ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

Feb 07, 2020

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ደቡብ 33 ኪ.ሜ. ከምኡ’ውን ብመራጕዝ ንሸነኽ ምዕራብ ካብ ዓዲ ብሓይላይ 25 ኪ.ሜ. ኣብ ልዕሊ ሩባ ዑበል እዩ።

መሥራቲ ናይዚ ገዳም’ዚ ኣቡነ እንድርያስ እዩ። ኣቡነ እንድርያስ ካብ ቅዱሳን ወለዲ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ደቀምሓረ ኮርባርያ (እገላ ኃመስ)ተወልደ። ኣቐዲሞም እዞም ቅዱሳን ወለዲ ቀሺ መንክርን ፀዳለ ብርሃንን ውላድ ስለዘይነበሮም ናብ እግዚአብሔር ብጸሎት ይምኅፀኑ ነበሩ። ድኅሪ ነዊኅ እዋን ድማ ብሩኽን ዓቢይን ውላድ ከምዝወልዱ፡ ስሙ እውን ‘እንድርያስ’ ከም ዝበሃል ብሕልሚ ኣርኣዮም። በዚ ኸኣ ኣቡነ እንድርያስ 29 ሚያዝያ ተፀኒሱ፡ 29 ጥሪ ተወልደ።

ከም ኵሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኸኣ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ንጥምቀተ ክርስትና ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከደ፡ እቲ ማይ ከም ጸባ ፃዕድዩ ተራእየ፣ ገና ካብ ዝውለድ ዚጅምር ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ፤ ሰሚዕካ ዘይጽገብ ብጸጋ እግዚአብሔር ዘደንቕ መንፈሳዊ ሕይወት ስለዝነበሮ ንመጻኢ ዓቢይ መንፈሳዊ ኣቦ ከምዝኸውን ርጉጽ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ኮርባርያ ዝተባህለ ዓዲ ንምንኵስና ዝበቅዕ ውላድ ከምዝህቦን ከይዱ ክባርኾን ብዝገለጸሉ ራእይ ከይዱ ባረኾ።

ከምኡ’ውን ኣቡነ እንድርያስ ገና ወዲ ኃሙሽተ ዓመት ከሎ ብሕልሚ ንኣቡነ መርቆሬዎስ ግሩምን ዘብህግን ፈላሲ ኾይኑ ተራእዮ። በዚ ከኣ መደብ እግዚአብሔር ብምዃኑ፡ ኣቡነ እንድርያስ ናብ ደብረ ድማኅ ከይዱ ትምህርተ ሃይማኖት ተማህረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ‘ከም’ቲ ዓለም ኣባይ ምውቲ ዝኾነት ኣነ’ውን ንዓለም ምዉት እየ’ ብምባል ዓለም መኒኑ ንእግዚኣብሔር ከገልግል ካብ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣርዑት ምንኵስና ኣስኬማ መላእክት ተቐበለ። ኣብ ደብረ ድማኅ ብርድእናን ብሕትውናን ጽሙድ ተጋዳሊ ኮይኑ ዋላ እኳ ብዕድመ እንተነኣሰ መንፈሳዊ ተግባሩ ኣዝዩ ዘደንቕ ከምኡ’ውን ክሳብ ራእያት ምርኣይን ተኣምራት ምግባርን በቒዑ ነበረ። ቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ከኣ ነቲ ናይ ወዱ መንፈሳዊ ዕቤት ብዓይኒ መንፈስ ተኸታቲሉ፡ ምእንቲ ናብ ልዑል ጸጋ ክበጽሕን ንፈተና ኣጋንንት ክስዕርን ወትሩ ይምርምሮን ይመኽሮን ነበረ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ጽኑዕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝነበሮን ጳጳሳት ዘይፍለይዎን ዓቢይ ገዳም ዝነበረ፡ ዳምባ ምጭ ንኣቦኡ ኣፍቂዱ፡ ብጽኑዕ ተባሕትዎ በዓቲ ዓጽዩ ብጸሎት፡ ጾምን ስግደትን ተወሲኑ ነዊኅ ዓመት ምስ ተቐመጠ ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ ተመልሰ።

ኣቡነ እንድርያስ መጋቢ ኮይኑ ከገልግል ከሎ፡ ገበል ኣብ ገንኢ ስዋ ምስ ኣተወ፡ ንሓደ ተማሃራይ “እንተ ሞትኩ ማኅበር ከይሰተይዎ” ብምባል፡ ዋላ እኳ ዘይሰትይ እንተ ነበረ በጃ ማኅበር ንምዃን ግና ሰተዮ። ሓደ ኣባል ማኅበር ብማዕዶ ርእዩ ንኣቡነ መርቆሬዎስ “ኣቡነ እንድርያስ ኣይሰትን እየ እናበለስ ተሓቢኡ እዩ ዝሰቲ” ኢሉ ነገሮ። ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ “ኣንታ እንድርያስ ወደይ ስለምንታይ ደኣ ከምዚ ትገብር፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ “ኣነ ከምዘይሰተኹ እዛ ምርኵሰይን እታ ዚሰተኹላን ይመስክራ” ብምባል መለሰሉ። እተን ምርኵስን መስተይን ድማ ናብ ኣቡነ እንድርያስ ሰጊደን፡ ከም እምኒ ኢያሪኮን ኣድጊ በለዓምን ብቓል ሰብ፦ “ንሱስ ስለ ማኅበር በጃ ንምዃን’ዩ እምበር ስዋ ብሂጉ ኣይሰተየን” ብምባል መስከራሉ። ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ “ኣንታ እንድርያስ ወደይ ኣብዚ ዘብቃዓካ እግዚኣብሔር ይመስገን፣ ድኅሪ ደጊም ግና ምሳይ ኣይክትነብርን ኢኻ፣ ክፍሊ ርስትኻ ብወገን ደቡብ እዩ። ምልክቱ ድማ ክትከይድ ከለኻ ኣብታ ዝኣተኻያ ዓዲ ሓደ ዝወዳ ሰበይቲ ወዳ ሞይቱ ኣብ መሪር ብኽያትን ከቢድ ኃዘንን ክትጸንሓካ እያ። ንስኻ ጸሊኻ ከተተንሥኦ ኢኻ፣ ጕዕዞኻ ቀጺልካ ኣርሒቕኻ ምስ ከድካ እታ ክፍልኻ ዝኾነት ገዳምካ ብማዕዶ ብርሃን ተዓፊና ክትርእያ ኢኻ” ብምባል ትንቢታዊ ቃል ነጊሩ “ኣብ ትኸዶ ኵሉ እግዚአብሔር ምሳኻ ይኹን” ኢሉ ኣፋነዎ።

ኣቡነ እንድርያስ በቲ ዝተዋህቦ ሓበሬታ መንገድን ዝተነግሮ ምልክታትን ኵሉ ከምቲ ዝተባህሎ ሓደ ብሓደ ተፈጸመ። ብወገን ደቡብ ከይዱ፡ ነቲ ዝሞተ ወዲ ኣተንሢኡ፡ ጕዕዞኡ ምስ ቀጸለ ብማዕዶ ወግረ ስኂን ገዳሙ ብብርሃን ተዓፊና ተራእየቶ እሞ ኣዝዩ ተሓጐሰን ንእግዚአብሔር ኣመስገነን። እቲ ቦታ ብብርሃን ተዓፊኑ ስለዝነበረ “ዕፉን‘ዩ” ክብል ገለጾ፣ በዚ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ብብርሃን ዝተዓፈነ ሽፉን ንምባል ‘ዕፉን’ እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ። እቲ ብማዕዶ “ዕፉን‘ዩ” ዚተባህለሉ ቦታ ግና ብቐረባ ዚብጻሕ ብዘይምንባሩ ቍልቍልን ዓቐብን ክሰግር ግድን ኮኖ። ቍልቍል ወሪዱ ዓቀበት ደይቡ ከዕርፍ ኢሉ ኣብ ትሕቲ ደው ዝበለ እምኒ ተጸጊዑ ኮፍ ምስ በለ፡ እቲ እምኒ ድንን ኢሉ ኣጽለለሉ።

ክሳዕ ሕጂ ድማ ምዕራፍ ኣቡነ እንድርያስ እናተባህለ፡ ዝኾነ ናብ ገዳም ዝድይብ ኃላፊ መንገዲ ንበረኸት ክኾኖ ኢሉ ኣብኡ ከየዕረፈ ኣይኃልፍን እዩ።

ኣቡነ እንድርያስ፡ ዓቐበት ወዲኡ ጥርዘ ጥርዚ ኅልፍ ኢሉ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ እቲ ብርሃን ባና ከም ግመ ቅንጥጥ በለ እሞ ዓቢይ በዓቲ ረኺቡ ኣብኡ ኣትዩ ተቐመጠ። እቶም ኣርድእቱ ከኣ ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ ናኣሽቱ በዓትታትን ኣጓዱን ሠፈሩ።

ኣቡነ እንድርያስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ሰፈር ኣራዊት ብዱር ዝተሸፈነ ጽኑዕ በረኻ፡ ድምፂ ኣራዊትን ግርማ ለይትን ጸብኢ ኣጋንንትን ተዓጊሡ፡ ቋርፍ በረኻ እናተመገበ፡ ብጽኑዕ ብሕትውናን ብርቱዕ ተጋድሎን ንብዙኅ ዓመታት ተቐመጠ። ብድኅር’ዚ ‘ግብረ ዘወሃብካኒ ፈጸምኩ/ዝሃብካኒ ሥራሕ ፈጸምኩ’ ብምባል ካብ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሉ 29 መጋቢት 1484 ዓ.ም. ኣብ 96 ዓመት ዕድመኡ ዓረፈ። ኣብ ውሽጢ እቲ ብብሕትውና ዝነበሮ በዓቲ ኸኣ ተቐብረ። እዚ በዓቲ’ዚ ክሳዕ ሕጂ ከም ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ከም ኵሎም ገዳማት ሃገርና ብብዝኂ መነኮሳት ዝነበርዎ ዉዕዉዕ ገዳም እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና ነዚ ገዳም እዚ ደመና ብርሰት ዘንጸላልዎ ዘሎ ይመስል፣ ምኽንያቱ ሎሚ እዚ ገዳም እዚ ሓደ መነኮስ ጥራይ እዩ ኂዙ ዚርከብ ዘሎ እምበር ዝትክኡ ተመሃሮ ዝረኣይዎ ኣይኮነን። ብመንፈሳዊ ኣገልግሎት ኮነ ልምዓታዊ ዕዮን እቶትን’ውን ኣዝዩ ዝተዳኸመ እዩ።

ኣብ ውሥጡ ብዙኅ ዘይተፈተሸ ሃብትን ዘይተጻሕፈን ዘይተነግረን ታሪኽን ሓቚፉ ከምዘሎ ግና ርዱእ እዩ፣ እሞ’ኸ ደኣ እንታይ ይገበር፧ ሎሚ ስቕ ኢልና እንተረኣናዮ፡ ጽባሕ ከም ብዅርና ኤሳው በኺኻ ዘይምለስ ኪኾነና እዩ።

ስለዚ በብዓቕምናን በብደረጃናን ገዳማትናን ኣድባራትናን ዚዕቀቡሉ መንገዲ ሃሰስ ክንብል እግዚአብሔር ምስትውዓል የሃበና።

እግዚአብሔር፡ ብቃል ኪዳን ኣቡነ እንድርያስ ገዳማትና ሕዝብናን ይሓልወና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 10 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Tuesday
18
ዝክር፦ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ፡ ወዮስጦስ፡ ወአባ ኤስድሮስ፡ ወፊሎ ኤጲስ ቆጶስ፡ ወኒቆላዎስ፡ ወአስምዖን። ዘቅዳሴ ምንባብ 1ይ ቆሮ. 12፡3-11። 1ይ ዮሐ. 4፡4-9። ግብ. ሐዋ. 1፡15-19። ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ወንጌል፦ ማቴ. 10፡1-8። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ...

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 2 የካቲት ክሳዕ ረቡዕ…

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ...

አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ የካቲት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ መጋቢት በሰላመ እግዚአብሔር...

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ...

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ደቡብ 33 ኪ.ሜ...

ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ!

ቀዳም 23 ጥር 2012 ዓ.ም. (01/02/2020 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...