Print this page

ቅዱስ ዘሲማስ ምስ ጻድቃን ዘብሔረ ብፁዓን

Apr 16, 2021

ቅዱስ ዘሲማስ፡ ካብ ወገን ፍልስጥኤም መፍቀርተ እግዚአብሔር ሥድራ ቤት ክርስቶስ ዝኾኑ ወለዲ ተወሊዱ። ገና ብንእስነቱ መንፈሳዊ ጥበብን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ክመሃር ናብ ኣረጋዊ መነኮስ ወሰድዎ። ኵሉ ምስ ተማህረ ዲያቆን ተሠይመ። ኣስኬማ መላእክት ኣርዑት ምንኩስና ሂቦም ኣመንኮስዎ። ቅዱስ ዘሲማስ፡ ብሃይማኖቱ ጽኑዕ፡ ብሠናይ ምግባሩ ንኡድ፡ ንምስጋና ንቑሕ፡ ንኣገልግሎት ትጉህ ኮይኑ ኣብዚ ገዳም 45 ዓመት ምስ ገበረ ሢመተ ክህነት ተቐብአ።

ብኣገልግሎተ ክህነት ን13 ዓመት ብጽኑዕ ተጋድሎ ምስ ጸንሐ፡ “ካብ ገቢረ ጽድቅ ዘይፈጸምክዎ ዝተርፈኒ እንታይ ኣሎ፧” ዝብል ናይ ርእስኻ ልዕል ምባል ሕልና ኣብ ልቦናኡ ተመላለሰ።

ዋላ’ኳ ጸላኤ ሠናያት በዚ እንተፈተኖ፡ መፍቀሬ ሰብእ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና መልኣኹ ልኢኹ ኣብ ጥቓ ባሕረ ዮርዳኖስ እትርከብ ገዳመ ዮርዳኖስ ከምዝኸይድ ገበሮ። ኣብዚ ገዳም’ዚ ካብኡ ዝበልጹ ብተጋድሎኦም ፍጹማን ዝኾኑ ኣረጋዊያን ምስ ረኣየ ንሱ ካብኦም ኣዝዩ ከምዝንእስ ተረድአ። ምስኣቶም’ውን ንብዙኅ ዓመታት ብተጋድሎ ነበረ።

ቅዱስ ዘሲማስ፡ ዝጸናንዓሉ ምእንቲ ክገልጸሉ ወትሩ ናብ እግዚአብሔር ይልምን ነበረ። ሓደ ካብቲ ዝተግልጸሉ ንቅድስት ማርያም ግብጻዊት ምርካቡ እዩ። ቅድስት ማርያም ግብጻዊት ን47 ዓመት ካብ ሰብ ተፈልያ ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝተጸምደት ኮይና ብተጋድሎኣ ተጸናኒዑ፡ ባዕሉ ኣቝሪብዋ፡ ኣንበሳ መቓብር ፍሒርሉ ባዕሉ’ውን ዝቐበራ እያ።

እቲ ካልእ ዝተገልጸሉ ድማ ኣብ መዓርገ ቅድስና በቒዑ ብዛዕባ ብሔረ ብፁዓን በጺሑ ዝጸሓፎ እዩ። ከምዝፍለጥ ካብ 20 ዓለማት ዝኾነት ካብ ኃሙሽተ ዓለመ መሬት ሓንቲ ብሔረ ብፁዓን እያ። ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ዝነብሩ ሰባት፡ ቅድም ናይ ደቂቀ እስራኤል ምርኮ ባቢሎን ምስ ኣብቅዐ፡ ሚጠት ናብ እስራኤል ምስ በጽሐ፦ “ምንት ኃጢአቱ ለይሁዳ አኮኑ ኢየሩሳሌም ወምንት ጌጋዩ ለእስራኤል አኮኑ ሰማርያ/ እዚ ኵሉ እምበር ዝበጽሓና ኢየሩሳሌም እኽሊ ተኽሊ እተብቍል ለምለም ሃገር እያ እሞ በሊዕና ካብ ጽጋብና ዝተላዕለ ኃጢኣት ስለ ዝሠራሕና’ዶ ኣይኮነን፧ ስለዚ ናብቲ ሃገር’ቲ ኣይንምለስን ኢና” ዝበሉ እዮም። በዚ ኸኣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ክኸዱ ከለዉ ኣብ ምውት ባሕሪ በጽሑ። ምውት ባሕሪ፡ ሣዕሪ ኮነ ክንቲት ደርሆ እንተ ደርበኻሉ ዘጥሕል እዩ። ንዕኦም ግና ተኸፊልሎም ተሳጊሮም ብሔረ ኣዛፍ ኣተዉ። ብሔረ ዕረፍት ማለት እዩ፣ ከምኡ’ውን ብሔረ ብፁዓን እዩ። ኣብ ብሔረ ብፁዓን ዝነብሩ ሰባት ርእሶም ንፈቃደ እግዚአብሔር ዘግዝኡ ብአምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዖም፣ ሥጋ ካብ ምብላዕ፡ መስተ ካብ ምስታይ ብትሕርምት ዝነብሩ እዮም። ዕድሚኦም ሓደ ሽሕ ዓመት ኮይኑ ኣብ ሽሕ ዓመቶም እቶም ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ሠለስተ ጊዜ ጥራሕ ሩካቤ ይፍጽሙ። ብሠለስተ ሩካቤ ሠለስተ ይወልዱ፣ ነቲ ሓደ ወዲ ንቤተ እግዚአብሔር ይህብዎ፣ ነቶም ክልተ ወድን ጓልን ድማ ከኣ ንዘርኢ የኃድግዎም። ክሞቱ ከለዉ ከኣ መቓብሮም ኵዒቶም፡ ነዝማዶም ኣኪቦም ተሰናቢቶም ይሞቱ። ብሔረ ብፁዓን፡ ኃጢኣት ዘይብላ ለይትን መዓልትን ብርሃን ዘይፍለያ ዓለም እያ።

ኣባ ዘሲማስ፡ ናብዛ ብሔረ ብፁዓን ሓደ ብምሥራቅ ሓደ ብምዕራብ ዝነበሩ ኣእዋም ገጢሞሙሉ ንምውት ባሕሪ ተሳጊሩ ኣተወ። ኣብ ብሔረ ብፁዓን ዝነብሩ ሰባት ከኣ ተቐቢሎም ዝኃደረሉ ቦታን ክልተ ዝለኣኽዎ ቈልዑን ሃብዎ። ሓደ መዓልቲ ብፁዓውያን ሰባት ንኽርእይዎ መጽኡ እሞ ነዞም ቈልዑ ንገሩልና ክንረኽቦ በልዎም። ንሳቶም ድማ ኣትዮም ንኣባ ዘሲማስ ነገርዎ። ንሱ ግና ግብረ እድ ኮነ ጸሎት ኂዙ ስለዝነበረ “ደቂሱ እዩ ዘሎ ወይ የለን በልዎም” ኢሉ ሰደዶም። እቶም ቈልዑ ግና ኣብ ሃገሮም ሓሶት ስለዘየለ ‘ብናቱ ሃገር የለን ብናትና ሃገር ግና ኣሎ’ ኢሎም እቲ ሓቂ ነገርዎም። እቶም ብፁዓውያን ሰባት ድማ “ጸሊእናዮ ንዝመጻእና ሓሶትሲ ኣብ ሃገርና ክምህረልና” ብምባል ካብ ሃገርና ውፅኣልና ኢሎም ኣውፅእዎ።

ኣባ ዘሲማስ፡ ፍቕሪ ስለ ዝጐደሎ ነቲ ምውት ባሕሪ ዘሳገርዎ ኣእዋም ከምቲ ናይ ቅድም ዘይገጥሙ ኮኑ። ተመሊሱ ኣብ እግሮም ወዲቑ ‘ይቕረ በሉለይ’ ምስ በሎም ግና ገጢሙሉ ተሳጊሩ ከደ።

ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ በዓቱ ዓጽዩ እግዚአብሔር ዝገበረሉ ኵሉ እናኣመስገነ፣ ነቲ ዝጸሓፎ ዜና ብፁዓውያን ዘብሔረ ብፁዓን እናኣንበበ ይነብር ነበረ።

በዚ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ፣ ካብዚ ዓለም ተፈልዩ ኣብ 93 ዓመት ዕድሚኡ ብ9 ሚያዝያ ኣዕረፈ።

 

በረከት ቅዱስ ዘሲማስ ምሳና ይኹን።

ሰላም ዘሲማስ ሶበ ጸለየ ወአስተብቍዐ፣ መጠነ ዓመታት አርብዓ፣ ብሔረ ብፁዓን በዊኦ አምሳለ ማቴዎስ ቦአ፣ ኵሎ በህየ እንተ ነፀረ ወሰምዐ፣ በውስተ ዓለም ከመ ይስብክ ወፅአ።

 

በረከት ጻድቃን ዘብሔረ ብፁዓን ምሳና ይኹን።

ሰላም እብል ዕደወ ብፁዓነ፣ ዘነፀሮሙ ዘሲማስ ወከመ ስምዐ ጽድቅ ኮነ፣ እንበይነ ኢበልዑ ሥጋ ወእንበይነ ኢሰትዩ ወይነ፣ በሥምረተ አምላክ ክርስቶስ አድምዑ መካነ፣ ኀበ አልቦ ሕማመ ወአልቦ ኀዘነ።  

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!