ገዳም ፃዕዳ እምባ ቅድስት ሥላሴ - አቡነ ሰይፈ ሚካኤል

Oct 30, 2019

ገዳም ፃዕዳ እምባ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ከረን 25 ኪሎ ሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ኣስታት 2500 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተደኲኑ ዝርከብ ብ1669 ዓ.ም. ዝተገደመ ገዳም እዩ።

ንግደት ናይ ገዳም ፃዕዳ እምባ ሥላሴ ዓመት መጽአ በዓል ሥላሴ ኣብ ዝበዓለሉ 7 ሓምለን፣ ዕረፍቲ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዝኾነሉ 19 ጥቅምትን እዩ ። ናይዚ ክብረ በዓል በረኸት ተሳተፍቲ ንምዃን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገርና ይነግዱ። ብፍላይ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ሕዝበ ክርስቲያን ብብዝኂ ናብቲ ገዳም ብምምጻእ ነቲ በዓል የድምቕዎ።

ኣብ ገዳም ፃዕዳ እምባ ቅድስት ሥላሴ ዘብጽሕ መንገዲ ዓቐበትን ቍልቍለትን ዝበዝኆ ብምዃኑ ብርቱዕ ትዕግሥትን መንፈሳዊ ጽንዓትን ዝሓትት እዩ። ናብዚ ገዳም እዚ ንምብጻሕ ካብ ከተማ ከረን ተበጊስካ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ሩባታትን ጎቦታትን ድኅሪ ምኅላፍ፡ ‘ድንጃ ወርቅ’ ኣብ ዝተባህለ ኣብ እግሪ እቲ ገዳም ተገዲምዎ ዘሎ ነዊኅ እምባ ትበጽሕ። ካብ ‘ድንጃ ወርቅ’ ነዚ ተሪር ነዊኅ እምባ ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ብጥውይዋይ ናይ እግሪ መንገዲ ምስ ደየብካ ‘ማዕዶዋይ’ ዝተባህለ ቦታ ትበጽሕ።

ካብ ማዕዶዋይ ናብ ውሽጢ ገዳም ምስ ኣቕናዕካ ካብ መርገጺ እግሪ ዘይኃልፍ ሥፍሓት ዘይብላ፡ ብየማነ ጸጋማ ዘፍርህ ጸድፊ ዘለዋ ብጭንቂ እትስገር ‘ጸናፌ ጽልመት’ ተባሂላ እትጽዋዕ ጸድፊ ትረክብ። ነዛ ንምስጋራ ጭንቂ ዝኾነት መንገዲ እቶም ዝለመድዋ ዋላ ተሰኪሞም እዮም ዝኃልፍዋ። ካብዚ ንደኃር “ደገ ሰላምን መንገዲ ሰማይን” ዝብሃል ጥውይዋይ መንገዲ ምስ ሰገርካ ናብቲ ገዳም ትኣቱ። ኣብቲ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ‘ሰላም ለኪ’ ኢልካ ጸሎትካ ምስ ኣብጻሕካ፡ ብመጀመርታ ዕፁብ ድንቂ እናበልካ ትዕዘቦም ፍሉይነትን መንፈሳውነትን ናይዚ ገዳም እዚ ዝገልጹ ተኣምራት እዮም። ኣብዚ ገዳም እዚ ቀደም ከምዚ ነይሩ ዝበሃል ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳዕ ሕጂ ብዓይኒ ዝርአ ተኣምራት ኣሎ። ኣብ ከባቢ እዚ ገዳም ዘለዉ ኣእዋም ብእርጋን ድዩ ብንፋስ ክወድቁ ኸለዉ ክንዲ ንታሕቲ ዝወድቁ ንላዕሊ እዮም ዝወድቁ። ኣብዚ ገዳም’ዚ እቲ፡ በላዔ ሥጋ ንስሪ እንተ ኾነ እኳ ሥጋ ዝሞተ እንስሳ ፈጺሙ ዘይምብልዑ ብዓይኒ ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ።

ከምኡ ውን ኣብዚ ገዳም እዚ ተመን ነኺሱ ኪቐትል ኣይክእልን እዩ፡ እቲ ዝተነኽሰ ሰብ ጻጸ ከም ዝነኸሶ ደኣ እምበር ተመን ዝነኸሶ ኾይኑ ኣይስምዖን፡ ፈጺሙ ውን ኣይመውትን እዩ። እቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ነቶም ዝኣመኑ እዚ ተኣምራት እዚ ክስዕቦም እዩ ብስመይ ኣጋንንቲ ከውፅኡ፡ ኣትማን ክኅዙ እዮም፡ ዝቐትል እንተ ሰተዩ’ውን ከቶ ኣይጐድኦምን እዩ።’ ዝበሎ ኣምላኻዊ ቓል ኣብዚ ገዳም እዚን ኣብዚ ዘለናዮ እዋንን ክፍጸም ኢኻ ትርእዮ ። (ማር 16፥16-18፡ ግብ. ሓዋ 28፥3-5) ከምኡ ድማ ካብቲ ኣብዚ ገዳም ዝነበረ ዳዕሮ ተጸሚቑ ዝዳሎ ካብ ወይኒ ዝጥዕም ስዋ ልቢ ዘረስርስን ሕሊና ዘንቅሕን ኃይሊ ሕማም ዝፍውስን ውን  ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ ካብ ዝረኣዩ ዘደንቑ ተኣምራት፥ ሓደ እዋን ኣብ ክረምቲ ኣብቲ ገዳም ብርቱዕ ማይ እናሃረመ ዝወረደ በርቂ ነቲ ከውሒ ምስ ወቕዖ ኣብቲ ከውሒ ምስሊ ቅርጺ ኤርትራ ምሥኣሉ እዩ። እዚ ዅሉ ተኣምር እዚ ክሳዕ ሎሚ ጸኒዑ ዘሎ ብቓል ኪዳን ናይዚ ገዳም ፃዕዳ እምባ ሥላሴ ገዳሚ ዝኾነ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል እዩ ።

ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ኣብ ደርሰነይ ዓንሰባ ካብ ኣቦኡ ዓምደ ሚካኤልን ኣደኡ ኂሩተ ማርያምን ተወልደ። ወለዱ ሕያዎትን ንእግዚአብሔር ዝፈርሁን ጾምን ጸሎትን ዘዘውትሩ ስለ ዝነበሩ ብሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ኰስኲሶም ኣዕበይዎ። ኣቦኡ ቃለ እግዚአብሔር ምእንቲ ክመሃር ኢሉ ናብ ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ መምህር ወሲዱ ኣእተዎ። ነቲ መምህር ከአ ብትግሃት ክምህሮ ሓደራ በሎ። እቲ መምህር ድማ እናተሓጐሰ ተቐበሎም። በዚ ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍትን ያሬዳዊ ዜማን ተማህረ።

ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል “ክስዕበኒ ዝደሊ ርእሱ መኒኑ መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ።’’ ዝብል ቃል ጐይታ ንምፍጻም፡ ንዓለምን ፍትወታን ኃዲጉ መከራ መስቀል ተሰኪሙ ንጐይታ ሰዓቦ። ናብ በዓትታትን ገዳማትን እናዞረ ድማ ኣብ ኣድያቦ ቤተ ቂርቆስ ዝስሙ ገዳም ኣቡነ ኖላዊነ ኄር በጽሐ። ግብረ ምንኵስና እናተማህረ፡ በቲ ትግሃቱን ኣገልግሎቱን ተጋድሎኡን ትሩፋቱን ክሳብ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ መነኮሳት ዝድነቑ የገልግል ነበረ። ካብ ጽንዓት ተጋድሎኡ መልክዑ ከም በረድ ፃዕደወ። በዚ ኸኣ ኣቡነ ዕንቈ ብርሃን ልብሰ ምንኵስናን ኣስኬማ መላእኽትን ኣልበሶ። ብኸምዚ ዝበለ ጽኑዕ ገድሊ ኣብ ኣድያቦ ምስ ኣቦኡ ዕንቈ ብርሃን ብዙኅ ዓመታት ጸኒሑ ብእኡ ተባሪኹ ናብ ዋልድባ ኸደ። ኣብ ዋልድባ ኣትዩ ድማ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ቅዱሳን ተባሪኹ ብፍጹም ተጋድሎ ነበረ።

ብድኅር’ዚ ብፍቓድ ናይ ዋልድባ ቅዱሳን ናብ ወገሪቆ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት መጺኡ ከም ኣበምኔትን መምህርን ኮይኑ ኣገልገለ። ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ወንጌል እናመሃረን ሕሙማት እናፈወሰን ክሳብ ጋሽ ባርካ ደብረ ሳላ ዝበሃል ዞረ። ብድኅር’ዚ መልኣክ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል እናመርሐ ናብታ መዕረፊት ቤቱ ዝኾነት ገዳም ፃዕዳ እምባ ሥላሴ ደብረ ከባቦ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖ። ኣብ ደብረ ከባቦ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ንእግዚአብሔር የገልግል ነበረ። ክጽሊ ኸሎ ለይተ ለይቲ ክሳብ ሰማይ ዓምደ ብርሃን ተተኺሉ ይርኣዮ ነበረ። ኣጋንንቲ ውን ከም ኣትማን፡ ከም ኣናህብ፡ እናኾኑ የሳቕይዎ እኳ እንተነበሩ ብጾምን ጸሎትን ይስዕሮም ነበረ።

ብድኅር’ዚ ኣብ ደብረ ከባቦ ቤተ ክርስቲያን ሓኒፁ ማኅበር ኣቚሙ ን9 ዓመትን 6 ወርኅን እናተጋደለን መከራ እናተቐበለን ምስ ጸንሐ፡ ኣጋ ምሸት እናጸለየ ኸሎ መልኣኽ ናብኡ መጺኡ ‘ናብቲ ገዳም ከእትወካ እየ እሞ ስዓበኒ’ በሎ። ደድኅሪኡ እናሰዓበ ድማ ናብታ ሎሚ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዝኣትውዋ ገዳም ኣእተዎ። ነታ ንኽትርእያ ኣዝያ እተጨንቕ መንገዲ ድማ ጸናፌ ጽልመት ኢሉ ሰመያ። ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ኣብ ውሽጢ እቲ ገዳም ቤተ ክርስቲያንን ቤት ማኅበርን ሓነፀ።

ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ንርኹሳት መናፍስቲ ካብ ሕሙማት የውፅእ ስለዝነበረ እቶም ኣጋንንቲ ‘ኣብዚ ክትነብር ኣይንኃድገካን ኢና’ እናበሉ ብግህዶ ንሞት ክሳዕ ዝበጽሕ ዓይኑ ኣፍሰስዎ ግናኸ መልኣኽ እግዚአብሔር ዳኅሢሡ ኣሕወዮ። ከምኡ ውን እዞም ኣጋንንቲ ኣብቲ መኅደሪኡ ሓዊ ይኽዕውሉን ኣብ ልዕሊኡ ዓበይቲ ኣእማን የንከራርውሉን ነበሩ። እቶም ዝድርበይሉ ዝነበሩ ኣእማን ኣብ ረርእሲ ተቐሚጦም ኣብቲ ዝጽልየሉ ዝነበረ ብወገን ደቡብ ክሳብ ሕጂ አሎ።

ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ነቶም ዝኣመኑ እናኣጽንዐ፡ ንዘይኣመኑ ድማ ኣእሚኑ እናኣጥመቐ ኣብ መዓርገ ክህነት ኣብጺሑ ቤተ ክርስቲያን ይሓንፀሎም ነበረ።
ቅዱስ ኣቦና ምሉእ ሕይወቱ ብብዙኅ ተጋድሎ ሓዋርያዊ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ፡ ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ብ 19 ጥቅምቲ 1722 ኣብ መበል 96 ዕድሚኡ ኣብ ገዳሙ ፃዕዳ እምባ ዓረፈ።

ኣሰር ኣቦኦም ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዝሰዓቡ ኣብዚ ገዳም ዝነበሩ መነኮሳት ዋላ ብጾምን ጸሎትን ዝተወሰኑ እንተኾኑ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሑሩ ወመሀሩ’’ (ማቴ. 28፥19) ብዝበሎ ኣምላኻዊ ቓል መሠረት ሓዋርያዊ ተልእኾ ፈጺሞምን ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያን ካብ ከረን ክሳዕ ኦምሓጀር ካብኡ ኃሊፍካ ውን ክሳዕ ከሰላ ሱዳን ሓኒፆምን እዮም።
ነዚ ዝመስል በረኸት ተሳቲፍና፡ ታሪኽ ፈሊጥና፡ ተኣምራት ርኢና. . . ‘ያብጽሓነ አመ ከመ ዮም’ እናበልና ነናብ ቦታና ተመሊስና።
ጸሎትን በረኸትን ናይ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ዘመነ ዮሓንስ 28 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Sunday
5
ቴዎዲስዮስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ባስልዮስ፡ ወቢፋሞን፡ ወባሊድስ፡ ወኮቶሎስ፡ ወአርዶሚስ።                   ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 14፡6-13 1ይ ጴጥ. 4፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 7፡1-8 ምስባክ፦ መዝ. 36/37 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡10-23 ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ።        * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

ወስእነ አርምሞ (ስቅ ምባል ስኣነ)

ኣብ ‘ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል’ ብዛዕባ ኣውር ዝስሙ ግብጻዊ ሰብኣይን ረድኤት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽን ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣውር፡ ካብ ዝተወልደሉ...

ጥቕሚ’ቲ ጎዳኢ

ደመና ኃጢኣትና ኣብ ልዕሌና ከቢዱ ሰርቢ ቁጥዓ ኣምላኽና ናብ ምድሪ ወሪዱ ዕፀ በለስ ኣበሳና ምስ ፈረየ ብግህዶ ኣፍደገ ሲኦል ተራሕዩ ነፍሳት ክእንገዶ።

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...