኣ ተፈልያ ኣዕሪፋ፣ ኣብ ትርኣሳ ከኣ ‘ንድኽምቲ ማርያም ግብጻዊት ናብ ዝተፈጠረትሉ መሬት ቅበራ’ ዝብል ጽሑፍ ረኸበ። ‘መን ኮን መቓብራ ክዅዕተለይ እዩ’ ክብል ከሎ፡ ኣብ እግራ ኮይኑ ዝሕልዋ ዝነበረ ኣንበሳ መቃብር ኵዒትሉ ሓመድ ኣዳም ኣልበሳ።

ኣባ ዘሲማስ፡ ነቶም ገዳማውያን ንዅሉ ታሪኽ ቅድስት ማርያም ግብጻዊት ኣዘንተወሎም እሞ ንሳቶም ድማ እናተደነቑ ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖም።

በረኸታን ረድኤታን ምስ ኵልና ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ሰላም ለማርያም ህየንተ ዘረከባ ምንዳቤ፣

አንበሳ ዘኮነ በድነ ሥጋሃ ዐቃቤ፣

ቀበራ ዘሲማስ በአፅፉ እስመ አልባቲ ግልባቤ፣

ረኪቦ መልዕልተ ርእሳ መጽሐፈ ነባቤ፣

ለማርያም ግብጻዊት ቅብራ ዘይቤ።