ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ !

Dec 10, 2019

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ያፍቅረነ እግዚእ ብሕልሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጽሉ፡- ‘እንሆ ከም ኤርምያስን ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ማሕፀን ኣደኡ ዝተኃርየ፡ ንብዙኃት ሰባት ምክንያተ ድኂን ዝኸውን፡ ስሙ ‘ብፁዕ’ እትሰምዮ ውላድ ክትወልድ ኢኻ’ በሎ። ምስ ተንሥአ ዅሉ’ቲ ዝረኣዮ ንዘመደ ማርያም ነገራ። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ኢሎም ብጸሎትን ምህለላን፡ ምጽዋትን ምቕባል ኣጋይሽን ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ ግና ሽግርን ኃዘንን ስለ ዘጋጠሞም ከም ኣቦና ኣብርሃምን ኣደና ሣራን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ናብ ጣጥያ (ንኡስ ዞባ ዱባርዋ እምኒ ጸሊም) ኸዱ። ኣብዚ ጊዜን ቦታን ስደቶም ድማ ኣብ 1 መስከረም 1425 ዓ.ም. ‘ብፁዓ አምላክ’ ተወልደ።

ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ገና ወዲ ሾመንተ ዓመት ከሎ ኣቦኡ ያፍቅረነ እግዚእ “ዝንቱ ዓለም ኃላፊ ወንብረቱኒ ከንቱ ወትፍግዕቱኒ ማሳኒ ብእሲትኒ ወውሉድኒ አኃውኒ ወአዕርክትኒ ወታሕማኒ ኢያድኅኑ ወኢይከውኑ ቤዛ በደኃሪ መዋዕል በዕለት ዓባይ አመ ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ/ እዚ ዓለም’ዚ ኃላፊ’ዩ ንብረቱ’ውን ከንቱ እዩ፡ ሓጐሱ ኸኣ ጠፋኢ እዩ፣ ደኃራይ መዓልቲ ኣብታ ዓባይ ዕለት ሕያዋንን ሙታንን ኣብ ዝፈርደሉ ጊዜ ሰበይቲ ኾነት ውሉድ ኣኅዋት ኮኑ ኣዕሩኽ ኣሕሙ ኣየድኅኑን እዮም . . . ” ዝብል ሓሲቡ ንሰበይቱን ደቁን ኣኪቡ ናብ ደብረ ቢዘን መንገዱ ኣቕንዐ። ቅድም ኣብ ፋሉቄ (ዓዲ ኣርዓዳ) ገዳመ መነኮሳይያት ደቂ ኣቡነ ፊልጶስ በጽሑ። እታ እመምኔትን ካልኦት መነኮሳይያትን ንኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ምስ ርኣያኦ ‘ እዚ ሕፃን’ዚ ጸጋ እግዚአብሔር ዝኃደሮ እዩ፡ ብየማኑን ጸጋሙን መንፈስ ቅዱስ ዝኸበብዎ መላእክት ዝሕልውዎ እዩ’ በላ።

ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ በጽሑ፡ ናይቲ ጊዜ ኣበምኔት ኣባ ሠረቀ ብርሃን ፡ ብዛዕባ ዕላማ መምጽኢኦም ሓተቶም። ያፍቅረነ እግዚእ ከኣ ‘ንሕና ሃብቲ ዓለም ደሊና ኣይመጻእናን፡ ካባኻትኩም መድኃኒት ነፍስና ዝኾነና ልብሰ ምንኵስና ኢና ንደሊ’ በሎ። ኣባ ሠረቀ ብርሃን ድማ ንያፈቅረነ እግዚእን ኃሙሽተ ደቁን ‘ግብረ ምንኵስና ጥሜትን ጽምእን ዕርቃንን ኵርዓተ ርእስን ስለዘለዎ ከቢድ እዩ። እዞም ደቅኻ’ውን ናኣሽቱ እዮም፡ ንስኻ’ውን ኣይትኽእሎን ኢኻ’ ምስ በልዎ፡ ያፍቅረነ እግዚእ ነቲ ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ሕልሚ ነገሮ። ኣባ ሠረቀ ብርሃን ድማ እግዚአብሔር ገሊጽሉ ናብ ብፁዐ አምላክ እናጠመተ ‘እዚ ድዩ ብዛዕባኡ ዝተዛረብካኒ’ ኢሉ ንዅሎም ኣኅዋት ክመሃሩ ናብ ትምህርቲ ሰደድዎም።
ኣቡነ ብፁዐ አምላክ፡ ኣብዚ ደብረ ቢዘን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮ ብቁዕ መምህር ‘ቅዱሳት መጻሕፍቲ’ ተማሂሩ ናብ ርድእና ኣገልግሎት ኣረጋውያን ተጸምደ። ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ድማ ንእግዚአብሔር ኣሥመሮ። ዓበይቲ ተኣምራት ይገብር ስለዝነበረ፡ እቶም መነኮሳት ‘ምንኵስና ኣስኬማ መላእክት ይግብኦ እዩ’ በሉ። ኣብ መበል 15 ዕድመኡ ድማ ብኢድ ኣቡነ ጴጥሮስ መዓረገ ምንኵስና ምስ ኣኅዋቱን ኣቦኡን ተቐበለ። ኣብ 25 ዓመት ዕድመኡ ኸኣ ካብ ኣቡነ ይስሓቅ ግብጻዊ መዓርገ ዲቁናን ክህነትን ተቐበለ።

ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ኣገልግሎት ክህነት ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ‘ፈኑ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ’ ኣብ ዝብል ኪበጽሕ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ፃዕዳ ርግቢ ኵሉ ሰብ እናረኣዮ ኣብቲ መሠውዒ የጽልል ከም ዝነበረ መጽሓፈ ገድሉ ይገልጽ።
ብድኅር’ዚ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ንዕሥራ ዓመት ኣብ ደብረ ቢዘን ምስ ጸንሐ፡ በረኸት ገዳማት ንምቕባልን ትምህርቲ ንምውሳኽን፡ ናብ ደብረ ዳሞ ከይዱ በረኸት ኣቡነ ኣረጋዊ ተሳቲፉ፡ ገድለ መነኮሳትን ተግባረ እድን ጽሕፈትን ድጉሰትን ስፌትን ተማህረ።

ድኅሪ ኃሙሽተ ዓመት ትምህርቱ ወዲኡ፡ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ደብረ ኰዳዱ ንሕዝበ ክርስቲያን ትምህርተ ሃይማኖት እናሰበኸ ብጾምን ጸሎትን እናተጋደለ ንሠላሳ ዓመት ተቐመጠ። ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ሰንሰለት ሓጺን ተዓጢቑ ኣብ ርእሱ ሓጺን ገይሩ ኣእዳዉ ዘርጊሑ እናጸለየ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ድምፂ ነጐድጓድን በርቅን ማኅበር መላእኽቲ እናተመላለሱ ርእዩ፡ ሰንቢዱ ወደቐ እሞ ቅድስት ሥላሴ ብኣምሳል ሠለስተ ሰባት ተገልጹሉ። በዚ መሠረት ድማ ክሳዕ ሎሚ ክልቲኦም ገዳማት ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ‘ሙራደ ሥላሴ’ የኽብሩ።

ድኅሪ ብዙኅ ዓመታት ብሕትውናን ጽኑዕ ገድልን ኣስተምህሮን፡ ክፍሉ ‘ምድሪ እገላ’ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተረዲኡ፣ ደቀ መዛሙርቱ ኣኸቲሉ ንሕዝቢ ጽልማ ተፋንዩ ናብ ምድሪ እገላ ከይዱ፡ ኣብ ሓደ ጎቦ ኣዕረፈ። ደቀ መዛሙርቱ ግና ‘ኣቦና እዚ ቦታ’ዚ ምድሪ ሸፋቱ ምድሪ ኣራዊት ሥፍራ ኣጋንንቲ እዩ፣ ኣብዚ ከመይ ጌርና ንቕመጥ’ በልዎ። ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ድማ ‘ከምኡ ኣይትበሉ’ ኢሊ ብምግሣፅ ነቲ ቦታ በኣርባዕተ መዓዝን ባሪኹ ማኅደረ ቅዱሳን ገበሮ። ኣብኡ ድማ ገዳም መሥሪቱ ማኅበር ኣቍሙ ኣብ 1467 ዓ.ም. ገደሞ። ድኅሪ ቁሩብ ዓመታት ድማ ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ 9 ግንቦት 1500 ዓ.ም. ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ዓረፈ። ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ድማ ተቐብረ። ኣብ መቃብሩ ክሳዕ ሎሚ ተኣምራት ይግበር ኣሎ። በብጊዜኡ ዝመጹ ሕሙማትን ድኑሳትን ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ ይፍወሱ ኣለዉ።

ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ፡ዝገደመን ፍሉጣት ክልተ ገዳማት ኣለዋ።

* ገዳም ደብረ ኮዳዱ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ጽልማ ኣብ እምኒ ጸሊም ዝርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ኣቡነ ብፁዓ አምላክ ን30 ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ዝተቐመጠሉን ሥላሴ ዝተገልጽሉን ቅዱስ ቦታ ብምዃኑ ከም ገዳም ተገዲሙ፡ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፅሉ ዓመት መጸ ክብረ በዓሉ (01 ታኅሣሥ) እናተኸብረ ይነብር ኣሎ።

* ገዳም ደብረ ምዕዋን ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ፡ ካብ ማይ ዕዳጋ 20 ኪ.ሜ. ኣብ 1970 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። ኣብዚ ገዳም’ዚ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክን ናይ ወደ መዝሙሩ ኣቡነ በኵረ ድንግልን ኣሎ። ዓመት መጸ ክብረ በዓሉ 09 ግንቦት እናተኸብረ ይነብር ኣሎ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...