Print this page

ኣብ ማእከል ባሕሪ - ቤተ ክርስቲያን ባጽዕ

Jan 29, 2020

ኣብዚ ምድራዊ ዓለም ዘሎ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጡር ብፍላይ ሕዝበ ክርስቲያን ኣምልኮቱ ዝፍጽመሉ ምስ ኣምላኹ ዝረኸበሉ ቤተ ጸሎት ከምዘድልዮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።

ክሳዕ ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት ናይ ዕሥራ ክፍለ ዘመን፡ ኣብታ ጎሮሮ ሃገርና ኤርትራ ዝኾነት ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝነበረ ሕዝበ ክርስቲያን፦ ኣምልኮቱ ዝፍጽመሉ፡ ቃለ ወንጌል ዝመሃረሉ፡ ሕፃናት ተወሊዶም ዝጥመቕሉ፡ ምእመናን ሥጋኡን ደሙን ዝቕበሉሉ ቤተ ክርስቲያን ኣይነበሮምን።

ነዚ ዝተረድኡ ማኅበር ደብረ ቢዘን፦ ቤተ ክርስቲያን ንምሕናፅን ሕዝበ ክርስቲያን ንምጥርናፍን ቈሪጾም ተላዕሉ። ኣባት ዓምደማርያም (አበምኔት ደብረ ቢዘን) ነዚ ዓቢይ ሓዋርያዊ ግብሪ እንተ ጀመርዎ እኳ ኣብ ፍጻሜ ከየብጽሕዎ መዋዕለ ዘመን ደሪትዎም ዓረፉ።

ቀጺሎም ኣበምኔት ደብረ ቢዘን መምህር ገብረ ኣምላክ (ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ዘኤርትራ) ብማኅበር ተወኪሎም ነዚ ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ንምሥራሕ ዕለታዊ ተግባር ጌሮም “ቤተ ክርስቲያን ዝሥርሓሉ ቦታ (መሬት) ይወሃበና” እናበሉ ናብ መንግሥቲ ምጽሕሓፍ ጀመሩ። ዓቕሞም ዝፈቐዶ ብዘይ ዕረፍቲ’ውን ላዕልን ታሕትን እኳ እንተበሉ ኣብ የብሲ (መሬት) ቦታ ተዋሂብካ ቤተ ክርስቲያን ምሥራሕ ፈጺሙ ዘይከኣል መሰለ።

እቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ የብሲ (ንቁጽ ምድሪ) ከይሥራሕ ዝከራኸሩ ዝነበሩ፦ “እንተ ደሌኹም ኣብ ማእከል ባሕሪ ሥርሑ” ደኣ በሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ሕዝበ ክርስቲያን ብሃይማኖቱ ጽኑዕ ብመንፈሳዊ መንገዱ ቅኑዕ ስለ ዝነበረ፦ “እንቋዕ ደኣ ኣብ ባሕሪ ሥርሑ በሉና እምበር ዘይንሠርሕ” ብምባል ብመሪሕነት መምህር ገብረ ኣምላክ ኣብ 1928 ዓ.ም. እቲ ሥራሕ ብሓፂንን ጣውላን ተጀመረ። ናይ ኵሉ ሰብ ሃይማኖታዊ ስምዒትን መንፈሳዊ ቅንኣትን ትግሃትን እምብዛ ልዑል ስለዝነበረ ኸኣ እቲ ቤተ ክርስቲያን ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ተዛዘመ። ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ተጸዊዑ ታቦተ ሕጉ ኣትዩ ድማ ኣገልግሎት ክህብ ጀመረ።

መምህር ገብረ ኣምላክ ነዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ምስ ፈጸሙ ድኅሪ ክልተ ዓመት ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ተባሂሎም ናይ ኤርትራ ቀዳማይ ጳጳስ ኮይኖም ከምዝተሾሙ ይፍለጥ።

ብኸምዚ ኸኣ እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከል ባሕሪ 18 ዓመት ድኅሪ ምጽናሕ “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር” ከምዝበሃል ካብ ባሕሪ ዝወፀሉ ጊዜ በጺሑ፡ መሬት ተዋሂቡ ብ1946 ዓ.ም. ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ተሓንፀ። ታቦተ ሕጉ ድማ ካብ ማእከል ባሕሪ ወፂኡ ናብዚ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ኣተወ። እንሆ ድማ እዚ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ባጽዕ ካብ ዝምሥረት ክሳዕ ሎሚ 65 ዓመት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይዚ ቤተ ክርስቲያን 21 ጥር ዕለተ ዕረፍት ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃኑ ነዚ ዝኃለፈ ታሪኽ እናዘከሩ ካብ ርኁቕን ቀረባን ዝመጹ ሕዝበ ክርስቲያን ብዓቢይ ድምቀት እናኽበርዎ ይነብሩ ኣለዉ።